ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኖህ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኖህ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኖህ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኸበ ስለምንታይ እዩ፧ ንዓና ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

መብዛሕትና ኣገዳሲ ዝዀነ ዜና ዝሰማዕናሉ እዋን ንዝክሮ ኢና። ኣበይ ከም ዝነበርናን እንታይ ንገብር ከም ዝነበርናን ጥራይ ዘይኰነስ: እንታይ ከም እተሰምዓና እውን ንዝክሮ ኢና። ኖህ ካብቲ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዜና እተቐበለላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዓ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ካብዚ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኪኸውን ዚኽእል ዜና እሞ እንታይ እዩ፧ የሆዋ: “ስጋ ዘበለ ዅሉ” ኼጥፍእ ከም ዝወሰነ ተዛረበ። ኖህ ንርእሱን ንስድራ ቤቱን ንእተፈላለየ ዓሌት እንስሳን ኬድሕን ዓባይ መርከብ ኪሰርሕ ተነግሮ።—ዘፍጥረት 6:9-21

ኖህ እንታይ ገበረ፧ ነዚ ዜና ብምስምዑ ተሓጕሱዶ ወይስ ተቓዊሙ፧ ንሰበይቱን ንስድራ ቤቱንከ ብኸመይ ነገሮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይነግረናን እዩ። የግዳስ: “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” እዩ ዚብል።—ዘፍጥረት 6:22

ኣብዛ ጥቕሲ ዘሎ ኣገዳሲ ዝዀነ ነጥቢ: ኖህ ኣምላኽ ዝበሎ ንኺገብር ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ኪረክብ ምኽኣሉ እዩ። (ዘፍጥረት 6:8) ኖህ ሞገስ ንኺረክብ ዘኽኣሎ ኻልእ ነገርከ እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ብሕጂ ንምድሪ ኻብ እከይ ኬጽርያ ኸሎ ልክዕ ከም ኖህ ምእንቲ ኽንድሕን መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ምፍላጥና ኣገዳሲ እዩ። ብቐዳምነት ግን: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረ እዋን ናብራ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ እስከ ንመርምር።

ኣጋንንቲ ናብ ምድሪ መጹ

ኖህ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወዲ ሰብ ይነብር ነበረ። እቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ካብ ዚፍጠር ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ተወልደ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት: ከምቲ ገሊኦም ኣብ ኣእምሮኦም ዚስእልዎ: ጸጓራት: ኣእምሮኦም ዘይማዕበለ: ከምኡውን ኣብ ኢዶም ኣባትር ብምሓዝ ጎሰስ እናበሉ ዚኸዱ ነበርቲ በዓቲ ኣይኰኑን ነይሮም። ካብ ሓጺንን ኣስራዝን እተፈላለየ ናውቲ ይሰርሑ ነበሩ፣ ኖህ እውን ነታ መርከብ ኪሃንጽ ከሎ በዚ ተጠቒሙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መሳርሒታት ሙዚቃ እውን ነይሩ እዩ። ሰባት ይምርዓዉ: ቈልዑ የዕብዩ: ይዘርኡ ነበሩ: ማል እውን ነበራኦም። ይዕድጉን ይሸጡን ነበሩ። በዚ መገዲ እዚ: ምስ ናይ ሎሚ ዚመሳሰል ናብራ ህይወት ነበረ።—ዘፍጥረት 4:20-22፣ ሉቃስ 17:26-28

በቲ ኻልእ መገድታት ግን ኣጸቢቑ እተፈልየ ነበረ። ሰባት ነዊሕ ዕድመ ይነብሩ ምንባሮም ሓደ ኻብቲ እተፈልየ ነገር እዩ። ሓደ ሰብ ልዕሊ 800 ዓመት ኪነብር ልሙድ እዩ ነይሩ። ኖህ 950 ዓመት: ኣዳም 930 ዓመት: ከምኡውን እቲ ኣቦሓጎ ኖህ ዝነበረ ማቱሳላ 969 ዓመት ብህይወት ነበሩ። aዘፍጥረት 5:5, 27፣ 9:29

ካልእ ፍልልይ ከኣ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 6:1, 2 ተገሊጹ ዚርከብ: “ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኽበዝሕ ምስ ጀመረ: ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም: እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ” ዚብል እዩ። እዞም “ደቂ ኣምላኽ” ስጋ ሰብ ለቢሶም ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወረዱ መላእኽቲ እዮም። ብኣምላኽ ተላኢኾም ወይ ንሰባት ኪረብሑ ኢሎም ኣይኰኑን መጺኦም። ኣብ ክንዳኡስ: እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ “ሰፈሮም ዝሐደጉ:” ምስተን ኣብ ምድሪ ዝነበራ መልክዐኛታት ኣዋልድ ጾታዊ ርክብ ንኺፍጽሙ ኢሎም እዮም። ኣጋንንቲ ኸኣ ኰኑ።—ይሁዳ 6

እቶም ዓለወኛታትን ብልሹዋትን ዝነበሩ: ከምኡውን ልዕለ-ሰብኣዊ ሓይልን ኣእምሮን ዝነበሮም ኣጋንንቲ ኣብ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ሕማቕ ጽልዋ ገበሩ። ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዳርጋ ተቘጻጺሮምዎን ገዚኦምዎን ነበሩ። ልክዕ ከም ሓደ ጸልማት ተኸዊሉ መንነቱ ብምሕባእ ነቲ እኩይ ተግባራቱ ዚፍጽም ገበነኛ ብምስጢር ኣይኰኑን ዚንቀሳቐሱ ነይሮም። ኣብ ክንዳኡስ: ከይሓነኹ ኣንጻር እቲ ኣምላኽ ዝገበሮ መሰናድዎ ብግህዶ ዓለዉ።

እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝነበሩ መላእኽቲ ምስ ኣንስቲ ጾታዊ ርክብ ምስ ፈጸሙ: እተን ኣንስቲ ፍሉይ ሓይሊ ዝወረሱ ቘልዑ ወለዳ። ብእብራይስጢ ኸኣ “ነፊሊም” ተባህሉ። ከምዚ ዚብል ነንብብ:- “ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ አተዉ: ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም: በቲ ዘበን እቲ: ብድሕሪኡ ድማ: ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።” (ዘፍጥረት 6:4) ነፊሊም ኣዝዮም ዚፍርሁ ነበሩ። እታ “ነፊሊም” እትብል ቃል ንኻልኦት ዜውድቑ “መውደቕቲ” ማለት እያ። እቲ ዓመጻ ዝመልኦ ተግባራቶም ኣብ ጥንታዊ ጽውጽዋያትን ኣፈ-ታሪኽን ተንጸባሪቑ ኣሎ።

ጓሂ እቲ ጻድቕ

ኣብቲ ወለዶ እቲ: ብልሽውና ዓሚቝ ሱር ሰዲዱን ኣስፋሕፊሑን ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረአየ። . . . ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት። ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ” ይብል።—ዘፍጥረት 6:5, 11, 12

እታ ኖህ ዚነብረላ ዝነበረ ዓለም ከምዚ ትመስል ነበረት። ካብታ ኣብ ከባቢኡ ዝነበረት ዓለም ብእተፈልየ መገዲ: ኖህ “ጻድቕን እንታ ዜብሉን ሰብኣይ ነበረ:” ብዘይካዚ “ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ።” (ዘፍጥረት 6:9) ጻድቕ ሰብ ኣብ መንጎ ሓጥእ ሕብረተሰብ ንኺነብር ቀሊል ኣይነበረን። ኖህ በቲ ሰባት ዚብልዎን ዚገብርዎን ነገራት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ጕህዩ ኪኸውን ዘለዎ! ከምቲ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ሎጥ ዚበሃል ጻድቕ ሰብ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ መንጎ እቶም ብልሽዋት ነበርቲ ሶዶም ዚቕመጥ ዝነበረ ሎጥ: “ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን [ይስቀ]” ነበረ: “ኣብ ማእከሎም ኪነብር ከሎ: ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዚርእዮን ዚሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም: እታ ጻድቅ ነፍሱ ትስቀ ነበረት።” (2 ጴጥሮስ 2:7, 8) ኖህ እውን ከምኡ ይስምዖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

በቲ ኣብ ዜና እትሰምዖ ዜሰንብድ ፍጻመታት ወይ በቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ተግባራት ዚገብሩ ሰባት ትጕሂዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ኖህ እንታይ ከም እተሰምዖ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ማይ ኣይሂ ኪኸውን ከሎ ወዲ 600 ዓመት ዝነበረ ኖህ ንኽንድዚ ዚኣክል ዓመት ነታ እክይቲ ዓለም ኪጻወራ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝዀነ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ዕረፍቲ ንኺረክብ ክሳዕ ክንደይ ኰን ሃረር ኢሉ ኪኸውን ኣለዎ!—ዘፍጥረት 7:6

ኖህ ፍሉይ ንምዃን ትብዓት ነበሮ

ኖህ ‘ኣብቶም ወለዶታቱ እንታ ዜብሉ’ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። (ዘፍጥረት 6:9) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቶም ወለዶታቱ እንታ ዘይብሉ ኺብል ከሎ: ብኣረኣእያ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘይኰነ ኣስተብህል። ብኻልእ ኣዘራርባ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንታ ዘይብሉ እኳ እንተ ነበረ: ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረት ዓለም ንዝነበሩ ሰባት ግን ኖህ ስግንጢር እዩ ዀይንዎም ነይሩ። ምስ ናይ ሓፋሽ ኣረኣእያ ኸም ዘይተሰማምዐ ኸምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ዘይብሉ መዘናግዒታትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ከም ዘይተኻፈለ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። መርከብ ምስራሕ ምስ ጀመረ ሰባት ብዛዕባኡ ዝነበሮም ኣረኣእያ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ይስሕቕዎን የላግጽሉን ነበሩ። ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ነገር ኣርዚኖም ኣይረኣይዎን።

ኣብ ርእሲ እዚ: ኖህ ንበይኑ ጥራይ ዘይሓዞ ሓያል ሃይማኖታዊ እምነት ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሰባኽ ጽድቂ” ከም ዝነበረ ይነግረና። (2 ጴጥሮስ 2:5) ኖህ ምጽራር ኬጋጥሞ ኸም እተጸበየ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ኣቦ ኣቦሓጎኡ ዝዀነ ሄኖክ: ኣምላኽ ነቶም እኩያት ከም ዚፈርድ እተነበየ ጻድቕ ሰብ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ዋላ እኳ ኣምላኽ: ተጻረርቱ ኪቐትልዎ እንተ ዘይፈቐደሎም: መስጐጕቲ ኸም ዘምጸኣሉ ርዱእ እዩ። (ዘፍጥረት 5:18, 21-24፣ እብራውያን 11:5፣ 12:1፣ ይሁዳ 14, 15) ኖህ ካብ ሰይጣን: ኣጋንንቲ: ነፊሊም: ከምኡውን ካብ መብዛሕትኦም ሰባት ንዜጋጥሞ ዘይምግዳስ ወይ ምጽራር ንምጽዋር ትብዓት ኪህልዎን ኣብቲ የሆዋ ንኼዕቍቦ ዘለዎ ኽእለት እምነት ኬሕድርን የድልዮ ነበረ።

እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት ኵሉ ግዜ በቶም ንዕኡ ዘየገልግሉ ሰባት ምጽራር የጋጥሞም እዩ። የሱስ ክርስቶስን ሰዓብቱን እውን ብሰብ ተጸሊኦም እዮም። (ማቴዎስ 10:22፣ ዮሃንስ 15:18) ኖህ ንኣምላኽ ምግልጋሉ ብህዝቢ ዘይፍተወሉ እኳ እንተ ነበረ: ንኣምላኽ ንምግልጋል ትብዓት ነበሮ። ሞገስ ኣምላኽ ምርካብ: ኣብቶም ዚጻረርዎ ዝነበሩ ሰባት ተቐባልነት ካብ ምርካብ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ኖህ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ረኸበ።

ኖህ ኣቕለበ

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ኖህ ንኻልኦት ኪሰብኽ ትብዓት ነበሮ። ነቲ ዝነገሮም መልእኽቲ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበሩ ሰባት: “ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ነቲ እተዋህቦም መጠንቀቕታ ኣየቕለብሉን።—ማቴዎስ 24:38, 39

የሱስ ኣብ ግዜና እውን ከምኡ ኸም ዚኸውን ገሊጹ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ የሆዋ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ብምምጻእ መብጽዓኡ ንምፍጻም ዘየዳግም ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ዚገልጽ መጠንቀቕታ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመት እናኣስምዑ ጸኒሖም እዮም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዚ መጠንቀቕታ ኣወንታዊ ምላሽ እኳ እንተ ሃቡ: ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ህዝቢ ዓለም ግን ኣየቕለብሉን። ንሓቅነትን ኣገዳስነትን ማይ ኣይሂ “ፈትዮም” ዕሽሽ ይብልዎ ኣለዉ።—2 ጴጥሮስ 3:5, 13

ኖህ ግን ኣቕለበ። ነቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝነገሮ ነገር ኣመነ። ተኣዛዝነቱ ኸኣ ድሕነት ኣምጽኣሉ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረአየ: ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ” ኢሉ ጸሓፈ።—እብራውያን 11:7

ክንስዕቦ ዘሎና ኣብነት

እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ካብ ሜዳ ዅዕሶ እግሪ እትነውሕ: ቍመታ ድማ ክንዲ ኽልተ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ እትኸውን ኣዝያ ዓባይ ነበረት። ካብታ ብዕንጨይቲ ኻብ እተሰርሓ መራኽብ ዝዓበየት ዝዀነት ዋዮሚንግ እትበሃል መርከብ ብ30 ሜተር ትነውሕ ነበረት። ብርግጽ እታ ኖህ ዝሰርሓ መርከብ ከምተን ሎሚ ዘለዋ ዘመናውያን መራኽብ ኣይነበረትን፣ ከተንሳፍፍ ጥራይ እዩ ዚድለ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ብምዕቡል መገዲ ኽትስራሕ ነበራ። ውሽጣን ደጊኣን ከኣ ብቕጥራን ክትልቕለቕ ነበራ። ነታ መርከብ ንምህናጽ ልዕሊ 50 ዓመት ወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 6:14-16

ካልእ ኪፍጸም ዝነበሮ ነገር እውን ነይሩ እዩ። ኖህ ንስድራኡን ነቶም እንስሳታትን ዚኸውን ናይ ሓደ ዓመት ቀለብ ኪእክብ ነበሮ። ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምምጻኡ እቶም እንስሳታት ኪእከቡን ናብ ውሽጢ ኺኣትዉን ነበሮም። “ኖህ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ዅሉ ገበረ።” ኵሉ ነገር ድሉው ኪኸውን ከሎን የሆዋ ድማ ነቲ ማዕጾ እታ መርከብ ምስ ዓጸዎን ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ዀን እዩ ዝዀነ!—ዘፍጥረት 6:19-21፣ 7:5, 16

ድሕርዚ ማይ ኣይሂ መጸ። ን40 መዓልትን 40 ለይትን ከኣ ዘነመ። እቲ ማይ ክሳዕ ዚጐድል ንሓደ ዓመት ዚኸውን ኵሎም ኣብታ መርከብ ጸንሑ። (ዘፍጥረት 7:11, 12፣ 8:13-16) ኵሎም እቶም እኩያት ሰባት ጠፍኡ። ኖህን ስድራ ቤቱን ጥራይ ናብታ ዝጸረየት ዓለም ብምእታው ደሓኑ።

መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ዓለምለኻዊ ምዕልቕላቕ ማይ: “መሰክሒ” ኸም ዚኸውን ይገልጽ። ብኸመይ፧ “እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ” ዚብል ነንብብ። እንተዀነ ግን: ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሕጂ እውን ዚድሕኑ ሰባት ኪህልዉ እዮም። ‘የሆዋ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ብኸመይ ከም ዜውጽኦም ይፈልጥ’ ምዃኑ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—2 ጴጥሮስ 2:5, 6, 9፣ 3:7

ኖህ ኣብ መንጎ እቲ እኩይ ወለዶ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝነበሮ ጻድቕ ሰብ ነበረ። ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ተኣዘዘ። በቶም ንኣምላኽ ኬገልግሉ ዘይደልዩ ሰባት ኪንዓቕን ኪጽላእን ምዃኑ ይፈልጥ እኳ እንተ ነበረ: ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብር ግን ትብዓት ነበሮ። በዚ መዳይ እዚ ንኖህ ብምምሳል ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብን ድሒንና ናብታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ክንኣቱን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:9, 10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ ሓምለ 2007 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 30 እትርከብ “ብሓቂዶ ኽሳዕ ክንዳኡ ነዊሕ ዕድመ እዩ ነይርዎም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ዓመጻ ዝመልኦ ተግባራት ነፊሊም ኣብ ጥንታዊ ኣፈ-ታሪኻት ተንጸባሪቑ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንእምነት ኖህ ብምቕዳሕ ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Alinari/Art Resource, NY