ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ንምልእቲ ምድሪ ድዩ ኣጥለቕሊቕዋ፧

እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ንምልእቲ ምድሪ ድዩ ኣጥለቕሊቕዋ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ብሓቂ ንምልእቲ ምድሪ ድዩ ኣጥለቕሊቕዋ፧

እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ኣስታት 4,000 ዓመት እዩ ገይሩ። ስለዚ: ካብቶም ነዚ ኺፍጸም ከሎ ብዓይኖም ዝረኣዩ ሰባት ሕጂ ብዛዕባኡ ኺነግረና ዚኽእል ሓደ እኳ ብህይወት የልቦን። ይኹን እምበር: ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝነውሐ ኸረን ብማይ ከም እተጐልበበ: ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ይርከብ እዩ።

እቲ ታሪኻዊ ሰነድ ከምዚ ይብል:- “ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ: . . . እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ: ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት [6.5 ሜተር] ንላዕሊ ደየበ: እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ።”—ዘፍጥረት 7:17-20

ገሊኦም ሰባት እቲ ምልእቲ ምድሪ ብማይ ተጐልቢባ ኸም ዝነበረት ዚገልጽ ዛንታ: ጽውጽዋይ ከም ዝዀነ ወይ ድማ እንተ ወሓደ እተጋነነ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ ይዀኑ። ፈጺሙ ግን ከምኡ ኣይኰነን! እወ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ: መብዛሕትኡ ኽፋል ምድሪ ብማይ እተሸፈነ እዩ። ኣስታት 71 ሚእታዊ ዚኸውን ክፋል ምድሪ ማያዊ ኣካል እዩ። ስለዚ: ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ምዕልቕላቕ ማይ ሕጂ እውን ኣሎ። እቲ ኣብ ዋልታ ምድሪ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታታት ዚርከብ ኣኻውሕ በረድ እንተ ዚመክኽ: እቲ ጽፍሒ ባሕሪ ኽብ ኢሉ ንኸም ኒው ዮርክን ቶክዮን ዝኣመሰላ ኸተማታት መጐልበበን ነይሩ።

እቶም ብዛዕባ ገጸ ምድሪ ሰሜናዊ ምዕራብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ መጽናዕቲ ዝገበሩ ተመራመርቲ ስነ-መሬት: ጥንቲ ኣብቲ ኸባቢ 100 ዚኣክል ምዕልቕላቕ ማይ ከም ዘጋጠመ ይኣምኑ። ገለ ኻብቲ ነቲ ቦታ ዘዕለቕለቐ ማይ ኣብ ሰዓት 105 ኪሎ ሜተር እናተሓምበበ ዝመጸ ዀይኑ: ንላዕሊ 600 ሜተር ቍመት ነበሮ፣ እዚ ድማ ልዕሊ ኽልተ ትሪልዮን ቶን ክብደት ዝነበሮ 2,000 ኲቢክ ኪሎ ሜተር ዚኸውን ማይ ማለት እዩ። ካልእ ተመሳሳሊ ርኽበታት እውን ንኻልኦት ተመራመርቲ ዓለምለኸ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢሙ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣእሚንዎም እዩ።

እንተዀነ ግን: ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዚኣምኑ ሰባት: ዓለምለኻዊ ምዕልቕላቕ ማይ ኣጋጢሙ ኪኸውን ዚኽእል ጥራይ ዘይኰነስ: እተረጋገጸ ሓቂ እዩ። የሱስ ንኣምላኽ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” በሎ። (ዮሃንስ 17:17) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ፍቓድ ኣምላኽ: “ኵሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ምዃኑ ጸሓፈ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ኣብ ቃል ኣምላኽ ጽውጽዋይ እንተ ዚርከብ ነይሩ: ከመይ ኢሉ ደኣ ጳውሎስ ንሰዓብቲ የሱስ ሰረተ-እምነታዊ ሓቂ ኺምህሮም ዚኽእል፧

የሱስ: ማይ ኣይሂ ኸም ዘጋጠመ ጥራይ ዘይኰነስ: ዓለምለኻዊ ኸም ዝዀነ እውን እዩ ዚኣምን ነይሩ። ነቲ ኣብቲ ብዛዕባ ህላወኡን መደምደምታ እዚ ስርዓት እዝን እተነበዮ ኣገዳሲ ትንቢት ዘሎ ፍጻመታት: ምስቲ ብግዜ ኖህ እተፈጸመ ፍጻመታት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:37-39) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ጴጥሮስ 3:6

ኖህን እቲ ብግዜ ኖህ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ማይን ጽውጽዋይ እንተ ዚኸውን ነይሩ: እቲ ነቶም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ዚነብሩ ዘለዉ ሰባት ብጴጥሮስን ብየሱስን እተዋህበ መጠንቀቕታ ትርጕም ኣልቦ ምዀነ። ስለዚ: እዚ መጠንቐቕታ ምዃኑ ተሪፉ ንሓደ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መጠንቀቕታታት ዘለዎ ምርዳእ መደናገሮ ነይሩ: ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካብቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ጥፍኣት ዝገደደ ጸበባ ንምድሓን ዘለዎ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደጋ መእተዎ ነይሩ።—2 ጴጥሮስ 3:1-7

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ንህዝቡ ዚገብሮ ዘየቋርጽ ምሕረት ኪዛረብ ከሎ: “ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ: ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ: ከምኡውን ከይቍጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ” በለ። ስለዚ እምበኣር: ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ንምድሪ ኸም ዘጐልበባ ርግጽ ዝዀነ: ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ሳህሊ ኼርእዮም እዩ።—ኢሳይያስ 54:9