ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘመናዊት “እስራኤላዊት ጓል”

ዘመናዊት “እስራኤላዊት ጓል”

ዘመናዊት “እስራኤላዊት ጓል”

ዝኽሪ ሞት የሱስ ቅድሚ ምብዓሉ ኽልተ ሰሙን ኣቐዲሙ: እቶም ኣብ ፕርያ ግራንደ: ብራዚል ዚነብሩ ነፍሲ ወከፍ ኣባላት ስድራ እንዳ ሴልስ ንስማት እቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ኺዕድምዎም ዚደልዩ ሰባት መዝገቡ። እታ ጓል ሽዱሽተ ዓመት ዝዀነት ኣቢጋይል ሓንቲ ወረቐት ዕድመ ተዋህባ: ንመን ክትዕድም ከም እትደሊ ድማ ሓተትዋ።

“ነቲ ዅሉ ግዜ ፍሽኽ ዚብለኒ ሰብኣይ” በለት።

ድሕሪኡ ወለዳ “እንታዋይ እዩ ንሱ፧” በልዋ።

“እቲ እኳ ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ኮፍ ዚብል” በለቶም።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣቢጋይል ንወለዳ ነቲ ብዛዕባኡ ዝነገረቶም ሰብኣይ ኣርኣየቶም። እቲ ዋልተር ዚበሃል ሰብኣይ: ካብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓንቲ ኣንጎሎ ጥራይ ርሒቑ እዩ ዚነብር። ብምኽንያት እቲ ቕድሚ 15 ዓመት ወዲ 28 ዓመት ከሎ ዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና: ካብ ሕቘኡ ንታሕቲ ለሚሱ እዩ። ሃብታም ስለ ዝነበረ ድማ ክልተ ሓለውቲ ነበርዎ። ኣቢጋይል ንዋልተር ከተዘራርቦ ፍቓድ ምስ ረኸበት: ወለዳ ጓሎም ንዕኡ ወረቐት ዕድመ ኽትህቦ ኸም ዝደለየት ገለጹሉ።

ኣቢጋይል ብዛዕባ እቲ ወረቐት ዕድመ ዚግበር መእተዊ ተዛሪባ ምስ ወድአት: “ኵሎም እቶም ኣብ ናትና ኣዳራሽ መንግስት ኣምላኽ ዘለዉ ሰባት ብዙሕ መዓደሚ ወረቐት እዩ ዘለዎም: ኣነ ግና ሓንቲ ጥራይ እያ ዘላትኒ። ስለዚ ንዓኻ ጥራይ እየ ዓዲመ። ንስኻ እንተ ተሪፍካ: በቃ ኻልእ ዕዱም የብለይን። እንተ መጺኻ ግን: ኣዝየ ኽሕጐስ እየ: የሆዋ ድማ ካባይ ንላዕሊ ኺሕጐስ እዩ” በለቶ።

ኣብቲ ዝኽሪ ዚበዓለሉ መዓልቲ: ነቲ ምሸት ዚግበር በዓል ዝኽሪ ንምድላው: ኣቢጋይል ምስ ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓባር ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ የጽርዩ ነበሩ። ዋልተር ድሕሪ ቐትሪ ብእኡ ኺሓልፍ ከሎ: ንኣቢጋይል ምስ ረኣያ: ንመራሒ ማኪናኡ ነታ ማኪና ጠጠው ኬብለሉ ነገሮ። መስኰቱ ኸፊቱ ድማ ንኣቢጋይል እንታይ ትገብር ከም ዘላ ሓተታ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ምእንቲ ኪዀነሉ ነቲ ኣዳራሽ የጽርዩ ኸም ዘለዉ ነገረቶ።

ኣብታ ምሸት እቲኣ: ኣቢጋይል ኣዝያ ተሻቐለት። እቲ መደረ ተጀመረ: ዋልተር መጺኡ እንተ ዀይኑ ንምርኣይ ግልጽ እናበለት ትጥምት ነበረት። ብሃንደበት ድማ ንሱን ሓለውቱን መጹ። ምስ ረኣየቶም ብሓጐስ ፍሽኽ በለት። ድሕሪ እቲ መደረ: ዋልተር ናብ ካልእ ከተማ ንምኻድ ጕዕዞ ጀሚሩ ኸም ዝነበረ: ደሓር ግን ሓሳቡ ቐይሩ ናብቲ በዓል ዝኽሪ ኸም ዝመጸ ገለጸ። ቀጺሉ ድማ “እዚ መደረ እዚ ብሓቂ ኽሰምዖ የድልየኒ ነበረ” በለ። ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቅዱስ ኪወሃቦ ሓተተ: ኬጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ኪእከብን ጀመረ።

ከምዚ ኪኸውን ከሎ: ሓብቲ ዋልተር ነታ ሓዋ ብዙሕ ግዜ ዜልዕላ ኣቢጋይል እትበሃል ቈልዓ ኽትላለያ ኸም እትደሊ ተዛረበት። ምስ ተላለየታ: ኣቢጋይል ከመይ ዝኣመሰለት ንፍዕቲ ቘልዓ ምዃና ምፍላጣ ኣሐጐሳ። “ሓወይ ስለምንታይ ኣዝዩ ኸም ዚሕጐስ ሕጂ ፈሊጠ” ኸኣ በለት።

ዋልተር መጽናዕቱን ኣኼባ ምእካቡን ቀጸለ። ካብዚ ሓሊፉ እውን ሓሳባት ይህብን ብዛዕባ እቲ እተመሃሮ ነገር ንኻልኦት ይዛረብን እዩ። ብርግጽ እምበኣር: ኣቢጋይል ነታ ንንእማን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኺፈልጦ ዝሓገዘቶ እስራኤላዊት ጓል ተዘኻኽረና እያ።—2 ነገስት 5:2-14