ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኣብ መላእ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ሓጐስ

ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኣብ መላእ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ሓጐስ

ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ኣብ መላእ ህይወተይ ዝረኸብክዎ ሓጐስ

ቢል ያርምቹክ ዘዘንተዎ

ኣብ መጋቢት 1947: ካብቲ ሽዑ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ሻምናይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ሚስዮናዊ ዀይነ ድሕሪ ምምራቐይ: ናብታ እተመደብኩላ ኣብ ርሑቕ ወጻኢ ሃገር እትርከብ ሲንጋፖር ጕዕዞ ጀመርኩ።

ዴቭ ፋርመር ዚበሃል ኣብ ሻውዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ ካናዳዊ ሓው: ምሳይ ኪዓዪ ተመደበ። ብሓንቲ ናይ ወተሃደራት ዝነበረት ማሪን ኣደር እትበሃል መርከብ ጌርና ኻብ ሳን ፍራንሲስኮ: ካሊፎርኒያ ነቐልና።

እታ መጀመርያ ዘዕረፍናላ ወደብ: ኣብ ሃገራት ምብራቕ እትርከብ ሆንግ ኮንግ ነበረት። እቲ ኣብኡ ዝረኣናዮ ነገራት ኣዝዩ ዜሰንብድ ነበረ። ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘስዓቦ ዕንወት ኣብ ኵሉ ይርአ ነበረ፣ ብጥሜት ዚሳቐዩን ኪሞቱ ዝቐረቡን ሰባት ኣብ መገዲ ኣጋር ወዲቖም ይረኣዩ ነበሩ። ናብ መርከብ ቀልጢፍና ብምምላስ ናብታ ማኒላ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ፊሊፕንስ ኣምራሕና።

ኣብኡ እውን ዜስካሕክሕ ሳዕቤን እቲ ውግእ ረኣና። ስብርባር እተን ብነፈርቲ ጥሙራት ሓይልታት ዝጠሓላ መራኽብ ኣብቲ ወደብ ተበታቲኑ: ድኽነት ከኣ ኣስፋሕፊሑ ነበረ። ምስቶም ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝወሰዱና ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብና። ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ነበሮም: ሕጉሳት ነበሩ።

ቀጺልና ኣብ ወደብ ባታቪያ (ሕጂ ጃካርታ): ኢንዶነዥያ ኣዕረፍና። እታ ሃገር ብውግእ ሓድሕድ ትሕመስን ኣብ ጥቓና ውግእ ይግበርን ስለ ዝነበረ: ካብ መርከብ ክንወርድ ኣይተፈቕደልናን። ናብ ሲንጋፖር ክንጐዓዝ ከለና: ኣብኡ ድማ እንታይ ከም ዚጽበየና ኽሓስብ ጀመርኩ። ካብቲ ብዛዕባ እተን ፍልይ ዝበላ ሃገራት ምብራቕ ዚገልጽ ንበጻሕቲ ሃገር ኢልካ ኣብ ዚዳሎ ጽሑፋት ዝረኣናዮ ነገር እዚ ጥራይ ድዩ ተሪፉ፧

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት: እቲ ዝነበረኒ ጥርጣረ በነነ። ኣነን ዴቭን ስምረት ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ተልእኾ ኸም ዝነበርና ብዘይ ጥርጥር ዜረጋግጽ ኵነታት ኣጋጠመና።

ንኽንጸንሕ ብኸመይ ከም እተፈቕደልና

ካብ ሳን ፍራንሲስኮ ድሕሪ ምንቃልና ዳርጋ ሓደ ወርሒ ዚኸውን ጸኒሑ: መርከብና ኣብቲ ናብ ሲንጋፖር ዚኣትዋ መራኽብ ተላባዒ ሕማም ከይህልወን ዝዕጸዋሉ ዝነበራ ደሴት ሰይንት ጆንስ መልህቓ ደርበየት። ሰበ-ስልጣን መጺኦም ንሰነዳት እቶም ተጓዓዝቲ ኣጻርዮም ኣብቲ ፓስፖርትና “ናብ ሃገር ንኺኣትዉ እተፈቕደሎም” ዚብል ማሕተም ገበሩሉ። ንጽብሒቱ ንግሆ እታ መርከብ ኣብ መዐሸጊ መራኽብ ተዓሸገት። ሰነዳትና ብብዓል ስልጣን እታ መርከብ ምስ ተመርመረ ኸኣ ወረድና።

ንጽብሒቱ ነቶም ምሳና ዚጓዕዙ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ብጾትና ንምስንባት ናብቲ መዐሸጊ መራኽብ ተመለስና። ናብተን እተመደቡለን ህንድን ሲሎንን (ሕጂ ስሪ ላንካ) ዚብሃላ ሃገራት እዮም ዚኸዱ ነይሮም። ሓለቓ እታ መርከብ ምስ ረኣየና ናብቲ መዐሸጊ መራኽብ ብምምጻእ ተቘጥዓና። ብሕርቃን ድማ ካብታ መርከብ ክንወርድ ከም ዘይነበረና ተዛረበ። ገና ኣብ ባሕሪ ኸለና: እቲ ተቘጻጻሪ ስደተኛታት ዝነበረ ሚስተር ሃክስዎርዝ ኣብ ወደብ ምስ በጻሕና ንኸየውርደና ኣዚዝዎ ነበረ። ንሕና ዀንና እቲ ኻብ መርከብ ክንወርድ ዝፈቐደልና ብዓል ስልጣን ዋላ ሓንቲ ኣይፈለጥናን።

ናብ ሚስተር ሃክስዎርዝ ምስ ከድና: ብቝጥዓ ተቐበለና። ናብ ሲንጋፖር ንኸይንኣቱ ተኸልኪልና ኸም ዝነበርና ብጭድርታ ነገረና። ብዛዕባ እዚ እንፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበረ: እቲ “ናብ ሃገር ንኺኣትዉ እተፈቕደሎም” ዚብል ወግዓዊ ማሕተም ዘለዎ ፓስፖርትና ኣርኣናዮ። ንፓስፖርትና ብሕርቃን ካብ ኣእዳውና መንዚዑ ብምውሳድ ነተን ቃላት ሰረዘን። እንታይ እሞ ኺግበር: እታ መርከብ ድሮ ኸይዳ ነበረት! ሚስተር ሃክስዎርዝ ነቲ ፓስፖርትና ንሓደ ዓመት ዚኸውን ሓዞ፣ ኣብ መወዳእታ ግን “ናብ ሃገር ንኺኣትዉ እተፈቕደሎም” ዚብል ማሕተም ገይሩ መለሰልና።

ኣብ ሲንጋፖር ዝገበርናዮ ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት

ሚያዝያ 1947 ኣብ ሲንጋፖር ክንበጽሕ ከለና ጆሽዋ ዝስሙ ናይ የሆዋ ምስክር ጥራይ እዩ ነይሩ። ክሳዕ እታ ኣብ መጀመርታ 1970ታት ዝሞተላ ዕለት ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ወይ ፈላሚ ዀይኑ የገልግል ነበረ። እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ዝፈለጡ ሰባት ነቲ ዝፈለጥዎ ንኻልኦት ኬካፍሉ ጀመሩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ቐውዒ ዚዓዩ ተወሰኽቲ ዓየይቲ ንኺርከቡ ዝጸለናዮ ጸሎት ምላሽ ኪረክብ ጀመረ።—ማቴዎስ 9:37, 38

ብ1949 ሚስተር ሃክስዎርዝ ንዕረፍቲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ከደ: ካብ መበል 11 ኽፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቑ ሽዱሽተ ሚስዮናውያን ናብ ሲንጋፖር መጹ። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: እቲ ንገለ ዓመታት ሚስዮናዊ ብጻየይ ዝነበረ ዴቭ ጥዕና ስለ ዝሰኣነ ኻብ ሲንጋፖር ኪወጽእ ነበሮ። ናብ ኣውስትራልያ ብምግዓዝ ብ1973 ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ኣገልገለ። እታ ብ1956 እተመርዓኹዋ ኣይሊን ፍራንክ ሓንቲ ኻብቶም ሓደስቲ ዝመጹ ሽዱሽተ ሚስዮናውያን ነበረት።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ዓመታት: ምስቶም ምስ ደቆም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገበርና። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ገሊኦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ምስቶም ለስተር ሄንዝን ጆኣኒ ሄንዝን ዚበሃሉ ኣብ ሲንጋፖር ዚነብሩ ዝነበሩ ኣመሪካውያን ሰብ ሓዳር ዝገበርናዮ መጽናዕቲ ሓደ ኻብቲ ዘጋጠመና ባህ ዜብል ተመክሮ እዩ። ብ1950ታት ምሳታቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመርና። ቅልጡፍ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ምስ ተመለሱ ተጠምቁ። ድሕርዚ: ለስተርን ጆኣኒን ፍረ ዘለዎ ኣገልግሎት ኣስተማቒሮም እዮም። ነቶም ሰለስተ ደቆም እውን ሓዊስካ ንብዙሓት ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኪዀኑ ሓገዝዎም።

ጆኣኒ: “ብዛዕባ እታ ኣብ ሲንጋፖር ዝነበርናላ ዓመት ምልስ ኢለ ኽሓስብ ከለኹ: ብሓቂ ንናብራ ህይወትና ዝለወጠት እዋን እያ ነይራ። ከም ‘ውሉዳትኩም’ ጌርኩም እንተ ዘይትቕበሉና: ምናልባት ክሳዕ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ንዘውር ምሃለና ኔርና። ንለስ ሓቂ ዝመሃርኩምዎ ንስኻትኩም ስለ ዝዀንኩም የሐጕሰኒ እዩ፣ ምኽንያቱ ኻብ መጀመርያ ኣትሒዝኩም ንየሆዋን ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኬፍቅር ኣኽኢልክምዎ ኢኹም። ነዚ ድማ ከቶ ኣየጥፈኦን” ኢላ ጸሓፈትልና።

ኣብ ሲንጋፖር ምስ ስድራ ቤት ብሓባር ምግልጋል

ብ1962 ሓድሽ ህይወት ከም እንጅምር ዚገብር ዘይተጸበናዮ ዅነታት ኣጋጠመና። እቲ ናይ ስድራ ቤትና ሓኪም ንኣይሊን ጥንስቲ ምዃና ነገራ። ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ክንቅጽል ንደሊ እኳ እንተ ነበርና: ሚስዮናውያን ኴንና ግን ቈልዓ ኸነዕቢ ንኽእልዶ፧ እቲ ሽዑ ንዓለምለኻዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚኣሊ ዝነበረ ሓው ናታን ኤች. ኖር: ኣብ ሲንጋፖር ምእንቲ ኽንጸንሕ ዓለማዊ ስራሕ ንኸናዲ ደብዳበ ብምጽሓፍ ኣተባብዓኒ። እዚ ዓብዪ ብድሆ ዀነና።

መብዛሕትኦም ወጻእተኛታት: ከም ኣካየድቲ ስራሕ ኰይኖም ኣብ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ይቝጸሩ ነበሩ። ወዲ 23 ዓመት ከለኹ ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ናብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ስለ ዝኣተኹ: ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ተመክሮ ኣይነበረንን። ስለዚ: ኣብ ለንደን ንዚርከብ ምስ ኣስራሕቲ ዜራኽብ ትካል: ገንዘብ ብምኽፋል: በቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ሃይማኖት ኣገልጋሊ ዀይነ ዘሕለፍክዎ ናይ ስራሕ ተመክሮ መሰረት ገይሩ ወረቐት ከም ዘዳልወለይ ገበርኩ፣ ድሕርዚ ድማ እቲ ትካል ናብተን ኣብ ሓያሎ ሃገራት ጨናፍር ዘለወን ኣብ ሲንጋፖር ዚዓያ ኩባንያታት ለኣኾ።

ካብ እተፈላለያ ኩባንያታት: “ምስ ብቕዓትካ ዚሰማማዕ ቦታ ኽንረክብ ብዘይምኽኣልና ንሓዝን” ዚብል ምላሽ ረኸብኩ። ካብቲ ዚደልያኦ ተመክሮ ኣመና ዚበልጽ ከም ዘለኒ ገይሮም እዮም ሓሲቦምኒ! ኣዋርሕ እናሓለፈ ምስ ከደ ጁዲ ጓልና ተወልደት። ድሕሪኡ ሓው ኖር ኣብ ሲንጋፖር ምብጻሕ ኪገብር ከሎ ናብ ሆስፒታል ከይዱ ንጁዲን ንኣይሊንን ረኣየን። “ቢል ስራሕ ክሳዕ ዚረክብ ኣብ መንበሪ ሚስዮናውያን ክትጸንሑ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ኣጸናንዓና።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ኣብ ሓደ ዓለምለኻዊ ትካል መገዲ ኣየር ከም ወኪል መሸጣ ዀይነ ኽዓዪ ጀመርኩ። ብዙሕ ደሞዝ ኣይነበረንን። ድሕሪ ኽልተ ዓመት መገዲ ኣየር ኣመሪካ ስራሕ ቈጸረኒ: ደሞዘይ ድማ ዕጽፊ ገበረለይ። ኣብ መወዳእታ: ኣብ ናይ ጕዕዞ ኢንዱስትሪ ፍሉጥ ክኸውን: ከምኡውን ንስድራ ቤተይን ንክርስትያናዊ ኣገልግሎተይን ዚኸውን ተወሳኺ ግዜ ኽውፊ ኸኣልኩ።

ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ብምሃብ ህይወትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸም እተተኵር ጌርና ሃነጽናያ። እዚ ኸኣ ኣብ ውድብ ኣምላኽ ብዙሕ ፍሉይ መሰላት ንኽረክብ ኣኽኣለኒ። ኣይሊን እንደገና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰነት። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ኣብ ሲንጋፖር ዚግበር ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እናሰሰነ ኸደ። ኣብ መፋርቕ 1960ታት ከም ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ዜገልግል ሓደ ደርቢ ዘለዎ ህንጻ ኣብ ማእከል ከተማ ዓደግና። ኣርባዕተ ጉባኤታት ኣብኡ ይእከባ ነበራ።

ዕዮና ተኣገደ!

ድሕሪ ግዜ: ምጽራር ኬንጸላሉ ጀመረ። ብ14 ጥሪ 1972 ከም ልማድና ኣብ ኣኼባና ንምክፋል ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከድና። ይኹን እምበር: እቲ ማዕጾ ብሰንሰለትን ሊኬቶን ተዓጽዩ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣብ ሲንጋፖር ዚርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ከም ዘይብሉ ዚእውጅ ጽሑፍ ተለጢፉ ነበረ። ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣተና! a

ምዕጻው ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ደው ኬብሎ ኣይከኣለን፣ ይኹን እምበር: ‘ንስድራ ቤተይ ብዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮይ ነበረ። ካብ ሲንጋፖር ተጠሪዝና እንተ ወጺእና: ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ብጾትና ንምብጻሕ ፈጺምና ኽንምለስ ከም ዘይንኽእል ሓሰብኩ። ስለዚ: ንኣካያዲ ስራሕ እቲ ዝሰርሓሉ ኩባንያ ኣብ ኳላ ላምፑር: ማለዥያ ኽሰርሕ ዝኽእል እንተ ዀይነ ሓተትክዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ስድራ ቤትና ብዘይ ገለ ጸገም ናብ ሲንጋፖር ኪኣትዉን ኪወጹን ከም ዚኽእሉ ሓሰብኩ። እቲ ዜገርም ድማ ኣስራሕየይ: ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኣብ ኳላ ላምፑር ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ክኸውን ዕድመ ኣቕረበለይ፣ እዚ ዕጽፊ ደሞዝን ካልእ ጥቕምታትን ክረኽበሉ ዝኽእል እዩ ነይሩ።

ድሕርዚ: ‘ኣምላኽ ካብ ሲንጋፖርን ካብ ኣሕዋትናን ተፈሊና ኽንግዕዝ ይደሊ ድዩ፧’ ኢለ ሓሰብኩ። ብስድራ ቤት ኴንና ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸለና። የሆዋ ባዕሉ እዩ ናብዚ ቦታ ዘምጸኣና ኢልና ደምደምና። ስለዚ: ንኽንጸንሕ ናይ መወዳእታ ውሳነ ገበርኩ። እቲ ሓለቓይ ነቲ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ዕድመ ምንጻገይ ኣዝዩ ገረሞ።

ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክንእሰር ንኽእል ስለ ዝነበርና: ኣብ ትሕቲ እገዳ ምንባርን ምስራሕን ኣዝዩ ውጥረት ዚፈጥር እዩ። ነቲ ኣብ መዝሙር 34:7 ዚርከብ: “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ” ዚብል ቃላት ከም እነማስወሉ ዚገብር ኣጋጣሚታት ይፍጠር ነይሩ።

ሓድሽ ምድብ

ብ1993 ኣብ ሲንጋፖር ንልዕሊ 46 ዓመት ድሕሪ ምግልጋልና: ናብታ ብዘይ ውጥረትን ጭንቀትን ከነገልግለላ እተኽእል ኒው ዚላንድ ክንከይድ ተሓተትና። ካብቶም ኣብ ሲንጋፖር ዚርከቡ ኣዚና እነፍቅሮም ፈተውትና ምፍላይና ግን ኣጕህዩና ነበረ። ይኹን እምበር: እምነቶም በቲ ሓዊ ዚጻወር ናውቲ ገይሮም ኣብ ድልዱል መሰረት ከም ዝሃነጽዋ ምፍላጥና ኣጸናኒዑና እዩ። እዚ ድማ ፈተናታት እናኣጋጠሞም ጸኒዖም ንኪቕጽሉ ኣኽኢልዎም እዩ።—1 ቈረንቶስ 3:12-14

ሎሚ: ኣነን ኣይሊንን ልዕሊ 14 ዓመት ኣብ ኒው ዚላንድ ድሕሪ ምጽናሕና: ብዕድመ ደፊእና እኳ እንተ ዀንና ፍሉያት ፈለምቲ ብምዃን ነገልግል ኣለና። እቶም ኣብ ካናዳ ዚነብሩ ኽልተ ኣሕዋተይ: ማለት እቲ ወዲ 94 ዓመት ማይክን እቲ ወዲ 90 ዓመት ፒተርን ክሳዕ ሕጂ ንየሆዋ የገልግሉ ኣለዉ።

ጁዲ ጓልና ብ1998 ናብ ሃገራት ምብራቕ ተመሊሳ ንሓያሎ ዓመታት ኣብኡ ኣገልገለት። ኣብ ሓደ ኻብቲ ዝጸሓፈትልና ደብዳበታት: “ነቲ ኣብዚ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ዜደንቕ ፍሉይ መሰል ኣዝየ እየ ዘማስወሉ! ስለቲ ዝገበርኩምለይን እትገብሩለይን ዘለኹምን ፍቕራዊ ስልጠናን መስዋእትን አመስግነኩም” ኢላ ጸሓፈት። ብ2003 ንዓይን ንኣይሊንን ክትሕግዝ ናብ ኒው ዚላንድ ተመልሰት። b

ነቲ ጐይታ እኽሊ ኣብ ቀውዒ ዝዓዩ ዝያዳ ዓየይቲ ንኺመጹ ዝገበሮ ጻውዒት ምላሽ ንኽንህብ ኵነታትና ስለ ዝፈቐደልና: ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና። ከምዚ ምግባርና ብቓላት ክንገልጾ ዘይንኽእል ሓጐስ ኣምጺኡልና እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ: “ዓለም ትሓልፍ እያ: . . . እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዚብል ዜደንቕ መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ድማ ከነስተማቕሮ ኢና።—1 ዮሃንስ 2:17

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ሰነ 1972 ግምቢ ዘብዐኛ: (እንግሊዝኛ) ገጽ 341-9 ተወከስ።

b ፍትውቲ ኣይሊን እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትዳሎ ኸላ ብ24 ጥሪ 2008 ዓረፈት።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ኣብ ሲንጋፖር ክንበጽሕ ከለና ጆሽዋ ጥራይ እዩ ናይ የሆዋ ምስክር ነይሩ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1947 ምስ ዴቭ ፋርመር ናብ ሲንጋፖር ክንጐዓዝ ከለና: ኣብ ሆንግ ኮንግ እተሰኣልናዮ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ብ1958 ምስ ኣይሊን

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ጁዲ ጓልና

[ምንጪ ስእሊ]

Kimroy Photography

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Kimroy Photography