ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቴል ዓራድ ብዘይ ደሃይ ትምስክር

ቴል ዓራድ ብዘይ ደሃይ ትምስክር

ቴል ዓራድ ብዘይ ደሃይ ትምስክር

ዝጠፍአት ከተማ። ምስጢራዊት ቤተ መቕደስ። ሓያሎ ጥንታዊ ጽሑፋት። እዚ ንዜስደምም ፊልም መሰረት ዚኸውን ነገራት ኪመስል ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ ግን ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ኣብ ቴል ዓራድ: እስራኤል: ምፍሓር ክሳዕ ዚጅምሩ: እዚ ዅሉን ካልእ ተወሳኺ ነገራትን ንዘመናት ኣብ ትሕቲ ሑጻ ምድረ በዳ ተቐቢሩ ነይሩ።

ሎሚ በጻሕቲ ንዘመናዊት ዓራድ ከም ካልኦት ከተማታት እስራኤል ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። እዛ ኸተማ እዚኣ 27,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ዀይና: ኣብ በረኻ ይሁዳ ብሸነኽ ምዕራብ ምዉት ባሕሪ እያ እትርከብ። ይኹን እምበር: እታ ጥንቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረት ከተማ ዓራድ ናብ ምዕራብ ሸነኽ ሸሞንተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እያ እትርከብ ነይራ። ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ሑጻ ብምፍሓር: ሓያሎ ታሪኻዊ ህንጻታትን ጽሑፋትን ዝረኸቡ እውን ኣብኡ እዩ።

እቲ ጽሑፋት ኣብቲ ኸም መጽሓፊ ጽላታት ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ኣጋልዕ ወይ ስብርባር ካይላታት እዩ ተረኺቡ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣጋልዕ ምጽሓፍ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣብ ቴል ዓራድ እተገብረ ፍሕረት: ኣብ እስራኤል ካብ እተረኽበ ኣጋልዕ ብብዝሑ ቐዳምነት ዝሓዘ ንኺርከብ ኣኽኣለ። እዚ ስነ-ጥንታዊ ፍሕረት ግን እንታይ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፧

ኣብ ቴል ዓራድ እተረኽበ ርኽበታት: ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘመነ መሳፍንቲ እስራኤል ክሳዕ እቲ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንይሁዳ ዝወረሩሉ ግዜ ዝነበረ ነዊሕ እዋን ይሽፍን። ስለዚ: እዚ ርኽበታት እዚ ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርግጋጽ ይሕግዝ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ሰባት ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብኸመይ ይርእይዎ ኸም ዝነበሩ እውን ኣብነታት ይህበና።

ዓራድን መጽሓፍ ቅዱስን

ልክዕ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዓራድ ብዙሕ ኣይዛረብን እዩ። እዛ ኣብ ስትራተጅያዊ ቦታ እተደኰነት ከተማ ግን ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ትቈጻጸር ነበረት። እዛ ጥንታዊት ከተማ ኣብ ታሪኻ ብተደጋጋሚ ኸም እተሳዕረትን እተደምሰሰትን እተሃንጸትን ዚገልጽ ታሪኻዊ መዛግብቲ ዀነ ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት ምህላዉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እቲ ተደጋጋሚ ህንጸት ከኣ ዓብዪ ቴል: ወይ ኵርባ ኸተማ ፈጠረ።

መጽሓፍ ቅዱስ ፈለማ ንዓራድ (ኣራድ) ዝጠቐሳ: ነቲ እስራኤላውያን ን40 ዓመት ኣብ በረኻ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኣብ ምዝዛሞም ገጹ እዩ። ድሕሪ ሞት ኣሮን ሓው ሙሴ ነዊሕ ከይጸንሐ: ህዝቢ ኣምላኽ ብጥቓ ደቡባዊ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ሓለፉ። እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ዓራድ ነቶም ኣብ በረኻ ዀለል ዚብሉ ህዝቢ ብቐሊሉ ኺስዕሮም ዚኽእል ኰይኑ ተሰምዖ። ስለዚ: መጥቃዕቲ ፈነወ። እስራኤላውያን ብሓገዝ የሆዋ ኣምላኽ ኣበርቲዖም ተዋግኡ: ምሉእ ዓወት ረኸቡ: ንዓራድ ድማ ኣዕነውዋ፣ እተወሰኑ ኻብቶም ሰባት ግን ተሪፎም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘሁልቍ 21:1-3

ከነኣናውያን ነታ ስትራተጂያዊት ከተማኦም ቀልጢፎም ሃነጽዋ፣ ድሕሪ ሒደት ዓመታት እያሱ ኻብ ሰሜን እናሰዓረን ንከነኣናውያን ካብ “ምድሪ ኸረንን ደቡብን” እናኣጥፍአን ናብቲ ቦታ ምስ ተመልሰ: ሓደ ኻብቶም እተዋግእዎ ተጻረርቱ “ንጉስ ዓራድ” እዩ ነይሩ። (እያሱ 10:40፣ 12:14) ጸኒሖም: ደቂ እቲ እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኺጐዓዙ ኸለዉ ኺድግፎም ኢሉ ምስኦም እተጸምበረ ሖባብ ቄናዊ: ኣብ ነጌብ ኣብዚ ኸባቢ እዚ ሰፈሩ።—መሳፍንቲ 1:16

ስነ-ጥንታዊ ርኽበታት

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሒሩ ዘጋጠመ ፍጻመታት ብዚምልከት: ኣብ ቴል ዓራድ ዘሎ ዑናታት ኣገዳሲ ደገፍ ይህብ እዩ። ንኣብነት: ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ተኸታታሊ ዕርድታት ረኺቦም እዮም። ገሊኡ ኻብዚ ዕርድታት እዚ ብዘመን እቲ ብሰፊሕ ፕሮጀክትታት ህንጸቱ ዚፍለጥ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበረ እዩ። (1 ነገስት 9:15-19) ሓደ ኻብቲ እተፋሕረ ኽፋል ብሓዊ ተሃሚኹ ምንባሩ የርኢ: እዚ ድማ ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ዘጋጠመ እዩ። እዚ ርኽበታት እዚ ምስቲ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ድሕሪ ሞት ሰሎሞን ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ጸኒሑ ነታ ሃገር ዝወረረሉ እዋን ዚቃዶ እዩ። ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ግብጺ ዚርከብ ካርናክ: ነቲ ወረራ እቲ ዚዝክር ኣብ መንደቕ እተቐርጸ ጽሑፍ ኣሎ፣ ኣብኡ ድማ ዓራድ ሓንቲ ኻብተን እተሳዕራ ሓያሎ ኸተማታት ምዃና ተጠቒሳ ኣላ።—2 ዜና መዋእል 12:1-4

ሓያሎ ኻብቲ 200 ኣቢሉ ዚኸውን ኣጋልዕ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ከም እኒ ጳሽሑር: መሬሞት: ደቂ ቆራሕ ዝኣመሰለ ስማት እብራውያን ምሓዙ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ገሊኡ ኻብዚ ሰነዳት እዚ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብምሓዙ ዝያዳ የገድሰና እዩ። እቲ በተን יהוה (የሀወሀ) ዚብላ ቴትራግራማተን ተባሂለን ዚጽውዓ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዝቘመ ስም ተጸውዖ: ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚወሃቦ። ደሓር ግን ብዙሓት ሰባት ብማሪታዊ እምነት ተደሪኾም: ስም ኣምላኽ ምጽሓፍ ወይ ምድማጽ ከም ምርካስ ገይሮም ኪርእይዎ ጀመሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቴል ዓራድ ኰነ ኣብ ሓያሎ ኻልእ እተረኽበ ርኽበታት: ሰባት ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶምን ሰላምታታቶምን ምርቓኦምን የዘውትርዎ ምንባሮም ይሕብር። ንኣብነት: ሓደ ጽሑፍ ከምዚ ይንበብ:- “ንጐይታይ ኤልያሺብ። ያህወህ [የሆዋ] ጥዕና ይሃብካ። . . . ኣብ ቤተ መቕድስ ያህወህ ኣሎ።”

ብዛዕባ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰት ምስጢራዊት ቤተ መቕደስከ፧ ኣብ ቴል ዓራድ ዚርከብ ብዙሕ ግምታት እተዋህበሉ መዋቕር ህንጻ ኣሎ፣ እዚ ህንጻ እዚ ብግዜ ኣይሁድ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ኪኸውን ከሎ: መሰውኢ እውን ኣለዎ። እታ ቤተ መቕደስ ካብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሃነጻ ቤተ መቕደስ ኣመና እትንእስ እኳ እንተ ዀነት: ምስቲ ቕዱስ ህንጻ ኣጸቢቓ ትመሳሰል እያ። እታ ኣብ ዓራድ እተረኽበት ቤተ መቕደስ ስለምንታይን መዓስን እያ ተሃኒጻ፧ ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙላ ነይሮም፧ ተመራመርቲ ስነ-ጥንትን ጸሓፍቲ ታሪኽን ግምታዊ ሓሳቦም ጥራይ እዮም ኪህቡ ዚኽእሉ።

ዓመታዊ በዓላት ንምብዓልን መስዋእትታት ንምስዋእን እተገልግል ማእከል: እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕድስ ጥራይ ምዃና: የሆዋ ብንጹር ኣዊጁ ነይሩ እዩ። (ዘዳግም 12:5፣ 2 ዜና መዋእል 7:12) ስለዚ: እቶም ነታ ኣብ ዓራድ ዝነበረት ቤተ መቕደስ ዝሃነጽዋን እተጠቕሙላን ሰባት ንሕጊ ኣምላኽ እዮም ዚጥሕሱ ነይሮም፣ ምናልባት ኣማራጺ መሰውኢታትን ጽምብላትን ንብዙሓት ካብ ንጹህ ኣምልኾ ኸም ዜስግሉ ኣብ ዝገበረሉ እዋን እያ ነይራ እትኸውን። (ህዝቅኤል 6:13) ዝዀነ ዀይኑ: እዛ ማእከል መታለሊ ኣምልኾ እዚኣ: ኣብቲ ኣብ ሻምናይን ሻውዓይን ዘመን ቅ.ክ. ብህዝቅያስ ወይ ብዮስያስ እተገብረ ናይ ምጽራይ ዕዮ ተደምሲሳ ኽትከውን ትኽእል እያ።—2 ዜና መዋእል 31:1፣ 34:3-5, 33

እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ዓራድ እንፈልጦ ሒደት ነገር: ንዓና ዓብዪ ትምህርቲ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ እቲ ንሓያሎ ዘመናት ሑጻ ቐቢርዎ ዝጸንሐ ቦታ: ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽ ኢደ-ስርሓት: ብዛዕባ ምትንሳእን ምውዳቕን እቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚመስል ብልሽው ኣምልኾ ዚገልጽ ሰነድ: ከምኡውን ስም የሆዋ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ብኣኽብሮት ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ዜርኢ ኣብነታት ተረኺቡ እዩ።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

የሩሳሌም

ምዉት ባሕሪ

ዓራድ

ቴል ዓራድ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ካርናክ: ግብጺ ዚርከብ ኣብ መንደቕ እተቐርጸ ጽሑፍ

[ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

እዚ ጽሑፍ እዚ: “ያህወህ [የሆዋ] ጥዕና ይሃብካ” ይብል

[ምንጪ ስእሊ]

Photograph © Israel Museum, Jerusalem; courtesy of Israel Antiquities Authority

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ክፋል እታ ኣብ ቴል ዓራድ እተረኽበት ቤተ መቕደስ

[Picture on page 25]

ብሸነኽ ምብራቕ ኴንካ ዚርአ ዕርዲ ቴል ዓራድ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Todd Bolen/Bible Places.com