ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ: ምሕረት ገይሩለይ

ኣምላኽ: ምሕረት ገይሩለይ

ኣምላኽ: ምሕረት ገይሩለይ

ቦልፈንክ ሞችኒክ ዘዘንተዎ

“ኣጆኻ: በርትዕ።” ኣደይ ሕቝፍ ኣቢላ ኽትስዕመኒ ኸላ: ነዘን ጽንዓት ዝሓዘላ ቓላት ብቕልጡፍ ነገረትኒ። ድሕሪኡ: ኣባላት ሚሊሽያ መጺኦም ፈላለዩና: እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ስራሑ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ተፈርደኒ። ምናልባት ሓያሎ ሰባት ከምዚ እንተ ዚበሃሉ: ምድረ-ሰማይ ጽልምት ምበሎም ነይሩ። ኣነ ግን ውሽጣዊ ሰላም ተሰምዓኒ። ብዛዕባ እዚ እስከ ኸዘንትወልኩም።

እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ፍጻመታት ብ1952 ኣብ ስሎቨንያ እተፈጸመ እዩ። a ዛንታይ ግን ቅድሚኡ 20 ዓመት ኣቢሉ ይገብር: ማለት ብ1930 እዩ ዚጅምር። እቶም ሽዑ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዚፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዝነብረሉ ዝነበርኩ ዓዲ ንመጀመርታ እዋን ብጕጅለ ጥምቀት ዘዳለዉሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቶም በርታ ሞችኒክን ፍራንዝ ሞችኒክን ዚበሃሉ ወለደይ ድማ ሽዑ እዮም ተጠሚቖም። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣነ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት: ማይዳ ሓብተይ ከኣ ጓል ኣርባዕተ ዓመት ነበረት። እታ ኣብ ከተማ ማሪቦር ዝነበረት ገዛና: ማእከል ክርስትያናዊ ንጥፈት እያ ነይራ።

ኣዶልፍ ሂትለር ብ1933 ኣብ ጀርመን ስልጣን ምስ ሓዘ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር መስጐጕቲ ኼውርደሎም ጀመረ። ብዙሓት ጀርመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኺሕግዙ ናብ ዩጎስላቭያ ገዓዙ። ወለደይ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እሙናት ሰባት ኣብ ገዛና ይቕበልዎም ነበሩ። እቲ ደሓር ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ትሽዓተ ዓመት ዘሕለፈ ማርቲን ፖይትሲንገር ሓደ ኻብቶም ኣጸቢቐ ዝዝክሮም ኣጋይሽ እዩ ነይሩ። እቲ ሓው እቲ ኻብ 1977 ጀሚሩ ኽሳዕ ብ1988 ዚመውት: ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ኣገልገለ።

ማርቲን ኪበጽሓና ኺመጽእ ከሎ: ኣብ ዓራተይ ይድቅስ ነበረ፣ ኣነን ሓብተይን ድማ ምስ ወለድና ንድቅስ ነበርና። ንተገዳስነተይ ዘለዓዓለት ንእሽቶን ሕብራዊትን መዝገበ-ፍልጠት ነበረቶ። ነታ መጽሓፍ እናገንጸልኩ ምርኣይ ባህ ይብለኒ ነበረ።

ከቢድ ፈተናታት ዘጋጠመሉ እዋን

ብ1936 ስልጣን ሂትለር እናዓበየ ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ: ወለደይ ኣብቲ ኣብ ሉሰርን: ስዊዘርላንድ እተገብረ ዘይርሳዕ ኣህጉራዊ ኣኼባ ተኻፈሉ። ኣቦይ ድምጹ ረጒድ ስለ ዝነበረ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረታት ኪቕረጽ ከሎ ኼንብብ ተመርጸ፣ እዚ መደረታት እዚ ደሓር ኣብ መላእ ስሎቨንያ ተሰምዐ። እዚ ዘይርሳዕ ኣኼባ እዚ ኻብ ዚግበር ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከቢድ መስጐጕቲ ኺወርዶም ጀመረ። ብዙሓት ሰባት ኣብ መዳጐኒ ደምበ ናዚ ተሳቐዩን ሞቱን።

ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀመረ፣ ኣብ ሚያዝያ 1941 ድማ ሰራዊት ጀርመን ንእተወሰነ ኽፋል ዩጎስላቭያ ተቘጻጸሩ። ኣብ ስሎቨንያ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ተዓጽዋ። ንቛንቋና ብጋህዲ ኸይንጥቀመሉ ተኸልከልና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ኵሉ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ስለ ዝዀኑ: ኣብቲ ውግእ ምክፋል ኣበዩ። b በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ብዙሓት ተኣስሩን ተቐትሉን፣ ሓደ ኻብዚኣቶም እቲ ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ ፍራንትስ ድሮዝግ ዝስሙ መንእሰይ እዩ። እቶም ዚርሽኑ ዝነበሩ ወተሃደራት ጀርመን ካብ ገዛና ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ዀይኖም እዮም ረሺኖምዎ። ኣደይ ነቲ ተዅሲ ኸይትሰምዕ ኢላ እዝና ኽትሽፍኖ ኸላ ኽሳዕ ሕጂ ይረኣየኒ። ፍራንትስ ነታ ናብቲ ዚፈትዎ ፈታዊኡ ዝጸሓፋ ናይ ስንብታ ደብዳበ ኺዛዝማ ኸሎ: “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና” በለ።

ኣመና ዜጣዕሰኒ ውሳነ

ኣብቲ ግዜ እቲ ወዲ 19 ዓመት ነበርኩ። ንፍራንትስ በቲ ዝነበሮ ጽኑዕ ኣቕዋም አድንቖ እኳ እንተ ነበርኩ: ፈራህኩ። ኣነኸ እመውት ደዀን እኸውን፧ እምነተይ ደኺማ ነበረት: ምስ የሆዋ ኣምላኽ ድማ ጥብቂ ርክብ ኣይነበረንን። ድሕርዚ: ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ጻውዒት ቀረበለይ። እቲ ዝነበረኒ ፍርሂ ኻብ እምነተይ ስለ ዝዛየደ ኸኣ: ናብኡ ኸድኩ።

ናብ ግንባር ሩስያ ተለኣኽኩ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ብጾተይ ኪሞቱ ኸለዉ ረኣኹ። እቲ ውግእ ዜፍርህን ጭከና ዝመልኦን እዩ ነይሩ። ሕልናይ ድማ እናሓደረ የሳቕየኒ ነበረ። የሆዋ ይቕረታ ኺገብረለይን በቲ ቕኑዕ መገዲ ኽጐዓዝ ብርታዐ ኺህበንን ለመንክዎ። ነታ ጕጅለና ሓያል መጥቃዕቲ ምስ ወረዳ: ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒመ ሃደምኩ።

እንተ ተታሒዘ ኸም ዝቕተል እፈልጥ ነበርኩ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሸውዓተ ኣዋርሕ እተፈላለየ መሕብኢ ቦታታት ረኸብኩ። ንማይዳ ሓብተይ እውን ደብዳበ ለኣኽኩላ: “ነዚ ሕጂ ዘሎ ኣስራሒ ሓዲገ: ምስ ካልእ እሰርሕ ኣለኹ” ኢለ ድማ ጸሓፍኩላ። ሕጂ ንኣምላኽ ክሰርሕ ከም ዝመደብኩ ንምሕባር እየ ኸምኡ ኢለያ: ከምዚ ኽገብር ቅድሚ ምጅማረይ ግን ገለ ግዜ ወሲዱለይ እዩ።

ጀርመን ንጥሙራት ሓይልታት ኢዳ ኻብ እትህብ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ: ማለት ኣብ ነሓሰ 1945 ናብ ማሪቦር ተመለስኩ። እቲ ዜገርም ድማ ኵልና: ኣቦይን ኣደይን ሓብተይን: ካብቲ መሪር ውግእ ብህይወት ተረፍና። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ኮምዩኒስት ስልጣን ሓዙ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ መስጐጕቲ የውርዱሎም ነበሩ። ዕዮ ስብከት ብወግዒ እኳ እንተ ተኣገደ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ብምስጢር ስብከቶም ቀጸሉ።

ኣብ ለካቲት 1947 ሩዶልፍ ካል: ዱሻን ሚኪች: ኤድመንት ስትሮፕኒክ ዝስሞም ሰለስተ እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሞት ተፈርዶም። ደሓር ግን ናብ ናይ 20 ዓመት ማእሰርቲ ተቐየረሎም። መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ጕዳይ እዚ ብስፍሓት ኣቕረቦ: ብዙሓት ሰባት ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚወርድ ዝነበረ ግፍዒ ፈለጡ። ነዚ ዜና እዚ ምስ ኣንበብክዎ: ልበይ ወግኣኒ። እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ተረዳእኩ።

መንፈሳዊ ብርታዐ ረኸብኩ

ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ጽኑዕ መትከል ክሕዝ ከም ዘሎኒ ስለ እተረዳእኩ: ኣብቲ ብምስጢር ዚግበር ዕዮ ስብከት ምእንቲ ኽካፈል ኣበርቲዐ ኽጽዕር ጀመርኩ። ሳላ እቲ ዝገብሮ ዝነበርኩ ዕቱብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ነቲ ትምባኾ ኸም ምጥቃም ዝኣመሰለ ዘይጽፉፍ ኣመላት ንኽሓድጎ ዜኽእለኒ መንፈሳዊ ብርታዐ ረኸብኩ።

ብ1951 ርእሰይ ንኣምላኽ ከም ዝወፈኹ ንኸርኢ ተጠመቕኩ: ናብቲ ዳርጋ ንዓሰርተ ዓመት ሓዲገዮ ዝነበርኩ ህይወት ድማ ተመለስኩ። ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ኸም ናይ ሓቂ ኣቦ መጠን እሙን ምዃኑ: ፍቕሩ ድማ ከም ዘይትሃስስ ረኣኹ። መንእሰይ ከለኹ ዘይጥበባዊ ውሳነ እኳ እንተ ገበርኩ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ዚገልጽ መረጋገጺ ተተንከፍኩ። ከም ፈቃር ኣቦ መጠን: ኣምላኽ ‘ብማእሰር ፍቕሪ ሰሓበኒ።’—ሆሴእ 11:4

ኣብቲ ጽንኩር እዋን: ኣብ እተፈላለየ ኣባይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንገብር ነበርና: ንዕዮ ስብከትና ድማ ብዘይወግዓዊ መገዲ ኢና ንፍጽሞ ኔርና። ምስ ተጠመቕኩ ድሕሪ ዓመት ተኣሰርኩ። ኣብ ቤት ፍርዲ ቕድሚ ምቕራበይ ኣደይ ክትርእየኒ መጸት። ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ድማ ሕቚፍ ኣቢላ “ኣጆኻ: በርትዕ” ኢላ ኣተባብዓትኒ። ንሓሙሽተ ዓመት ክእሰር ምስ ተፈርደኒ: ኣይተረበሽኩን: ካብ መትከለይ እውን ፈልከት ኣይበልኩን።

ምስ ሰለስተ እሱራት ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ተኣሰርኩ: ነዞም ብኻልእ መገዲ ኺርከቡ ዘይከኣሉ ሰባት ድማ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ነገርክዎም። መጽሓፍ ቅዱስ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ካብቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዝገብሮ ዝነበርኩ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ጥቕስታትን መግለጺታቱን ክዝክር ምኽኣለይ ኣዝዩ ገረመኒ። ንሓሙሽተ ዓመት እውን እንተ ተኣሰርኩ: የሆዋ ብርታዐ ኸም ዚህበኒ ነቶም መተኣስርተይ እነግሮም ነበርኩ። ካብዚ ግዜ እዚ ኣቐዲሙ እውን እንተ ዀነ ኸም ዝወጽእ ኪገብር ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺገብር እንተ ደልዩ መን እዩ ዚኽልክሎ፧

ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ናጽነት ምግልጋል

ኣብ ሕዳር 1953 መንግስቲ ምሕረት ከም ዚገብር ገለጸ: ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ካብ ማእሰርቲ ተፈትሑ። ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጻእኩ: እቲ ኣብ ልዕሊ ዕዮ ስብከትና ዝነበረ እገዳ ቕድሚ ኽልተ ወርሒ ኸም እተላዕለ ፈለጠኩ። ግዜ ኸየጥፋእና ንጉባኤታትን ነቲ ናይ ስብከት ንጥፈታትናን ከም ብሓድሽ ክንውድቦ ጀመርና። ኣብ ማእከል ማሪቦር ኣብ ምድሪ ቤት ሓደ ህንጻ: መአከቢ ረኸብና። ኣብቲ መንደቕ: “ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ጉባኤ ማሪቦር” ዚብል ምልክት ሰቐልና። ንየሆዋ ብናጽነት ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ንልብና ብዓሚቝ ሞሳ መልኦ።

ኣብ መጀመርታ 1961 ፈላሚ ዀይነ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከገልግል ጀመርኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ: ኣብቲ ኣብ ዛግረብ: ክሮአሽያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዩጎዝላቭያ ኽዓዪ ጻውዒት ቀረበለይ። እቲ ጨንፈር ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ዚነብሩ ሰለስተ ሰባት ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ክርስትያናት: መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ በቲ ኣብቲ ዓዲ ዚዝረብ ቋንቋ ኣብ ምድላው ኪሕግዙና ይመጹ ነበሩ።

ኣብቲ ኸባቢ ዚነብራ ክርስትያን ኣንስቲ እውን መጽሔት ኣብ ምስፋይን ኣብ ካልእ ዕዮታትን ይሕግዛና ነበራ። ኣነ እውን ከም ምእራይ ፊደላት: ምትርጓም: ምልእኣኽ: ከምኡውን መዝገብ ምሓዝ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዕዮ እዓዪ ነበርኩ።

ለውጢ ምድብ

ብ1964 ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ኸገልግል ተመደብኩ፣ እዚ ኸኣ ወትሩ ንብዙሓት ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመንፈሳዊ ንኸተበራትዐን ምብጻሕ ዜጠቓልል እዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ብኣውቶቡስ ወይ ብባቡር እጐዓዝ ነበርኩ። ናብቶም ኣብ ንኣሽቱ ኣቝሻት ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብጻሕ ግን: መብዛሕትኡ ግዜ ብብሽክለታ ወይ ብእግረይ እኸይድ ነበርኩ፣ አረ ሓድሓደ ግዜስ በቲ ኽሳዕ ዓካሪቶይ ዚበጽሕ ጭቃ ኽሓልፍ እግደድ ነይረ እየ።

ዜስሕቕ ኣጋጣሚታት እውን የጋጥመኒ ነበረ። ሓደ እዋን: ናብታ ቐጺለ ዝበጽሓ ጉባኤ ብካሮሳ ጌርና ምስ ሓደ ክርስትያን ሓው ንኸይድ ነበርና። እታ ካሮሳ ኣብቲ ጭቃ ኣትያ ሓደ ኻብቲ መንኰርኰራ መለቘ። ክልቴና ድማ ወደቕና። ኣብቲ ጭቃ ዄንና ነቲ ፈረስ ክንርእዮ ኸለና: ንሱ እውን ኣዒንቱ ኣፍጢጡ ይጥምተና ነበረ። ድሕሪ ዓመታት እውን ከይተረፈ ነዚ እናልዓልና ንስሕቕ ነበርና። እቶም ኣብ ገጠር ዚነብሩ ፍቑራት ኣሕዋት ዜርእይዋ ግብዝና ዘይብላ ፍቕሪ: ኵሉ ሳዕ ኣኽቢረ ዝርእዮ ዘይርሳዕ ሓጐስ ፈጠረለይ።

ኣብ ከተማ ኖቪ ሳድ: ምስ ሓንቲ ማሪካ ዝስማ ፈላሚት ተፋለጥኩ። ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዝነበራ ፍቕርን ንኣገልግሎት ዝነበራ ቕንኣትን ኣዝዩ ስለ ዝሰሓበኒ: ክምርዓዋ ደለኹ። ድሕሪ ምምርዓውና እተወሰነ እዋን ጸኒሑ: ብሓደ ዄንና ኣብ ዕዮ መገሻ ብምክፋል ንጉባኤታት ነገልግል ነበርና።

ኣብ ትሕቲ እገዳ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን: ስድራ ቤተይ ብዙሕ ጸገም ኣጋጢምዎም እዩ። ኣቦይ: እቲ ውግእ ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ጸላኢ ተሓባቢርካ ተባሂሉ ኻብ ስራሑ ወጸ። ናብ ስራሑ ኺምለስ ብዙሕ እኳ እንተ ተቓለሰ: ኣይኰነሉን፣ በዚ ኸኣ ኣዝዩ ጐሃየ። ንእተወሰነ እዋን እምነቱ ደኺማ ነበረት: ቅድሚ ሙማቱ ግን መሊሳ ተወልዐት። ብ1984 ክሳዕ ዚመውት ኣብታ ጉባኤ ንጡፍ ነበረ። እታ ትሕትትን እምንትን ኣደይ ግን ኣቕዲማ ብ1965 እያ ዓሪፋ። ማይዳ ሓብተይ ኣብታ ኣብ ማሪቦር ዘላ ጉባኤ ተገልግል ኣላ።

ኣብ ኦስትርያ ዝገበርናዮ ኣገልግሎት

ብ1972 ኣነን ማሪካን ነቶም ካብ ዩጎስላቭያ እተሰዱ ብዙሓት ስደተኛታት ምእንቲ ኽንሰብከሎም: ናብ ኦስትርያ ኽንከይድ ጻውዒት ቀረበልና። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ቭየና ምስ በጻሕና: እዛ ቦታ እዚኣ ነባሪት ምድብና ኸም እትኸውን ኣይፈለጥናን ኔርና። ቀስ ብቐስ ኣብ መላእ ኦስትርያ ነቲ ኣብ ዩጎስላቭያ ዚዝረብ ቋንቋ ዚጥቀማ ጉባኤታትን ጕጅለታትን ተመስረታ።

ድሕሪ ግዜ: ነዘን ኣብታ ዓዲ ዝነበራ ቝጽረን እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ጉባኤታት ንምብጻሕ ገያሺ ሓላዊ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ። ድሕርዚ: ነተን ኣብ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝነበራ ኣብ ዩስዝላቭያ ዚዝረብ ቋንቋ ዚጥቀማ ንኣሽቱ ጉባኤታት እውን ክንበጽሕ ጻውዒት ቀረበልና። ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ሓያሎ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ ምውዳብ ሓጊዘ እየ።

ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት ይመጹ ነበሩ፣ ምስ ማርቲን ፖይትሲንገር ድማ ተራኸብና። ነቲ ቕድሚ 40 ዓመት ናብ ገዛና ኺመጽእ ከሎ ዜጋጥም ዝነበረ ፍጻመታት ዘኪርና ድማ ኣዕለልና። “ነታ ሒዝካያ ትመጽእ ዝነበርካ ንእሽቶ መዝገበ-ፍልጠት እናገንጸልኩ ምርኣይ እፈቱ ኸም ዝነበርኩ ትዝክሮዶ፧” ኢለ ሓተትክዎ።

“ሓንሳእ ተጸበየኒ” ኢሉ ድማ ካብታ ዝነበርናላ ኽፍሊ ወጸ። ተመሊሱ መጺኡ ኸኣ “እዚኣ ናተይ ህያብ እያ: ውሰዳ” ኢሉ ነታ መጽሓፍ ሃበኒ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኽሳዕ ሕጂ ኣቐሚጠያ ኣለኹ።

ጸገማት ጥዕና እኳ እንተ ኣሎኒ: ብንጥፈት አገልግል

ብ1983 ሕማም መንሽሮ ኸም ዘሎኒ ተፈልጠ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ሕማመይ ኣዝዩ ኸቢድ ምዃኑ ተነግረኒ። እዚ ብሕልፊ ንማሪካ ኣዝዩ ዜጨንቕ ግዜ እዩ ነይሩ፣ ሳላ እቲ ፍቕራዊ ሓልዮታን ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋት ዝገበሩልና ሓገዝን ግን: ጽቡቕ ኣለኹ።

ኣነን ማሪካን ኣብ ቭየና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዄንና ነገልግል ኣለና። መብዛሕትኡ እዋን: ንግሆ ንግሆ ጥራይ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እናኸድኩ ኣብ ዕዮ ትርጕም እሰርሕ: ማሪካ ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ትካፈል። እቶም ኣብ ኦስትርያ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሒደት ጕጅለ ስደተኛታት ዩጎስላቭያ: ቍጽሮም ልዕሊ 1,300 ኪበጽሕ ከሎ ምርኣየይ ናይ ብሓቂ እዩ ዜሐጕሰኒ። ኣነን ማሪካን ንመብዛሕትኦም መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኺመሃሩ ሓጊዝናዮም ኢና።

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት: ኣብተን ቀደም ሪፓብሊካት ዩጎስላቭያ ዝነበራ ሃገራት: ማለት ብ1999 ኣብ ክሮአሽያ: ብ2006 ከኣ ኣብ ስሎቨንያ ኣብ እተገብረ ወፈያ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ረኺበ ነይረ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ኣገልግሎት ነዊሕ ዓመታት ዘሕለፉ እየ ነይረ: 70 ዓመት ይገብር ዕዮ ስብከት ኣብዘን ሃገራት ኪጅምር ከሎ ብምርኣየይ ድማ ተዘክሮተይ ኸዘንቱ ተሓተትኩ።

የሆዋ ንድኽመታትናን ጌጋታትናን ኣዝዩ ይቕረ ዚብል ፈቃር ኣቦ እዩ። ኣበሳ ዘይቈጽር ብምዃኑስ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ! (መዝ. 130:3) ብሓቂ ሓልዮት ኣርእዩንን ምሕረት ገይሩለይን እዩ። c

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብቲ ግዜ እቲ ዩጎስላቭያ: ንስሎቨንያ እውን ወሲኽካ ብሽዱሽተ ሪፓብሊካት ዝቘመት እያ ነይራ።

b ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ውግእ ዘይከዱሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነታ ኣብ ገጽ 22 ዘላ “ሕቶታት ኣንበብትና” እትብል ዓንቀጽ ርአ።

c ቦልፈንክ ሞችኒክ: እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንሕትመት ክትዳሎ ኸላ ብ11 ሚያዝያ 2008 ዓሪፉ።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ጸጋም ናብ የማን:- በርታ ሞችኒክን ፍራንዝ ሞችኒክን ዝበሃሉ ወለደይ: ማይዳ: ኣነ: ብ1940ታት ኣብ ማሪቦር: ስሎቨንያ ኸለና

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ማሪካ ሰበይተይ