መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
ንሓደ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ኣባል ንኣሽቱ ሰይጣውንቲ እተባህለ ጕጅለ ዓዋሉ ዝነበረ ሰብ: ተለዊጡ ሓቀኛን ህርኩትን ዜጋ ንኪኸውን ዘለዓዓሎ እንታይ እዩ፧ ሓንቲ ዕውትቲ ጃፓናዊት ነጋዲት ነቲ ኣብ ህይወታ ሃብቲ ንምርካብ ዝነበራ ሸቶ ዘቋረጸት ስለምንታይ እያ፧ ብዛዕባ እቲ ዝገበረቶ ለውጢኸ እንታይ ተሰምዓ፧ ንሓደ ሩሲያዊ ሸያጢ ኣጽዋር ነቲ መኽሰብ ዚርከቦ ግን ከኣ ዘይሕጋዊ ንግዱ ንኺሓድግ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ከም ዚብሉ እስከ ንርአ።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም:- ኤድሪያን ፐረዝ
ዕድመ:- 30
ሃገር:- መክሲኮ
ታሪኽ:- ዕዋላ
ሕሉፍ ህይወተይ:- ወዲ 13 ዓመት ከለኹ: ስድራና ኣብ መክሲኮ ናብ ዚርከብ ኤካቴፐክ ዴ ሞሬሎስ ዚበሃል ቦታ ገዓዘት። ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ መንእሰያት ሕጊ ዚጥሕሱ: ጸየቕቲ: ወልፊ ሓሽሽ ዝነበሮም እዮም ነይሮም። ኣነ እውን ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኣልኮላዊ መስተ ብብዝሒ ኽሰቲ: ንብረት ከዕኑ: ከምኡውን ኣብ ዘይስነ-ምግባራዊ ነገራት ክካፈል ጀመርኩ።
ጸኒሑ: ናብታ እተወለድኩላ ኸተማ ሳን ቪሰንተ ተመለስና። ይኹን እምበር: ኣብኡ እውን ወልፊ ሓሽሽ ዓብዪ ጸገም ኰይኑ ነበረ። ዝሞቱ መንእሰያት ኣብ ጐደናታት ምርኣይ ልሙድ ነበረ። ምስቶም ንኣሽቱ ሰይጣውንቲ ዚበሃሉ ዓዋሉ ኽሓብር ጀመርኩ። ንሰርቕን ሓሽሽ ንወስድን ነበርና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ከም ናይ ቀለም መቕጠኒ ኬሚካል ወይ ኮላ ዝኣመሰለ ነሸትት ነበርና። መብዛሕትኡ እዋን: ብኸመይ ናብ ገዛይ ከም ዝኣተኹ ኣይዝክሮን ከምኡውን ሓድሓደ ግዜ ሃለዋተይ ጠፊኡኒ ኣብ ጐደናታት እድቅስ ነበርኩ። ገሊኦም ኣዕሩኸይ ብናይ ስርቅን ነፍሰ-ቕትለትን ገበን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ።
እዚ ዅሉ እናገበርኩ ኽነሰይ ግን ኣብ ኣምላኽ እኣምን ነበርኩ። ሕልናይ ንምቕሳን: ቅዱስ ሰሙን ኣብ ዚበሃል እዋን ኣብ ዚግበር ከም በዓል መስቀል ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ጽምብላት እሳተፍ ነበርኩ። ብድሕሪ እቲ ጽምብል ግን እቲ ኸም ክርስቶስ ኰይኑ እተዋስአ እውን ሓዊስካ:
ኵላትና ኽሳዕ እንሰክር መስተ ብምስታይ ነቲ ዝነበረና ተሳትፎ ነብዕሎ ነበርና።መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ:- ኣብ መወዳእታ ዕድመ ዀተቴ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመርኩ። ህይወተይ ዕላማ ኸም ዘይነበሮ: በቲ ኣነባብራይ እንተ ቐጺለ ድማ: ከም ዘይሰልጠኒ ፈለጥኩ። እታ ኣብ ገላትያ 6:8 እትርከብ: “እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ: እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ” እትብል ጥቕሲ ኣዝያ መሰጠትኒ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ኪሰልጠኒ እንተ ደልየ: ብዛዕባ መጻኢ ብምሕሳብ ክዘርእ ከም ዘሎኒ ንኽግንዘብ ሓገዘትኒ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከለኹ: የሆዋ ብብሕቲ ዚግደሰለይ ህያው ዝዀነ ኣምላኽ ምዃኑን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝፈጸምክዎ ሓጢኣት ይቕረ ኸም ዚብለለይን ተገንዘብኩ። ጸሎት ዚሰምዕን ዚምልስን ኣምላኽ ምዃኑ ኸኣ ባዕለይ ተመከርክዎ።
ኣብ ህይወተይ ለውጥታት ክገብር ቀሊል ኣይነበረን። ካብቶም ዓዋሉ ምፍላይ ከቢድ እዩ ነይሩ። ምስኦም ምሕባር እኳ እንተ ኣቋረጽኩ: ገሊኡ ኸባቢ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ስለ ዝነበረ ግን: በቲ ኸባቢ ኽሓልፍ ኣይክእልን ነይረ። ሓድሓደ ግዜ ድማ: እቶም ናይ ቀደም ኣዕሩኸይ ናብቲ ናይ ቀደም ልማዳተይ ንኺመልሱኒ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ: እሕባእ ነበርኩ።
ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክካፈል ምስ ጀመርኩ ግን: ኣባላት እታ ጉባኤ ምቕሉላትን ፈቃራትን ኰይኖም ረኸብክዎም። እዞም ሰባት እዚኣቶም: ጽኑዕ እምነት ዘለዎምን ምስቲ እተመሃርዎ ነገራት ተሰማሚዖም ዚነብሩን ምዃኖም ውሽጠይ ተንከፈኒ። ካብቲ ዝነበርክዎ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ እዩ ነይሩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ:- ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ሕጂ ዓሰርተ ዓመት ገይረ ኣሎኹ። ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ኣበርቲዐ እጽዕር ነበርኩ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ስድራ ቤተይ ኬኽብሩኒ ጀመሩ። ሕጂ ህርኩት ሰራሕተኛ ምዃነይ ይፈልጡ እዮም: ብገንዘብ ድማ ክሕግዞም ክኢለ እየ። ኣደይ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ሕጂ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኣላ። ኣቦይ እውን ኣብ ናብራ ህይወቱ ለውጢ ይገብር ኣሎ። መብዛሕትኦም ስድራ ቤተይ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ዘይኰኑ: ነቲ ዝገበርክዎ ለውጢ ድሕሪ ምዕዛቦም ግን: ሓደ ሰብ ህይወቱ ንኼመሓይሽ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዞ ኸም ዚኽእል ኣሚኖም እዮም።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም:- ያዮዪ ናጋታኒ
ዕድመ:- 50
ሃገር:- ጃፓን
ታሪኽ:- ዕውትቲ ነጋዲት
ሕሉፍ ህይወተይ:- ምቕሉላት ነበርቲ ኣብ ዝመልእዋ ንእሽቶ ኸተማ እየ ዓብየ። ኣቦይ ኣብታ ኸተማ ዓሰርተ ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ዓብዪ ድኳን ይውንን ነበረ። ኣቦናን ኣዴናን ብስራሕ ትሑዛት እኳ እንተ ነበሩ: ገዛና ድሕሪ እቲ ድኳን ስለ ዝነበረ ግን ጽምዋ ተሰሚዑኒ ኣይፈልጥን።
ካብተን ሰለስተ ኣዋልድ እታ ዝዓበኹ እየ ነይረ: ካብ ቍልዕነተይ ጀሚረ ኸኣ ናይ ስድራ ቤትና ንግዲ ንኽቈጻጸሮ ሓላፍነት
ተዋህበኒ። ብንእስነተይ ከኣ ተመርዓኹ። ሰብኣየይ ነቲ ዝነበሮ ናይ ባንክ ስራሕ ሓዲጉ: ኣብ ናይ ስድራ ቤትና ንግዲ ኺሕግዝ ጀመረ። ኣብ ርእሲ ርእሲ ሰለስተ ቘልዑ ወለድና። ኣነ ኣብቲ ድኳን ካብ ንጉሆ ኽሳዕ ምሸት ክሰርሕ ከለኹ: ኣደይ ድማ ነቶም ቈልዑ ትከናኸኖምን ኣብ ቤት ዝዕየ ነገራት ትዓዪን ነበረት። ይኹን እምበር: ኵላትና ስድራ ቤት ብሓንሳእ እንተኣኻኸበሉ ናጻ ግዜ ነይሩና እዩ።ድሕርዚ: ኣብ ዕዳጋ ቝጠባዊ ቕልውላው ኣጋጢሙ ስለ ዝነበረ: ንግድና ኣብ ሓደጋ ኣተወ። ስለዚ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ቐጺሉ ዘሎ ቐንዲ ጽርግያ: ኣባይቲ ንምሕዳስ ዜገልግል ኣቕሑ ዚሽየጠሉ ድኳን ክንከፍት ወሰንና። ቀቅድሚ እታ ህንጸት ንምጅማር ዘዳለናዮ ጽምብል ኣብ ዝነበረት መዓልቲ: ናይቲ ኩባንያና ፕረዚደንት ዝነበረ ኣቦይ ሃንደበታዊ ዝዀነ ናይ ኣእምሮ ሽግር ኣጋጢምዎ ወደቐ። ብሰንኪ እቲ ሕማም ኪዛረብ ስለ ዘይከኣለ: ነቲ ሓድሽ ድኳን ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ኣባይ ወደቐ። ሰብኣየይ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ድኳንና ምስራሑ ቐጸለ። ህይወትና ድማ ብስራሕ ኣዝዩ ትሑዝ ኰነ።
ካብቲ ሓድሽ ድኳንና ብዙሕ መኽሰብ ረኸብና። በቲ ዝረኸብክዎ ዓወታት እዀርዕ ከምኡውን ንስራሕ ክብል ናይ ድቃስ ሰዓተይ መስዋእቲ እገብር ነበርኩ። ደቀይ እፈቱ እኳ እንተ ነበርኩ: ኵሉ ቐልበይ ግን ኣብ ስራሕ ነበረ። ምስ ሰብኣየይ ንምዝርራብ ግዜ ኣይነበረንን: እንተ ተዘራረብና እውን ኣብ ክትዕ ንኣቱ ነበርና። ነቲ ዜጋጥመኒ ጸቕጢ ንምርሳዕ: ምስ ኣዕሩኸይን ናይ ንግዲ መሻርኽተይን ኰይነ ምሸት ምሸት መስተ ኽሰቲ ጀመርኩ። ተግባረይ ኵሉ: ስራሕ: ድቃስ: መስተ ጥራይ እዩ ነይሩ። ብገንዘብ ዝመጸ ዕውትቲ እኳ እንተ ነበርኩ: ሓጐስ እናረሓቐኒ ኸደ: ንምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ኪርድኣኒ ኣይከኣለን።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ:- ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን: ሰለስተ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲረናለይ እየን። እታ ኣብ ማቴዎስ 5:3 (NW) እትርከብ: “እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ: መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ: ሕጉሳት እዮም” እትብል ጥቕሲ ዝሓዘቶ ትርጕም ምስ ተረዳእኩ ነባዕኩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ብገንዘብ ዝመጸ ዕውትቲ: ካብ መሻርኽተይ ከኣ ናእዳ ዘሎኒ ኽነሰይ ንምንታይ ባዶነት ከም ዚስምዓኒ ኣብርሀትለይ። ናይ ሓቂ ሓጐስ ክረክብ ዝኽእል: መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልየኒ ብምግንዛብን ነዚ ድሌት እዚ ብምዕጋብን ከም ዝዀነ ተረዳእኩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ጃፓን ቍጠባዊ ውድቀት ኣጋጠማ: ሓቅነት እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 6:9 ዚርከብ ጥቕሲ ድማ ኣብቶም መሻርኽተይ ዝነበሩ ሰባት ኪፍጸም ረኣኽዎ። እታ ጥቕሲ: “እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን: ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ” ትብል። እቲ ኣብ ማቴዎስ 6:24 ዚርከብ: “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ: ኣባይ እውን ከም ዚውዕል ስለ እተሰምዓኒ: ኣብ ህይወተይ ሓድሓደ ለውጥታት ክገብር ወሰንኩ።
ንወለደይ: ንሰብኣየይ: ከምኡውን ንደቀይ ዕሽሽ ኢለዮም ከም ዝነበርኩ ኣስተውዓልኩ። ሕማቕ ባህርያት ከም ዘማዕበልኩ ግልጺ እዩ ነይሩ። ትዕቢተኛ ዀይነ ነበርኩ። ዓቕሊ ኣይነበረንን። ብቐሊሉ ድማ እቝጣዕ ነበርኩ። ፈለማ: ተለዊጠ ክርስትያን ክኸውን ዘይክእል ኰይኑ ተሰምዓኒ። ይኹን እምበር: ንደቀይ ኣዝየ አፍቅሮም ነበርኩ: ንሳቶም ድማ ምስ ስድራ ቤተይ ኣብ ዝነበረኒ ርክብ: ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ኽጽዕር ከለኹ: ጽቡቕ ምላሽ ይህቡ ነበሩ። ምስኦም ብዙሕ ግዜ ኸሕልፍን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሒዘዮም ክኸይድን ጀመርኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ:- ዕላማ ህይወት ምፍላጠይን ንኣምላኽ ዜሐጕስ ናብራ ብምንባር ንዕኡ ኸገልግል ምኽኣለይን: ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኣምጸኣለይ። ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበርኩ: ካብ ስድራ ቤተይ ንላዕሊ ንስራሕ ቀዳምነት ኣይህብን እየ: እዚ ኸኣ ንገዛእ ርእሰይ ግቡእ ኣኽብሮት ንኺህልወኒ ኣኽኣለኒ።
ኣደይ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝገበርክዎ ናይ ባህርይ ለውጢ ምስ ረኣየት: መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዓ ክርስትያን ክትከውን ከኣለት። እቲ ዜሐጕስ ድማ ኣቦይ ኰነ ሰብኣየይ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ኣይተቓወምዎን። ኣብዚ ግዜ እዚ: ምስ ደቀይ ጥብቂ ርክብ ኣሎኒ: ናይ ብሓቂ ሕጉስቲ ስድራ ቤት እውን ኣላትኒ።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት
ስም:- ሚኻኤል ዙየፍ
ዕድመ:- 51
ሃገር:- ሩስያ
ታሪኽ:- ሸያጢ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር
ሕሉፍ ህይወተይ:- እቲ ክራስኖጎርስክ ዚበሃል ዝዓበኹሉ ኸባቢ ለምለም እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኸባቢ ዚርከብ ርባ ሞስኮ ናብ ደቡብ ገጹ እዩ ዚውሕዝ። ብምዕራብን ብሰሜንን ሞስኮ ዚርከብ ቦታታት ብጫካ እተሸፈነ እዩ።
ኣብ እዋን ንእስነተይ: ቅልስን ብኣጽዋር ምጽዋትን ባህ ይብለኒ ነበረ። ስፖርት ኣብ ምስራሕ ብዙሕ ግዜ አሕልፍ ነበርኩ። ዘይሕጋዊ ብረት: ነታጒ: ካራሩ እውን እሰርሕ ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ ድማ ነዚ ቐንዲ ስራሐይ ገበርክዎ። እተደራጀኹ ስለ ዝነበርኩ: ነቲ ዝሰራሕክዎ ንገበነኛታት ኣብ ምሻጥ ዕዉት ኰንኩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ:- ኣብ መጀመርታ 1990ታት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እኳ እንተ ተራኸብኩ: ፈለማ ኣይኣምኖምን እየ ነይረ። ሕቶ ዜብዝሑ ዀይኑ ተሰምዓኒ።
ሓደ መዓልቲ: ሓደ ኻባታቶም ነታ ኣብ ሮሜ 14:12 እትርከብ: “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” እትብል ጥቕሲ ኣንበበለይ። ንኣምላኽ እንታይ ክብሎ ኸም ዝኽእል ሓሰብኩ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ: ኣምላኽ ካባይ ዚደልዮ ነገራት ንኽፈልጥ ኣለዓዓለትኒ።
ነቲ ኣብ ቈሎሴ 3:5-10 ዚርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ: ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣበርቲዐ ጸዓርኩ። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ: ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። . . . እዚ ዅሉ ድማ፤ ኵራ: ምንጽርጻር: ክፍኣት: ጸርፊ: ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም: ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም: . . . ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም: ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።”
ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ምግባር ከቢዱኒ ነበረ። እቶም ናይ ቀደም “ዓማዊለይ:” ኣጽዋር ንኽሰርሓሎም ገንዘብ ኪህቡኒ ይደልዩ ነበሩ: ሰባት ኪጸርፉኒ ኸለዉ ድማ ርእስኻ ምግታእ ኣዝዩ ይኸብደኒ ነበረ። ይኹን እምበር: ነቲ ዝነበረኒ ኣጽዋር ኵሉ ኣዕነኽዎ። ብዛዕባ እታ ኣምላኽን ክርስቶስን ዘርኣዩኒ ፍቕሪ ምስ ተመሃርኩ: ንኸፍቅሮም ተደረኽኩ። ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ምስታ ኣብ ከባቢና እትርከብ ጉባኤ ብምእካብ: ከምኡውን ኣምላኽ ንኺሕግዘኒ ብምጽላይ ጸኒዐ ቐጸልኩ።
ዝረኸብክዎ ጥቕሚ:- ብብዙሕ ጻዕርን ብደገፍ ናይ ክርስትያን ኣሕዋተይን: ቀስ ብቐስ ዝሓሽኩ ሰብ ክኸውን ከኣልኩ። የሆዋ ኣምላኽ ንዝሞቱ ሰባት እውን ሓዊሱ ንዅላትና ኸም ዚሓሊ ምፍላጠይ ኣዝዩ ኣሐጐሰኒ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ነቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ቕንዕናን ግልጽነትን ኣኽቢረ እየ ዝርእዮ። ነቲ ዘርኣዩኒ ናይ ሓቂ ተገዳስነትን ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነትን ድማ አድንቖ እየ።
ፈለማ: ገለ ኻብ ስድራ ቤተይን ፈተውተይን ነቲ ሓድሽ እምነተይ ተቓወምዎ። ይኹን እምበር: ምስ ጕጅለ ገበነኛታት ካብ ዝሓብር ናይ ሃይማኖት ሰብ ምዃነይ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ሓሰቡ። ኣጽዋር ውግእ ምሻጥ ሓዲገ: ካልኦት ብዛዕባ ኣምላኽ ሰላም ኪፈልጡ ንምሕጋዝ ውፉይ ምዃነይ የሐጕሰኒ እዩ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ሕልናይ ንምቕሳን: ኣብ ናይ ካቶሊክ ጽምብላት እሳተፍ ነበርኩ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ብገንዘብ ዝመጸ ዕውትቲ እኳ እንተ ነበርኩ: ሕጉስቲ ግን ኣይነበርኩን