ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ ናብ ጥፍኣት ድያ ትኸይድ ዘላ፧

ምድሪ ናብ ጥፍኣት ድያ ትኸይድ ዘላ፧

ምድሪ ናብ ጥፍኣት ድያ ትኸይድ ዘላ፧

ነዛ ቐጺላ ዘላ ሕቶ እንታይ ኢልካ ምመለስካያ፧

ድሕሪ ቐረባ እዋን ኵነታት ምድሪ ኸመይ ኪኸውን እዩ፧

(ሀ) ኪመሓየሽ

(ለ) ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል

(ሐ) ኪገድድ

ብዛዕባ መጻኢ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወካ ትጽዕርዶ፧ ከምዚ ምግባር ብዙሕ ጥቕምታት ኣለዎ። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ብኣእምሮኣውን ብኣካላውን ዝሓሹ ኸም ዝዀኑ መጽናዕትታት ይሕብር። ሓደ ንነዊሕ እዋን እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ብዛዕባ ህይወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰብኡት ካብቶም ኣሉታዊ ኣረኣእያ ዘለዎም ብሕማም ልቢ ንኺጥቅዑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ዝወሓደ እዩ። እዚ መጽናዕቲ እዚ: ምስቲ ሓያሎ ዘመናት ይገብር መጽሓፍ ቅዱስ: “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ: ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ” ኢሉ ዚገልጾ ሓሳብ ዚሰማማዕ እዩ።—ምሳሌ 17:22

ይኹን እምበር: ብሰንኪ እቲ ተመራመርቲ ብዛዕባ መጻኢ ምድሪ ዚንበይዎ ነገራት: ብዙሓት ሰባት ኣወንታውን ትስፉውን ምዃን ይኸብዶም እዩ። ካብቲ ኣብ ዜናታት ዚስማዕ ዜፍርህ ትንቢታት: እተወሰነ እስከ ንርአ።

ኣብ ሓደጋ ዘላ ፕላነት

ብ2002 እቲ ኣኽቢርካ ዚርአ ትካል ኣከባቢ ስቶክሆልም: ሰባት ንቝጠባዊ ምዕባለ ኺብሉ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዜሕድርዎ ጽልዋ: “ኣብ ናይ ምድሪ ዅነታት ኣየርን ኢኮሲስተምን ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ከም ዚኽእል” ኣጠንቀቐ። እቲ ጸብጻብ ወሲኹ: ዓለምለኻዊ ድኽነት: ቀጻሊ ዝዀነ ምጕዳል ፍትሒ: ምብልሻው ኣከባብያዊ ሃብቲ: ንሓደ ሕብረተሰብ “ካብ ሓደ ኣከባብያውን ማሕበራውን ድሕንነታውን ቅልውላው ናብ ካልእ ቅልውላው” ከም ዜእትዎ ገለጸ።

ብ2005 ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ንኣርባዕተ ዓመት ዚኸውን ኣብ ናይ ምድሪ ዅነታት ኣየር ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ብምግባር: ሚልንየም ኢኮሲስተም ኣሰስመንት ሲንተሲስ ሪፖርት (ጽሙር ጸብጻብ ገምጋም ኢኮሲስተም መዋእለ ሽሕ) ዚበሃል ጽሑፍ ኣውጽአ። እዚ ኻብ 95 ሃገራት እተዋጽኡ ልዕሊ 1,360 ክኢላታት እተኻፈልሉ ሰፊሕ መጽናዕቲ: “ሰብኣዊ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ብዙሕ ጕድኣት ስለ ዘውረደ: ነቲ ንመጻኢ ወለዶታት ብህይወት ከም ዚቕጽል ዚገብር ኢኮሲስተም ፕላነትና ዜተኣማምን ከም ዘይከውን ገይርዎ ኣሎ” ኢሉ መጠንቀቕታ ሃበ። እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ነዚ ሓደጋ ንምእላይ: “ኣብ ፖሊስታትን ትካላትን ንጥፈታትን ወዲ ሰብ ክሳዕ ሕጂ ዘይተገብረ ዓብዪ ለውጢ ኺግበር” የድሊ።

ኣብ ፕሮግራም ሰፈራ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈጻሚት ዳይሬክተር ዝዀነት ኣና ቲባዩካ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ስምምዕ ኣመልኪታ: “ከምቲ ዘለናዮ እንተ ቐጺልና: ዜፍርህ መጻኢ እዩ ዚጽበየና” በለት።

ትስፉው እትዀነሉ ምኽንያት

ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን: ድሕሪ ቐረባ እዋን ንምድሪ ዚልውጥ ሃንደበታዊ ፍጻመታት ከም ዜጋጥም ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር: እዚ ፍጻመታት እዚ ናብ ሓደገኛ ዝዀነ መጻኢ ዜምርሕ ዘይኰነስ: ቅድሚ ሕጂ ዓለም ርእያቶ ዘይትፈልጥ ዜደንቕ ኵነታት ከም ዚፈጥር እዮም ዚኣምኑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሩህ ተስፋ ኺህልዎም ዚኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዚርከብ መብጽዓታት ስለ ዚተኣማመኑ እዩ። ሓደ ኻብቲ መብጽዓታት ከምዚ ይብል:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ: ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:10, 11

ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ሕልሚ ጥራይ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ቕድሚ ምምላስና: መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ዓመታት ኣቐዲሙ ብዛዕባ እዚ ኣብ ልዕሊ ምድርን ደቂ ሰብን ዜጋጥም ዘሎ ዓበይቲ ጸገማት ብልክዕ እተነበዮ ትንቢት እስከ ኣርዚንካ ሕሰበሉ። ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ብምንባብ: ነቲ ዚብሎ ምስቲ ኣብ ዓለም እትርእዮ ዘለኻ ነገራት ኣነጻጽሮ። ከምዚ ምስ እትገብር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ብልክዕ ከም ዚንበ ዘሎካ ምትእምማን ኪዓቢ እዩ።