ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧
ሕቶታት ኣንበብትና
ምድሪ ኻብ ጥፍኣት ከተምልጥ ድያ፧
ምድርና ብዝዀነ ይኹን ዕንወት ኣይክትጠፍእን እያ። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ: ምድሪ “ንዘለኣለም ከይትናወጽ” ተመባጺዑ እዩ። (መዝሙር 104:5) መጽሓፍ ቅዱስ: “ወለዶ ይኸይድ: ወለዶ ኸኣ ይመጽእ: ምድሪ ግና ንዘለኣለም ትቐውም” ይብል።—መክብብ 1:4
እቲ ኣብ መዝሙር 104:5 ዚርከብ ምድሪ ኸም እትቕጽል ዚገልጽ ሓሳብ: በተን ኣብ በዅሪ እብራይስጢ “ንዘለኣለም” ዚብል ትርጕም ዘለወን ኦህላም ከምኡውን ኣድህ ዚብላ ኽልተ ቓላት ጐሊሑ ይርከብ። እታ ኦህላም እትብል ቃል: “ሓያሎ ዓመታት” ወይ “ነባሪ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ብመሰረት እቲ ብሆርኮቪ እተዳለወ ስቱደንትስ ሄብሪው ኤንድ ካልዲ ዲክሽነሪ ዚበሃል መዝገበ-ቓላት: ኣድህ እትብል ቃል: “ነባሪ: ዘለኣለማውነት: መወዳእታ ዘይብሉ: ንሓዋሩ” ማለት እያ። እዘን ክልተ ናይ እብራይስጢ ቓላት: ምድሪ ነባሪት ከም ዝዀነት የረጋግጻ። ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር ንኽንኣምን ዜኽእለና: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሰለስተ ተወሳኺ መርትዖታት እስከ ንርአ።
ቀዳማይ: ኣምላኽ ንምድሪ ዝፈጠራ ኽትባድም ኢሉ ዘይኰነስ: ምልእቲ ምድሪ ሰባት ዚነብሩላን ልምዕትን ሓጐስ ዝመልኣን ገነት ክትከውን እዩ። ኢሳይያስ 45:18 ንየሆዋ በዚ ኸምዚ ትገልጾ:- “እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን: ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ።”
ካልኣይ: ኣምላኽ እቶም ንዕኡ ዚእዘዙ ሰባት: ኣብ ምድሪ ብሰላም ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ኣቐዲሙ ተመባጺዑ እዩ። እቲ ኣብ ሚክያስ 4:4 ዚርከብ መብጽዓ: “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። ስለዚ: ብመሰረት ዕላማ ኣምላኽ: ምድሪ ኸም መንበሪት ደቂ ሰብ ኰይና ንዘለኣለም ክትቅጽል እያ፣ እንተ ዘይኰነ ግን መብጽዓታቱ ኸንቱ ዀይኑ እዩ ዚተርፍ።—መዝሙር 119:90፣ ኢሳይያስ 55:11፣ 1 ዮሃንስ 2:17
ሳልሳይ: ኣምላኽ ንደቂ ሰብ: ንምድሪ ኺከናኸንዋ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። ቃል ኣምላኽ: “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም: ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ይብል። (መዝሙር 115:16) ንውላዱ ጽቡቕ ህያብ ሂቡ ኼብቅዕ: ተመሊሱ ነታ ህያብ ዚሰባብራ ሓደ ፈቃር ኣቦ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ትኽእልዶ፧ ከምኡ ኺገብር ዘይሕሰብ እዩ! ብተመሳሳሊ: እቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ዝዀነ የሆዋ ንምድርን ነቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪገብር ዘይሕሰብ እዩ።—1 ዮሃንስ 4:8
የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣቦኡ: “ቃልካ ሓቂ እዩ” ዚብል መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:17) እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ድማ: “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝሙር 37:29፣ ቲቶስ 1:2
[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Globe: Based on NASA photo