ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህይወት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ፈለጥኩ

ህይወት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ፈለጥኩ

ህይወት ክሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ፈለጥኩ

እዋኑ ንግሆ 16 ሚያዝያ 2007 እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ዅርናዕ እቲ ኣብ ውሽጢ ካምፓስ ቨርጂንያ ቴክ ዚርከብ ኖሪስ ሆል ዚበሃል ህንጻ ዘሎ ኻልኣይ ደርቢ ተዀርምየ ኸለኹ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልትታት ህይወትና ኣዝዩ ኽቡር ብምዃኑ መመስገንቲ ኽንከውን ከም ዚግብኣና እንደገና ተዘኻኸርኩ።

ንእተላእከለይ ደብዳበ ኸምጽእ ናብ ቀዳማይ ደርቢ ክኸይድ እናተዳለኹ ኸለኹ፡ ሓደ ፕሮፌሰር መጺኡ ኮምፕዩተሩ ምእንቲ ኸዐርየሉ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኽንከይድ ሓተተኒ። ናብ ቤት ጽሕፈቱ ኽንኣቱ ኸለና፡ ኣብ ቀዳማይ ደርቢ ተደጋጋሚ ናይ ተዅሲ ድምጺ ሰማዕና። እንታይ ከም ዘጋጠመ እኳ እንተ ዘይፈለጥና፡ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ቐልጢፍና ኣቲና ነቲ ማዕጾ ዓጸናዮ፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ኣብ ህይወትና እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ድማ ክንጭነቕ ጀመርና። ኣብ ሓደ ዅርናዕ ተጸጊዐ ድማ ንዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዋጽኣሉ የሆዋ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ።

እንታይ ከም ዜጋጥም ክንርኢ እናተጸበና ኸለና፡ ቅድሚ 15 ዓመት ዘጋጠመኒ ዅነታት ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል በለ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ሓደ ጋራጅ መካኒክ ኰይነ እዓዪ ነበርኩ። ሓደ መሳርሕተይ ኣብ ኣቕሓ ሒዝዎ ዝነበረ በንዚን ነደደ። ነቲ ዚነድድ ዝነበረ ነዳዲ ድማ ሰንቢዱ ናብ ገጸይ ደርበዮ! እቲ ትኪ ናብ ሳንቡአይ ኣተወ ኸምኡውን ላዕለዋይ ክፋል ቈርበተይ ተቓጸለ። ናብቲ ብሓዊ ዝነደዱ ሰባት ዚሕከምሉ ሆስፒታል ብሄሊኮፕተር ተወሰድኩ፡ ብህይወት ምእንቲ ኽጸንሕ ድማ ንሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ዚኸውን ዝለዓለ ኽንክን ተገብረለይ። ንሓሙሽተ ወርሒ ዚኣክል ሕክምና ምስ ረኸብኩ፡ ብህይወት ምትራፈይ እናኣመስገንኩ ናብ ገዛይ ተመለስኩ። እዚ ተመክሮ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልትታት ህይወትና ኣዝዩ ኽቡር ከም ዝዀነ መሃረኒ። ነቲ ህይወት ዝሃበኒ የሆዋ ኣምላኽ፡ ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ንኸገልግሎ ዝነበረኒ ቘራጽነት እውን ኣደልደሎ።—መዝሙር 90:12፣ ኢሳይያስ 43:10

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመኒ ኸቢድ መጕዳእቲ መካኒክ ኰይነ ኽዓዪ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ኮምፒዩተር ተማሂረ ኣብ ቨርጂንያ ቴክ ተቘጸርኩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እየ ኣብታ ንግሆ እቲኣ ኣብ ኖሪስ ሆል ዝነበርኩ።

ኣብ ታሪኽ ሕ.መ.ኣ. ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣዝዩ ዜሰቅቕ ኵነታት፡ ኣብ ትሕቴና ኣብ ዝነበረ ደርቢ ይፍጸም ምንባሩ ኣይፈለጥናን። ሓደ መሳርያ እተዓጥቀ ሰብኣይ፡ ህይወት 32 ንጹሃት ሰባት ድሕሪ ምጥፋእ ንገዛእ ርእሱ ቐተለ። እዚ ዅሉ ኻብ ዚጅመር ድሕሪ 20 ደቒቕ፡ ኣብ ኮሪደር ድምጺ ፖሊስ ሰማዕና። ነቶም ፖሊስ ምስ ጸዋዕናዮም ከኣ ዕቝባ ናብ ዘለዎ ቦታ ሒዞምና ኸዱ።

ህይወት ሓጻርን ሓላፊትን ምዃና ኻብዚ ፍጻመ እዚ ኽመሃር ክኢለ እየ። (ያእቆብ 4:14) ኣብቲ ወሃቢ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ትውክልቲ ምግባርን ነፍሲ ወከፍ መዓልትታት ህይወትና ኸም ክቡር ህያብ ጌርና ምርኣይን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣገዳሲ እዩ!—መዝሙር 23:4፣ 91:2

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

AP Photo/The Roanoke Times, Alan Kim