ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምድሪ “ረሲና” ትሓዊ ደዀን ትኸውን፧

ምድሪ “ረሲና” ትሓዊ ደዀን ትኸውን፧

ምድሪ “ረሲና” ትሓዊ ደዀን ትኸውን፧

እቲ ምልክታት ከም ዚሕብሮ፡ ሙቐት ምድሪ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ንኣብነት፡ ነታ ኣብ ኣላስካ ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ንደቡብ እትርከብ ቍሸት ኒውቶክ ክንወስድ ንኽእል ኢና። እቲ ኒውቶክ እተሃንጸትሉ ፐርማፍሮስት ተባሂሉ ዚፍለጥ ብዛሕሊ ዝነቐጸ ታሕተዋይ ቀጸላ ናይ ሓመድ ይመክኽ ኣሎ። ፍራንክ ዚበሃል ነባሪ እታ ቝሸት፡ “ኣብ ፐርማፍሮስት ክነብር ኣይደልን እየ፡ ጨፈቕፈቕ ዝበለ እኮ እዩ” ኢሉ ኣማረረ። ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት እዛ ኣብ ገምገም ባሕሪ እትርከብ ቍሸት ከም እትዕልቕለቕ መጽናዕትታት ይሕብር።

በይነ-መንግስታዊ ዘተ ምልውዋጥ ክሊማ፡ “ስርዓት ክሊማ ይመውቕ ምህላዉ ኣየጠራጥርን እዩ” በለ። ሙቐት ዓለም እናወሰኸ ምኻዱ ነዚ ሓቂ እዚ ዚምስክር እዩ። እቲ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ ምልውዋጥ ክሊማ ዚብልዎ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ድርቅን ከቢድ ዝናምን ብርቱዕ ዋዕን ህቦብላን ዝኣመሰለ ምዝባዕ ኵነታት ኣየር የስዕብ ኣሎ። ፕላነትና እንታይ እያ ኽትከውን፧ ካብ ሕማማ ኽትሓዊ ድያ፧

ምድሪ እተገብረላ መርመራ

ከምቲ ሓደ ናብ ሆስፒታል ዚኸይድ ሕሙም መርመራ ዚግበረሉ፡ ተመራመርቲ ክሊማ እውን ነቲ ኣገዳሲ ምልክትታት ምድሪ ተጠንቂቖም ይከታተልዎ ኣለዉ። ሳተላይታት ነቲ እናነከየ ዚኸይድ ዘሎ በረድ ይከታተሎ ኣሎ፡ ነቝጣታት ኵነታት ኣየር ንመጠን ዝናም ይልክዖ ኣሎ፡ ኣብ ውቅያኖስ እተተኽለ መሳርሕታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ መጠን ሙቐት ይዕቅኖ ኣሎ፡ ነፈርቲ ድማ ነቲ ኣብ ሃዋህው ዘሎ መጠን ጋዛት ይከታተላ ኣለዋ። እዚ ዅሉ ሓበሬታ ኸኣ ናብ ብሉጻት ኮምፕዩተራት ይኣቱ። በዚ ገይሮም ከኣ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ካብኡ ሓሊፎም እውን ኣብ ዘመናት እንታይ ከም ዚኸውን ኪግምቱ ይፍትኑ።

እሞኸ ኻብዚ መርመራ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ ገሊኦም ሰባት ኣብ ሃዋህው ሙቐት ዚውስኽ ጋዛት ኣመና ይበዝሕ ከም ዘሎ ይኣምኑ። ኣብ 2006 ጥራይ፡ ዓለም ዘውጽኣቶ መጠን ካርቦን ዳይኦክሳይድ “ናብ 32 ቢልዮን ቶን ከም ዚጽጋዕ” መጽሔት ታይም ሓቢራ ኣላ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጋዛት ከም ገዛ ቬትሮ ብምዃን፡ ዋዒ ምድሪ ናብ ህዋ ንኸይወጽእ ይሕዞ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንዋዒ ምድሪ ኣበርክቶ ይገብር። ምድሪ ደኣ እሞ እንታይ መጻኢ እዩ ዚጽበያ ዘሎ፧ ብመሰረት በይነ-መንግስታዊ ዘተ ምልውዋጥ ክሊማ፡ እቲ ዚፍኖ ጋዛት በዚ ሕጂ መጠን እንተ ቐጺሉ፡ “ኣብ ዓለምለኻዊ ስርዓት ክሊማ ብዙሕ ለውጥታት ኬምጽእ እዩ፡” እዚ ድማ ኻብቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ዝገደደ ኪኸውን እዩ። ብዙሓት ሰባት ነዚ ፍታሕ ዚኸውን መጠን ዚፍኖ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ምንካይ ምዃኑ ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዚፍኖ መጠን ጋዛት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እኳ እንተ ኣተወ፡ ኮምፕዩተራት ከም ዚሕብራኦ፡ “ምውሳኽ ሙቐትን [ንሱ ዜስዕቦ] ምብራኽ ጽፍሒ ባሕርን ንዘመናት ኪቕጽል እዩ።”

ኣበይ እዩ መልሲ ዚርከብ፧

ስነ-ክሊማ እተሓላለኸ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ኤርዝ ኦብዘርቫቶሪ ዚበሃል ብኢንተርነት ዚፍኖ ጽሑፍ፡ “ንኣብነት፡ ምድሪ እናወዓየት ምስ ከደት፡ ደበናታት እንታይ ኪኸውን እዩ፧ እቲ ኣብ ልዑል ብራኸ ዘሎ ዋዒ ዚእክብ እሞ ተወሳኺ ሙቐት ከም ዚህሉ ዚገብር ደበናታት፡ ካብቲ ጽዑቕን ንብርሃን ጸሓይ ዚጋርድን ደበናታት ንላዕሊ ብብዝሒ ኺርአ ድዩ፧” ኢሉ ሓቲቱ ኣሎ። ነዚ ድማ፡ “ክሳዕ ሕጂ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ነዚ ሕቶታት እዚ ኺምልስዎ ኣይክእሉን እዮም” ዚብል መልሲ ተዋሂብዎ ኣሎ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ የሆዋ “ጐይታ ሰማይን ምድርን” ምዃኑ “ንደበና” እውን ንሱ ኸም ዘቘሞ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 14:19፣ ምሳሌ 8:28) የሆዋ፡ ‘ጥበብ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ከም ዘንበረ’ ገይሩ ገሊጹ ኣሎ። እወ፡ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኪርድእዎ ዘይክእሉ ነገራት፡ ንሱ ምሉእ ብምሉእ ይርድኦ እዩ።—እዮብ 38:36 NW

ኣስታት 2,700 ዓመት ይገብር፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ሃዋህው ምድሪ፡ “ዝናም . . . ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ፡ . . . ንድሕሪት ከም ዘይምለስ” ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 55:10) እዚ ንዑደት ማይ ብንጹር እዩ ገሊጽዎ! ኣብ ደበናታት ዘሎ ሃፋ ማይ ደስኪሉ ኸም ዝናም ኰይኑ ይዘንም፡ ‘ንምድሪ ድማ የስቲ።’ ጸሓይ እተመንጭዎ ዋዒ ኸኣ ጠሊ ኸም ዚሃፍፍ ገይሩ ‘ንድሕሪት’ ማለት ናብ ሃዋህው ከም ‘ዚምለስ’ ይገብሮ፡ በዚ ኸምዚ እቲ ዑደት ከም ብሓድሽ ይጅምር። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዘይኰነ ጽሑፋት ብዛዕባ እዚ ዝጸሓፈሉ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ቃል የሆዋ ብዛዕባ ስርዓት ክሊማ ምድሪ ዜደንቕ ዝርዝር ነጥብታት ይገልጽ እዩ። እዝስ ኣብ ፈጣርን ኣብቲ ንሱ ኺገብሮ ዚኽእል ነገራትን ምትእምማን ከም እተሕድር ዚገብርዶ ኸይኰነ፧ ስለዚ፡ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምዝባዕ ክሊማ ብዚምልከት መልሲ ንምርካብ፡ ናብቲ ነዛ ፕላነት ብኸመይ ከም እትዓዪ ዚፈልጥ ‘ንፋስ ዝፈጠረን’ ‘ኣቦ ዝናምን’ እንተ ጠመትናዶ ኣይምሓሸን፧—ኣሞጽ 4:13፣ እዮብ 38:28

ምድሪ ብዕላማ እያ ተፈጢራ

ብዛዕባ መጻኢ ፕላነትና ዘሎ ርእይቶታት ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ ሓደ ነገር ግን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና፦ ምድሪ ፍልይቲ እያ። ካብ ካልኦት ፕላነታት ብእተፈልየ መገዲ፡ ብዙሕ ዓይነት ህይወት ሒዛ ኣላ። ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ኪኸውን ዝኸኣለ፧ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ከምኡ ዝዀነሉ እተፈላለየ ረቛሒታት ይጠቕሱ። ምድሪ ኣኺሉ ዚተርፍ ፈሳሲ ማይ ዘለዋ ምዃና፡ ካብ ጸሓይ ኣብ ግቡእ ርሕቀት እትርከብ ምዃና፡ ከምኡውን ግቡእ ሕውስዋስ ጋዛትን ብዙሕ ኦክስጅንን ዘለዋ ምዃና ንህይወት እትምሽእ ገይርዋ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣብቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ ነዚ ንምድሪ ፍልይቲ ዚገብራ ነገራት ምጥቃሱ የገርመካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ዘፍጥረት 1:10 “ኣምላኽ . . . ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ” ትብል፣ እዚ ድማ ኣኺሉ ዚተርፍ ፈሳሲ ማያት ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ኣብ ዘፍጥረት 1:3 “ኣምላኽ ከኣ፤ ብርሃን ይኹን፡ በለ” ዚብል ነንብብ። ፕላነትና ኻብ ጸሓይ ኣመና ስለ ዘይረሓቐት መብዛሕትኡ ማያታ ብመልክዕ ፈሳሲ ኪኸውን ከሎ፡ ናብ ጸሓይ ኣመና ስለ ዘይቀረበት እውን እቲ ማያታ ናብ ህዋ ኣይሃፍፍን እዩ።

ዘፍጥረት 1:6 ኣምላኽ “ጠፈር” ወይ ሃዋህው ከም ዝፈጠረ ገሊጻ ኣላ። ድሕሪኡ ኣብ ቍጽሪ 11ን 12ን ሳዕርን ኣትክልትን ኣእዋምን ከም ዝፈጠረ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ዅሉ ድማ ነቶም ጸኒሖም እተፈጥሩ ሰባትን እንስሳታትን ብህይወት ንኪቕጽሉ ዜድልዮም ኦክስጅን ተዳልዩ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እዩ።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ነጥብታት ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢና ኽንበጽሕ እንኽእል፧ ኣምላኽ ንምድሪ ኣኺሉ ዚተርፍ ፈሳሲ ማያት ዘለዋን ካብ ጸሓይ ኣብ ልክዕ ርሕቀት እትርከብን ግቡእ እተሓዋወሰ ጋዛት ዝሓዘትን ገይሩ ኻብ ፈጠራ፡ ምኽንያት ወይ ዕላማ ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ንምድሪ . . . ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ምዃኑ ይነግረና። (ኢሳይያስ 45:18) ኣብ መዝሙር 115:16 “ሰማያትሲ ናይ እግዚኣብሄር ሰማያት እዮም፡ ምድሪ ግና ንደቂ ሰብ ሀቦም” ዚብል ንረክብ። እወ፡ ምድሪ መንበሪ ሰባት ክትከውን እያ ተፈጢራ።

ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብታ ምልክዕቲ ዝነበረት ገነት ኤድን ኣቐመጦም። ‘ኪዓዩዋን ኪሕልውዋን’ ነበሮም። (ዘፍጥረት 2:15) ኣምላኽ ድማ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” በሎም። (ዘፍጥረት 1:28) ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ዝነበረ ዜደንቕ መጻኢ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ዶባት እታ ገነት ናብ ምልእቲ ምድሪ ኼስፍሑን ኣብኣ ንዘለኣለም ኪነብሩን ነበሮም። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ መጻኢ ዀን እዩ ነይሩ!

እቲ ዜሕዝን ግን፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዚእዘዝዎ፡ ከምዞም ክሳዕ እዚ ግዜና ዘለዉ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ብርእሶም ኪምርሑ መረጹ። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ ሰብ ንምድሪ ኣብ ክንዲ ዚዓያን ዚሕልዋን፡ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ‘የጥፍኣ’ ኣሎ። (ራእይ 11:18) ኰይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ኸም ዘይተቐየረ ምፍላጥና ኼጸናንዓና ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዘለኣለም ከይትናወጽሲ፡ [ኣምላኽ] ንምድሪ ኣብ መሰረታ ኣጽንዓ” ዚብል መረጋገጺ ይህበና። (መዝሙር 104:5) የሱስ ባዕሉ እውን ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም” ኢሉ ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 5:5) እዚ ብኸመይ ኪፍጸም እዩ፧

ብሩህ መጻኢ ይጽበየና ኣሎ

ሓደ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ነበር፡ “ለውጢ ክሊማ ዓለምለኻዊ ጸገም እዩ” በለ። እሞኸ ዓለምለኻዊ ፍታሕ ከም ዜድልዮስ ኣይምተሰማማዕካሉንዶ፧ የሱስ ክርስቶስ ፍታሕ እተምጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ሓበረ። ንሰዓብቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ መምርሒ ሃቦም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብመሰረት ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ዓለምለኻዊት መንግስቲ ኽትከውን ከላ፡ “ንዅለን እዘን [ሕጂ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ።” (ዳንኤል 2:44) ኣብ ልዕሊ እዚ፡ “ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን” ኪመጽእ እዩ። (ራእይ 11:18) እምበኣር፡ እቶም ንምድሪ ዜበላሽዉዋን ንጸጋታታ ዜባኽኑን በዚ ተሓተትቲ ኪዀኑን ኪጠፍኡን እዮም።

እዛ ተበኪላ ዘላ ፕላነትና ግን እንታይ ክትከውን እያ፧ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንኸም ንፋስን ባሕርን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓይልታት ብተኣምራዊ መገዲ ኸም እተቘጻጸረ ኽንርስዕ የብልናን። ሒደት ቃላት ጥራይ ብምዝራብ ንህቦብላ ኣህደኦ። (ማርቆስ 4:35-41) ሕጂ ኣብ ሰማይ “ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን” ኰይኑ ይገዝእ ስለ ዘሎ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንምድርን ንባህርያዊ ሓይልታታን ኪቈጻጸሮ እዩ። (ራእይ 17:14) ባዕሉ ንግዝኣቱ “ሓድሽ ልደት” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 19:28) ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፡ “ኵሉ ነገር ዚሕደሰሉ” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) የሱስ ንምድሪ ናብቲ ኣብ ገነት ኤድን ዝነበረ ዅነታት ብምምላስ፡ ሓድሽ ልደት ኬምጽኣላ ወይ ኬሐድሳ እዩ። ምድሪ ገነት ክትከውን እያ። (ሉቃስ 23:43) መንግስቲ ኣምላኽ ካብ “ረስና” ኸተሕውያ እያ።

ሎሚ እውን እንተ ዀነ፡ ካብ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ የሱስ፡ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ” ኢሉ ተነብዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) ከም ውጽኢቱ፡ ሚልዮናት ሰባት ነዚ ወንጌል ወይ ብስራት ይቕበልዎን ህይወቶም ይቕይሩን ኣለዉ። ንሓደገኛ ወልፍታት ኬሰንፍዎ ኽኢሎም ኣለዉ። ናብራ ህይወቶም ተመሓይሹ ኣሎ። ዓሌታዊ ጽልኦም ብፍቕሪ ተኪኦምዎ ኣለዉ። መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ሰብኣውያን መንግስትታት ኪፍጽምኦ ዘይከኣላ ትፍጽም ኣላ። ኣብ ልዕሊ 235 ሃገራት ዚርከቡ ዳርጋ ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ብናይ ሓቂ ዓለምለኻዊ ሕውነት ሓድነት ኣቚሞም ኣለዉ! እወ፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኖም መጠን፡ ኣብዛ ፕላነት እዚኣ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ብህይወት ንምንባር ይዳለዉ ኣለዉ።

መጻኢ ምድሪ ዜተኣማምን እዩ። መጻኢኻ እውን ከምኡ ኪኸውን ንምነየልካ!

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት ጽሑፋት ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዑደት ማይ ገለጾ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ “ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፤ ስቕ በሊ፡ ህድኢ፡ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ”

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምድሪ ገነት ምስ ኰነት፡ ካብ “ረስና” ኽትሓዊ እያ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Godo-Foto