ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ እንታይ ይመስል፧

ሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ እንታይ ይመስል፧

ሰማያዊ ኣቦና ብሓቂ እንታይ ይመስል፧

ብዙሓት ሰባት ነታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትበሃል የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም ኣብነት እትዀነና ጸሎት ይደግምዋ እዮም። (ማቴዎስ 6:9-13) ብዙሕ ግዜ ነታ ጸሎት ኪጽልዩ ኸለዉ፡ ንኣምላኽ “ኣቦና” ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም። ክንደይ ዚኣኽሉ ሰባት እዮም ግን ንኣምላኽ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና ኺብሉ ዚኽእሉ፧

ንስኻኸ ንኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኣሎካዶ፧ ተዛራርቦ ዲኻ፧ ሓጐስካን ሓዘንካን ተካፍሎ ዲኻ፧ ንዕኡ ምፍላጥ ብሓቂ እንታይ የጠቓልል፧

“ስሙ የሆዋ እዩ”

ሓደ ታተ ዚብል ቈልዓ ንኣቦኡ ባባ ብዚብል ስም ጥራይ ይፈልጦ ይኸውን። ምስ ዓበየ ግን፡ ስም ኣቦኡን ኣቦኡ ዘለዎ ጽቡቕ ስምን ይፈልጥ፡ ከምኡውን ብእኡ ይዀርዕ። ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ወሃቢ ህይወትናኸ፡ ብሕታዊ ስሙን እቲ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕምን ትፈልጦዶ፧

ብዙሓት ሰባት ኣቡነ ዘበሰማያት ኪብሉ ኸለዉ፡ ነታ “ስምካ ይቀደስ” እትብል ሓረግ ዚደጋግምዋ እኳ እንተ ዀኑ፡ “ስሙ መን እዩ፧” ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን መልሲ ኺህቡ ኣይክእሉን ይዀኑ። እቲ ብኸዋኽብቲ ዝመልአ ሰማይ፡ ግርማ ዝዓሰሎ ኣኽራን፡ ህይወት ብዘለዎም ነገራት ዝመልአ በብዓይነቱ ዝሕብሩ መርጀን ባሕሪ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ መርትዖ ይኸውን እዩ። እንተዀነ ግን፡ እዚ ነገራት እዚ ስሙ ኣይገልጸልናን እዩ። ስሙ ንምፍላጥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንውከስ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣሕጽር ኣቢሉ፡ “ስሙ የሆዋ እዩ” ይብለና።—ዘጸኣት 15:3 NW

ኣምላኽ በቲ የሆዋ ዚብል ስሙ ኽንፈልጦ ይደሊ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ስሙ እንታይነቱ ስለ ዚገልጽ እዩ። ስሙ ቓል ብቓሉ “ዚኸውን” ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ዕላማታቱ ንምፍጻም ዝደለዮ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኸምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ ሓደ ኣቦ፡ ስድራ ቤቱ ንምክንኻን ከምቲ ንዕኦም ዜድልዮም ማለት፡ ኣላዪ፡ መኻሪ፡ ፈራዲ፡ መማለዲ፡ መዕቈቢ፡ ከምኡውን መሃሪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም እውን፡ ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ነቶም ንዕኡ ዜገልግሉ በረኸቱ ንምሃብ ፍቓዱ ኺፍጽም ከም ዚኽእል የረጋግጸልና።

እቲ ፈቃር ኣምላኽና ምስ ስሙ ተሰማሚዑ ዚዓሞ እተፈላለየ ዕማም እስከ ንመርምር። ከምዚ ምግባርካ፡ የሆዋ እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ንኽትግንዘብ ከምኡውን ናብኡ ኽትቀርብ እንታይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።

ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን”

ሃዋርያ ጳውሎስ ንፈጣሪና፡ “ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን” ኢሉ ጸውዖ። (2 ቈረንቶስ 13:11) ስለምንታይ፧ የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ነበረ። (ዮሃንስ 3:16) ኣምላኽ በቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ነቶም ኣብኡ እምነት ዘለዎም ሰባት ካብቲ ሓጢኣት ዘስዓቦ ስቓይን መከራን ናጻ ብምውጻእ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ነቲ ፍቑር ወዱ በጃ ሃበ። ስለዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ፡ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ” ዝበለ። (ሮሜ 6:23) እዝስ ንኣምላኽ ከነፍቅሮን ናብኡ ኽንቀርብን ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብሓፈሻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም እሙናት ሰባት እውን በብውልቂ ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። ሙሴ ነቶም ነቓጻት ዝነበሩ ጥንታዎት እስራኤላውያን፡ “ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፧ እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኰነን፧ ዝገበረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ” በሎም። (ዘዳግም 32:6) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጦ ዲኻ፧ የሆዋ ልክዕ ከም ፈቃር ኣቦ፡ ህዝቡ ጕድለታት እናሃለዎም ክነሱ ይሓልየሎም እዩ። ብስጋውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዚግብኦም ነገራት ድማ የማልኣሎም እዩ።

ኵላትና ኣብ ህይወት ብዙሕ ጸገማት የጋጥመና፡ ከምኡውን ሓድሓደ እዋን ጓሂ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጭንቀት ይስምዓና እዩ። ነቲ ዘጋጠመና ዅነታትን ጸገማትን ብትኽክል ተገንዚቡ ኺሕግዘና ዚኽእል ሰብ ንደሊ ኢና። እሞኸ ደኣ መን ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ፈቃር መኻርን ሓላዪን ከም ዝዀነ የርኢ እዩ። እዚ ቕዱስ ዝዀነ መጽሓፍ እዚ፡ ብዙሕ ስቓይ ዚወርደና ዘሎ ስለምንታይ ከም ዝዀነን ነዚ ብኸመይ ብዓወት ክንዋጽኣሉ ኸም እንኽእልን ይገልጸልና። ልክዕ ከምቲ ወዲቑ ንእተጐድአ ውላዱ ብፍቕሪ ዜልዕል ኣቦ፡ የሆዋ እውን በታ ዓባይ ፍቕሩ ተደሪኹ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብቲ ደረጃና ትሕት ብምባል ነቲ ዜድልየና ሓገዝ ይህበና እዩ። ብሓቂ ኢድ የሆዋ ነቶም ኣብኡ እምነት ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ሓጻር ኣይኰነትን።—ኢሳይያስ 59:1

ኣምላኽ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ብምዃኑ እውን ፍቕሩ ኣርእዩ እዩ። (መዝሙር 65:2) እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” ኢሉ ይገልጸልና። (ፊልጲ 4:6, 7) ንስኻ እውን፡ ናብ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብን ኣብ ቃሉ ዘሎ መምርሒ ብምስዓብን፡ “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

“ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ”

የሆዋ ኣምላኽ፡ “ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ” ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። “ኵሉ ዚፈልጥ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ፡ ንተፈጥሮ ደቂ ሰብ ኣጸቢቑ ይርድኦን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዜድልዮም ነገራት ይፈልጦን እዩ። (እዮብ 36:4፣ 1 ሳሙኤል 2:3) ኣምላኽ ብሙሴ ኣገልጋሊኡ ኣቢሉ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር” ገለጸ። (ዘዳግም 8:3፣ ማቴዎስ 4:4) ስለዚ፡ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ዕግበት ንምርካብ ካብ ስጋዊ ነገራት ንላዕሊ የድልየና።

ፈጣሪና በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ፡ ጠቓሚ መምርሕን ምኽርን ሂቡና ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽኒዕና ነቲ ዚህበና ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ፡ ካብ “ኣፍ እግዚኣብሄር ብዚወጽእ ኵሉ ነገር” ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ዙዛና እትበሃል ክርስትያን ሰበይቲ ብዛዕባ ናብራ ስድራ ቤታ ኸምዚ በለት፦ “ሓቢርና መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብና፡ ሓቢርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብና፡ ከምኡውን ነቲ እተመሃርናዮ ንኻልኦት ብምክፋልና፡ ሓዳርና ደልዲሉ እዩ። ሳላ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝረኸብናዮ መንፈሳዊ መምርሒ፡ ሓደ ዓይነት ሸቶን ጥብቂ ርክብን ኪህልወና ኽኢሉ እዩ።”

ካብቲ መንፈሳዊ መምርሕን ምኽርን ኣምላኽ ክትጥቀም ትደሊዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጻሊ ብምጽናዕን ነቲ ምኽርታቱ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ብዙሕ መንፈሳዊ በረኸት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።—እብራውያን 12:9

“ኣምላኽ ምድሓን”

ሎሚ ዘላ ዓለም ብህውከት ዝመልአት እያ። ጽባሕ እንታይ ከም ዜጋጥም ብርግጽ ዚፈልጥ ሰብ የለን። ብውግእ እትሕመስ ኣብ ዘላ ሃገር ትነብር እንተ ዄንካ፡ ሰላም ኪመጽእ ሃረር ትብል ትኸውን። ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ዚነብሩ ሰባት ድማ ወንጀል፡ ዓመጽ፡ ቍጠባዊ ቕልውላው፡ ከምኡውን ግብረ-ሽበራ የፍርሆም እዩ። ካብዚ ዅሉ ነገራት እዚ ኼናግፈና ዚኽእል መን እዩ፧ ደቂ ሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ፡ ዕቝባን ድሕነትን የድልዮም ኣሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስም እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ይብለና። (ምሳሌ 18:10) ስም ኣምላኽ ምፍላጥናን ኣብኡ ምውካልናን፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ኣብኡ እምነት ዘለዎም ሰባት ንምድሓን ዝገበሮን ንመጻኢ ዚገብሮን ነገራት ንኽንሓስብ ኪገብረና ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽ ንህዝቡ ኼድሕን ከም ዚኽእል ኣርእዩ እዩ። ንኣብነት፡ ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ብምጥፋእ ንእስራኤላውያን ኣድሓኖም። የሆዋ ነቶም ጥቑዓት ብምዝካርን ምእንታኦም ስጕምቲ ብምውሳድን፡ ኣምላኽ እምነት ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—ዘጸኣት 15:1-4

ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋና፡ ንየሆዋ ኸም መድሓኒና ጌርና ኣብ ምእማን እተመርኰሰ እዩ። እቲ ብዙሕ ጸገማት ዘሕለፈ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት፡ ብዛዕባ የሆዋ፡ “ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ” ኢሉ ብምጽሓፍ፡ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ከም ዝነበረቶ ኣርኣየ። (መዝሙር 25:5) ሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ብምትእምማን፡ “ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ኼውጽኦም . . . ይፈልጥ እዩ” በለ።—2 ጴጥሮስ 2:9

ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ደገፉ ንምርካብ ኣብኡ ዚውከል ሰብ፡ “ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፡ ከልዕሎ እየ” ኢሉ ተመባጽዐ። (መዝሙር 91:14) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሓቅነት እዚ መብጽዓ እዚ ተመኪሮምዎ እዮም። ሄንሪክ ዚበሃል ፖላንዳዊ፡ መከራን መስጐጕትን እናጋጠሞ ኽነሱ ን70 ዓመት ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ኣገልገለ። ወዲ 16 ዓመት ከሎ፡ ኣቦኡ ናብ መዳጐኒ ደምበ ኦሽዊትዝ ተላእከ። ንሱን ሓዉን ድማ መንእሰያት ናብ ዚእረሙሉ ቤት ማእሰርቲ ናዚ ተወስዱ። ድሕርዚ፡ ካብ ሓደ መዳጐኒ ደምበ ናብ ካልእ መዳጐኒ ደምበ ተቐየረ። ሄንሪክ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን እቲ ዘጋጠሞ ዅነታት፡ “ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ጽንኩር ኵነታት፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይሓደገንን። ብዙሕ ግዜ ኻብ ሞት ንስክላ እኳ እንተ ኣምለጥኩ፡ የሆዋ ግን እሙን ኰይነ ንክቕጽል ወትሩ ይሕግዘኒ ነበረ” በለ። እወ፡ የሆዋ ኣገልገልቱ ንኺዕገሱ ዜኽእሎም እምነትን ብርታዐን ይህቦም እዩ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኣምላኽ ነቶም ኣብኡ እምነት ዜሕድሩን ድሕነቱ ዚጽበዩን ሰባት መድሓኒ ምዃኑ ኼረጋግጽ እዩ። ንሱ፡ “ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን” በለ። (ኢሳይያስ 43:11) የሆዋ ኣብ ውግእ እታ “ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡” ንእኩያት ካብ ገጽ ምድሪ ኣጥፊኡ ነቶም ቅኑዓት ኬድሕኖም እዩ። (ራእይ 16:14, 16፣ ምሳሌ 2:21, 22) ንሱ፡ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና።—መዝሙር 37:11

ደቂ ኣምላኽ” ምዃን

ኣብ ግዜ ነብዪ ሚልክያስ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ የሆዋ ኣቦኦም ከም ዝዀነ ይዛረቡ ነበሩ። ንዕኡ ኽብርን ተወፋይነትን ብምርኣይ ዝመጸ ግን፡ ርኹስ እንጌራ ኸምኡውን ዕውራትን ሓንካሳትን እንስሳታት ንመስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ እዩ የሆዋ፡ “ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ክብረተይ ኣበይ አሎ፧” ኢሉ ዝሓተቶም።—ሚልክያስ 1:6

ነቲ እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ኣይትድገሞ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ክትመሃርን ናብኡ ኽትቀርብን ነተባብዓካ። ወደ መዝሙር ያእቆብ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ኢሉ ይምሕጸን።—ያእቆብ 4:8

ንየሆዋ ኣቦኻ ምግባር፡ እተወሰነ ሓላፍነት የሰክም እዩ። ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትካ፡ ንስርዓታት ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምድጋፍ ንዕኡ ኽብሪ ኽትህቦ እንተ ጽዒርካ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ እትገብሮ ጻዕሪ ፈጺሙ ኣይርስዖን። የግዳስ፡ ናብታ “ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ኢሉ እተመባጽዓላ ሓዳስ ዓለም ኣብ ዚመርሕ ቅኑዕ መገዲ ንኽትጐዓዝ ኪሕግዘካ እዩ። (ራእይ 21:4) ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኵሎም እዙዛት ደቂ ሰብ፡ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጹ እዮም።’—ሮሜ 8:21

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣምላኽ በቲ ቓል ብቓሉ “ዚኸውን” ዝትርጕሙ የሆዋ ዚብል ስሙ ኽንፈልጦ ይደሊ እዩ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍክዎ ጽንኩር ኵነታት፡ የሆዋ ፈጺሙ ኣይሓደገንን።”—ሄንሪክ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሓቢርና መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብና፡ ሓቢርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብና፡ ከምኡውን ነቲ እተመሃርናዮ ንኻልኦት ብምክፋልና፡ ሓዳርና ደልዲሉ እዩ።”—ዙዛና