ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ይሁዳ ንየሱስ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦ 30 ቕርሺ እተመዝነሉ ስለምንታይ እዩ፧

ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ኣሕሊፉ ንምሃብ ክንደይ ከም ዚህብዎ ነቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ሓተቶም፡ “ሰላሳ ቕርሺ” መዘኑሉ። (ማቴዎስ 26:14, 15) እዚ ዋጋ እዚ፡ ንየሱስ ዘለዎም ንዕቀትን ትሑት ግምትን ዜርኢ እዩ ነይሩ።

እዚ ሰናቲም እዚ፡ ኣይሁድ ከም ባጤራ ይጥቀምሉ ዝነበረ ሲቃል ብሩር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰላሳ ሲቃል እንታይ ኪዕድግ ይኽእል ነበረ፧ እዚ ዋጋ እዚ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴ መዐደጊ ሓደ ባርያ እዩ ነይሩ። ብሰላሳ ሲቃል ንእሽቶ መሬት እውን ኪዕደግ ይከኣል ነበረ።—ዘጸኣት 21:32፣ ማቴዎስ 27:6, 7

ነብዪ ዘካርያስ ነቲ ኸም ጓሳ ህዝቢ ኣምላኽ ኰይኑ ዝዓየዮ ዕዮ ዓስቡ ኺህብዎ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ምስ ሓተቶም፡ “ሰላሳ ብሩር” መዘኑሉ። እዚ ንነብዪ ኣምላኽ ልክዕ ከም ባርያ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ንምግላጽ ደይ መደይ ኢሎም ዝገበርዎ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ የሆዋ ንዘካርያስ፡ ‘ነቲ ዝገምገሙልካ ኽቡር ገምጋም ዓስቢ ናብቲ ናይ ቤተ መቕደስ መቐበል ምጽዋት ሣጹን ኣንብሮ’ ኢሉ ኣዘዞ። (ዘካርያስ 11:12, 13ትርጕም 1990) ዘካርያስ ነቲ እተዋህቦ ትእዛዝ ንምፍጻም ዝወሰዶ ስጕምቲ፡ ይሁዳ ነቲ ብየሆዋ እተሸመ ጓሳ እስራኤል ኣሕሊፉ ምስ ሃቦ ንዝረኸቦ ገንዘብ እንታይ ከም ዝገበሮ የዘኻኽረና።—ማቴዎስ 27:5

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ “መጽሓፍ መፍትሒ” እንታይ እዩ ነይሩ፧

ሕጊ ሙሴ፡ “ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዜሕፍር ነገር ስለ ዝረኸበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍቲሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሀባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ” ይብል። (ዘዳግም 24:1) ዕላማ እዚ ጽሑፍ እዚ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መጽሓፍ እንታይ ይጸሓፍ ከም ዝነበረ ዘይገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ንመሰልን ጥቕምን እታ እተነጽገት ሰበይቲ ዚሕሉ ኸም ዝነበረ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ብ1951-1952 ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ዋዲ ሙራባት ዚበሃል ኣብ በረኻ ይሁዳ ዚርከብ ዝነጸፈ ርባ ዘሎ በዓትታት፡ ብዙሕ ጥንታዊ ነገራት ተረኺቡ እዩ። ካብ መንጎ ኣብቲ በዓትታት እተረኽበ ሓያሎ ኢደ-ጽሑፋት፡ እቲ ብ71 ወይ 72 ድ.ክ. ብኣረማይስጢ እተጻሕፈ መጽሓፍ መፍትሒ ይርከቦ። እቲ ጽሑፍ፡ ኣይሁዳውያን ካብ ሮሜ ኣብ ዝዓለውሉ ሻድሻይ ዓመት፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናይ ወርሒ ማርሃሽዋን ዘጋጠመ ዅነታት ይገልጽ። ኣብ ማሳዳ ይነብር ዝነበረ ዮሴፍ ወዲ ናቅሳን ንሚርያም ጓል ዮናታን ብዓል ሃናብላታ ፈትሓ። ድሕርዚ ዝደለየቶ ኣይሁዳዊ ንኽትምርዖ ናጻ ነበረት። ዮሴፍ ነቲ ሚርያም ተገዚማቶ ዝመጸት ንብረት መለሰላ፡ ካሕሳ እቲ እተበላሸወ ንብረታ ኸኣ ኣርባዕተ ዕጽፊ ገይሩ ኸፈላ። ኣብቲ መጽሓፍ፡ ዮሴፍ ባዕሉ ኸምኡውን ኤልኢዘር ወዲ ማልካ፡ ዮሴፍ ወዲ ማልካ፡ ኤልኤዘር ወዲ ሃናን ዚበሃሉ ኻልኦት ሰለስተ መሰኻኽር ከቲሞምሉ ነበሩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዋዲ ሙራባት ዚርከብ በዓትታት

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ71/72 ድ.ክ. እተጻሕፈ መጽሓፍ መፍትሒ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Caves: Todd Bolen/Bible Places.com; certificate: Clara Amit, Courtesy of the Israel Antiquities Authority