ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኣብ ፈለግ ኮኮ ምስ በጻሕካ፡ ንየማን ተጠወ”

“ኣብ ፈለግ ኮኮ ምስ በጻሕካ፡ ንየማን ተጠወ”

ካብ ኒከራግዋ እተላእከት ደብዳበ

“ኣብ ፈለግ ኮኮ ምስ በጻሕካ፡ ንየማን ተጠወ”

“ካብ ታኼላ ስሒቡ ዜውጽእ ገመድ ዘለዋ ፎር-ዊል-ድራይቭ ዝዓይነታ ማኪና ኸምኡውን ተወሳኺ ነዳዲ ዝሓዘ ጀሪካናት የድልየካ። ክሳዕ ሻሲ ዚበጽሕ ጭቃ ኼጋጥመካ ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለግ ኮኮ ምስ በጻሕካ፡ ንየማን ተጠወ።”

እዚ ሚስዮናዊ ብጻየይ እተዛረቦ ቓላት፡ ነቲ ዝነበረኒ ስክፍታ ኣየጥፈኣለይን። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ሰሜናዊ ኒከራግዋ ኣብ እትርከብ ዋምብላን እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣብ ዚግበር ክርስትያናዊ ኣኼባ ንኽካፈል፡ ሓደ ሰሉስ ንግሆ ጕዕዞ ጀመርኩ።

ንግሆ ነታ ኣረጊት ግን ከኣ ድልድልቲ ናይ ጽዕነት ማኪናይ እናዘወርኩ፡ በቲ ኻብ ኣላስካ ኽሳዕ ቺለ እተዘርገሐ ዓብዪ ጥጡሕ ጐደና ኽጐዓዝ ጀመርኩ። ኣብ ከተማ ጂኖቴጋ ምስ በጻሕኩ፡ ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ፌኦ ወይ ሕማቕ ተባሂሉ ብዚጽዋዕ ዘይተጸርገ መገዲ ኽጐዓዝ ጀመርኩ። ካብታ ኸተማ ቕድሚ ምውጽአይ፡ ተኣምራት ኣምላኽን ትንሳኤን ዚብል ስም ዘለወን ክልተ ድኳናት ረኣኹ።

እቲ መገዲ ጥውይዋይ ዝበዝሖ ኸምኡውን ዓቐበትን ቍልቁለትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ብማእከል እቲ ስንጭሮታት ቀስ እናበልኩ እዝውር ነበርኩ። ብጥቓ እቲ ኣብ ትሕቲ ብደበና እተሸፈነ ጎቦ ዚርከብ ነዊሕ ቀላይ ሓለፍኩ። ኣብ ማእከል እቲ ግመ፡ ውዕውዕ ሕብርታት ዘለዎ ዕምባባታት ከምኡውን ስፓንሽ ሞስ ዚበሃል ዓይነት ሰበባ ኣብ ኣእዋም ተንጠልጢሉ ረኣኹ።

ኣብ ሓደ ጸቢብ መጥወዪ፡ ነቲ መገዲ ዓጽያ ትመጽእ ምስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ካብ ምግጫው ንስክላ ኣምለጥኩ። ነቲ ኸባቢ ብትኪ ዓብሊኻን ኣእማን እናፈናጠረትን ከኣ ሓለፈት። ኣብ ኒከራግዋ፡ ኣብ ቅድሚት መስትያት ኣውቶቡስ፡ ተዓዋቲ፡ ዕንቅርቢት፡ ገበል፡ ወይ ሃዳናይ ዚብል ሳጓ ቝጡዕ መራሒ ማኪና ብቐሊሉ ኺርአ ይከኣል እዩ።

ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ብጐልጐል ፓንታስማ ሓለፍኩ። ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ሑጻ፡ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ገዛ ረኣኹ። ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ኣብ ርቦ ኾፍ ኢሉ፡ ሓደ ኸልቢ ኣብ ትሕቲ ገረብ ደቂሱ፡ ከምኡውን ጽምዲ ኣብዑር ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ መንኰርኵር ዘለዋ ዓረብያ ተቖሪኖም ደው ኢሎም ነበሩ፡ እዚ ዅነታት እዚ ኸኣ ከም ኣብ ናይ ቀደም መጽሓፍ ዘሎ ስእሊ ይመስል ነበረ። ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ እኩባት ቈልዑ ኻብ ቤት ትምህርቲ ተፈዲሶም ኪወጹ ኸለዉ ረኣኽዎም። እዞም ሰማያዊ ዝሕብሩ ዩኒፎርም ቤት ትምህርቲ ተኸዲኖም ዝነበሩ ቘልዑ፡ በቲ ጐደና ኪኸዱ ኸለዉ ንገማግም ባሕሪ ኸም ዚወቅዕ ማዕበል ይመስሉ ነበሩ።

ኣብ ዊዊሊ ኽበጽሕ ከለኹ ጸሓይ ኣዝያ መራር ነበረት፡ ንፈለግ ኮኮ ድማ ንፈለማ ግዜ ረኣኽዎ። እዚ ብቐጻሊ ዚውሕዝ ዓብዪ ፈለግ፡ ቀንዲ ኽፋል እታ ኸተማ እዩ። ነቲ እተዋህበኒ ሓበሬታ ብምዝካር ንየማን ተጠወኹ፡ ድሕሪኡ ኸኣ 37 ኪሎ ሜተር ብዚኸውን ዜፍርህ መገዲ ናብ ዋምብላን ተጐዓዝኩ።

ኣኻውሕ ኣብ ዝበዝሖን ኣብ እተበላሸወን መገዲ እናዘወርኩ ሸሞንተ ወይ ትሽዓተ ዚኸውን ወሓይዝ ተሳገርኩ። ድሕርዚ ኣብ ዝገበርክዎ ጕዕዞ፡ ደሮና ዑብ ይብል ነበረ። ከምቲ ደቂ እታ ዓዲ ዚብልዎ ድማ፡ “ነቲ ደሮና በላዕኽዎ።” ኣብ መወዳእታ፡ ኣብታ ብኣግራብ ኣብ እተሸፈነ ስንጭሮ እትርከብ ዋምብላን በጻሕኩ።

ንጽባሒቱ፡ ኵሉ ሰብ ንግሆ ሰዓት 4:30 እተበራበረ እዩ ዚመስል ነይሩ። ይንቅዉ ዝነበሩ ኣራሑ ደርሆ ስለ ዘበራበሩኒ፡ ኣንጊሀ ተንሲአ ናብቲ ቐንዲ ጐደና ኸድኩ። እቲ ኸባቢ ብጨና ናይ ቶርቲላስ ዚበሃል ኣብ ርሱን እምኒ ዚስንከት ዓይነት እንጌራ መሊኡ ነበረ።

ኣብቲ ኸባቢ ብዚነብር ሰኣሊ እተሳእለ ባህ ዜብል ስእልታት ገነት ኣብ በቦታኡ ይርአ ነበረ። ኣብ ፑልፐርያ ወይ ኣብ ኵርናዕ መገዲ ኣብ ዘሎ ድኳናት፡ ናይ ልስሉስ መስተ ወይ ካልእ ዓይነት ሬክላማት ይርአ እዩ። እቶም ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ሰለስተ መንግስትታት ዝኣተውዎ መብጽዓታት ዜዘኻኽር ፖስተራት ኣብ በቦታኡ ይርአ። ኣብ መገዲ ብዜብለጭልጭ ዚንጎን ካሻስትሩስን እተሰርሐ ዓይኒ ምድርታት ይርከብ።

ፈለማ፡ “ኣድዮስ” ብዚብል ናይ ኒከራግዋ ሰላምታ ንሰባት ሰላም በልክዎም። ንሳቶም ድማ ፍሽኽ እናበሉ ብውዕዉዕ ስምዒት የዘራርቡኒ ነበሩ። እቲ ኸባቢ ብድምጺ እቶም ዚሓልፉ ዝነበሩ ኣፍራስን ኣባቕልን ስለ እተረበሸ፡ ድምጽና ዓው ኣቢልና ነዕልል ነበርና።

ዓርቢ ምሸት፡ እተፈላለያ ስድራ ቤታት ኣብቲ ንኽልተ መዓልቲ ዚግበር ኣኼባ ምእንቲ ኺካፈላ፡ ብእግሪ፡ ብኣፍራስ፡ ከምኡውን ብናይ ጽዕነት ማኪና መጻ። ገሊኦም ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ንሽዱሽተ ሰዓት ዚኸውን ኮንጎ ወድዮም ተጐዓዙ። ብቘራጽነት ነቲ ኣብ ከባቢ ርባ እተቐብረ ነታጕን ዓለቕቲ ንዘለውዎ ራህያን ሰጊሮም መጹ። ገሊኦም ካብ ርሑቕ ቦታ ዝመጹ ማሕበረሰብ ከኣ፡ ከም ስጋ ሓሰማ ዘለዎ ሩዝ ዝኣመሰለ ሒደት ምግቢ ተማልኡ። እንታይ ኪገብሩ እዮም ግን መጺኦም፧

ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዚህሉ ንዘለዎም ተስፋ ምእንቲ ኼደልድሉ እዮም መጺኦም። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺሰምዑን ንኣምላኽ ንኼሐጕሱን እዮም መጺኦም።

ቀዳም ምስ ኰነ፡ ኣብቲ ናሕሱ ብዚንጎ እተኸድነ መአከቢ እተኣከቡ ልዕሊ 300 ሚእቲ ዝዀኑ ሰማዕቲ፡ ብዕንጨይቲ ኣብ እተሰርሐ ርቦን ኣብ ናይ ፕላስቲክ መናብርን ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ኣዴታት ንሕጻናት ደቀን ይምግባ ነበራ። ኣብቲ ኣብ ጐረቤት ዝነበረ ደምበ፡ ሓሰማታት የጉረምርሙ፡ ኣራሑ ደርሆ ኸኣ ይንቅዉ ነበሩ።

ክትጻወሮ ዘይከኣል ሓያል ሙቐት ነበረ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሰማዕቲ ነቲ ዚወሃብ ዝነበረ ምኽርን መምርሕን ብትዅረት ሰምዑ። እቶም ተዛረብቲ ጥቕሲ ኺጠቕሱ ኸለዉ ይከታተሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መዝሙር ይዝምሩ፡ ከምኡውን ነቲ ምእንታኦም ይጽለ ዝነበረ ጸሎት ብኣኽብሮት ይሰምዑ ነበሩ።

ድሕሪ እቲ ፕሮግራም፡ ምስ ገሊኦም ኣዕለልኩ፡ ምስ ቈልዑ እውን እናተጓየኹ ተጻወትኩ። ብድሕርዚ ኸኣ እቶም ቈልዑ ንዝጸሓፍዎ መዘኻኸሪ ደጊምና ኣንበብናዮ። ነቲ ኣብ ኮምፕዩተረይ ዝነበረ ናይ ከዋኽብትን ጋላክሲታትን ስእልታት ኣርኣኽዎም። እቶም ቈልዑ ኣብ ገጾም ፍሽኽታ ይርአ ነበረ፡ ወለዶም ከኣ ባህ በሎም።

እቲ ኣኼባ ቐልጢፉ ስለ እተወድአ፡ ኵሉ ሰብ ነናብ ዝመጸሉ ኪኸይድ ነበሮ። ኣእምሮይን ልበይን ደስ ብዜብል ተዘክሮታትን ብፍቕሪ እቶም ሓደስቲ ፈተውተይን መሊኡ፡ ንጽብሒቱ ኻብቲ ቦታ ነቐልኩ። ንዕኦም ክመስሎም ወሰንኩ፡ በቲ ዘሎኒ ነገር ብምዕጋብ ኣብ ኣምላኽ ክውከል ከም ዚግባእ ድማ ተመሃርኩ።

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣብቲ ኣብ ዋምብላን ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ንምክፋል፡ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት ተጓዕዛ