ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ”

“ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ”

“ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ”

ያኮፕ ኖይፈልድ ዘዘንተዎ

“ዝመጸ ይምጻእ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ኣእዛነይ እናደወላ፡ ናብታ ሓሙሽተ ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ዝቐረበት ቍሸት ተጐዓዝኩ። ኣብኣ ምስ በጻሕኩ፡ ናብታ ቐዳመይቲ ቤት ንምኻድ ትብዓት ኣይረኸብኩን። ንእተወሰነ እዋን ምስ ነብሰይ ድሕሪ ምቅላስ፡ ናብቲ ዱር ከይደ፡ ንኽሰብኽ ትብዓት ምእንቲ ኽረክብ ናብ ኣምላኽ ኣበርቲዐ ጸለኹ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብታ ቐዳመይቲ ቤት ተመሊሰ፡ ስብከት ጀመርኩ።

ከመይ ኢለ እየ ናብታ ኣብ ምድረ በዳ ፓራጓይ እትርከብ ቍሸት ከይደ በይነይ ክሰብኽ ዝፈተንኩ፧ ካብ መጀመርታ ኣትሒዘ እስከ ኸዘንትወልኩም። ኣብ ሕዳር 1923 ኣብታ ክሮንስታል እትበሃል ኣብ ዩክረይን እትርከብ ቍሸት፡ ኣብ ሓደ ጀርመናውያን ዝዘርኦም ሜኖኣውያን ዚነብሩሉ ሰፈር ተወለድኩ። ኣብ መወዳእታ 1700ታት፡ ሜኖኣውያን ካብ ጀርመን ናብ ዩክረይን ተሰዱ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ሓለፋታት ተገብረሎም፣ ገለ ኻብኡ ሓርነት ኣምልኾ (ንኻልኦት እምነቶም ምቕያር ገዲፍካ)፡ ርእሰ-ምምሕዳር፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ሓራ ምዃን ኪጥቀስ ይከኣል።

ሰልፊ ኮምዩኒስት ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ፡ ኵሉ እዚ ሓለፋታት እዚ ተሰረዘ። ኣብ መወዳእታ 1920ታት፡ ሰፊሕ ሕርሻታት ሜኖኣውያን ናብ ሓባራዊ ንብረት ተቐየረ። እቶም ምስ መንግስቲ ዘይተሓባበሩ ሰባት ምግቢ ይኽልከሉ ነበሩ፡ ዝዀነ ይኹን ተቓውሞ ድማ ብጭካነ ይጭፍለቕ ነበረ። ኣብ 1930ታት፡ ብዙሓት ሰብኡት መብዛሕትኡ ግዜ ብለይቲ ብከይ.ጂ.ቢ. (ኮሚተ ጸጥታ መንግስቲ ሶቭየት) ተወስዱ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ኣቝሻት ሒደት ሰብኡት ጥራይ ተረፉ። ብ1938 ገና ወዲ 14 ዓመት ከለኹ፡ በዚ ኸምዚ ኣቦ ሰኣንኩ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣይረኣኽዎን ወረኡ እውን ኣይሰማዕኩን። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ዓብዪ ሓወይ እውን ተወስደ።

ብ1941 ሰራዊት ሂትለር ንዩክረይን ተቘጻጸርዋ። እዚ ንዓና ኻብ ስርዓት ኮምዩኒስት ሓራ እዩ ኣውጺኡና። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቍሸትና ዝነበራ ሸሞንተ ስድራ ቤታት ኣይሁድ ብሃንደበት ኣበይ ከም ዝኣተዋ ኸይተፈልጠ ጠፍኣ። ኵሉ እዚ ተመክሮታት እዚ ብዙሕ ሕቶታት ፈጠረለይ። እዚ ዅሉ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ሓቀኛ ብምዃነይ ህይወተይ ደሓነት

ብ1943 ሰራዊት ጀርመን ኣብቲ ውግእ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሎም ንመብዛሕትአን ጀርመናውያን ዝዘርአን ስድራ ቤታት ተማሊኦም ኣንሰሓቡ፡ ስድራ ቤትና እውን ሓንቲ ኻባታተን ነበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ንውትህድርና ተኸተብኩ፡ ናብቶም ኣብ ሩማንያ ዝነበሩ ኤስ.ኤስ. (ሹትሽታፈል፡ ብሉጻት ሓለውቲ ጸጥታ ሂትለር) ዚበሃሉ ድማ ተመደብኩ። ሽዑ ዘጋጠመትኒ ንእሽቶ ነገር፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ገይራትለይ እያ።

ኣዛዝ ኣሃዱና፡ ሓቀኛ እንተ ዀይነ ኺፍትነኒ ደለየ። ንዩኒፎርሙ ናብ ቤት ሕጽቦ ኽወስደሉ ኣዘዘኒ። ኣብ ጁባኡ እተወሰነ ገንዘብ ኣቐሚጡ ነይሩ፡ ነዚ ድማ ረኸብክዎ። ክመልሰሉ ኸለኹ፡ ኣብቲ ዩኒፎርሙ ገንዘብ ከም ዘይሓደገ ነገረኒ። ኣነ ግን ኣብ ጁባኡ ኸም ዝረኸብክዎ ኣትሪረ ተዛረብክዎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሓጋዚኡ ዀንኩ፣ ነታ ኣሃዱና ዚምልከት ዕዮ ወረቓቕትን ንሓለዋ ዚወጹ ምምዳብን ገንዘብ ምሓዝን ብሓላፍነት ተዋህበኒ።

ሓደ ለይቲ ሰራዊት ሩስያ ንኣሃዱና ማረኻ፡ ኣነ ግን ነቲ ኣዛዚና እተወሰነ ዕዮ ኽዓየሉ ኢለ ድሕሪት ስለ ዝተረፍኩ ኣምለጥኩ። ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝፈልጦ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ዘይተማረኽኩ ኣነ ጥራይ እየ ነይረ፣ እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ኸኣ ሓቀኛ ብምዃነይ ነቲ ፍሉይ ዕዮ ኽረኽቦ ስለ ዝኸኣልኩ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን፡ ኣነ እውን ምተማረኽኩ ነይረ።

በዚ ኸምዚ፡ ብ1944 ንዘይተወሰነ ግዜ ኻብ ውትህድርና ኸዕርፍ ፍቓድ ተዋህበኒ። ንኣደይ ክበጽሓ ናብ ቤትና ተመለስኩ። ምድበይ እናተጸበኹ፡ ምስ ሓደ ነዳቓይ ተጸጊዐ ኽሰርሕ ጀመርኩ፡ እቲ ሽዑ ዝረኸብክዎ ስልጠና ድማ ንድሓራዩ ብዙሕ እዩ ጠቒሙኒ። ኣብ ሚያዝያ 1945 ሰራዊት ኣመሪካ ናብ ከተማ ማግደበርግ ኣተዉ። ድሕሪ ሓደ ወርሒ እቲ ውግእ ብወግዒ ተዛዘመ። ንሕና ግን ብህይወት ተረፍና፡ መጻኢና እውን ብሩህ ይመስል ነበረ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ሓደ መዓልቲ፡ ካብቲ ኣብ ምልእቲ እታ ኸተማ ዜቃልሕ መጕልሒ ድምጺ፡ “ሰራዊት ኣመሪካ ትማሊ ለይቲ ወጺኦም እዮም፡ ሰራዊት ሩስያ ኸኣ ሎሚ ሰዓት 11:00 ቅ.ቀ. ኺመጹ እዮም” ዚብል ምልክታ ሰማዕና። እንደገና ኣብ ትሕቲ ኮምዩኒስት ከም እንኣቱ ምስ ተረድኣና፡ ልብና ተመሸተ። ብኡብኡ ኣነን ወዲ ሓወቦይን እነምልጠሉ መገዲ ኽንሓስብ ጀመርና። ኣብ መፋርቕ ክረምቲ፡ ናብቲ ኣመሪካውያን ዚቈጻጸርዎ ዞባ ሰገርና። ድሕሪኡ ኣብ ሕዳር ብኽንደይ ሽግርን መከራን፡ ናብቲ ሩስያውያን ዚቈጻጸርዎ ዞባ ተመሊስና፡ ብምስጢር ንስድራ ቤትና ሒዝናዮም ሰገርና።

“ተጠንቂቕካ ስማዕን ኣነጻጽርን”

ኣብታ ሽዑ ምዕራብ ጀርመን እትበሃል ሃገር ክንቅመጥ ጀመርና። ጸኒሐ ንመጽሓፍ ቅዱስ ፍቕሪ ሓደረኒ። ሰንበት ሰንበት ናብ ዱር ከይደ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ነበርኩ፡ እቲ ዘንብቦ ዝነበርኩ ግን ናይ ጥንቲ ይመስለኒ ስለ ዝነበረ ኣይርድኣንን እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ፡ ከም ሜኖኣዊ ንጥምቀት ምእንቲ ኽዳሎ ኢለ ትምህርቲ ሃይማኖት እመሃር ነበርኩ። እቲ ንትምህርቲ ሃይማኖት ዚኸውን መጽሓፍ፡ “ኣቦ፡ ኣምላኽ እዩ፣ ወዲ፡ ኣምላኽ እዩ፣ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣምላኽ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ “ሰለስተ ኣምላኽ ድዮም ዘለዉ፧” ዚብል ሕቶ የቕርብ። ኣብ ትሕቲኡ፡ “ኣይፋል፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም” ዚብል መልሲ ተዋህበ። ነዚ ምስ ረኣኹ ሰምበድኩ። ነቲ ኣገልጋሊ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚኸውን ሓተትክዎ። “ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ክትሓስብ የብልካን፣ ገሊኦም ብዙሕ ብምሕሳቦም ተጸሊሎም እዮም” ኢሉ መለሰለይ። ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ከይጥመቕ ወሰንኩ።

ድሕሪ እተወሰነ መዓልቲ፡ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብ ንጓል ኣሞይ ኬዘራርባ ኸሎ ሰማዕክዎ። ክፈልጥ ሃንቀውታ ስለ ዝነበረኒ፡ ኣብቲ ዝርርቦም ተጸምበርክዎም፡ እተወሰነ ሕቶታት ከኣ ሓተትኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይፈለጥክዎን እምበር፡ እቲ ዜዘራርበና ዝነበረ ሰብ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ቬቨልስበርግ ተዳጒኑ ዝነበረ ኤሪኽ ኒኮላይዚግ እዩ ነይሩ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርድኦ ዝደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ድሌተይ ምስ ገለጽኩሉ፡ ኵሉ እቲ ዚምህረኒ ነገራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ከም ዝረኽቦ ኣረጋገጸለይ።

ኤሪኽ ንእተወሰነ እዋን ምስ በጽሓኒ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዘዳለውዎ ዓብዪ ኣኼባ ዓደመኒ፣ እዚ ኣኼባ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ውግእ ንፈለማ ግዜ እተዳለወ ይመስለኒ። በቲ ኣብኡ ዝሰማዕክዎ ኣዝየ ተማረኽኩ፡ ንዅሉ እቲ በቶም ተዛረብቲ እተነበ ወይ እተጠቕሰ ጥቕስታት ድማ ጸሓፍክዎ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ትምህርትታት ምፍላጥ፡ እተወሰነ ሓላፍነታት ከም ዜሰክም ምስ ኣስተውዓልኩ፡ መጽናዕተይ ኬቋርጽ ወሰንኩ። ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ ከም ዘላ እውን ኣይተዋሕጠለይን ነይሩ። ኤሪኽ ናብ ናይ ቀደመይ ቤተ-ክርስትያን ክምለስ ከም ዝቘረጽኩ ምስ ፈለጠ፡ “ተጠንቂቕካ ስማዕን ኣነጻጽርን” ኢሉ መኸረኒ።

ምስቶም ኣገልገልቲ ኽልተ ሳዕ ጥራይ ምስ ተራኸብኩ፡ ነቲ ዚዛረብዎ ኸም ዘይፈልጥዎን ብጥራሽ ሓቂ ኸም ዘይብሎምን ተገንዘብኩ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎኒ ሕቶታት ንሓያሎ ኣቕሽሽቲ ጸሓፍኩሎም። ሓደ ኻባታቶም፡ “እንደገና ስለ ዘይተወለድካ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ክትምርምር መሰል የብልካን” ኢሉ መለሰለይ።

ሓንቲ ሽዑ ንኽምርዓዋ ዝቀራረባ ዝነበርኩ መንእሰይ፡ ኣጸጋሚ ምርጫ ኽገብር ኣገደደትኒ። ኣባል እቶም እንደገና ተወሊድና ዚብሉ ኽፋል ሜኖኣውያን ነበረት። ካብቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ ዝነበሮም ስድራኣ ጸቕጢ ስለ ዝወረዳ፡ ነቲ ሓድሽ ሃይማኖት ፈጺመ እንተ ዘይሓዲገዮ፡ ምሳይ ዋላ ሓንቲ ርክብ ከም ዘይህልዋ ነገረትኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓቂ ነጺሩለይ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ ቕኑዕ ምርጫ ጥራይ ከም ዘሎኒ እፈልጥ ነበርኩ፣ ስለዚ ምስኣ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽኩ።

ነዊሕ ከይጸንሐ ኤርክ ኪበጽሓኒ መጸ። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ጥምቀት ስለ ዚህሉ፡ ክጥመቕ እደሊ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቂ ኸም ዚምህሩ ኣብ መደምደምታ በጺሐ ነይረ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ እውን ከገልግሎ እደሊ ነይረ። ስለዚ ድማ ነቲ ዘቕረበለይ ዕድመ ተቐበልክዎ፡ ኣብ ግንቦት 1948 ከኣ ኣብ መሕጸብ ሰብነት ተጠመቕኩ።

ድሕሪ ጥምቀተይ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ስድራ ቤትና ናብ ፓራጓይ፡ ደቡብ ኣመሪካ ኽትከይድ ወሰነት፡ ኣደይ ድማ ምስኣ ክኸይድ ለመነትኒ። ተወሳኺ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ስልጠናን የድልየኒ ስለ ዝነበረ፡ ክኸይድ ኣይደለኹን ነይረ። ናብቲ ኣብ ቪስባደን ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ኣብ ዝገበርኩሉ እዋን፡ ምስ ኦገስት ፔተርስ ተራኸብኩ። ንሱ ድማ ንስድራ ቤተይ ክኣሊ ሓላፍነት ከም ዘሎኒ ኣዘኻኸረኒ። “ዝመጸ ይምጻእ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ። እንተ ረሲዕካ፡ ከም ምእመናን ካልኦት ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትያን ክትከውን ኢኻ” ኢሉ እውን መኸረኒ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ ኣገዳስነት እቲ ምኽሪ እትን ኣድላይነት እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከትን ኣይሰሓትክዎን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21

ኣብ ፓራጓይ “ነብዪ ሓሶት” ተበሃልኩ

ምስ ኦገስት ፔተርስ ካብ ዝራኸብ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ምስ ስድራ ቤተይ ብመርከብ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ተጐዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ኣብ ግራን ቻኮ ዚበሃል ኣብ ፓራጓይ ዚርከብ ዞባ፡ ኣብ ሰፈር ሜኖኣውያን ተጣየስና። ካብቲ ኣብኡ ዝኣተናሉ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ በይነይ ክሰብኽ ናብታ ኣብ ጥቓና እትርከብ ቍሸት ከድኩ። ካብቶም ሓደስቲ ተጣየስቲ ሓደ “ነብዪ ሓሶት” ከም ዘሎ ብቕልጡፍ ወረ ተዘርግሐ።

ከም ነዳቓይ ኰይነ ዝረኸብክዎ ስልጠና፡ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ብዙሕ ጠቒሙኒ። ኵለን እተን ተጣየስቲ ስድራ ቤታት ቤት የድልየን ነበረ፡ እቲ ኣባይቲ ድማ ብዘይበሰለ ሕጡብ ጌርካ ምስ ተነድቀ፡ ናሕሱ ብሓሰር ይሽፈን ነበረ። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ብዙሕ ስራሕ ነበረኒ፡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ንኽህብ ድማ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ረኸብኩ። እቶም ሰባት ቤቶም ክሳዕ እትህነጸሎም ምቕሉላት እኳ እንተ ነበሩ፡ ድሕሪኡ ግን ነዛ ገጸይ ኪርእዩኒ ኣይደልዩን እዮም ነይሮም።

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካብ ጀርመን ተወሰኽቲ ሜኖኣውያን ስደተኛታት ብመራኽብ መጹ። ምሳታቶም ካተሪና ሼለንበርግ እትበሃል ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርክብ ዝነበራ እሞ ሓቂ ኸም ዝነበሮም ብኡብኡ እተገንዘበት መንእሰይ መጸት። ዘይተጠምቀት እኳ እንተ ነበረት፡ ኣብ መርከብ ከላ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃና ገለጸት። ስለዚ ድማ፡ ናብ ሰፈር ጀርመናውያን ከይትኸይድ ተኸልከለት። ኣብታ ርእሲ ኸተማ ፓራጓይ ዝዀነት ኣሱንስዮን በይና ስለ ዝተረፈት፡ ከም ሰራሕተኛ ገዛ ዀይና ኽትዓዪ ጀመረት፡ ስጳንኛ ኸኣለት፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺባ ድማ ተጠምቀት። ኣብ ጥቅምቲ 1950 እታ ተባዕ መንእሰይ፡ ብዓልቲ ቤተይ ኰነት። ኣብ ኵሉ እቲ ዘሕለፍናዮ ዓመታት ዜደንቕ ደገፍን ሓገዝን ሂባትኒ እያ።

ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ፡ ገንዘብ ኣዋህሊለ ካሮሳን ክልተ ኣፍራስን ዓደግኩ፡ ነቲ ሓው ፔተርስ ዝበሎ ምኽሪ ወትሩ እዝክሮ ስለ ዝነበርኩ ድማ ነዚ ንዕዮ ስብከት እጥቀመሉ ነበርኩ። እታ ሽዑ ሓቂ ተቐቢላ ዝነበረት ሓብተይ እውን ምሳና ሓቢራ ተገልግል ነበረት። መብዛሕትኡ ግዜ ንግሆ ሰዓት 4 ንትንስእ፡ ንኣርባዕተ ሰዓታት ንጐዓዝ፡ ንኽልተ ወይ ሰለስተ ሰዓታት ሰቢኽና ድማ ናብ ቤትና ንምለስ ነበርና።

ህዝባዊ መደረታት ከም ዚግበር ኣብ ጽሑፋትና ኣንቢበ ስለ ዝነበርኩ፡ ህዝባዊ መደረ ኣዳለኹ። ኣብ ጀርመን ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ናብ ኣኼባ ጉባኤ ኸይደ ዘይፈልጥ ስለ ዝነበርኩ፡ ብኸመይ ኪግበር ከም ዘለዎ ገሚተ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ተዛረብኩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ሸሞንተ ሰባት ተኣከቡ፡ እዚ ኸኣ ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ሜኖኣውያን ኪጻወርዎ ዚኽእሉ ኣይነበረን። ንዅሉ እቲ ንሰባት ዘበርከትናሎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ንኺእክብዎ ወፈራ ገበሩ፡ ነቶም ሰባት ከኣ ድሕሪ ደጊም ሰላም ከይብሉና መምርሒ ሃብዎም።

ድሕሪኡ፡ ናብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር እቲ ሰፈር ተጸዋዕኩ፡ ኣብኡ ድማ እቲ ኣመሓዳርን ካብ ካናዳ ዝመጹ ኽልተ ኣገልገልትን ንእተወሰነ ሰዓታት ሕቶታት ኣቕረቡለይ። ኣብ መወዳእታ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ዝደለኻዮ ኽትኣምን ትኽእል ኢኻ፡ ብዛዕባ እምነትካ ግን ንዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይትዛረብ መብጽዓ ኽትኣትወልና ኣሎካ” በለኒ። ከምዚ ዓይነት መብጽዓ ኽኣትወሎም ኣይደለኹን። ስለዚ፡ ኣብ መንጎ እቶም “እሙናት ኣሕዋት፡” “ነብዪ ሓሶት” ኪህሉ ስለ ዘይደለዩ፡ ካብቲ ሰፈር ክወጽእ ነገሩኒ። ምስ ኣበኽዎም፡ ንምልእቲ ስድራ ቤተይ ናይ መጐዓዝያ ወጻኢታት ኪኸፍሉ ሓሳብ ኣቕረቡለይ። ካብ መትከለይ ፈልከት ከይበልኩ ምውጻእ ኣበኹዎም።

ኣብ ክረምቲ 1953፡ ናብቲ ኣብ ኣሱንስዮን እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ኸድኩ። ኣብኡ ምስቲ ኻብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ናታን ኖር ተዘራረብኩ። ኣብቲ ሰፈር ሜኖኣውያን እንገብሮ ዝነበርና ስብከት ብዙሕ ፍረ ስለ ዘየፍረየ፡ ናብታ ርእሲ ኸተማ ግዒዘ ምስቶም ኣብኡ እተመደቡ ንእሽቶ ጕጅለ ሚስዮናውያን ብሓባር ከገልግል ሓሳብ ኣቕረበለይ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ምቕዳም

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ብምልእታ ፓራጓይ 35 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ንሰበይተይ ናብ ዓብዪ ኸተማ ብዛዕባ ምግዓዝ ኣዘራረብክዋ፡ እዚ ብዙሕ እኳ እንተ ዘየሐጐሳ፡ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ግን ፍቓደኛ ዀነት። ብ1954 ኣነን ካተሪናን ንበይንና ኣብ ትርፊ ግዜና፡ ብሕጡብ ቤት ሃነጽና። ካብ ዝዀነ ይኹን ኣኼባ በዂርና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ድማ ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሉ ሳዕ ንነግሮም ነበርና።

ሓደ ኻብቲ ዝረኸብክዎ ፍሉይ መሰል፡ ሓላው ወረዳ፡ ወይ ገያሺ ኣገልጋሊ ነቶም ኣብ ፓራጓይ ዚርከቡ ተዛረብቲ ቛንቋ ጀርመን ኪበጽሖም ከሎ፡ ኣሰንየዮ ብምኻድ ከም ኣስተርጓሚ ዄንካ ምግልጋል እዩ ነይሩ። ስጳንኛ ኣጸቢቐ ዘይፈልጥ ብምንባረይ፡ ፈለማ ኻብ ስጳንኛ ናብ ጀርመንኛ ዝተርጐምኩሉ እዋን፡ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣጸጊሙኒ ነይሩ።

ሰበይተይ ጥዕና ስለ ዝሰኣነት፡ ብ1957 ናብ ካናዳ ገዓዝና። ድሕሪኡ ብ1963 ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸድና። ኣብ ዝኸድና ንኺድ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህብ ንጽዕር ነበርና። (ማቴዎስ 6:33) የሆዋ ኣምላኽ ገና ብግዜ ጕብዝናይ ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ሓቂ ኽፈልጥ ስለ ዘኽኣለኒ፡ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። እቲ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ስልጠና ኣብ ምሉእ ህይወተይ ብብዙሕ መገድታት ሓጊዙኒ እዩ!

ካልኦት እውን ነቲ ንዓይ ብዙሕ ዜጸናንዓኒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪፈልጡ ምሕጋዘይ ዓብዪ ኽብሪ ገይረ እየ ዝርእዮ። ኵሎም ደቀይን ደቂ ደቀይን ካብ ግዜ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ካብ ስልጠና መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙ ምርኣየይ ልዕሊ ዅሉ የሐጕሰኒ እዩ። ኵላቶም ነቲ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ሓው ፔተርስ፡ “ዝመጸ ይምጻእ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት ምግልጋል ኣይትረስዕ” ብምባል ዝሃበኒ ምኽሪ ይስዕብዎ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኵሎም ደቀይን ደቂ ደቀይን ካብ ግዜ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ካብ ስልጠና መጽሓፍ ቅዱስ ኪጥቀሙ ምርኣየይ ልዕሊ ዅሉ የሐጕሰኒ እዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብ1950 ቀቅድሚ መርዓና ኣነን ካተሪናን

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብ1952 ምስ በዅሪ ውላድና ኣብ ፓራጓይ ኣብ ዝነበረት ቤትና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ሎሚ ምስ ኵሎም ቤተሰብና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo by Keith Trammel © 2000

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Photo by Keith Trammel © 2000