ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ዘረባ ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽሓፍን ቀዳሞት ክርስትያናትን

ካብ ዘረባ ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽሓፍን ቀዳሞት ክርስትያናትን

ካብ ዘረባ ናብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምጽሓፍን ቀዳሞት ክርስትያናትን

ታእላው ዘይብሎም ኣመንቲ ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ህቡብ ዝዀነ ጽሑፋት፡ ማለት ነቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ምንባብን ኣብ ምጽናዕን ኣብ ምምርማርን ብዙሕ ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም። እዚ ጽሑፋት እዝን ዝተረፈ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስን ንዓለም ሓያል ጽልዋ ገይሩላ፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ቀሪጽዎ፡ ንስነ-ጽሑፍን ንስነ-ጥበብን እውን መበገሲ ዚኸውን ሓሳብ ሂብዎ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንሚልዮናት ሰባት—ምናልባት እውን እንተላይ ንዓኻ—ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስን ርጡብ ፍልጠት ንኼጥርዩ ኣኽኢልዎም እዩ።—ዮሃንስ 17:3

ወንጌላትን ዝተረፈ ኽፋል ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን፡ ድሕሪ ሞት የሱስ ብኡንብኡ ኣይኰነን ተጻሒፉ። ማቴዎስ ንወንጌሉ ድሕሪ 7 ወይ 8 ዓመት ኣቢሉ ኺጽሕፋ ኸሎ፡ ዮሃንስ ከኣ ድሕሪ 65 ዓመት እዩ ጽሒፍዋ። ከመይ ገይሮም ደኣ እዮም ንቓላትን ግብርታትን የሱስ ብልክዕ ኬስፍርዎ ዝኸኣሉ፧ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ምምራሖም ንጡፍ ግደ ኸም ዝነበሮ ንጹር እዩ። (ዮሃንስ 14:16, 26) እንተዀነ ግን፡ ትምህርትታት የሱስ፡ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ቅድሚ ምዃኑ ኸመይ ጌርካ እዩ ብልክዕ ኪመሓላለፍ ክኢሉ፧

“መሃይም” ድዮም ነይሮም፧

ኣብ ዝሓለፈ ዘመን፡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንትምህርትታቱን ግብርታቱን ብኣፍ ደኣ እምበር፡ ብጽሑፍ ከም ዘየመሓላለፍዎ ሓሳብ ዚህቡ ሰባት ተቐላቒሎም እዮም። ንኣብነት፡ ሓደ ምሁር ከምዚ በለ፦ “ኣብ መንጎ ህዝባዊ ኣገልግሎት የሱስን ደረስቲ ወንጌላት ንቓላቱ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሩሉ እዋንን ጋግ ነይሩ እዩ። ኣብ መንጎ እዚ ግዜ እዚ፡ እቲ ብዛዕባ የሱስ ዚፍለጥ ነገራት ብኣፍ እዩ ዚመሓላለፍ ነይሩ።” ገሊኦም ተመራመርቲ እሞ ኸኣ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ “መሃይም” ከም ዝነበሩ ይማጐቱ እዮም። a ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ብኣፍ ዚመሓላለፈሉ ዝነበረ ዓመታት፡ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ጸብጻባት ከም እተወሳሰኸሉ፡ ከም እተዓራረየ፡ ወይ ከም እተጋነነ ይገልጹ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብቲ ብሓቂ ዘጋጠመ ልክዕ ጸብጻብ ዝረሓቐ ምዃኑ ይዛረቡ።

ገሊኦም ምሁራት ከኣ እቶም ኣይሁድ ዝዀኑ ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ረቢታት ዚስዕብዎ ዝነበሩ ብምድግጋም ናይ ምሽምዳድ ልማድ ይጥቀሙ ምንባሮምን እዚ ንልክዕነት እቲ ብኣፍ እተመሓላለፈ ጸብጻብ ኣበርክቶ ምግባሩን ሓሳብ ይህቡ። እሞኸ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብኣፍ ኣብ ዚመሓላለፍ ቃል ጥራይ ድዮም ተመርኲሶም፧ ነቲ ብዛዕባ ኣገልግሎት የሱስ ዚገልጽ ዛንታ ኣብ ምዕቃብ፡ ምጽሓፍ እጃም ነይርዎዶ፧ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛታት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ምጽሓፍ ዓብዪ ግደ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ምጽሓፍ ክፍሊ መዓልታዊ ህይወት ነበረ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ እተፈላለየ መዳይ ህይወት ዝነበሩ ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ይኽእሉ ነበሩ። ፕሮፌሰር እብራይስጥን ጥንታዊ ሴማዊ ቛንቋታትን ዝዀነ ኣለን ሚለርድ ነዚ ጕዳይ እዚ ብዚምልከት፡ “ብግሪኽን ብኣረማይስጥን ብእብራይስጥን ምጽሓፍ ኣስፋሕፊሑ ነበረ፡ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ዚርከቡ ሰባት ድማ ኪጽሕፉ ይኽእሉ ነበሩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “የሱስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው እዩ ዚዓዪ ነይሩ” በለ።

ፕሮፌሰር ሚለርድ፡ ጽሑፋት ወንጌል “ፈጺሙ መሃይም ብዝዀነ ሕብረተሰብ ከም እተጻሕፈ” ጌርካ ብዛዕባ ዚውሰድ ኣረኣእያ ኣመልኪቱ፡ “እዚ ኪኸውን ዚኽእል ኣይመስልን፣ ከመይሲ፡ ኣብ ፈቐዶኡ ምጽሓፍ ዚኽእሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። . . . ስለዚ፡ ዝሰምዕዎ ነገራት ንርእሶም ወይ ንኻልኦት ኢሎም ኪጽሕፉ ዚኽእሉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣይሰኣኑን እዮም ነይሮም” በለ።

ስምዒ እተለኽየ ንመጽሓፊ ዚኸውን ጽላታት ኣብ ፈቐዶኡ ይርከብ ነበረ፡ ሓበሬታ ንምምዝጋብ ድማ የገልግል ነበረ። ነዚ ኣብነት ዚኸውን፡ ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 1 ይርከብ። እቲ ንእተወሰነ እዋን ዓባስ ኰይኑ ዝነበረ ዘካርያስ፡ ንወዱ እንታይ ኢሉ ኺሰምዮ ኸም ዚደሊ ሕቶ ቐረበሉ። ቍጽሪ 63፡ “ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ [ብምልክት ማለት እዩ]፤ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ” ትብል። እታ ኣብዚ “ንእሽቶ ሰሌዳ” ተባሂላ ዘላ ቓል፡ ንሓደ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ስምዒ እተለኽየ ሰሌዳ ኸተመልክት ከም እትኽእል እተፈላለየ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር። ሓደ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ሰብ መጽሓፊ ሰሌዳ ሒዙ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ካልእ ኣብነት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰሌዳን ኣጠቓቕማኡን ልሙድ ምንባሩ ይሕብር። ጴጥሮስ ኣብ ከባቢ እታ ቤተ መቕደስ ንዝረኸቦም ህዝቢ ኸም እተዛረቦም እሞ፡ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምስሰልኩም፡ . . . ተነስሑ” ኢሉ ኸም እተማሕጸኖም ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:11, 19, 20) ብዛዕባ እዚ ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ ኸምዚ ኢሉ ይገልጽ፦ “እቲ ኣብዚ ዀነ ኣብ ካልእ እውን ኪርከብ ዚኽእል በታ ግሲ ኣቢሉ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳብ፡ ነቲ ስምዒ እተለኽየ መጽሓፊ ጽላት እንደገና ንኽትጥቀመሉ ኢልካ ምድምሳሱ ዜመልክት ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ።”

ገለ ኻብቶም ሰዓብቲ የሱስን ንትምህርትታቱ ዚሰምዑ ዝነበሩ ሰባትን፡ ኣብ መዓልታዊ ዕዮኦም ምጽሓፍ ዜዘውትሩ ምንባሮም ጸብጻባት ወንጌል ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ እቶም ተገውቲ ዝነበሩ ማቴዎስን ዘኬዎስን (ማቴዎስ 9:9፣ ሉቃስ 19:2)፣ መራሕ ቤት ጸሎት (ማርቆስ 5:22)፣ ሓለቓ ሚእቲ (ማቴዎስ 8:5)፣ እታ ሰበይቲ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ ኣንቲጳስ ዝነበረት ዮሃና (ሉቃስ 8:3)፣ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ኣባላት እቲ ዋዕላ ኣይሁድን ክንጠቅስ ንኽእል። (ማቴዎስ 21:23, 45፣ 22:23፣ 26:59) መብዛሕትኦም፡ ምናልባት እውን ኵሎም ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን የሱስ ኪጽሕፉ ዚኽእሉ ምንባሮም ኣየጠራጥርን እዩ።

ተመሃሮን መምህራንን ጸሓፍትን

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ክርስትያን መምህራን ኪዀኑ እንተ ዀይኖም፡ ነቲ የሱስ ዝበሎን ዝገብሮን ኪፈልጡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዚርከብ ሕጊ ሙሴን ትንቢታትን ብኸመይ ኣብ ክርስቶስ ከም ዚውዕል እውን ኪርድኡ ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 18:5) የሱስ ደድሕሪ ምትንሳኡ ምስ ገለ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣብ እተራኸበሉ እዋን ዝገበሮ ነገራት፡ ሉቃስ መዝጊቡ ኣሎ። የሱስ እንታይ ገበረ፧ “ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ።” ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኺፍጸም ይግብኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም።” (ሉቃስ 24:27, 44, 45) ጸኒሖም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዝነገሮም “ዘከሩ።”—ዮሃንስ 12:16

እቶም ሃዋርያትን ደቀ መዛሙርትን ነቲ ብዛዕባ ጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ነገራት ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ተጊሆም ይምርምርዎን የጽንዕዎን ነይሮም ኪዀኑ ኸም ዘለዎም እዚ ጸብጻባት እዚ ይሕብር። (ሉቃስ 1:1-4፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ብዛዕባ እዚ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቨርጂንያ ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕትታት ዝዀነ ሃሪ ዋይ. ጋምብል ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣይሁድ ርእሶም ብምውፋይ ተጠንቂቖም ዜጽንዑን ዚትርጕሙን፡ ካብኡ ድማ ብዛዕባ እምነት ክርስትና ዚገልጽ መርትዖታት ብምቅንባር ንስብከት . . . ክርስትና ኸም ዜገልግል ገይሮም ጽሑፋት ዘዳልዉ ክርስትያናት፡ ምናልባት እውን ጕጅለታት ክርስትያናት ከም ዝነበሩ ኣየጠራጥርን እዩ።”

እዚ ዅሉ፡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቲ ጸብጻባት ብኣፍ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምምሕልላፍ፡ ኣብ ምጽናዕን ምንባብን ምጽሓፍን እውን ይዋስኡ ምንባሮም ይሕብር። ተመሃሮን መምህራንን ጸሓፍትን እዮም ነይሮም። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዚምርኰሱ መንፈሳውያን ሰባት እዮም ነይሮም። የሱስ ብዛዕባ እቲ “መንፈስ ሓቂ፡” “ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ” ኢሉ መረጋገጺ ሃቦም። (ዮሃንስ 14:17, 26) ነቲ የሱስ ዝገበሮን ዝበሎን፡ ንኣብነት ነቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ነዊሕ ስብከቱ፡ ንኺዝክሩን ኣብ ጽሑፍ ንኼስፍርዎን ዝሓገዞም ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ ምዕራፍ 5-7) እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ነቲ የሱስ ሓድሓደ ግዜ እተሰምዖን ኣብ ጸሎቱ ዝበሎን ነገራት ንኺምዝግቡ እውን እቲ መንፈስ መሪሕዎም እዩ።—ማቴዎስ 4:2፣ 9:36፣ ዮሃንስ 17:1-26

ስለዚ፡ እቶም ጸሓፍቲ ወንጌል ብኣፍን ብጽሑፍን ንእተመሓላለፈ ምንጭታት ከም እተጠቕሙ ዘየጠራጥር እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝመዝገብዎ ነገራት ዝያዳ ዜተኣማምን ዝለዓለ ምንጪ ነይርዎ እዩ፣ ንሱ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ። እምበኣር፡ ኵሉ ቕዱስ ጽሑፍ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ፡ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ነገራት ንኽንገብር ከኣ ኪምህረናን ኪመርሓናን ከም ዚኽእል ምሉእ ዘይጕዱል ምትእምማን ኪህልወና ይኽእል እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነታ ኣብ  ገጽ 15 ዘላ፡ “ሃዋርያት መሃይም ድዮም ነይሮም፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ገለ ኻብቶም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ መዓልታዊ ዕዮኦም ምጽሓፍ ዜዘውትሩ እዮም ነይሮም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ነቲ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ንኺዝክሩን ኣብ ጽሑፍ ንኼስፍርዎን ሓገዞም

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ሃዋርያት መሃይም ድዮም ነይሮም፧

ገዛእትን ዓበይትን የሩሳሌም “ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረአዩ፡ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም።” (ግብሪ ሃዋርያት 4:13) እቶም ሃዋርያት ብሓቂ ዘይተማህሩ ወይ መሃይም ድዮም ነይሮም፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ፡ ዘ ኒው ኢንተርፕረተርስ ባይብል ከምዚ ዚብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ፦ “እዚ ቓላት እዚ፡ ጴጥሮስ[ን ዮሃንስን] ዘይተማህሩን ኪጽሕፉ ዀነ ኼንብቡ ዘይክእሉን ከም ዝዀኑ ዚሕብር ጌርካ ቓል ብቓሉ ኺውሰድ የብሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንፍርዲ ተቐሚጦም ዝነበሩን እቶም ሃዋርያትን ኣብ ማሕበራዊ ደርቢ ዝነበረ ሰፊሕ ፍልልይ ዚሕብር ጥራይ እዩ።”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© British Museum/Art Resource, NY

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ስምዒ እተለኽየ ጽላት ምስ ናውቲ ጽሕፈት

[ምንጪ ስእሊ]

“ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፤ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሐፈ”