ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት

ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት

ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነግረ ትንቢት

ኣይሁድ ነቲ ብኢሳይያስን ብኻልኦት ነብያትን ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተጻሕፈ ትንቢታት ምፍላጦም፡ ምምጻእ እቲ መሲሕ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዩ ገይርዎም ነበረ። ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ ነቲ ቐሪቡ ዝነበረ ምቕልቃል እቲ መሲሕ ‘ይጽበዩ’ ነበሩ። (ሉቃስ 3:15) እቲ ዜገርም፡ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ህይወት እቲ መሲሕ ዜደንቕ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ እዩ። ዋላ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመታት ኪንበ ወይ ነቲ ኣቐዲሙ እተጻሕፈ ኣብ የሱስ ከም ዚፍጸም ኪገብር ኣይክእልን እዩ።

ብዛዕባ ውልደት እቲ መሲሕ እተገልጸ ዝርዝር ነገራት። ኢሳይያስ እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ካብ ድንግል ከም ዚውለድ ተነብዩ ነይሩ። ሃዋርያ ማቴዎስ ብዛዕባ ተኣምራዊ ውልደት የሱስ ድሕሪ ምግላጹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኺፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዚብል፤ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ።” (ማቴዎስ 1:22, 23፣ ኢሳይያስ 7:14) ኢሳይያስ ንእሰይ ኣቦ ዳዊት ፈልዩ ብምጥቃስ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ከም ዚመጽእ እውን ተነብዩ ነበረ። ብርግጽ ከኣ የሱስ ብቐጥታ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እዩ መጺኡ። (ማቴዎስ 1:6, 16፣ ሉቃስ 3:23, 31, 32) ቅድሚ ውልደት የሱስ፡ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ኣደ የሱስ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ” በላ።—ሉቃስ 1:32, 33፣ ኢሳይያስ 11:1-5, 10፣ ሮሜ 15:12

ብዛዕባ ህይወት እቲ መሲሕ እተገልጸ ዝርዝር ነገራት። የሱስ ኣብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤት ጸሎት ኣይሁድ፡ “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ” ዚብል ቃላት ትንቢት ኢሳይያስ ኣንበበ። ነቲ ትንቢት ኣብ ርእሱ ብምውዓል፡ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” በለ። (ሉቃስ 4:17-21፣ ኢሳይያስ 61:1, 2) የሱስ ነቶም ምሕዋይ ዜድልዮም ሰባት ብሕያውነት፡ ብለውሃት፡ ከምኡውን ብትሕትና ኸም ዚሕዞም ኢሳይያስ ተነብዩ ነበረ። ማቴዎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፦ “ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዅሎምውን ኣሕወዮም። ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ አዘዞም። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ . . . ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ . . . ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን።”—ማቴዎስ 8:16, 17፣ 12:10-21፣ ኢሳይያስ 42:1-4፣ 53:4, 5

ብዛዕባ እቲ ነቲ መሲሕ ዜጋጥሞ ስቓይ እተገልጸ ዝርዝር ነገራት። መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ነቲ መሲሕ ከም ዘይቅበልዎ፡ ኣብ ክንዳኡስ ንዕኦም “እምኒ መዓንቀፍ” ከም ዚኸውን ኢሳይያስ ተነብዩ ነበረ። (1 ጴጥሮስ 2:6-8፣ ኢሳይያስ 8:14, 15) ስለዚ ድማ፡ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ተኣምራት እናገበረ ኽነሱ፡ “እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፤ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን አመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፧ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይአመኑን።” (ዮሃንስ 12:37, 38፣ ኢሳይያስ 53:1) ሓደ ኻብቲ ኣይሁድ ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሮም ከም ዘይቅበልዎ ዝገበሮም ምኽንያት፡ እቲ መሲሕ መጺኡ ብኡንብኡ ኻብ መግዛእቲ ሮሜ ሓራ ኼውጽኦምን ኣብ ምድሪ ስርወ-ንግስነት ዳዊት ኪመልሶን ብጌጋ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ እዩ። የሱስ ተሳቕዩ ስለ ዝሞተ፡ መብዛሕትኦም ኣይሁድ ከም መሲሕ ገይሮም ኪቕበልዎ ኣይከኣሉን። እንተዀነ ግን፡ እቲ መሲሕ፡ ንጉስ ቅድሚ ምዃኑ ስቓይ ከም ዜሕልፍ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ።

መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ ነቲ መሲሕ ዜጋጥሞ ኺንበ ኸሎ፡ “ዝባነይ ንገረፍቲ . . . ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን” በለ። ማቴዎስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ዜጋጠሞ ፈተና ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ” በለ። (ኢሳይያስ 50:6፣ ማቴዎስ 26:67) ኢሳይያስ፡ “ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን” ኢሉ ጸሓፈ። ጲላጦስ ብዛዕባ እቲ ኣይሁድ ዝኸሰስዎ ኽሲ ንየሱስ ምስ ሓተቶ ድማ፡ “እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን።”—ኢሳይያስ 53:7፣ ማቴዎስ 27:12-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:28, 32-35

ብዛዕባ ሞት እቲ መሲሕ እተገልጸ ዝርዝር ነገራት። የሱስ ኪመውት ከሎን ብድሕሪኡ ኣብ ዝነበረ እዋናትን እውን ትንቢት ኢሳይያስ ፍጻሜኡ ረኺቡ እዩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ የሱስ፡ “መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታማት ኰነ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳይያስ 53:9) እዚ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ዚመስል ትንቢት ፍጻሜኡ ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ የሱስ ኣብ መንጎ ኽልተ ኸተርቲ ተሰቒሉ እዩ ሞይቱ። (ማቴዎስ 27:38) ደሓር ግን፡ ካብ ኣርማትያስ ዝመጸ ዮሴፍ ዚበሃል ሃብታም ሰብኣይ፡ ንስጋ የሱስ ኣብ እተወቕረ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ። (ማቴዎስ 27:57-60) ኣብ መወዳእታ ኸኣ ሞት የሱስ ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ንዘሎ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ፍጻሜኡ ኸም ዚረክብ ገበረ። ኢሳይያስ ብዛዕባ እቲ መሲሕ፡ “እቲ ጻድቕ ባርያይ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ” በለ። እወ፡ እቲ በጃ ዀይኑ ዝቐረበ ሞት የሱስ ንዅሎም እሙናት ሰባት ካብ ኣርዑት ሓጢኣት ሓራ ኣውጺእዎም እዩ።—ኢሳይያስ 53:8, 11፣ ሮሜ 4:25

ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢታት

ሃዋርያት ኰኑ የሱስ ባዕሉ፡ ብዛዕባ መንነት እቲ መሲሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ኬቕርቡ ኸለዉ፡ ካብ ካልእ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ንላዕሊ ኻብ ትንቢት ኢሳይያስ እዮም ብተደጋጋሚ ጠቒሶም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥራይ እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ቅዱሳት ጽሕፋት እብራይስጢ ዘሎ ሓያሎ ፍጻሜኡ ዚረክብ ትንቢታት እውን ብዛዕባ የሱስ፡ ብዛዕባ መንግስቱ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ብዛዕባ እትዓሞ ሰናይ ነገራት ይገልጽ እዩ። a (ግብሪ ሃዋርያት 28:23፣ ራእይ 19:10) እዚ ትንቢታት እዚ ኸም ዚፍጸም እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧ የሱስ ንኣይሁዳውያን ሰማዕቱ ኸምዚ በሎም፦ “ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት [ማለት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ] ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሐልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 5:17, 18

የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜኡን ንመጻእን ዚፍጸም ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ጠቒሱ እዩ። (ዳንኤል 9:27፣ ማቴዎስ 15:7-9፣ 24:15) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነቲ ሎሚ ዚፍጸም ዘሎ ብዙሕ ነገራት እውን ሓዊሱ፡ ብድሕሪኦም ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት ተነብዮም እዮም። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ እዝን ካልእ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስን ክትገልጽ እያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ ትንቢታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 200 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

‘ድንግል ወዲ ኽትወልድ እያ’

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

‘ገጸይ ካብ ጸርፊ ኣይከወልኩን’