ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ትንቢት

ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ትንቢት

ብዛዕባ ግዜና እተነግረ ትንቢት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ከም እተምጽእ ይንበ እዩ። (ዳንኤል 2:44) ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት ተባሂላ እትፍለጥ ጸሎት፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) ኣብቲ ኣብ ደብረ ዘይቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሎም ኣገዳሲ ትንቢት እውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ቀቅድሚ ምምጻኣ ዚህሉ እተወሰነ ፍጻመታትን ኵነታትን ተነብዩ ነበረ። እዝን ካልእ ምልክታትን ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንጹር መርትዖ እዩ ዚዀኖም። ካብዚ ስዒቡ ዘሎ እተፈላለየ መዳይ እቲ ምልክታት፡ ብብሕትኻ ዝረኣኻዮ ኽንደይ ዚኣክል እዩ፧

ኣህጉራዊ ውግኣት። የሱስ፡ “ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:7) ቅድሚ እቲ ብ1914 እተኻየደ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ውግኣት፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት ጥራይ እተሓጽረ እዩ ነይሩ። ቀዳማይ ውግእ ዓለም ግን መብዛሕትኡ ኽፍልታት ዓለም ብውግእ ከም ዚሕመስ ገይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ደቂ ሰብ ቅድሚኡ ርእዮምዎ ብዘይፈልጡ መጠን፡ ምዕባለ ኣጽዋር ናብ ኣዝዩ ዜፍርህ ኵነታት ከም ዚውስኽ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሽዑ እተማህዘት ነፋሪት፡ ኣብ ሰላማውያን ሰባት ቦምባታት ንምድርባይ ተጠቕሙላ። ኣጽዋር ውግእ ብብዝሒ ስለ እተሰርሐ፡ ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ህልቂት ኣጋጢሙ እዩ፣ ካብቶም ኣብቲ ውግእ እተኻፈሉ 65 ሚልዮን ዝኣኽሉ ወተሃደራት ዳርጋ ፍርቂ ዝዀኑ ኣብቲ ውግእ ሞይቶም ወይ ቈሲሎም እዮም። ይኹን እምበር፡ ኣብ መበል 20 ዘመን እቲ ህልቂት ዝያዳ እናገደደ ኸደ። ከምቲ ሓደ ጸሓፍ ታሪኽ ዝገለጾ፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዘጋጠመ ሞት ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን፡ “ንሓዋሩ እውን ብልክዕ ቍጽሩ ኣይፍለጥን እዩ።” ሕጂ እውን እንተ ዀነ ውግኣት ይቕጽል እዩ ዘሎ።

ኣብ ኵሉ ዜስፋሕፍሕ ጥሜት። የሱስ፡ “ጥሜት . . . ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:7) ብ2005 መጽሔት ሳይንስ፡ “854 ሚልዮን ዚኸውን ህዝቢ ዓለም (ዳርጋ 14% ህዝቢ ዓለም) ንነዊሕ ወይ ንሓጺር እዋን ሕጽረት ምግቢ የጋጥሞ እዩ” በለት። ብ2007 ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተረኽበ ሓደ ምንጪ፡ 33 ሃገራት ህዝበን ንኺምግባ ዜኽእለን እኹል ምግቢ ኸም ዘይብለን ጸብጻብ ሃበ። ፍርያት እኽሊ ዓለም እናወሰኸ ኽነሱ ኸመይ ኢሉ ደኣ እዩ እሞ ኸምዚ ዜጋጥም፧ እቲ ሓደ ምኽንያት፡ ሰባት ንምምጋብ ዚውዕል ዝነበረ መሬትን እኽልን፡ ኤታኖል እተባህለ ነዳዲ ንምፍራይ ይውዕል ስለ ዘሎ እዩ። ዘ ዊትነስ እትበሃል መጽሔት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ “ፎር-ዊል-ድራይቭ ዝዓይነታ ገዛፍ መኪና ንሓደ ግዜ ጥራይ እትጥቀመሉ ኤታኖል ንምፍራይ ዜድሊ እኽሊ፡ ንሓደ ሰብ ዓመት ምሉእ ኪምግብ ዚኽእል ምግቢ እዩ” በለት። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት እውን ዋጋ ምግቢ ምውሳኹ፡ ብዙሓት ሰባት ካብ ድራር ዕለቶም ወይ ካብ ከም መድሃኒት ወይ መሞቒ ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ሓዲኡ ንኺመርጹ ተገዲዶም እዮም።

ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ። የሱስ፡ “ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ . . . ኪኸውን እዩ” በለ። (ሉቃስ 21:11) ብዙሓት ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ይጕድኡ ዘለዉ ዀይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ፡ ኣይተጋገኻን። ብ2007 ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ መጽናዕቲ ዚገብር ኣር. ኬይ. ቻዳ ዚበሃል ህንዳዊ ትዕዝብቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ብሃንደበት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ኵላ ዓለም ኪገድድ ንርኢ ኣሎና። . . . ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ዋላ ሓደ ሰብ ዚፈልጥ የለን” በለ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ እተቓልዐ ቦታታት ዘሎ ቕልጡፍ ወሰኽ ህዝቢ፡ ነቲ ዚወርድ ጕድኣት ከም ዚውስኽ ገይርዎ እዩ። ጂኦሎጅያዊ መጽናዕቲ ሕ.መ.ኣ ኸም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ብ2004 ንህንዳዊ ውቅያኖስ ዝወቕዐ ምንቅጥቃጥ ምድርን ስዒቡ ዝመጸ ሱናምን፡ “ኣብ ውሽጢ 500 ዓመት ካብ ዘጋጠመ እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ” ኸምኡውን “ኣብ ታሪኽ ብኻልኣይ ደረጃ ብዙሕ ሰብ ዝቐተለ” እዩ ነይሩ።

ንምቍጽጻሩ ዜሸግር ሕማም። የሱስ “ፌራ . . . ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነበየ። (ሉቃስ 21:11) ኣብ መላእ ዓለም፡ ቀደም ዝነበረን ሓድሽን ሕማም ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ብዙሕ ሰብ የጥቅዕ ኣሎ፡ ነዚ ሕማም ዚፍውስ መድሃኒት ንምርካብ ዘሎ ኣጋጣሚ ድማ ጸቢብ እዩ። ንኣብነት፡ ሕማም ዓሶ ኻብ ቍጽጽር ሰባት ወጻኢ ይኸውን ስለ ዘሎ፡ እቲ ኻብ ሱሩ ንምጥፋእ ዚግበር ኣህጉራዊ ሸቶታት ብተደጋጋሚ ይግምገም ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሎሚ ኸም ዓባይ ሰዓል ዝኣመሰለ ቐደም ዝነበረ ሕማም፡ ምስ አይድስን ካልእ ሕማምን ሓቢሩ ንሚልዮናት ሰባት ይቐትል ኣሎ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ “ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለም ባሲለስ ብእተባህለ ባክተርያ ዓባይ ሰዓል ተለኺፎም ኣለዉ” ኢሉ ጸብጻብ ኣቕረበ። እቲ ውድብ ብተወሳኺ፡ ኤች.ኣይ.ቪ. ነቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ሕማም ዓባይ ሰዓል ኪጋደድ ከም ዝገበረ ገለጸ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካልኢት ሓደ ሰብ ብሕማም ዓባይ ሰዓል ይተሓዝ እዩ፡ ሕማም ዓባይ ሰዓል ድማ መድሃኒታት ናይ ምጽዋር ክእለት ኣማዕቢሉ ይርከብ። ብ2007 ኒው ሳይንቲስት እትበሃል መጽሔት፡ ንሓደ ኣብ ኣውሮጳ ዚነብር ሕሙም ዓባይ ሰዓል፡ “እቲ ዘሎና ዅሉ ዓይነት መድሃኒት ኬሕውዮ ኣይከኣለን” በለት።

ስነ-ምግባራውን ማሕበራውን ውድቀት። የሱስ፡ “ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ” በለ። (ማቴዎስ 24:12) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ማሕበራውን ስነ-ምግባራውን ውድቀት ከም ዚህሉ ሓቢሩ ነበረ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፍኣ፡ ኣጸጋሚ ዝዀነ “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዚመጽእ ገለጸ። “ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡ እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ” ኪዀኑ ምዃኖም ሓበረ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ባህርያት ኬርእዩ ኸለዉ ኣይረኣኻንዶ ኢኻ፧

የሱስን ጳውሎስን ጠንቂ እዚ ሎሚ ዚርአ ዘሎ ዅነታት ዓለም ዝዀነ፡ ኵሉ እቲ ታሪኻዊ፡ ማሕበራዊ፡ ከምኡውን ፖለቲካዊ ረቛሒታት ብዝርዝር ኣይገለጹን። ይኹን እምበር፡ እቲ ትንቢቶም ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ግዜ እንርእዮ ዘሎና ፍጻመታትን ኣረኣእያታትን ብልክዕ ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ መጻኢኸ፧ ምምጻእ እቲ መሲሕ ብልክዕ እተነበየ ትንቢት ኢሳይያስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ብዛዕባ እተምጽኦ ጠቓሚ ለውጥታት እውን ገሊጹ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽ ንርአ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

“ህዝቢ ናብ ህዝቢ . . . ኺለዓል እዩ”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“ፌራ . . . ኪኸውን እዩ”

[ምንጪ ስእሊ]

© WHO/P. Virot