ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ኣይሁድ ካብ ምሸት ጀሚሮም በዓል ሰንበት ዜብዕሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

የሆዋ ብዛዕባ መዓልቲ ዕርቂ ዚገልጽ ሕጊ ንህዝቡ ኺህቦም ከሎ፡ “በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። እዚኣ ፍጹም ሰንበት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ . . . ንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ” በሎም። (ዘሌዋውያን 23:28, 32) እዚ ሕጊ እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኻብ ምሸት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ጸሓይ እትዓርበሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ሓደ መዓልቲ ይቝጸር ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ብኣይሁድ ሓደ መዓልቲ ዚበሃል ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ዘሎ እዋን እዩ።

እዚ ሜላ ኣቈጻጽራ መዓልትታት እዚ፡ ነቲ ኣምላኽ ባዕሉ ዝሰርዖ ኣገባብ ዝሰዓበ እዩ። እቲ ብዛዕባ ናይ መጀመርታ ምሳልያዊ መዓልቲ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ፡ “ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ” ይብል። እተን ተኸታቲለን ዚመጻ “መዓልትታት” እውን ካብ “ምሸት” እየን ጀሚረን።—ዘፍጥረት 1:5, 8, 13, 19, 23, 31

ንመዓልትታት በዚ መገዲ እዚ ዚቘጽሩ ኣይሁድ ጥራይ ኣይኰኑን ነይሮም። ኣቴናውያንን ኑሚዲያውያንን ፊንቄኣውያንን እውን ከምዚ ዓይነት ኣቈጻጽራ ይጥቀሙ ነበሩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ ባቢሎናውያን ነቲ ጸሓይ እትበርቀሉ እዋን ከም መጀመርታ ናይ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ገይሮም ይሓስብዎ ነበሩ፣ ግብጻውያንን ሮማውያንን ድማ፡ መዓልትታቶም ዚቘጽሩ ኸምቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ኻብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም እዮም። ሎሚ ዘለዉ ኣይሁድ ግን፡ በዓል ሰንበት ምብዓል ዚጅምሩን ዚውድኡን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ።

“መገዲ ሰንበት” እንታይ እዩ ነይሩ፧

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ የሱስ ካብ ደብረ ዘይቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ድሕሪ ምርኣዮም፡ “መገዲ ሰንበት ዚአክል” ተጓዒዞም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:12) ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ 30 ኪሎ ሜተር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኺጐዓዝ ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ደብረ ዘይቲ ጥቓ የሩሳሌም እዩ። እሞ ደኣ “መገዲ ሰንበት” እንታይ ማለት እዩ፧

መዓልቲ ሰንበት፡ እስራኤላውያን ካብ ልሙድ ንጥፈታቶም ዚዓርፉላ መዓልቲ እያ ነይራ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓዊ እውን ኪኣጕዱ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ዘጸኣት 20:10፣ 35:2, 3) የሆዋ፡ “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውጻእ” ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘጸኣት 16:29) እዚ ሕጊ እዚ፡ እስራኤላውያን ካብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኪዓርፉን ኣብ ህይወቶም ንመንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ትዅረት ኪህቡን የኽእሎም ነበረ።

በቲ ሕጊ የሆዋ ዘንበሮ ስርዓታት ዘይዓገቡ ኣኽረርቲ ሕጊ ዝዀኑ ረቢታት፡ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኣብ ኣምልኾ ኺካፈል ንኪኸይድ ኰነ ናብ ካልእ ቦታ ኺጐዓዝ ከሎ፡ ክንደይ ዚኣክል ርሕቐት ኪጐዓዝ ከም ዘለዎ ዚገልጽ ሕጊ ብኢደ ወነኖም ኣውጽኡ። ሳይክሎፔድያ ኦቭ ቢብሊካል፡ ቲኦሎጂካል፡ አንድ ኤክለሰስቲካል ሊትረቸር ዚበሃል መዝገበ-ፍልጠት፡ “ብሰንኪ እቲ ብዛዕባ በዓል ሰንበት ዝወጸ ተሪር ሕግታት . . . ኣብ ሰንበት ዋላ ሓደ እስራኤላዊ ኻብቲ መገዲ ሰንበት ተባሂሉ እተደንገገ ውሱን ርሕቐት ንላዕሊ ኣይከይድን እዩ ነይሩ” በለ። እዚ ርሕቐት እዚ፡ 2,000 እመት ማለት ዳርጋ ኻብ 1 ኪሎ ሜተር ክሳብ 2.4 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ነበረ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

የሩሳሌም ኣብ ደብረ ዘይቲ ዄንካ ኽትርአ ኸላ