ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንኣምላኽ ምሰሉ”

“ንኣምላኽ ምሰሉ”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ንኣምላኽ ምሰሉ”

ኤፌሶን 4:32–5:2

ሎሚ ኸም ለውሃት፡ ድንጋጸ፡ ይቕረ ምባል፡ ከምኡውን ፍቕሪ ዝኣመሰላ ባህርያት ዜርእዩ ሰባት ውሑዳት ምዃኖም ዜሕዝን እዩ። ንስኻኸ ብዙሕ ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርካ ነዘን ጽቡቓት ባህርያት እዚኣተን ፈጺምካ ኸተማዕብል ከም ዘይትኽእል ኰይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከም ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ልማዳት ወይ ዘሕለፍካዮ ዜሕዝን ተመክሮ ዝኣመሰለ ነገራት ንልብኻ ስለ ዚዅንኖ፡ ጽቡቕ ባህርያት ንኸይተማዕብል ዕንቅፋት ይዀነካ ይኸውን። እንተዀነ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዜጸናንዕ ሓቂ ይነግረና፡ እዚ ኸኣ ጽቡቕ ባህርያት ከነማዕብል ተኽእሎ ኸም ዘሎና ፈጣሪና ይፈልጥ ምዃኑ እዩ።

ቃል ኣምላኽ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ “እምበኣር ከም ፍቁራት ውሉድ ንኣምላኽ ምሰሉ” ኢሉ ይምሕጸኖም። (ኤፌሶን 5:1 ትርጕም 1990) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣምላኽ ኣብ ኣምለኽቱ ዘለዎ ምትእምማን ኣጕሊሐን ይገልጻልና። ብኸመይ፧ የሆዋ ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ኸም ምስሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። (ዘፍጥረት 1:26, 27) ስለዚ፡ ኣምላኽ ንሰባት ከም ናቱ ዓይነት ባህርያት ከም ዜንጸባርቑ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። a እምበኣርከስ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ምሰሉ” ኢሉ ንክርስትያናት ኪምሕጸኖም ከሎ፡ የሆዋ ባዕሉ ‘ኣነ ኣባኻትኩም እምነት ኣሎኒ። ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰንኩም፡ ብእተወሰነ መጠን ንዓይ ክትመስሉ ኽእለት ከም ዘሎኩም እፈልጥ እየ’ ኸም ዝበለ ጌርካ እዩ ዚቝጸር።

ገለ ኻብቲ ኽንቀድሖ ዘሎና ባህርያት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ እቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ጥቕስታት መልሲ ይህበና እዩ። ነታ ጳውሎስ ንኣምላኽ ክንመስሎ ኸም ዘሎና ኺምዕድ ከሎ ኸም መእተዊ ገይሩ እተጠቕመላ “እምበኣር” እትብል ቃል ኣስተብህለላ። እዛ ቓል እዚኣ ምስተን ለውሃት፡ ርሕራሐ፡ ይቕረ ምባል ዚብሃላ ኣቐዲመን እተጠቕሳ ቓላት ምትሕሓዝ ኣለዋ። (ኤፌሶን 4:32፣ 5:1 ትርጕም 1990) ጳውሎስ፡ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኪመስልዎ ድሕሪ ምምዓዱ፡ ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ዜንጸባርቕ ናብራ ህይወት ኪስዕቡ ኸም ዘለዎም ገለጸ። (ኤፌሶን 5:2) ብሓቂ እምበኣር፡ ለውሃትን ልባዊ ርሕራሐን ፍቕርን ብምርኣይ፡ ንኻልኦት እውን ብኸምኡ ይቕረ ብምባል ዝመጸ፡ የሆዋ ኣምላኽ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽንስዕቦ ዘሎና ብሉጽ ኣብነት ይዀነና እዩ።

ንኣምላኽ ክንመስሎ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ ነቲ ኣብ ቃላት ጳውሎስ ዘሎ፡ “ከም ፍቁራት ውሉድ ንኣምላኽ ምሰሉ” ዚብል ሓያል መተባብዒ ኣስተብህለሉ። እዝስ ልቢ ዚትንክፍዶ ኸይኰነ፧ የሆዋ ንኣምለኽቱ ልክዕ ከም ፍቑራት ውሉዳቱ ገይሩ እዩ ዚርእዮም። ልክዕ ከምቲ ንኣቦኡ ኺመስል ዚፍትን ንእሽቶ ቘልዓ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን ንሰማያዊ ኣቦኦም ንኺመስሉ ዚከኣሎም ዘበለ ይገብሩ እዮም።

የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ንኺመስልዎ ኣየገድድን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ክትመስል ምድላይን ዘይምድላይን ናትካ ምርጫ እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20) እንተዀነ ግን፡ ባህርያት ኣምላኽ ከተንጸባርቕ ተኽእሎ ኸም ዘሎካ ፈጺምካ ኽትርስዕ የብልካን። ልክዕ እዩ፡ ንኣምላኽ ንምምሳል ፈለማ ባህርያቱን መገድታቱን ክትፈልጥ የድሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብኡ ኸም ዚሰሓቡ ዝገበሮም መዳርግቲ ዘይብሉ ባህርያትን መገድታትን ኣምላኽ ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ቈሎሴ 3:9, 10 ብመልክዕ ኣምላኽ ምፍጣርና ጽቡቕ ባህርያት ከነርኢ ኸም እንኽእል እያ ትሕብር። እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ፡ “ከምቲ ምስሊ እቲ [ኣምላኽ] ዝፈጠሮ” ገይሮም ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ኪለብሱ ተተባብዕ።