ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንፉዕ ኣቦ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

“ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዐርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።”—ቈሎሴ 3:21

ሓደ ኣቦ ንደቁ ኸየዀርዮም ብኸመይ ኪጥንቀቕ ይኽእል፧ ከም ኣቦ መጠን ዘለዎ ሓላፍነት ምግንዛቡ ኣገዳሲ እዩ። ሓንቲ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እትገልጽ መጽሔት፡ “ኣቦ ምዃን ኣብ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ዕቤት ውሉዳት እተሓላለኸን ፍሉይን ጽልዋ ኣለዎ” በለት።

ኣቦ እንታይ ግደ ኣለዎ፧ ኣብ ብዙሓት ስድራ ቤታት፡ ብቐዳምነት መቕጻዕቲ ዚህብ ኣቦ እዩ። ብዙሓት ኣዴታት ንዝረበሸ ውሉደን፡ ‘ደሓን፡ ኣቦኻ እሞ ይምጻእ!’ እየን ዚብላኦ። ውሉዳት ምስ ዓበዩ ጽቡቕ ባህርይ ኪህልዎም እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ጽኑዕን ሚዛኑ ዝሓለወን ተግሳጽ ከም ዜድልዮም ፍሉጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንፉዕ ኣቦ ምዃን ካብዚ ንላዕሊ የጠቓልል።

ንውሉዶም ጽቡቕ ኣብነት ዚዀኑ ዅሎም ኣቦታት ዘይምዃኖም ግን ዜሕዝን እዩ። ገሊኦም ሰብኡት ብዘይ ኣቦ እዮም ዓብዮም። እቶም ብተረርትን ብጽኑዓትን ኣቦታት ዝዓበዩ ሰብኡት ከኣ ንውሉዶም ብተመሳሳሊ መገዲ ይሕዝዎም ይዀኑ። ሓደ ኣቦ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣወጊዱ ዝሓሸ ወላዲ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ንፉዕ ኣቦ ንምዃን ዚሕግዝ ግብራውን ዜተኣማምንን ምኽሪ ዚርከቦ ሓደ ምንጪ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ንናብራ ስድራ ቤት ዚኸውን ብሉጽ ምኽሪ ዝሓዘ እዩ። እቲ ዚህቦ ምኽሪ ኽልሰ-ሓሳብ ጥራይ ኣይኰነን፡ እቲ መምርሒታቱ ድማ ኣይጐድኣናን እዩ። ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥበብ እቲ ደራሲኡን መስራቲ ናብራ ስድራ ቤትን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ። (ኤፌሶን 3:14, 15) ኣቦ እንተ ዄንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ወለዲ እንታይ ከም ዚብል መርምር። a

ንፉዕ ኣቦ ምዃንካ፡ ንኣካላውን ስምዒታውን ድሕንነት ውሉዳትካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመንፈሳዊ ድሕንነቶም እውን ኣገዳሲ እዩ። ንኣቦኡ ዜፍቅርን ምስኡ ጥብቂ ርክብ ዘለዎን ውሉድ፡ ብቐሊሉ ምስ ኣምላኽ ናይ ማሕርሮን ርክብ ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ፈጣሪናን ኣቦናን ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (ኢሳይያስ 64:8) ውሉዳት ካብ ኣቦኦም ዚደልይዎ ሽዱሽተ ነገራት እስከ ንርአ። ኣብ ሽዱሽቲኡ መዳያት፡ ሓደ ኣቦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ነዚ ነገራት እዚ ንኼማልእ ብኸመይ ከም ዚሕግዞ ኽንምርምር ኢና።

1 ውሉዳት ፍቕሪ ኣቦኦም የድልዮም

የሆዋ ኸም ኣቦ መጠን ፍጹም ኣብነት ሰሪዑ እዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ በዅሪ ወዱ ዝዀነ የሱስ እንታይ ከም ዚስምዖ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ኣቦ ንወዱ የፍቕሮ እዩ” ኺብል ይኽእል እዩ። (ዮሃንስ 3:35፣ ቈሎሴ 1:15) የሆዋ ንወዱ ዘለዎ ፍቕርን ስምረቱን ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣርእዩ እዩ። የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ የሆዋ ኻብ ሰማይ፡ “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ” ኢሉ ተዛረበ። (ሉቃስ 3:22) የሱስ፡ ኣቦኡ ኸም ዜፍቅሮ ተጠራጢሩ ኣይፈልጥን። ሓደ ሰብኣዊ ኣቦ ኻብ ኣብነት የሆዋ እንታይ ኪመሃር ይኽእል፧

ንውሉዳትካ ኸም እተፍቅሮም ካብ ምዝራብ ድሕር ኣይትበል። ኣቦ ሽዱሽተ ቘልዑ ዝዀነ ከልቪን፡ “ብዘረባ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንነፍሲ ወከፎም ብሕታዊ ተገዳስነት ብምርኣይ እውን ንደቀይ ዘሎኒ ፍቕሪ ኽገልጽ እጽዕር እየ። ጨርቂ ሽንቶም ኣብ ምቕያርን ነብሶም ኣብ ምሕጻብን ድማ እሕግዝ እየ” በለ። ብተወሳኺ እውን፡ ውሉዳት ደገፍካ ኸም ዘለዎም ኪፈልጡ የድልዮም። ስለዚ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትንቀፎም፡ ከምኡውን ብቐጻሊ መአረምታ ኣይትሃቦም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብግህዶ ንኣዶም። ክልተ ጐራዙ ኣዋልድ ዘለዋኦ ዶኒዘተ፡ “ሓደ ኣቦ ንደቁ ዚንእደሉ ኣጋጣሚታት ንምርካብ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ” በለ። ውሉዳት ደገፍካ ኸም ዘለዎም ምፍላጦም፡ ንገዛእ ርእሶም ግቡእ ኣኽብሮት ከም ዚህልዎም ኪገብር ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ፡ ናብ ኣምላኽ ንኪቐርቡ ኺሕግዞም ይኽእል።

2 ውሉዳት ጽቡቕ ኣብነት የድልዮም

የሱስ፡ “ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረኣዮ” ኺገብር ከም ዚኽእል ዮሃንስ 5:19 ትገልጽ። እታ ጥቕሲ፡ የሱስ ነቲ ኣቦኡ ‘ዝገበሮ’ ብምርኣይ ንሱ እውን ከምኡ ኸም ዝገበረ እትሕብር ምዃና ኣስተብህል። ውሉዳት እውን መብዛሕትኡ ግዜ ኸምኡ እዮም ዚገብሩ። ንኣብነት፡ ኣቦ ንሰበይቱ ብኣኽብሮት ዚሕዛ እንተ ዀይኑ፡ ወዱ እውን ንሰበይቲ ብኣኽብሮት ኪሕዝ ይኽእል እዩ። ኣብነት ኣቦኦም ኣብ ኣመለኻኽታኦም ጽልዋ ዚገብረሎም ኣወዳት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ኣዋልድ እውን እቲ ናይ ኣቦአን ኣብነት ንሰብኡት ኣብ ዘለወን ኣረኣእያ ጽልዋ ይገብር እዩ።

ውሉዳትካ ይቕረ ምባል ይኸብዶም ድዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ እውን ኣብነት ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ከልቪን፡ ክልተ ደቁ ንሓንቲ ኣዝያ ኽቡር ዝዋግኣ ካሜራ ምስ ሰበሩ ዘጋጠመ ዅነታት ይዝክር። ንሓደ ኻብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ሰደቓ ብቝጥዓ ምስ ወቕዖ፡ እቲ ሰደቓ ኣብ ክልተ ተጨደ። ድሕሪኡ በቲ ዝገበሮ ነገር ኣዝዩ ጐሃየ፡ ንብዓልቲ ቤቱን ንዅሎም ደቁን ድማ ይቕረታ ሓተቶም። ከምዚ ምግባሩ፡ ደቁ እውን ብዘይ ገለ ጸገም ይቕረታ ኺሓቱ ስለ ዘኽኣሎም፡ ጽቡቕ ጽልዋ ኸም ዘሕደረ ተሰሚዕዎ እዩ።

3 ውሉዳት ዜሐጕስ ሃዋህው የድልዮም

የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) እምበኣር፡ እቲ ወዱ ዝዀነ የሱስ ምስ ኣቦኡ ምዃን ዜሐጕሶ ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። ምሳሌ 8:30 ነቲ ኣብ መንጎ የሱስን ኣቦኡ ዘሎ ርክብ ንኽንርድኦ ትሕግዘና እያ። እታ ጥቕሲ፡ “ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ [ምስ ኣቦ] ነበርኩ፡ . . . ኵሉ ጊዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ” ትብል። ኣብ መንጎ ኣቦን ወድንሲ ኸመይ ዝበለ ጥብቂ ርክብ ኰን እዩ ዘሎ!

ውሉዳትካ ዜሐጕስ ሃዋህው የድልዮም። ግዜ ወሲድካ ምስ ደቅኻ ምጽዋት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ኪፈጥር ይኽእል እዩ። ወለድን ውሉዳትን ሓቢሮም ምጽዋቶም፡ ጥብቂ ርክብ ከም ዚህልዎም ኪገብር ይኽእል። ፌሊክስ ነዚ ሓሳብ እዚ ይሰማምዓሉ እዩ። ሓደ ዀተቴ ውሉድ ኣለዎ፡ ከምዚ ድማ በለ፦ “ምስ ወደይ ኰይነ ዝዘናግዐሉ እዋን ምምዳበይ፡ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወና ገይሩ እዩ። ሓቢርና ንጻወት፡ ምስ ኣዕሩኽና ግዜ ነሕልፍ፡ ከምኡውን ባህ ዜብል ቦታታት ንበጽሕ ኢና። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ዘሎና ምውቕን ዜሐጕስን ርክብ ኣደልዲልዎ እዩ።”

4 ውሉዳት መንፈሳዊ ነገራት ኪመሃሩ የድልዮም

የሱስ ካብ ኣቦኡ ተማሂሩ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ “ካብኡ [ካብ ኣቦ] ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር አሎኹ” ኺብል ከኣለ። (ዮሃንስ 8:26) ሓደ ኣቦ ንደቁ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ትምህርቲ ኺህቦም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓላፍነት ኣለዎ። ሓደ ኻብቲ ኸም ኣቦ መጠን ዘሎካ ሓላፍነት፡ ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ኣብ ልቢ ውሉድካ ምስራጽ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና ኻብ ግዜ ንእስነቶም ኣትሒዙ ኺጅምር ኣለዎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) ፌሊክስ ንወዱ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬንብበሉ ዝጀመረ፡ ኣዝዩ ንእሽቶ ኸሎ እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዚርከብ እውን ሓዊሱ፡ ዚማርኽን ባህ ዜብልን ካልእ ዛንታታት ይጥቀም ነበረ። b ወዱ እናዓበየ ምስ ከደ ድማ፡ ካልእ ምስ ዕድመ ወዱ ዚሰማማዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይመርጽ ነበረ።

ዶኒዘተ፡ “መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤት ዜሐጕስ ከም ዚኸውን ምግባር ናይ ብሓቂ ኣጸጋሚ እዩ። ወለዲ ነቲ ውሉዳቶም ኪገብርዎ ዚደልዩ ነገራት ባዕሎም ምስ ዘይገብርዎ፡ ውሉዳት ቀልጢፎም ስለ ዜስተውዕሉ፡ ወለዲ ንመንፈሳዊ ነገራት ኣድንቖት ኬርእዩ ኣለዎም” በለ። ሰለስተ ኣወዳት ዘለውዎ ካርሎስ፡ “ስድራ ቤትና እንታይ ከም ዜድልያ ንምምይያጥ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ንእከብ ኢና። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ ብዛዕባ እንታይ ከም እንመያየጥ ኣቐዲሙ ናይ ምምራጽ ኣጋጣሚ ኣለዎ” ኢሉ ተዛረበ። ከልቪን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኸለዉን ንደቁ ወትሩ ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረቦም ይደሊ ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ” ዚብል ቃላት የዘኻኽረና።—ዘዳግም 6:6, 7

5 ውሉዳት ተግሳጽ የድልዮም

ውሉዳት ኣፍረይትን ሓላፍነት ዚስከሙን በጽሕታት ምእንቲ ኪዀኑ ተግሳጽ የድልዮም። ገሊኦም ወለዲ ንውሉዳት ተግሳጽ ምሃብ ኪበሃል ከሎ፡ ከም ተሪር መግናሕቲ ወይ ዜነኣእስ ጸርፊ ዝኣመሰለ ጽኑዕ ኣተሓሕዛ ዜድሊ ይመስሎም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ ነቲ ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽ ምስ ጭካነ ኣይተሓሕዞን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወለዲ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ዚገብሮ ብፍቕሪ ተደሪኾም ተግሳጽ ኪህቡ ኣለዎም። (እብራውያን 12:4-11) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም” ይብል።—ኤፌሶን 6:4

ሓድሓደ ግዜ መቕጻዕቲ የድሊ ይኸውን። እቲ ቘልዓ ስለምንታይ ይቕጻዕ ከም ዘሎ ግን ኪፈልጥ ኣለዎ። ወለዲ ዚህብዎ ተግሳጽ፡ እቲ ውሉድ እተደርበየ ዀይኑ ኸም ዚስምዖ ዚገብር ኪኸውን የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ውሉድ ኪጐድእ ዚኽእል ከቢድ መግረፍቲ ኣይድግፍን እዩ። (ምሳሌ 16:32) ከልቪን፡ “ከቢድ ኣብ ዝዀነ ጕዳያት ንደቀይ ክእርሞም ክደሊ ኸለኹ፡ ክእርሞም ዝደረኸኒ ንዕኦም ዘሎኒ ፍቕሪ ምዃኑ ወትሩ ኸፍልጦም እጽዕር እየ” በለ።

6 ውሉዳት ዕቝባ የድልዮም

ውሉዳት ካብ ሕማቕ ጽልዋን ጐዳኢ ምሕዝነትን ዕቝባ ኺግበረሎም ኣለዎ። ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ንንጹሃት ቈልዑ ኺብለጹሎም ዚደልዩ “እኩያት ሰባት” ምህላዎም ዜሕዝን እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) ንደቅኻ ኸተዕቍቦም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ” ዚብል ጥበባዊ ማዕዳ ይህብ። (ምሳሌ 22:3) ንደቅኻ ኻብቲ ዚመጽእ ጕድኣት ምእንቲ ኽትከላኸለሎም፡ ነቲ ሓደጋታት ብጥንቃቐ ኽትከታተሎ ኣሎካ። ናብ ጸገም ኪመርሕ ዚኽእል ኵነታት ኣቐዲምካ ፈሊጥካ ኣድላዪ ስጕምቲ ውሰድ። ንኣብነት፡ ደቅኻ ኢንተርነት ኪጥቀሙ እንተ ደኣ ፈቒድካሎም፡ ብኸመይ ብጥንቃቐ ኺጥቀሙ ኸም ዘለዎም ዚፈልጡ ምዃኖም ከተረጋግጽ ኣሎካ። ነታ ኮምፕዩተር፡ ብቐሊሉ ኽትቈጻጸሮም ኣብ እትኽእለሉ ቕሉዕ ቦታ ምቕማጣ ዝሓሸ እዩ።

ሓደ ኣቦ ንደቁ፡ ኣብዛ ሃሳይት ዝዀነት ዓለም ዜጋጥሞም ሓደጋታት ምእንቲ ኺዋጽእሉ፡ ኬዳልዎምን ኬሰልጥኖምን የድሊ። ንስኻ ኣብ ዘየለኻሉ እዋን ሓደ ሰብ ኪሃስዮም ምስ ዚፍትን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚግባእ ይፈልጡ ድዮም፧ c ደቅኻ ነቲ ዜሕንኽ ክፍሊ ኣካላቶም ብዚምልከት ግቡእን ዘይግቡእን ኣጠቓቕማ ኺፈልጡ ኣለዎም። ከልቪን፡ “ነዚ ስልጠና እዚ ኻብ ካልኦት ኰነ ኻብ መማህራኖም ኪረኽብዎ ኣይሓደግክዎን። ብዛዕባ ጾታዊ ርክብን ጾታዊ ማህሰይትን ምምሃር፡ ናተይ ሓላፍነት ኰይኑ እዩ ዝስምዓኒ ነይሩ” በለ። ሕጂ ዅሎም ደቁ ብጽቡቕ ዓብዮም ዜሐጉስ ሓዳር መስሪቶም ኣለዉ።

ሓገዝ ኣምላኽ ድለ

ሓደ ኣቦ ንደቁ ኺህቦም ዚኽእል ዝዓበየ ውህበት፡ ምስ ኣምላኽ ድልዱል ዝዀነ ብሕታዊ ርክብ ንኼማዕብሉ ምሕጋዝ እዩ። ኣብነት ኣቦ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ዶኒዘተ ኸምዚ በለ፦ “ኣቦታት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ብሕታዊ ርክብ ማዕረ ኽንደይ ከም ዜኽብርዎ ኼርእዩ ኣለዎም። ብፍላይ ከኣ ብሕታዊ ጸገማት ወይ ሽግራት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ከምዚ ምግባሮም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት፡ እቲ ኣቦ ኣብ የሆዋ ኽሳዕ ክንደይ እምነት ከም ዘለዎ ኼርኢ ይኽእል እዩ። ብተደጋጋሚ ብስድራ ቤት ሓቢርካ ነቲ የሆዋ ዝገበረልካ ሕያውነት ብጸሎት ሞሳኻ ምግላጽ፡ እቶም ውሉዳት ንኣምላኽ ዓርክኻ ምግባር ዘለዎ ኣገዳስነት ንኺፈልጡ ይሕግዞም” በለ።

ንፉዕ ኣቦ ንምዃን ደኣ እሞ እቲ ኣገዳሲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧ ካብቲ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዑ ብዝበለጸ ዚፈልጥ የሆዋ ኣምላኽ ምኽሪ ድለ። ንደቅኻ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒታት እንተ ደኣ ኣሰልጢንካዮም፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 22:6 ተገሊጹ ዘሎ፡ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ዚብል ውጽኢት ክትርእዮ ትኽእል ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ ቕዱስ ጽሕፋዊ ምኽርታት ብቐዳምነት ኣብ ኣቦታት ዘተኰረ እኳ እንተ ዀነ፡ መብዛሕትኡ ስርዓታት ግን ንኣዴታት እውን ዚምልከት እዩ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

c ንደቅኻ ኻብ ጾታዊ ማህሰይቲ ብኸመይ ከም እተዕቍቦም ዚገልጽ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ ጥቅምቲ 2007 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 3-11 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኣቦ ንደቁ ጽቡቕ ኣብነት ኪኸውን ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ ኣቦ ንደቁ ብመንፈስ ዜድልዮም ነገራት ኬማልኣሎም ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ውሉዳት ፍቕራዊ ተግሳጽ የድልዮም