ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

ማርያም እቲ ተወጢሓቶ ዝነበረት ንእሽቶ መጽዓኛ ስለ ዘይተመሸዋ፡ እንደገና ተመዓራርያ ተቐመጠት። ንሰዓታት ዚኸውን እያ ተጓዒዛ። ዮሴፍ ድማ ኣብቲ ናብ ቤት-ልሄም ዚወስድ ርሑቕ መገዲ ቐቅድሚኣ ዀይኑ ይመርሓ ነበረ። ማርያም እቲ ኣብ ማሕጸና ዘሎ ቘልዓ እንደገና ኺገላበጥ ከሎ ተሰምዓ።

ማርያም ብጽሕቲ ወርሒ እያ ነይራ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሕርሳ ቐሪቡ ምንባሩ ይገልጸልና። (ሉቃስ 2:5, 6) ዮሴፍን ማርያምን ኪሓልፉ ኸለዉ፡ ኣብ ግራውቶም ይዘርኡን ይሓርሱን ዝነበሩ ሓረስቶት ምስ ረኣይዎም፡ ወርሓ ዝኣኸለ ጥንስቲ ሰበይቲ ስለምንታይ ትጐዓዝ ከም ዘላ ገሪምዎም ይኸውን። ማርያም ካብቲ ኣብ ናዝሬት ዝነበረ ቤታ ኣርሒቓ ኸም እትጐዓዝ ዝገበራ እንታይ እዩ ነይሩ፧

እዚ ኪኸውን ዝጀመረ፡ ኣዋርሕ ኣቐዲሙ እዛ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ሓላፍነት ምስ ተቐበለት እዩ። ነቲ ጸኒሑ መሲሕ ዚኸውን ወዲ ኣምላኽ ክትወልድ ነበራ። (ሉቃስ 1:35) እትወልደሉ እዋን ምስ ቀረበ፡ እዚ ጕዕዞ እዚ ኣድለየ። ኣብቲ ጕዕዞ፡ ማርያም ንእምነታ ዚፍትን ብዙሕ ጸገማት ኣጋጠማ። ብመንፈሳዊ ድልድልቲ ንኽትከውን እንታይ ከም ዝሓገዛ እስከ ንርአ።

ጕዕዞ ናብ ቤት-ልሄም

ኣብቲ ግዜ እቲ ዮሴፍን ማርያምን ጥራይ ኣይኰኑን ዚጐዓዙ ነይሮም። ቄሳር ኣውጉስጦስ ኵሉ ሰብ ናብ ዓዱ ኸይዱ ኺጸሓፍ ኣዊጁ ነበረ። ዮሴፍከ ነዚ ብኸመይ ተቐበሎ፧ እቲ ጸብጻብ፡ “ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት . . . ናብ ቤት-ልሄም እትብሀል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኺጸሐፍ ደየበ” ይብል።—ሉቃስ 2:1-4

ቄሳር ኣብቲ ግዜ እቲ ኣዋጅ ምውጻኡ፡ ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይነበረን። ኣስታት ሸውዓተ ዘመን ኣቐዲሙ፡ እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ተጻሒፉ ነበረ። ካብ ናዝሬት ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜተር ጥራይ ርሒቓ እትርከብ ቤት-ልሄም እትበሃል ዓዲ ነይራ እያ። ይኹን እምበር፡ እቲ መሲሕ ካብ “ቤት-ልሄም ኤፍራታ” ኸም ዚወጽእ እቲ ትንቢት ፈልዩ ይሕብር። (ሚክያስ 5:2) ሎሚ፡ እቲ ኻብ ናዝሬት ናብታ ብደቡብ ሸነኽ እትርከብ ንእሽቶ ዓዲ ዚወስድ ኵድዅዶታት ዚበዝሖ መገዲ፡ 150 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ርሕቐት ኣለዎ። ዮሴፍ ናብዛ ቤት-ልሄም እዚኣ ኪኸይድ እዩ ትእዛዝ ተዋሂብዎ፡ እዛ ዓዲ እዚኣ ኸኣ ዓሌት ዮሴፍን ዓሌት መርዓቱን ዝዀኑ ስድራ ቤት ንጉስ ዳዊት ዚውለዱላ ዓዲ እያ።

ማርያም ነቲ ዮሴፍ ንኺምዝገብ ዝገበሮ ውሳነ ኽትድግፎ ድያ፧ እቲ ጕዕዞ ንዓኣ ኣዝዩ ኸቢድ ኪዀና ይኽእል እዩ። ምናልባት እቲ ጕዕዞ ኣብ መጀመርታ ግዜ ቐውዒ ስለ ዚኸውን፡ ኣብቲ ኸባቢ ፈኲስ ዝናብ ኪወቅዕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ እውን፡ ቤት-ልሄም 760 ሜተር ኣብ ዚኸውን ብራኸ ስለ እትርከብ፡ ከምኡውን ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ጕዕዞ ሓያል ዓቐበት ስለ ዘለዎ፡ እታ ‘ኻብ ገሊላ ደየበ’ እትብል ሓረግ እትሰማማዕ እያ። ኵነታት ማርያም ብዙሕ ግዜ ንኸተዕርፍ ዜገድዳ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ጕዕዞ ኻብቲ ልሙድ ዝነውሐ መዓልትታት ወሲዱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓንቲ ብጽሕቲ ወርሒ ዝዀነት ሰበይቲ፡ ኣብ ግዜ ሕርሳ ስድራ ቤታን ፈተውታን ምእንቲ ኺሕግዝዋ ኻብ ቤታ ኸይረሓቐት ክትጸንሕ እያ እትደሊ። እምበኣር፡ ነዚ ጕዕዞ እዚ ኽትጐዓዝ ትብዓት ከም ዘድለያ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ዮሴፍ ‘ምስ ማርያም ኪጸሓፍ’ ከም ዝኸደ ሉቃስ ገሊጹ እዩ። ማርያም ንዮሴፍ ‘ተመርዕያ’ ኸም ዝነበረት እውን ኣስተውዕል። (ሉቃስ 2:4, 5 NW) ሰበይቲ ዮሴፍ ምዃና ኣብቲ እትገብሮ ውሳነ ዓብዪ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። ንሰብኣያ ኸም መንፈሳዊ ርእሳ ገይራ ብምርኣይን ንዚገብሮ ውሳነታት ብምድጋፍን ነቲ የሆዋ ኸም ደጋፊት ክትከውን ዝሃባ ግደ ተቐቢላቶ እያ። a ስለዚ፡ ነዚ ኣብ እምነታ ዘጋጠማ ፈተና ብቐሊሉ ተኣዛዚት ብምዃን ተዋጺኣትሉ እያ።

ንማርያም ክትእዘዝ ዝገበራ ኻልእ ምኽንያት እንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ዚገልጽ ትንቢት ትፈልጦዶ ነይራ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣይሕብርን እዩ። ብዛዕባ እዚ መራሕቲ ሃይማኖትን ተራ ሰባትን እውን ከይተረፉ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ፡ ማርያም ከም ዘይትፈልጥ ጌርና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። (ማቴዎስ 2:1-7፣ ዮሃንስ 7:40-42) ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሕፋት ፍልጠት ነይርዋ እዩ። (ሉቃስ 1:46-55) ንሰብኣያ፡ ሰበ-ስልጣን ንዘውጽእዎ ኣዋጅ፡ ወይ ንትንቢት የሆዋ ምእንቲ ኽትእዘዝ ኢላ እንተ ዀይና ወይ ንዅሉ ምእንቲ ኽትእዘዞ እንተ ዀይና ብዘየገድስ፡ ክትጐዓዝ ምውሳና ጽቡቕ ኣብነት እያ ገዲፋ። የሆዋ ነቲ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ ዘርእይዎ ትሕትናን መንፈስ ተኣዛዝነትን ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ሎሚ፡ እቲ ማርያም ዝሓደገቶ ኣብነት፡ ነቶም ተገዛእነት ኣኽቢርካ ኣብ ዘይረኣየሉ እዋን ዚርከቡ እሙናት ሰባት ከም መርኣያ እዩ ዚዀኖም።

ውልደት ክርስቶስ

ማርያም ንቤት-ልሄም መጀመርታ ኻብ ርሑቕ ርእይ ምስ ኣበለታ፡ እፎይ ኢላ ኽትከውን ኣለዋ። በቲ እቲ ናይ መወዳእታ ዚኣቱ ምህርቲ ዝዀነ ኣእዋም ኣውልዕ ዘለዎ ዅድዅዶታት ኣቢሎም ኪድይቡ ኸለዉ፡ ብዛዕባ ታሪኽ እዛ ንእሽቶ ዓዲ ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እዛ ነብዪ ሚክያስ ካብ ከተማታት ይሁዳ ዝነኣሰት ምዃና እተዛረበላ ኸተማ፡ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዓዲ ቦኣዝን ናእሚን ዳዊትን እያ ነይራ።

ንማርያምን ዮሴፍን እታ ዓዲ ብሰባት ተጨናኒቓ ጸንሓቶም። ኪምዝገቡ ዚመጹ ሰባት ነቲ መሕደሪ ኣጋይሽ መሊኦምዎ ስለ ዝነበሩ፡ መዕረፊ ዚኸውን ቦታ ኣይረኸቡን። b ስለዚ፡ ኣብ መብልዕ ማል ካብ ምሕዳር ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮምን። ኣብዚ ቦታ እዚ ምስ በጽሑ፡ ቅልውላው ሕርሲ ጀመራ። ዮሴፍ፡ ሰበይቱ ቕድሚ ሕጂ ኣጋጢሙዋ ዘይፈልጥ እናበኣሰ ዚኸይድ ስቓይ ክትሳቐ ኸላ ምርኣዩ፡ ክሳዕ ክንደይ ተጨኒቑ ኸም ዝነበረ ኽንግምት ንኽእል ኢና።

ኣንስቲ ንማርያም ስምዒታ ኺርዳኣላ ይኽእላ እየን። ኣስታት 4,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ኵለን ኣንስቲ ብጻዕሪ ኸም ዚወልዳ የሆዋ ተነቢዩ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:16) ማርያም ካብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ናጻ ኸም ዝነበረት ዚሕብር መርትዖ የለን። ጸብጻብ ሉቃስ፡ “በዅሪ ወዳ ወለደት” ካብ ምባል ሓሊፉ ነቲ ዘሕለፈቶ ስቓይ ኣይጠቐሰን። (ሉቃስ 2:7) ካብቶም ብውሕዱ ሸውዓተ ዚዀኑ ማርያም ዝወለደቶም ውሉዳታ፡ እቲ “በዅሪ” ተወልደ። (ማርቆስ 6:3) እዚ ውላድ እዚ ግን እተፈልየ እዩ ነይሩ። በዅሪ ማርያም ጥራይ ዘይኰነስ፡ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” የሆዋ ኸምኡውን ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ።—ቈሎሴ 1:15

ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ እዩ እቲ ጸብጻብ፡ “ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ . . . ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ” ብምባል ፍሉጥ ዝዀነ ዝርዝር ዚገልጽ። (ሉቃስ 2:7) ኣብ ግዜ ልደት ዚቐርብ ምርኢታትን ስእልታትን ኣዝዩ እተጋነነን ብዘይክውንነታዊ መገዲ ዚቐርብን እዩ። እቲ ብልክዕ ዘጋጠመ ዅነታት እስከ ንርአ። መብልዕ ማል ኪበሃል ከሎ፡ ናይ ሕርሻ እንስሳታት ዚምገብሉ ጋብላ እዩ። ስለዚ፡ እታ ስድራ ቤት ጽሩይ ኣየር ኣብ ዘይርከቦን ጽሬት ኣብ ዘይብሉን ቦታ ማለት፡ ኣብ ደምበ እያ ኣዕሪፋ ነይራ። ብሓቂ ኺርአ ኸሎ ግን፡ እንታዎት ወለዲ እሞ እዮም ካልእ ኣማራጺ እንተ ረኺቦም ነዚ ቦታ እዚ ሕጻን ኪወልድሉ ኢሎም ዚመርጽዎ፧ መብዛሕትኦም ወለዲ ንውሉዳቶም እቲ ዝበለጸ ነገር እዮም ዚደልዩ። እሞ ደኣ ማርያምን ዮሴፍ ነቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ ሕጻን ክንደይ ኣብዚሖም ጽቡቕ ዘይምነዩ!

ዓቕሞም ድሩት ምዃኑ ኼባሳጭዎም ኣይፈቐዱን፣ የግዳስ፡ ዚከኣሎም ኵሉ እዮም ገይሮም። ንኣብነት፡ ማርያም ብጥንቃቐ ነቲ ሕጻን ብዓለባ ብምጥቕላል ኣብቲ መብልዕ ማል ኣደቂሳ፡ ሙቐትን ዕቝባን ከም ዚረክብ ምግባራ ኣስተብህል። በቲ ዘጋጠማ ዅነታት ተጨኒቓ ነቲ ሕጻን ዚከኣላ ዅሉ ኻብ ምግባር ኣየቋረጸትን። ማርያምን ዮሴፍን፡ ነቲ ሕጻን ኺገብርሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ ነገር ብመንፈሳዊ መዳይ ምክንኻን ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ዘዳግም 6:6-8) ብተመሳሳሊ፡ ጥበበኛታት ወለዲ ኣብዛ ብመንፈሳዊ ጠፊሻ ዘላ ዓለም ውሉዳቶም ኬዕብዩ ኸለዉ፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ምሃብ ኬማዕብሉ ኣለዎም።

ዜተባብዕ ምብጻሕ

እቲ ሰላማዊ ዅነታት ብሃንደበት ተረበሸ። ነታ ስድራ ቤት ብፍላይ ከኣ ነቲ ሕጻን ኪርእዩ እተሃንጠዩ ጓሶት ናብቲ ደምበ ህሩግ ኢሎም ኣተዉ። ብታሕጓስ ገጾም በሪሁ ነበረ። ካብቲ ምስ መጓሰኦም ዝነበሩሉ ዅድዅዶታት ቀልጢፎም እዮም መጺኦም። c ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞም ዜደንቕ ተመክሮ ድማ ነቶም ወለዲ ነገርዎም። ኣብቲ ዅድዅዶ ኸለዉ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ ብሃንደበት መልኣኽ ተራእዮም። ክብሪ የሆዋ ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ እቲ መልኣኽ ድማ ክርስቶስ ወይ እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም እተወልደ ኣበሰሮም። ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኸም ዚረኽቡ ነገሮም። ድሕርዚ ሓደ መስተንክር ዝዀነ ነገር ኣጋጠመ፡ ሓያላት መላእኽቲ ንኽብሪ የሆዋ እናዘመሩ ተራእዩ!

እዞም ትሑታት ሰባት እዚኣቶም፡ ከይተደናጐዩ ናብ ቤት-ልሄም ምምጻኦም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። ከምቲ እቲ መልኣኽ ዝነገሮም፡ እቲ ዕሸል ደቂሱ ኸሎ ኺርእይዎ ተሃንጥዮም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ነዚ ብስራት እዚ ሰሚዖም ጥራይ ስቕ ኣይበሉን። “እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ።” (ሉቃስ 2:17, 18) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኣትሒቶም ይርእይዎም ከም ዝነበሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን። የሆዋ ግን ነዞም ትሑታትን እሙናትን ሰባት ኣኽቢሩ ኸም ዝረኣዮም ንጹር እዩ። ይኹን እምበር፡ ማርያም በዚ ምብጻሕ እዚ ብኸመይ ተጸልወት፧

ማርያም በቲ ሕርሲ ደኺማ እኳ እንተ ነበረት፡ ነቲ ዚንገር ዝነበረ ነፍሲ ወከፍ ቃላት ግን ብጥንቃቐ ትሰምዖ ነበረት። ብተወሳኺ ድማ፡ “ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሐስቦን ነበረት።” (ሉቃስ 2:19) እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብሓቂ መስተውዓሊት እያ ነይራ። እቲ መልኣኽ እተዛረቦ መልእኽቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ ነይራ እያ። የሆዋ ኣምላኻ ብዛዕባ መንነት ወዳ ኽትግንዘብ ይደሊ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ካብ ምስማዕ ንላዕሊ እያ ገይራ። ነቲ ቓላት ኵሉ ግዜ ምእንቲ ኸተስተንትነሉ፡ ኣብ ልባ ኣዋህሊላቶ ነበረት። እዚ ኸኣ ነቲ ማርያም ኣብ ምሉእ ህይወታ ዘርኣየቶ እምነት ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ ነይሩ።

ንስኻኸ ኣብነት ማርያም ክትስዕብ ዲኻ፧ የሆዋ ነቲ ቓሉ ዝሓዘ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ብዝዀነ መንፈሳዊ ሓቅታት መሊእዎ ኣሎ። ነዚ ሓቅታት እዚ ብኣቓልቦ እንተ ዘይሰሚዕናዮ ግን ክንጥቀም ኣይንኽእል ኢና። ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ሓደ ዓይነት ስነ-ጽሑፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ጌርና ኣዘውቲርና ብምንባብ ከምዚ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንሕና እውን ልክዕ ከም ማርያም ንመንፈሳዊ ነገራት ኣብ ልብና ኸነዋህልሎን ክንሓስቦን የድሊ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብናዮ ምስ እነስተንትነሉ፡ ማለት መምርሒታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ እንኽእለሉ መገዲ ምስ እነናዲ፡ ንእምነትና ኸም እትዓቢ ኽንገብር ኢና።

ኣብ ልባ ዘዋህለለቶ ተወሳኺ ነገራት

ማርያምን ዮሴፍን እቲ ሕጻን ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ገበረ፡ ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝኣዘዞ ገዘርዎ፡ ኣቐዲሙ ኸም እተነግሮም ድማ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ። (ሉቃስ 1:31) ኣብ መበል 40 መዓልቱ፡ ናብቲ ኻብ ቤተ-ልሄም ብዙሕ ዘይርሕቕ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤተ መቕደስ ወሰድዎ፡ ኣብኡ ድማ ንመስዋእቲ ምንጻህ ዚዀና ድኻታት ኬቕርብወን እተፈቕዳ ኽልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኣቕረቡ። ከምቲ ኻልኦት ሰባት ዜቕርብዎ ኻብ ገንሸል ዝነኣሰ ወይ ባሬቶ ምቕራብ ኣሕፊርዎም እንተ ነይሩ፡ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዕንቅፋት ኪዀኖም ኣይፈቐዱን። ዝዀነ ዀይኑ ግን፡ ናብቲ ቦታ እቲ ብምምጻኦም ሓያል መተባብዒ ረኺቦም እዮም።—ሉቃስ 2:21-24

ስምኦን ዝስሙ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ናብኦም ቀሪቡ፡ ንማርያም ኣብ ልባ እተዋህልሎ ተወሳኺ ነገራት ተዛረባ። ቅድሚ ሙማቱ ነቲ መሲሕ ከም ዚርእዮ ኣምላኽ ተመባጺዑሉ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ የሆዋ ድማ እቲ ሕጻን የሱስ ብትንቢት እተነግረሉ መድሓኒ ምዃኑ ሓበሮ። ስምኦን ንማርያም ብዛዕባ እቲ ኽትጻወሮ ዘለዋ ስቓይ እውን ኣጠንቀቓ። ኣብ ነፍሳ ሰይፊ ኸም ዝኣተወ ዀይኑ ኺስምዓ ምዃኑ ገለጸላ። (ሉቃስ 2:25-35) እዚ ዜሰምብድ ቃላት እዚ፡ ነቲ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ዘጋጠማ ኸቢድ ጸገም ክትዋጽኣሉ ሓጊዝዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕሪ ስምኦን፡ ሃና እትበሃል ነብዪት ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ረኣየቶ፡ ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።—ሉቃስ 2:36-38

ዮሴፍን ማርያምን ንወዶም ናብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ የሆዋ ሒዞምዎ ምምጻኦምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ውሳነ ዀን እዮም ገይሮም! እዚ ፍጻመ እዚ፡ ነቲ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ኻብ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸይተፈልየ ዘገልገለ ወዶም መጀመርታኡ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ቤተ መቕደስ ከለዉ፡ ብዚከኣሎም ኵሉ ንኣምላኽ ኣገልጊሎምን መምርሕን ምትብባዕን ረኺቦምን እዮም። ማርያም ካብቲ ቤት መቕደስ ክትወጽእ ከላ፡ እምነታ ደልዲሉ ኸምኡውን ከተስተንትነሉን ንኻልኦት ከተካፍሎን ብእትኽእል መንፈሳዊ ነገራት ልባ መሊኡ ኸም ዝነበረ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ሎሚ፡ ወለዲ ነዚ ኣብነት እዚ ኪቐድሕዎ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ወለዲ ንደቆም ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ሒዞምዎም እዮም ዚኸዱ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ፡ ብዚከኣሎም ኵሉ ንኣምላኽ የገልግሉን ንኣመንቲ ብጾቶም ዜጸናንዕ ቃላት የካፍሉን እዮም። ካብቲ ኣኼባታት ድማ፡ ደልዲሎምን ተሓጒሶምን ንኻልኦት ዜካፍልዎ ጽቡቕ ነገራት መሊኦምን እዮም ዚወጹ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ምሳታቶም ንኽትካፈል ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ። ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ፡ ልክዕ ከም ማርያም እምነትካ ኽትድልድል እያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ መንጎ እቲ ኣብዚ እተገልጸ ሓሳብን ኣብ መንጎ እቲ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ኣቐዲማ ኣብ ዝገበረቶ ጕዕዞ ዚርከብ “ማርያም ተንስኤት . . . ደየበት” ዚብል ኣገላልጻን ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህለሉ። (ሉቃስ 1:39) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ማርያም ሕጽይቲ ዮሴፍ ደኣ እምበር ገና ዘይተመርዓወቶ ስለ ዝነበረት፡ ንዕኡ ከየማኸረት ውሳነ ኽትገብር ትኽእል ነይራ እያ። እዞም መጻምድቲ ምስ ተመርዓዉ ግን፡ እቲ ብሓባር ዚገብርዎ ጕዕዞ ብማርያም ዘይኰነስ፡ ብዮሴፍ እዩ ኺውሰን ነይርዎ።

b ኣብቲ ግዜ እቲ ንተጐዓዝትን ንቓፍላይን መሕደሪ ቦታ ምሃብ፡ ኣብተን ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበራ ዓድታት ልሙድ እዩ ነይሩ።

c ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቶም ጓሶት ምስ መጓሰኦም ኣብ መሮር ምንባሮም፡ ክርስቶስ ኣብቲ መጓሰ ኣብ ጥቓ ኣባይቲ ኺሰፍራሉ ዚግባእ ወርሒ ታሕሳስ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከባቢ መጀመርያ ጥቅምቲ ኸም እተወልደ ዚሕብር መስርዕ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ እዩ።

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ስምኦን ነቲ ብትንቢት እተነግረሉ መድሓኒ ብምርኣይ ተባረኸ