ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣዳም ፍጹም እንተ ደኣ ነይሩ፡ ከመይ ኢሉ ኺሓጥእ ይኽእል፧

ኣዳም ፍጹም እንተ ደኣ ነይሩ፡ ከመይ ኢሉ ኺሓጥእ ይኽእል፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ኣዳም ፍጹም እንተ ደኣ ነይሩ፡ ከመይ ኢሉ ኺሓጥእ ይኽእል፧

ኣምላኽ ንኣዳም ኪፈጥሮ ኸሎ ናይ ምምራጽ ናጽነት ስለ ዝሃቦ፡ ኪሓጥእ ይኽእል ነይሩ እዩ። እዚ ውህበት እዚ፡ ምስቲ ኣዳም ፍጹም ከም ዝነበረ ዚገልጽ ሓቂ ዚጋጮ ኣይኰነን። ከም ሓቂ፡ ምሉእ ብምሉእ ፍጹም ዝዀነ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። (ዘዳግም 32:3, 4፣ መዝሙር 18:30፣ ማርቆስ 10:18) ናይ ዝዀነ ይኹን ኣካል ወይ ናይ ዝዀነ ይኹን ነገር ፍጽምና ደረት ኣለዎ። ንኣብነት፡ ካራ፡ ስጋ ንምቝራጽ ፍጹም ኪኸውን ወይ ጽቡቕ ገይሩ ኪቘርጽ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መረቕ ንምስታይ ግን ትጥቀመሉዶ፧ ሓደ ነገር ፍጹም ኪበሃል ዚከኣል ነቲ እተዓለመሉ ነገር ኪፍጽም ከሎ ጥራይ እዩ።

ኣምላኽ ንኣዳም ዝፈጠሮ ደኣ እሞ ንምንታይ ዕላማ እዩ፧ ዕላማ ኣምላኽ፡ ብኣዳም ኣቢሉ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም መስተውዓልቲ ሰባት ኪውለዱ እዩ ነይሩ። እቶም ንኣምላኽን ንመገድታቱን ፍቕሪ ኼማዕብሉ ዚደልዩ ሰባት፡ ሕግታቱ ንኺእዘዙ ብምምራጽ ነዚ ኼርእዩ ነበሮም። እንተዀነ ግን፡ ተኣዛዝነት ብተፈጥሮ ኣብ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰብ ዝሰረጸ ነገር ዘይኰነስ፡ ብፍታው ኣብ ዚግበር ብሕታዊ ምርጫ እተመርኰሰ እዩ። (ዘዳግም 10:12, 13፣ 30:19, 20) ስለዚ፡ ኣዳም ዘይምእዛዝ ንኺመርጽ ክእለት እንተ ዘይህልዎ ነይሩ፡ ጐደሎ ወይ ዘይፍጹም ምዀነ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ፡ ንሱ ነታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ብዚምልከት ዝነበረ ሕጊ ኣምላኽ ብዘይምእዛዝ ንሰበይቱ ኸም ዝሰዓባ፡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ኸም እተጠቕመሉ ይገልጽ።—ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-6

ኣምላኽ ንኣዳም ስነ-ምግባራዊ ድኽመት ዘለዎ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ጥበባዊ ውሳነ ንኺገብር ወይ ፈተና ንኺጻወር ክእለት ዘይብሉ ገይሩ ድዩ ፈጢርዎ፧ ቅድሚ እቲ ዝፈጸሞ ዘይምእዛዝ፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኵሎም ምድራውያን ፍጥረታት፡ እንተላይ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን “ጽቡቕ” ምዃኖም ርእዩ እዩ። (ዘፍጥረት 1:31) ስለዚ፡ ኣዳም ምስ ሓጥአ ፈጣሪኡ ኣብቲ ንድፊ ዘሎ ኣበር ኬዕሪ ኣየድለዮን፣ የግዳስ፡ ምሉእ ብምሉእ ተሓታቲ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 3:17-19) እታ ንኣምላኽን ንቕኑዕ ስርዓታትን ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ልዕሊ ዅሉ ንኣምላኽ ከም ዚእዘዝ ክትገብሮ ኣይፈቐደን።

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ልክዕ ከም ኣዳም ፍጹም ሰብ ከም ዝነበረ እውን ሕሰብ። እንተዀነ ግን፡ የሱስ ከምቶም ካልኦት ዘርኢ ኣዳም ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተጠኒሱ ስለ እተወልደ ፈተና ንኸይጻወር ዚገብር ድኽመት ኣይነበሮን። (ሉቃስ 1:30, 31፣ 2:21፣ 3:23, 38) ሓያል ፈተናታት ዋላ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ብፍቓዱ ንየሆዋ እሙን ኰነ። ኣዳም ናይ ምምራጽ ናጽነት ተጠቒሙ ሕጊ የሆዋ ንኸይእዘዝ ስለ ዝመረጸ፡ ብብሕቱ ተሓታቲ እዩ።

ኣዳም ዘይምእዛዝ ዝመረጸ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብእተወሰነ መልክዑ ንዅነታቱ ኼመሓይሽ ከም ዚኽእል ተሰሚዕዎ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣዳም ኣይተሐብለን” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:14) ይኹን እምበር፡ ምስ ድሌት እታ ኣቐዲማ ኻብታ እተኸልከለት ኦም ክትበልዕ ዝመረጸት ሰበይቱ ኺሰማማዕ ወሰነ። እቲ ንዕኣ ንምሕጓስ ዝነበሮ ባህጊ ኻብቲ ንፈጣሪኡ ንምእዛዝ ዝነበሮ ባህጊ ንላዕሊ እዩ ነይሩ። ካብታ እተኸልከለት ኦም ቅድሚ ምብላዑ፡ እቲ ዘይምእዛዙ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዜምጽኦ ሳዕቤን ኣቐዲሙ ኺሓስብ ከም ዝነበሮ ግልጺ እዩ። ንኣምላኽ ዓሚቝን ዘየቋርጽን ፍቕሪ ስለ ዘይነበሮ፡ ንዝዀነ ይኹን ጸቕጢ፡ እንተላይ ነቲ ኻብ ሰበይቱ ዝመጾ ጸቕጢ ተቓሊዑ ነበረ።

ኣዳም፡ ውሉዳት ቅድሚ ምውላዱ ስለ ዝሓጥአ፡ ኵሎም ዘርኡ ዘይፍጹማት ኰይኖም ተወልዱ። እንተዀነ ግን፡ ልክዕ ከምኡ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። እምበኣርከስ፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰናይ ብሞሳ ምስትንታን፡ ነቲ ተኣዛዝነትናን ኣምልኾናን ዚግብኦ ኣምላኽ ከኣ ዓሚቝ ፍቕሪ ምህናጽ ምርጫና ይኹን።—መዝሙር 63:6፣ ማቴዎስ 22:36, 37