ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እምነተይ ካብ ሓዘነይ ንኽጸናናዕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

እምነተይ ካብ ሓዘነይ ንኽጸናናዕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

እምነተይ ካብ ሓዘነይ ንኽጸናናዕ ብኸመይ ከም ዝሓገዘኒ

ሶለዳድ ካስቲዮ ዘዘንተወቶ

ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ግዜ ጽምዋ ኸም ዚስምዓኒ ዚገብር ኣጋጣሚ ተፈጢሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ፈጺሙ ግን ጽምዋ ኣይተሰመዓንን። ጓል 34 ዓመት ከለኹ፡ እቲ ዝፈትዎ ብዓል ቤተይ ሞተ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ኣቦይ ሞተ። ኣቦይ ድሕሪ ሙማቱ ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሑ፡ እቲ ሓደ ወደይ ዘይሓዊ ሕማም ከም ዘለዎ ፈለጥኩ።

ስመይ ሶለዳድ ይበሃል፡ ትርጕሙ ኸኣ “ጽምዋ” ማለት እዩ። ዜገርም መሲሉ ዚርአ እኳ እንተ ዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ጽምዋ ተሰሚዑኒ ግን ኣይፈልጥን። ሓዘን ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ የሆዋ ኣምላኽ ምሳይ ከም ዝነበረን፡ ‘ምእንቲ ኸይፈርህ ድማ ብኢደይ ከም ዝሓዘንን ዝደገፈንን’ ኣሚነ እየ። (ኢሳይያስ 41:13) ካብቲ ዘጋጠመኒ ሓዘን ብኸመይ ክጸናናዕ ከም ዝኸኣልኩን እዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ናብ የሆዋ ክቐርብ ከም ዝገበረንን ክገልጸልኩም እስከ ፍቐዱለይ።

ዜሐጕስ ህይወት ምስ ሒደት ጸገማት

ብ3 ግንቦት 1961 ካብቶም ሆሴን ሶለዳድን ዚበሃሉ ወለደይ ኣብ ባርሴሎና፡ ስጳኛ ተወለድኩ። ንወለደይ ድማ ሓንቲ ጓሎም እየ ነይረ። ጓል ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣደይ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ተቐበለት። ነቲ ዝነበራ ሃይማኖታዊ ሕቶታት መልሲ ንምርካብ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ካብ ቤተ-ክርስትያና ግን ዜዕግብ መልሲ ኽትረክብ ኣይከኣለትን ነይራ። ሓደ መዓልቲ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤታ በጽሓኣ፡ ንሕቶታታ ኸኣ ካብ ቅዱሳት ጽሕፋት መለሳላ። ብሃንቀውታ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበረላ ተሰማምዐት።

ኣደይ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን እተጠምቀት ናይ የሆዋ ምስክር ኰነት፡ ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ድማ ኣቦይ ኣብነታ ሰዓበ። እታ ንኣደይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓላ ዝነበረት ኢሊያና፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ልዑል ተገዳስነት ከም ዘሎኒ ቐልጢፋ ኣስተውዓለት። ንእሽቶ ጓል እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኢልያና ንበይነይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረለይ ሓሳብ ኣቕረበት። ሳላ እቲ ንሳ ዝገበረትለይ ሓገዝን ኣደይ ዝሃበትኒ ምትብባዕን፡ ኣብ 13 ዓመተይ ተጠመቕኩ።

ኣብ ዕድመ ጕርዝውና ኸለኹ፡ ብፍላይ ውሳነታት ምግባር ኣብ ዜድልየኒ እዋን ኣዘውቲረ ናብ የሆዋ እጽሊ ነበርኩ። ሓቂ ንምዝራብ፡ ጐርዞ ኸለኹ እተወሰነ ጸገማት ነይሩኒ እዩ። ኣብ ጉባኤ ብዙሓት ፈተውቲ ነበሩኒ፡ ምስ ወለደይ ድማ ጥብቂ ርክብ ነበረኒ። ብ1982 ነቲ ኸም ናተይ ዓይነት መንፈሳዊ ሸቶታት ዝነበሮ ፈሊፐ ዚበሃል ናይ የሆዋ ምስክር ተመርዓኽዎ።

ወድና ንየሆዋ ኸም ዜፍቅር ጌርካ ምዕባይ

ሓሙሽተ ዓመት ጸኒሑ፡ ሳኡል ኢልና ዝሰመናዮ ምጩው ሕጻን ወለድኩ። ኣነን ፈሊፐን ቈልዓ ብምውላድና ኣዚና ተሓጐስና። ሳኡል ምሉእ ጥዕና ዘለዎን ንኣምላኽ ዜፍቅርን ሚዛናዊ ቘልዓ ዀይኑ ኺዓቢ ተስፋ ጌርና ነበርና። ኣነን ፈሊፐን ንሳኡል ብዛዕባ የሆዋ ብምንጋር፡ ሓቢርና ምግቢ ብምብላዕ፡ ናብ መናፈሻ ሒዝናዮ ብምኻድ፡ ከምኡውን እተፈላለየ ጸወታታት ብምጽዋት ምስኡ ብዙሕ ግዜ ነሕልፍ ነበርና። ሳኡል ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምንጋር ምስ ፈሊፐ ምኻድ ባህ ይብሎ ነበረ፡ ፊልፐ ድማ ንሳኡል ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ኻብ ቤት ናብ ቤት እናኸደ ደወል ብምድዋል ንሰባት ትራክትታት ምሃብ መሃሮ።

ሳኡል ነቲ እነርእዮ ዝነበርና ፍቕርን ዝሃብናዮ ስልጠናን ጽቡቕ ምላሽ ሃበሉ። ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ዚኸውን ኣትሒዙ ምሳና ዀይኑ ኣዘውቲሩ ይሰብኽ ነበረ። ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ይፈቱ፡ ነቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ስድራ ቤትና እንገብረሉ እዋን ድማ ብሃንቀውታ ይጽበዮ ነበረ። ትምህርቲ ምስ ጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ በቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኸቦ ፍልጠት ተመርኲሱ ንኣሽቱ ውሳነታት ኪገብር ጀመረ።

ሳኡል ወዲ ሸውዓተ ዓመት ምስ ኰነ ግን፡ ኵነታት ስድራ ቤትና ሃንደበት ተቐየረ። ፈሊፐ ሰብኣየይ ብቫይረስ ዚመሓላለፍ ሕማም ሳንቡእ ሓዞ። ን11 ወርሒ ዓዲ ውዒል ኰይኑ ምስቲ ሕማም ይቃለስ ነበረ። ወዲ 36 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ሞተ።

እቲ ዘሕለፍክዎ ኣጸጋሚ ዓመታት ክዝክሮ ኸለኹ፡ ሕጂ እውን እነብዕ እየ። ሰብኣየይ በቲ ሕማም እናደኸመ ኪኸይድ ከሎ እርኢ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ግን ኣይነበረን። እቲ ዝነበረኒ ተስፋን ውጥንን ባዶ ዀይኑ እኳ እንተ ተረፈ፡ ንፈሊፐ ኸተባብዖ ግን ክሳዕ መወዳእታ ጽዒረ እየ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ዓንቀጻት አንብበሉ ነበርኩ፡ እዚ ድማ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንከይድ ኣብ ዘይከኣልናሉ እዋናት ኣበራቲዑና እዩ። ሰብኣየይ ምስ ሞተ፡ ዓሚቝ ናይ ባዶነት ስምዒት ተሰምዓኒ።

ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣጸናኒዑኒ እዩ። መንፈሱ ንኺህበኒ ድማ ብቐጻሊ እሓቶ ነበርኩ። ስለቲ ኣነን ፈሊፐን ዘሕለፍናዮ ዜሕጕስ ዓመታትን ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ኣብ ትንሳኤ ንኺረኽቦ ዘሎኒ ተስፋን ንየሆዋ ኣመስገንክዎ። ነቲ ምስ ሰብኣየይ ዘሕለፍናዮ ግዜ እናዘከርኩ ሕጕስቲ ንክኸውን ኪሕግዘንን ንወደይ ከም ናይ ሓቂ ክርስትያን ገይረ ኸዕብዮ ጥበብ ንኺህበንን ንኣምላኽ ለመንክዎ። መሪር ሓዘን እኳ እንተ ኣጋጠመኒ፡ ተጸናኒዐ እየ።

ወለደይን እቶም ኣብ ጉባኤ ዚርከቡን እዚ ዘይበሃል ደገፍ ገይሮምለይ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ንሳኡል መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዖን ብኸመይ ንየሆዋ ኸም ዜገልግል ኪምህሮን ሓላፍነት ነበረኒ። እቲ ናይ ቀደም ኣስራሕየይ ጽቡቕ ናይ ቤት ጽሕፈት ስራሕ ሃበኒ፡ ኣነ ግን ምስ ሳኡል ብዙሕ ግዜ ምእንቲ ኸሕልፍን ቤት ትምህርቲ ኺዕጾ ኸሎ ምስኡ ምእንቲ ክኸውንን ናይ ጽሬት ስራሕ ክሰርሕ መረጽኩ።

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ፡ “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” እትብል ጥቕሲ ንሳኡል መንፈሳዊ ስልጠና ምሃብ ዘለዎ ኣገዳስነት ንኽግንዘብ ሓጊዛትኒ እያ። (ምሳሌ 22:6) እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንሳኡል ስርዓታት የሆዋ ንምምሃር ዝከኣለኒ ዅሉ እንተ ገይረ፡ ንሱ ንጻዕረይ ከም ዝባርኾ ተስፋ ሂባትኒ እያ። ብርግጽ፡ ምስ ወደይ ግዜ ንኸሕልፍ እተወሰነ ቝጠባዊ መስዋእትታት ክገብር የድልየኒ እኳ እንተ ነበረ፡ እዚ ግን ንዓይ ስጋዊ ረብሓ ኻብ ምርካብ ንላዕሊ እዩ።

ሳኡል ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣቦይ ሞተ። ብፍላይ ሳኡል ነቲ ኣቦኡ ምስ ሞተ ዘጋጠሞ ሓዘን ከም ዚዝክር ስለ ዝገበሮ፡ ብሞት ኣቦሓጎኡ ኣዝዩ ሓዘነ። ኣቦይ ንየሆዋ ብምፍቃር ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ድሕርዚ፡ ሳኡል ኣብታ ስድራ ቤት ንሱ በይኑ ጥራይ “ሰብኣይ” ስለ ዚኸውን፡ ንኣዴኡን ዓባዩን ኪከናኸን ሓላፍነት ከም ዘለዎ ተሰምዖ።

ምስ ሕማም ሉኪምያ ምቅላስ

ኣቦይ ድሕሪ ሙማቱ ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ሳኡል ኣዝዩ ይደክም ስለ ዝነበረ፡ ናይ ስድራ ቤትና ሓኪም ናብቲ ኣብ ከባቢና ዚርከብ ሆስፒታል ክወስዶ ሓበረኒ። ተኸታታሊ መርመራታት ምስ ተገብረሉ፡ እቶም ሓካይም ሳኡል ሕማም ሉኪምያ ኸም ዘለዎ ነገሩኒ። a

ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ኽልተ ዓመትን መንፈቕን፡ ነቲ መንሽሮ ምእንቲ ኺጻወሮ ኸምኡውን ሓካይም ብኬሞተራፒ ገይሮም ነቲ ሕማም ንምዕጋት ዚገብርዎ ሕክምና ምእንቲ ኺረክብ፡ ናብ ሆስፒታል ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። እቲ ንሽዱሽተ ወርሒ እተገብረ ናይ መጀመርያ ደረጃ ሕክምና፡ ንዓመትን መንፈቕን ዚኸውን ሕማሙ ዝግ ኣበለሉ። እንተዀነ ግን፡ እቲ መንሽሮ ስለ ዝደገሶ፡ ካልእ ኣዝዩ ኸም ዚደክም ዝገበሮ ናይ ሓጺር እዋን ሕክምና ኬሞተራፒ ገበረ። እቲ መንሽሮ ንሓጺር ግዜ ህድእ እኳ እንተ በለሉ፡ ነቲ ንሳልሳይ ግዜ ዚግበር ሕክምና ኬሞተራፒ ግን ኪጻወሮ ኣይከኣለን። ሳኡል ህይወቱ ንኣምላኽ ወፍዩ ነበረ፡ ከም ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኺጥመቕ እውን ይደሊ ነበረ፡ እንተዀነ ግን ወዲ 17 ዓመት ከሎ ሞት ኣርከቦ።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓካይም ነቲ ሕክምና ኬሞተራፒ ዜስዕቦ ጠንቅታት ንምእላይ፡ ምምሕልላፍ ደም ንኺግበረሉ ይእዝዙ ነበሩ። ምምሕልላፍ ደም ግን ነቲ ሕማም ኬሕውዮ ኣይክእልን እዩ። መጀመርታ፡ እቶም ሓካይም ሕማም ሉኪምያ ኸም ዘለዎ ምስ ፈለጡ፡ ኣነን ሳኡልን ነቲ ‘ኻብ ደም ተኸልከሉ’ ዚብል ሕጊ የሆዋ ንምሕላዉ ድሌት ስለ ዝነበረና፡ ነዚ ሕክምና እዚ ኸም ዘይንቕበሎ ኣፍሊጥናዮም ነበርና። (ግብሪ ሃዋርያት 15:19-21) ኣነ ኣብ ዘይነበርኩሉ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ሳኡል ባዕሉ ነቲ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝገበሮ ብሕታዊ ውሳነ ነቶም ሓካይም የረድኦም ነበረ። (ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን ርአ።)

ኣብ መወዳእታ፡ ሳኡል ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተ ዀነ፡ ንባህርይ እቲ ሕማሙ ብዚግባእ ፈሊጡ ናይ ብሕቱ ውሳነ ንምግባር ዜኽእል ብስለት ከም ዘለዎ፡ እቶም ሓካይም ኣብ መደምደምታ በጽሑ። መትከልና ንኽንቅይር ብቐጻሊ ጸቕጢ ይገብሩልና እኳ እንተ ነበሩ፡ መትከልና ኣኽቢሮም ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና ኺገብርሉ ግን ተሰማምዑ። ሳኡል እቲ ዝነበሮ መትከል ንሓካይም ኪገልጸሎም ከሎ ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝየ ተሓበንኩ። ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኣማዕቢሉ ኸም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ።

ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ሳኡል ምሕማሙ ዝፈለጥናሉ እዋን ክረምቲ፡ ኣብ ባርሴሎና ኣብ ዝገበርናዮ ኣኼባ ኣውራጃ ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ወጸት። እዛ ኽብርቲ መጽሓፍ እዚኣ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝነበረ ዜሻቕልን ተስፋ ዜቝርጽን መጻኢ ብጽንዓት ንኽንዋጽኣሉ ኽንጽዕር ከለና፡ ከም መልህቅ ኰይና ሓጊዛትና እያ። ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ እተወሰነ ኽፋላት እታ መጽሓፍ ሓቢርና ነንብብ ነበርና። ኣብቲ ዘሕለፍናዮ ዅሉ ጽንኩር እዋናት ድማ ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ንዝክሮ ነበርና። እታ ኣብ መቕድም እታ መጽሓፍ እተጠቕሰት ኢሳይያስ 41:13 ንዓና ፍሉይ ትርጕም እዩ ዘለዋ። እታ ጥቕሲ፡ “ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ” ትብል።

እምነት ሳኡል ንልቢ ኻልኦት ተንከፈት

ሳኡል ዝነበሮ ብስለትን ኣወንታዊ ኣረኣእያን፡ ነቶም ኣብ ሆስፒታል ቫል ደብሮን ዚሰርሑ ሓካይምን ኣለይቲ ሕሙማትን ኣዝዩ ተንኪፍዎም እዩ። እቶም ዚከናኸንዎ ዝነበሩ ሓካይም ብምሉኦም ይፈትውዎ ነበሩ። እቲ ሕማም መንሽሮ ዚሕክም ሄማቶሎጂስት ዝዀነ ሓላፊ፡ ብሕማም ሉኪምያ ንእተጠቕዑ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብልዑል ኣኽብሮት ይሕዞም ነበረ። ነቲ ሳኡል ንእምነቱ ብምኽባር ዝገበሮ ቘራጽ ውሳነ፡ ኣብ ቅድሚ ሞት ዘርኣዮ ትብዓት፡ ከምኡውን ንህይወት ዝነበሮ ሕጉስ ኣረኣእያ ይዝክሮ እዩ። እቶም ጕጅለ ኣለይቲ ሕሙማት ንሳኡል ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብታ ኽፍሊ እተሓከሙ ሕሙማት ዝበለጸ ጠባይ ዝነበሮ ሕሙም ምንባሩ ኣረጋገጽሉ። ንሳቶም ፈጺሙ ዘየማርር፡ ዋላ እውን ኪመውት ምዃኑ እናፈልጠ ተዋዛያይ ከም ዝነበረ ይዛረቡ።

ሓንቲ ተማራማሪት ስነ-ኣእምሮ፡ ኣብዚ ዕድመ እዚ ዚርከቡ ብዙሓት ቈልዑ ኸምዚ ዓይነት ዘይምሕር ሕማም ኪሕዞም ከሎ፡ ቃንዛ ስለ ዚስምዖምን ተስፋ ስለ ዚቘርጹን ንሓካይምን ንወለዶምን ከም ዜሸግሩ ገለጸትለይ። እዚ ነገር እዚ ግን፡ ኣብ ኵነታት ሳኡል ከም ዘይተራእየ ኣስተውዓለት። ንሱ ኣዝዩ ህዱእን ኣወንታውን ምንባሩ ኣገረማ። እዚ ድማ ኣነን ሳኡልን ብዛዕባ እምነትና ኽንምስክረላ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።

ሳኡል ንሓደ ኣብ ጉባኤና ዝነበረ ሓው ብተዘዋዋሪ ብኸመይ ከም ዝሓገዞ እውን እዝክር እየ። እቲ ሓው ንሽዱሽተ ዓመት ዚኣክል ብናይ መንፈስ ጭንቀት ይሳቐ ነበረ፡ እተገብረሉ ሕክምና እውን ለውጢ ኣየምጸኣሉን። ኣብ እተፈላለየ እዋን ንሳኡል ኪኣልዮ ኣብቲ ሆስፒታል ይሓድር ነበረ። እቲ ሳኡል ንሕማም ሉኪምያ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኣዝዩ ኸም ዝተንከፎ ኸኣ ነገረኒ። ይደክም እኳ እንተ ነበረ፡ ኪበጽሖ ንዝመጸ ዝዀነ ይኹን ሰብ ግን ኬተባብዕ ይጽዕር ከም ዝነበረ ኣስተውዓለ። እዚ ሓው እዚ፡ “ኣብነት ሳኡል ነቲ ዘሎኒ ናይ መንፈስ ጭንቀት ንኽጻወሮ ሓጊዙኒ እዩ” በለ።

ሕጂ ሳኡል ካብ ዚመውት ሰለስተ ዓመት ሓሊፉ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን እሓዝን እየ። ዋላ እኳ ድኽምቲ እንተ ዀንኩ፡ ኣምላኽ ግን “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ሂቡኒ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እቲ ኣዝዩ ጽንኩርን ዜሕዝንን ተመክሮ እውን ከይተረፈ እተወሰነ ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ዘለዎ ተመሃርኩ። ካብቲ ብዓል ቤተይን ኣቦይን ወደይን ብሙማቶም ዘጋጠመኒ ሓዘን ብኸመይ ከም ዝጸናናዕ ምፍላጠይ፡ ንዝሓዘኑ ሰባት ለጋስን ዝያዳ ሓላይትን ክኸውን ሓጊዙኒ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገይሩኒ እዩ። እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ሕጂ እውን ስለ ዚሕግዘኒ፡ ኣብ መጻኢ ንዜጋጥመኒ ነገራት ብዘይ ገለ ፍርሂ ኽዋጽኣሉ እኽእል እየ። የሆዋ ሕጂ እውን እንተዀነ ብኢደይ ይሕዘኒ እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሳኡል፡ ሊምፎብላስቲክ ሉኪምያ ዚበሃል ንጸዓዱ ዋህዮታት ደም ዜጥቅዕ ዓይነት መንሽሮ ደም እዩ ነይርዎ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምምሕልላፍ ደም ከም ዘይቅበሉ ሰሚዕካ ትኸውን። ስለምንታይ ከም ዘይቅበልዎ ሓሲብካ ትፈልጥዶ፧

ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከል ብጌጋ እዮም ዚርድእዎ። ሓድሓደ ግዜ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ኸም ዘይቅበሉ ወይ እውን ንህይወት ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም ገይሮም እዮም ዚሓስቡ። እዚ ግን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንርእሶምን ንኣባላት ስድራ ቤቶምን እቲ ዝበለጸ ዓይነት ሕክምና ኺግበረሎም ይደልዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና እዮም ዚደልዩ። ስለምንታይ፧

እቲ መትከሎም ኣብቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም መሰረታዊ ስርዓት እተመስረተ እዩ። ድሕሪ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ፡ ኣምላኽ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ፈቐደሎም። ይኹን እምበር፡ ደም ከይበልዑ ቐይዲ ገበረሎም። (ዘፍጥረት 9:3, 4) ኵሎም ዘርኢ ደቂ ሰብ ካብ ኖህ ስለ ዚመጹ ድማ፡ እዚ ሕጊ እዚ ንዅሎም ዚምልከት እዩ። ነዚ ሕጊ እዚ ፈጺሙ ኣይሰረዞን። ልዕሊ ሸሞንተ ዘመን ምስ ሓለፈ፡ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ደም ንነፍሲ ወይ ንህይወት ከም ዜመልክትን ቅዱስ ምዃኑን ብምግላጽ ነዚ ሕጊ እዚ ደጊሙ ሃቦም። (ዘሌዋውያን 17:14) ልዕሊ 1,500 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ሃዋርያት ንዅሎም ክርስትያናት ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ኢሎም ኣዘዝዎም።—ግብሪ ሃዋርያት 15:29

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብምምሕልላፍ ደም ኣቢልካ ደም ናብ ኣካላትካ ኸም ዚኣቱ ትገብር እንተ ደኣ ዄንካ፡ ካብ ደም ተኸልኪልካ ኺበሃል ከም ዘይከኣል ብንጹር ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ኣማራጺ ሕክምናታት ኪረኽቡ ኣትሪሮም እዮም ዚሓቱ። እዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከል እዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝለዓለ ሕክምናዊ ኽንክን ንኺረኽቡ ኣኽኢልዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ፡ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት እውን ብዘይ ደም ዚወሃብ ሕክምና ዚመርጹ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ብዓል ቤተይ ፈሊፐን ምስ ሳኡል ወድናን

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ሆሴን ሶለዳድን ዚበሃሉ ወለደይ

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ሳኡል ቅድሚ ሙማቱ ሓደ ወርሒ ኣቐዲሙ