ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እተነግረ ትንቢት

ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እተነግረ ትንቢት

ድሕሪ ሓጺር እዋን ብዛዕባ ዚፍጸም ነገራት እተነግረ ትንቢት

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብን ምድርን ኪዛረብ ከሎ፡ “ከምቲ ተስፋኡ [ተስፋ ኣምላኽ]፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጴጥሮስ 3:13) ብዛዕባ “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ዚገልጽ መብጽዓ ንፈለማ እዋን እተነግረ ብነብዪ ኢሳይያስ እዩ። (ኢሳይያስ 65:17፣ 66:22) ጴጥሮስ ካብዚ ትንቢት እዚ ብምጥቃስ፡ እቲ መብጽዓ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ግዜ ገና ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተፈጸመ ሓበረ።

ጸኒሑ፡ ኣብ ከባቢ 96 ድ.ክ. ብሃዋርያ ዮሃንስ ኣቢሉ እተዋህበ ራእይ፡ ነታ “ሓዳስ ምድሪ” ምስቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ በረኸት ኣተኣሳሰራ። (ራእይ 21:1-4) እቲ የሱስን ሃዋርያ ጳውሎስን ቅድሚ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ዚህሉ ዅነታት ዓለም እተዛረብዎ ቓላት፡ ሎሚ ይፍጸም እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ እታ መንግስቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓዳስ ዓለም ከም እተምጽእ ክንጽበ ንኽእል ኢና። ሓዳስ ዓለም ከመይ ክትመስል እያ፧ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ብዛዕባ እዚ ትነግረና እያ።

ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ በረኸት

ዓለምለኻዊ ሰላምን ሓድነት ዘለዎ ኣምልኾን። “ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም።”—ኢሳይያስ 2:2-4

ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ሰላም ኪህሉ እዩ። “ተዅላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኵርኵር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ። ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ። . . . ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።”—ኢሳይያስ 11:6-9

ንዅሉ ዚኸውን ኣኺሉ ዚተርፍ ምግቢ። “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ፡ ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።”—ኢሳይያስ 25:6

ሞት ኣይኪህሉን እዩ። “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኵላ ምድሪ ኼርሕቖ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። “ምውታት ሕዝብና ሕያዋን ኪኾኑ፥ ሬሳታቶም ከኣ ኺትንሥኡ እዮም። እቶም ኣብ መቓብር ደቂሶም ዘለዉ ኪትንሥኡ እዮም፥ እልል ከኣ ኺብሉ እዮም። . . . እግዚኣብሔር ከኣ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ሕያዋን ኪገብሮም እዩ።”—ኢሳይያስ 26:19 ትርጕም 1990

እቲ ጻድቕ ፈራዲ ዝዀነ መሲሕ። “ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ። ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኒ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 11:3, 4

ዕውራትን ጸማማትን ኪሓውዩ እዮም። “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን።”—ኢሳይያስ 35:5

ዝባደመ መሬት ፍርያም ኪኸውን እዩ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ። ኣጸቢቑ ኺዕምብብ፡ ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ኪብል . . . እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1, 2

ሓዳስ ምድሪ። “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን [ሓድሽ ሰማያዊ መንግስቲ] ሓድሽ ምድርን [ሓድሽ ጻድቕ ሕብረተሰብ] ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ። . . . [ኣብታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ ሰባት] ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም፡ ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ኪነብር እዩ እሞ፡ ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን፡ ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም። ኪኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኺዛረቡ ኸለዉ ኸኣ ክሰምዕ እየ።” “ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዚነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ኪነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።”—ኢሳይያስ 65:17-25፣ 66:22

ብዛዕባ ዜደንቕ መጻኢ እተነግረ ትንቢት

ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ዚርከብ በረኸት እትንበ፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኰነትን። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ በታ ብክርስቶስ እትምራሕ መንግስቱ ኣቢሉ ዚፍጽሞ ዜደንቕ ነገራት ዚገልጽ ትንቢታት ዝመልአ እዩ። a እሞኸ ኣብዛ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ገነታዊ ምድሪ ኽትነብር ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ደኣ ዄንካ ኣብኣ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ! ኣምላኽ ንመጻኢ ብዛዕባ ዘለዎ ጽቡቕ ዕላማታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ጽዓር፡ ብኸመይ ተኻፋሊ እዚ ዕላማ እዚ ኽትከውን ከም እትኽእል ከኣ ተምሃር። ከምዚ ንኽትገብር ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጕሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እትፍጽሞ ነገራትን ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 76-85 ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ንሓድሕዶምን ምስ እንስሳን ብሰላም ኪነብሩ እዮም

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን እያ