ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምትንሳእን ምውዳቕን “መራኽብ ተርሲስ”

ምትንሳእን ምውዳቕን “መራኽብ ተርሲስ”

ምትንሳእን ምውዳቕን “መራኽብ ተርሲስ”

“መራኽብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ።” —ህዝቅኤል 27:25

መራኽብ ተርሲስ ንንጉስ ሰሎሞን ኣብ ምህብታም እጃመን ኣበርኪተን እየን። እቶም ዝሰርሕወን ሰባት ኣብ ምዕባለ ፊደላት ግሪኽን ላቲንን ጽልዋ ገይሮም እዮም። ብዘይካዚ፡ ሓንቲ ኸተማ ደኰኑ፡ ነቲ ኣብ ሓያሎ ቛንቋታት ንስም መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝዀነ ባይብሎስ ዚብል ስም ከኣ ሃብዋ።

ንመራኽብ ተርሲስ ዚሰርሕወንን ዚጐዓዙለንን ዝነበሩ መን እዮም፧ እተን መራኽብ ከምዚ ዓይነት ስም እተዋህበን ብኸመይ እዩ፧ እቲ ምስዞም ሰባትን ምስዘን መራኽብን ዚተሓሓዝ ፍጻመታት ንልክዕነት መጽሓፍ ቅዱስ ዜረጋግጽከ ብኸመይ እዩ፧

ጐይቶት መዲተራነያን

ነተን መራኽብ ተርሲስ ተባሂለን ዚፍለጣ መራኽብ ዝሰርሕወን ፊንቄኣውያን እዮም። ፊንቄኣውያን ካብቲ ክርስቶስ ዝነበረሉ እዋን ቅድሚ ሽሕ ዓመት ኣትሒዞም ክኢላታት ባሕረኛታት ኰይኖም ነበሩ። ዓዶም እዛ ሕጂ ሊባኖስ እትበሃል ምስ ባሕሪ እትዳወብ ቀጣን መሬት እያ ነይራ። ካልኦት ኣህዛብ ኣብቲ ብሰሜንን ብምብራቕን ብደቡብን ዚርከብ መሬት ይነብሩ ነበሩ። ብምዕራብ ከኣ እቲ ሰፊሕ ባሕሪ መዲተራነያን ይርከብ። ፊንቄኣውያን ሃብቲ ንምድላብ፡ በቲ ባሕሪ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።

ባሕረኛታት ፊንቄ በብቝሩብ ጽቡቓት መራኽብ ነጋዶ ሰርሑ። መኽሰቦም እናወሰኸን ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ እናገበሩን ምስ ከዱ፡ ዝነውሐ ጕዕዞ ኪኸዳ ዚኽእላ ዝዓበያ መራኽብ ሰርሑ። ናብ ቆጵሮስን ሳርዲንያን ደሴታት ባለያረስን ምስ በጽሑ፡ ገማግም ሰሜን ኣፍሪቃ እናሰዓቡ ናብ ምዕራብ ኣንፈት ብምኻድ ናብ ስጳኛ በጽሑ። (ካርታ ርአ።)

ፊንቄኣውያን ሰራሕቲ መርከብ 30 ሜተር ዝምንዋሐን መራኽብ ሰርሑ። እዘን ኣብ ውቅያኖስ ኪኸዳ ዚኽእላ መራኽብ ካብ ፊንቄ ተበጊሰን ክሳዕ እታ ኣብ ደቡባዊ ስጳኛ እትርከብ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ተርሲስ፡ ን4,000 ኪሎ ሜተር ዝኣክል ኪጐዓዛ ይኽእላ ስለ ዝነበራ፡ “መራኽብ ተርሲስ” ተባሂለን ተጸውዓ። a

ፊንቄኣውያን መኽሰብ ኪረኽቡ ደኣ እምበር፡ ንዓለም ንምግዛእ ኣይተላዕሉን። ነዚ ድማ ነቝጣታት ንግዲ ብምምስራት ገበርዎ። ነጋዶ ብምዃኖም ግን፡ ከይተረድኦም ጐይቶት መዲተራነያን ኰኑ።

ስግር መዲተራነያን

ፊንቄኣውያን ዳህሰስቲ ዝያዳ መኽሰብ ንኺረኽቡ ኢሎም፡ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ተጓዒዞም እዮም። ገምገመ ገምገም ደቡባዊ ስጳኛ እናኸዱ ታርተሱስ ኣብ ዚበሃል ቦታ በጽሑ። ኣብ 1100 ቅ.ክ. ኣቢሉ፡ ጋዲር ኢሎም ዝሰመይዋ ኸተማ ደኰኑ። እዛ ወደብ እዚኣ ሕጂ ኣብ ስጳኛ እትርከብ ካዲዝ ተባሂላ እትፍለጥ ኰይና፡ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ዓበይቲ ኸተማታት ምዕራብ ኤውሮጳ ዀነት።

ፊንቄኣውያን ጨው፡ ወይኒ፡ ደረቕ ዓሳ፡ ቄድሮስ፡ ጽሕዲ፡ ስራሓት ብረት፡ ጥርሙዝ፡ ጥልፊ፡ ሻሽ፡ ከምኡውን እቲ ውሩይ ጁኽ ጢሮስ ዝሕብሩ ዓለባ ይነግዱ ነበሩ። ስጳኛኸ እንታይ ንሰደድ እትልእኮ ሃብቲ ነበራ፧  

ደቡባዊ ስጳኛ ኻብቲ ኣብ ከባቢ መዲተራነያን ዚርከብ ቦታታት ብሃብቲ ብሩር ኰነ ብኻልእ ኽቡር ብረት መወዳድርቲ ኣይነበሮን። ነብዪ ህዝቅኤል ብዛዕባ እታ ቐንዲ ወደብ ፊንቄኣውያን ዝዀነት ጢሮስ፡ “ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፡ ብብሩርን ሓጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ” በለ።—ህዝቅኤል 27:12

ፊንቄኣውያን ኣብ ጥቓ እቲ ኻብ ካዲዝ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ፈለግ ጓዳልኲቪር፡ ዓዲንካ ዘይውዳእ ዚመስል እዚ እተጠቕሰ ማዕድናት እዚ ረኸቡ። እዚ ማዕድናት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ኻብዚ ሪዮ ቲንቶ ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ ይዕደን ኣሎ። ኣብዚ መዐደኒ እዚ ንኣስታት ሰለስተ ሽሕ ዓመት ዚኣክል ሓመድ ብረት ኪዕደን ጸኒሑ እዩ።

ካብ ስጳኛ ናብ ፊንቄ ዚግበር መስመር ጕዕዞ መራኽብ ቀጻሊ ብምንባሩ፡ ፊንቄኣውያን ንብሩር ስጳኛ ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጸርዎ። እቲ ብሩር ናብ ፊንቄ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን ናብታ ጐረቤት ሃገር ዝነበረት እስራኤል ወሓዘ። ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ምስ ሒራም ንጉስ ፊንቄ ተሻረኸ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ብዘመን ሰሎሞን፡ ብሩር ከም “ገለ እኳ ኣይቝጸርን” ነበረ።—1 ነገስት 10:21 b

ፊንቄኣውያን ዕዉታት ነጋዶ እኳ እንተ ዀኑ፡ ሕሱማት ዝዀኑሉ እዋን እውን ነይሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ንሰባት ኣቝሑ ኸም ዘርእይዎም ኣምሲሎም ኣታሊሎም ናብ መርከቦም ድሕሪ ምድያብ፡ ባሮት ይገብርዎም ከም ዝነበሩ ይንገር እዩ። ጸኒሖም ነቶም መሻርኽቶም ዝነበሩ እስራኤላውያን እውን ከይተረፉ ኸዲዖም ንባርነት ሸይጦምዎም እዮም። ስለዚ፡ እብራውያን ነብያት፡ እታ ጢሮስ እትበሃል ከተማ ፊንቄኣውያን ከም እትጠፍእ ተነበዩ። እዚ ትንቢታት እዚ ብ332 ቅ.ክ. ብእስክንድር እቲ ዓብዪ ተፈጸመ። (ዮኤል 3:6፣ ኣሞጽ 1:9, 10) እዚ ጥፍኣት እዚ ኸኣ መወዳእታ ዘመነ ፊንቄኣውያን ዚሕብር ነበረ።

ቅርሲ ፊንቄኣውያን

ፊንቄኣውያን ነጋዶ ኸም ኵሎም ንፉዓት ነጋዶ ንውዕላቶም ኣብ ጽሑፍ የስፍርዎ ነበሩ። ምስ ጥንታዊ እብራይስጢ ኣጸቢቑ ዚመሳሰል ፊደላት ይጥቀሙ ነበሩ። ካልኦት ኣህዛብ ነቲ ፊንቄኣውያን ዚጥቀሙሉ ፊደላት ዘለዎ ረብሓታት ረኣይዎ። ቍሩብ ምትዕርራይ ተገይሩሉ ድማ ንፊደላት ግሪኽ መሰረት ኰነ፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ነቲ ሎሚ ልዕሊ ዅሉ ብስፍሓት ዚዝውተር ጽሑፍ ላቲን መሰረት ኰነ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እታ ባይብሎስ እትበሃል ኣገዳሲት ከተማ ፊንቄኣውያን፡ እቲ ንዘመናዊ ወረቐት ባይታ ዘንጸፈ ፓፒሩስ ዚብተነላ ማእከል ኰነት። ፓፒሩስ ኣብ ጽሑፍ ምጥቃም፡ ንምዕባለ መጻሕፍቲ ኣተባብዐ። አረ እቲ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ እተዘርግሐ መጽሓፍ፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓያሎ ቛንቋታት ዚጽውዓሉ ስምሲ፡ ካብታ ባይብሎስ እትብል ስም እዩ ተወሲዱ። እወ፡ ታሪኻዊ መዝገብ ፊንቄኣውያንን መራኽቦምን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓቂ እተሰረተ ምዃኑ ንኽንተኣማመን ይሕግዘና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ድሕሪ ግዜ እቲ “መራኽብ ተርሲስ” ዚብል ስያመ ነዊሕ ጕዕዞ ኺገብራ ንዚኽእላ ዓይነት መራኽብ ዜመልክት ኰነ።

b እተን ሰሎሞን ዚውንነን “መራኽብ ተርሲስ” ምስ መራኽብ ሒራም ብሓባር ኰይነን፡ ምናልባት ካብ ዔጽዮን-ጋበር ብምብጋስ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ስግሩን ይነግዳ ነበራ።—1 ነገስት 10:22

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

መስመር ንግዲ ፊንቄ

ስጳኛ

ታርተሱስ

ፈለግ ጓዳልኲቪር

ጋዲር

ኮርሲካ

ደሴታት ባለያረስ

ሳርዲንያ

ሲስሊ

ቅሬጥስ

ቆጵሮስ

ባይብሎስ

ጢሮስ

ባሕሪ መዲተራነያን

ዔጽዮን-ጋበር

ቀይሕ ባሕሪ

ኣፍሪቃ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ካብ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን እተሰርሐት፡ መራኽብ ፊንቄኣውያን እተርኢ ሳንቲም

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ካዲዝ፡ ስጳኛ ዚርከብ ዑናታት ሰፈር ፊንቄኣውያን

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Museo Naval, Madrid

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Coin: Museo Arqueológico Municipal. Puerto de Sta. María, Cádiz; remains: Yacimiento Arqueológico de Doña Blanca, Pto. de Sta. María, Cádiz, España