ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሰብ ምስ ሞተ፡ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ሰብ ምስ ሞተ፡ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

ሰብ ምስ ሞተ፡ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚኸውን፧

“ኵለን ነፍሳት፡ እንተላይ ናይቶም እኩያት፡ ዘይሞታ እየን . . . ንዘለኣለም ከይሞታ ብዘይጠፍእ ሓዊ ስለ ዚቕጽዓ፡ ንስቓየን [መወዳእታ] ኺገብራሉ ኣይክእላን እየን”—ቅሌምንጦስ ብዓል እስክንድርያ፡ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ዝነበረ ጸሓፊ

ገሃነም፡ መሳቐዪ ቦታ ኸም ዝዀነ ንዚገልጽ ትምህርቲ ዚድግፉ ሰባት፡ ልክዕ ከም ቅሌምንጦስ ነፍሲ ኸም ዘይትመውት እዮም ዚኣምኑ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ትምህርቲ እዚ ይድግፎ ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ እስከ ንርአ።

እቲ ቐዳማይ ሰብ ዝነበረ ኣዳም ዘይትመውት ነፍሲ ነይራቶ ድያ፧ ብ1956 እተሓተመ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ኣዳም ኪገልጽ ከሎ፡ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ” ይብል። (ዘፍጥረት 2:7) እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዳም ነፍሲ ተዋህቦ ኸም ዘይትብል ኣስተብህል።

ኣዳም ምስ ሓጥአ ኣብ መወዳእታ እንታይ ኣጋጠሞ፧ እቲ ኣምላኽ እተዛረቦ መቕጻዕቲ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ምስቓይ ኣይኰነን ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ፡ “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ” ከም ዝበሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (ዘፍጥረት 3:19) እቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣዳም ድሕሪ ሙማቱ ዝዀነ ይኹን ክፋሉ ብህይወት ብዛዕባ ምትራፉ ዚገልጽ ኣፋፍኖት ኣይህበናን እዩ። ኣዳም ምስ ሞተ፡ እቲ ነፍሲ ዝዀነ ኣዳም ሞተ።

ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶዶ፧ ኣምላኽ ንነብዪ ህዝቅኤል፡ “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ” በሎ። (ህዝቅኤል 18:4) ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝአተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሐለፈ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 5:12) ስለዚ፡ ኵሎም ሰባት ካብ ሓጥኡ፡ እቲ ርትዓዊ መደምደምታ ዚኸውን ኵለን ነፍሳት ይሞታ ዚብል እዩ።

ዝሞተት ነፍሲ ዝዀነ ይኹን ነገር ትፈልጥ ወይ ይስምዓ ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ፡ “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም፡ ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ይገልጽ። (መክብብ 9:5) መጽሓፍ ቅዱስ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ዅነታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ትንፋሱ ይወጽእ፡ ናብ መሬቱ ይምለስ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ይብል። (መዝሙር 146:4) ምዉታት ‘ገለ እኳ ዘይፈልጡ’ ከምኡውን ‘ሃቐናኦም ዚጠፍእ’ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ከመይ ኢሉ እዩ እሞ ኣብ ገሃነም ስቓይ ኪስምዖም ዚኽእል፧

የሱስ ክርስቶስ ንሞት ምስ ምንቃሕ ዘይኰነስ፡ ምስ ምድቃስ እዩ ኣመሳሲልዎ። a (ዮሃንስ 11:11-14) ገሊኦም ግን፡ ገሃነም፡ ሓጥኣን ሰባት ተደርብዮም ዚቃጸልሉ ገሃነም እሳት ምዃኑ የሱስ ከም ዝመሃረ ይገልጹ እዮም። የሱስ ብዛዕባ ገሃነም ብሓቂ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንመርምር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ኣብ ገጽ 16ን 17ን ዘላ፡ “ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ—ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት” እትብል ዓንቀጽ ርአ።