ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃል፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ ወይስ መለኮት፧

ቃል፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ ወይስ መለኮት፧

ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዘላ ቐዳመይቲ ቝጽሪ ኺትርጕምዋ ኸለዉ፡ እዛ ሕቶ እዚኣ ተላዒላ እያ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ምስ ኣምላኽ [God] ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ [a god] ነበረ” ተባሂላ እያ ተተርጒማ። (ዮሃንስ 1:1) ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ እታ ናይ መወዳእታ ኽፋል እዛ ጥቕሲ ሒዛቶ ዘላ ሓሳብ ንምምሕልላፍ፡ ቃል “መለኮት” ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ኸም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። (ኤ ኒው ትራንዝሌሽን ኦቭ ዘ ባይብል፡ ብጄምስ ሞፋት፣ ዘ ኒው ኢንግሊሽ ባይብል) ሓያሎ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ግን ነታ ናይ መወዳእታ ኽፋል ዮሃንስ 1:1፡ “እቲ ቓል ኣምላኽ [God] ነበረ” ኢሉ እዩ ተርጒምዋ።—ዘ ሆሊ ባይብል—ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን፣ ዘ ጀሩሳሌም ባይብል

ሰዋስው ቋንቋ ግሪኽን ኣብ ከባቢ እታ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባትን ምስ እንምልከት፡ እቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም እተጠቕመሉ ኣተራጕማ ቕኑዕ ምዃኑ፡ “ቃል” ድማ በታ ኣብታ ጥቕሲ ኣቐዲማ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንምጽዋዕ ዘገልገለት [God] ኪጽዋዕ ከም ዘይብሉ ይሕብር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ቛንቋ ግሪኽ ዘይውሱን ኣመልካቲ ዘይብሉ ምዃኑ፡ ገሊኦም ሰባት ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ እተፈላለየ ኣረኣእያ ኸም ዚህልዎም ገይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ናብቲ ኣብ ቀዳሞት ዘመናት ድሕሪ ክርስቶስ ዚዝረብ ዝነበረ ሓደ ቛንቋ እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ።

እዚ ቛንቋ እዚ፡ እቲ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ቅብጥ ዝዀነ ላህጃ ሳሂዳውያን እዩ። ቋንቋ ቅብጥ ደድሕሪ እቲ የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዚፍጽመሉ ኣብ ዝነበረ ዘመናት ኣብ ግብጺ ዚዝረብ ዝነበረ ቛንቋ እዩ፣ ላህጃ ሳሂዳውያን ከኣ ነቲ ቛንቋ ገና ብኣጋኡ ብጽሑፍ ዘስፈረ ዓይነት እቲ ቛንቋ እዩ። ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሽነሪ ብዛዕባ ናብ ቋንቋ ቅብጥ እተተርጐመ ጥንታዊ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ኣብ 3ይ ዘመን ድ.ክ. [ሰፕቱጀንትን ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚበሃል ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን] ናብ ቋንቋ ቅብጥ ይትርጐም ስለ ዝነበረ፡ እቲ ናይ ቅብጥ ትርጕም ኣብቲ ሕጂ ኻብ ዚርከብ መብዛሕትኡ ጥንታዊ ጽሑፋት ብዝያዳ ጥንታዊ ዝዀነ [ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽ] ተመርኲሱ እዩ ተተርጒሙ።”

ሳሂዳዊ ጽሑፍ ቅብጥ ብፍላይ ኣገዳሲ ዚገብሮ ኽልተ ምኽንያታት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ኣብ ላዕሊ ኸም እተገልጸ፡ ነቲ ቕድሚ እቲ ሰረተ-እምነት ስላሴ ብወግዒ እተኣታተወሉ ራብዓይ ዘመን ዝነበረ ግንዛበ ቕዱሳት ጽሑፋት ዜንጸባርቕ እዩ። ካልኣይ፡ ሰዋስው ቅብጥ ምስ ሰዋስው እንግሊዝኛ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ይቀራረብ እዩ። ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እተተርጐመሉ ቐዳሞት ቋንቋታት፡ ሱርስትን ላቲንን ቅብጥን እዩ። ከምቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ቛንቋ ግሪኽ፡ ቋንቋ ሱርስትን ላቲንን እውን ዘይውሱን ኣመልካቲ ኣይነበሮን። ቋንቋ ቅብጥ ግን ነበሮ። ብዘይካዚ፡ ቶማስ ኦደን ላምዲን ዚበሃል ምሁር ኣብታ ኢንትሮዳክሽን ቱ ሳሂዲክ ኮፕቲክ ዘርእስታ ጽሑፉ፡ “ውሱንን ዘይውሱንን ኣመልከትቲ ቛንቋ ቅብጥ፡ ምስ ኣመልከትቲ እንግሊዝኛ ኣጸቢቑ ይቀራረብ እዩ” ኢሉ ኣሎ።

ስለዚ፡ ትርጕም ቅብጥ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት ንዮሃንስ 1:1 ብኸመይ ይርድእዋ ኸም ዝነበሩ ኣገዳሲ መርትዖ ይኸውን እዩ። እሞኸ እንታይ መርትዖ ተረኽበ፧ እቲ ሳሂዳዊ ትርጕም ቅብጥ ኣብ ጐድኒ እታ ኣብ መወዳእታ ኽፋል ዮሃንስ 1:1 ዘላ “ኣምላኽ” [“god”] እትብል ቃል ዘይውሱን ኣመልካቲ እዩ ተጠቒሙ። እቶም ጥንታውያን ተርጐምቲ፡ እቲ ኣብ ዮሃንስ 1:1 ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃላት ዮሃንስ፡ የሱስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዜመልክት ዘይምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። እቲ ቓል፡ መለኮት ደኣ እምበር፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይነበረን።