ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዕላማ እተገብረ ምርኢት

ብዕላማ እተገብረ ምርኢት

ብዕላማ እተገብረ ምርኢት

“ኣብቲ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧” ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ጥቓ ጆሃንስበርግ ዘሎ፡ ሞኻለ (ክሩገርስዶርፕ) ኣብ እትበሃል ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ዚርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዓዩሉ ህንጻታት ኪርእይዎ ኸለዉ ኸምኡ ኢሎም እዮም ዚሓቱ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 12ን 13ን ጥቅምቲ 2007 ነቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንምርኢት ክፉት ከም ዚኸውን ገበሩ። እቲ ምርኢት ክልተ ዕላማ ነበሮ። ቀዳማይ፡ ነቲ ናይ ሓሶት ወረ ንምቅላዕ፣ ካልኣይ ከኣ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኣዘዞ ዕዮ ኣብ ምድጋፍ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንህዝቢ ንምርኣይ እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

እቶም ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ንህዝቢ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዚብል ዓብዪ ጽሑፋት ኣብ ኣፍደገ ገበሩ፡ ንጐረባብቲ ድማ ፍሉይ ወረቐት ዕድመ በተኑ። ብስራሕ ዚተሓባበርዎምን ስድራ ቤቶምን እውን ተዓደሙ። እዚኸ እንታይ ፍረ ኣፍረየ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ልዕሊ 500 በጻሕቲ ናብቲ ምርኢት መጹ።

እታ ኤም.ኤ.ኤን. ሮላንድ ሊቶማን እትበሃል ኣብ ሰዓት ክሳዕ 90,000 መጽሔታት ክትሓትም እትኽእል ሓታሚት ማኪና ንኣቓልቦ ብዙሓት ስሒባ እያ። እቲ መዓልታዊ ልዕሊ 14 ቶን ጽሑፋት ዓሺጉ ዚልእኽ ሰፊሕ መልኣኺ ኽፍልን እቲ መጠረዚ መጻሕፍትን እውን ንበጻሕቲ መሲጥዎም እዩ። ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዚዓዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ማራኺ መርኣዪ ኣቕረቡ፣ ሓደ ኻብኡ ኸኣ ብማሽን ዚግበር ዕዮ ሕትመት ካብቲ እግሪ ተኽሊ ዝነበረሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ እዚ ግዜ እዚ ዜርኢ እዩ። እቲ ጨንፈር ንኣከባቢ ብኸመይ ከም ዚጥንቀቕ ዜርኢ ኻልእ መርኣዪ እውን ነይሩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኻብ ሓተምቲ ማሽናት ዚወጽእ መርዛም ጋዛትን ሽታታትን ዜወግድ ሓደ ፍሉይ ኣሃዱ ኣሎ፣ ኣብ ርእሲ እዚ እውን ነቲ ኸም ደሮና ዚበንን ወረቐት ዚእክብ መጻረዪ ኣሎ።

ሓንቲ ኣብቲ ዓዲ እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕባ እቲ ምርኢት ኣብ ዘውጽኣታ ዓንቀጽ፡ እቶም ኣብቲ ቦታ ዚነብሩ 700 ወለንተኛታት “ርእሶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ኣገልገልቲ እዮም” በለት። ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ቤት ማሕተም ዘሎ “ልዑል ጽሬትን ኵሉ ግዜኡ ሓልዩ ዚካየደሉ መስርሕን” እውን ሓሳብ ሂባ እያ። ሓደ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጻረር ዝነበረ ሰብኣይ ናብቲ ምርኢት መጸ። ዑደት ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ “እንቋዕ ሓጐሰኩም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብሉጽ ዕዮ ወትሩ ዚርከብ ኣይኰነን” በለ።

ብዙሓት በጻሕቲ ነቲ ኣብቲ ጨንፈር ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣማስዮምሉ እዮም፣ ኣብኡ ኸኣ ብ151 ቋንቋታት እተዳለወ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ከም ዘሎን እቲ ጨንፈር ኣብ ደቡባውን ማእከላይን ኣፍሪቃ ንዚርከባ 18 ሃገራት ጽሑፋት ከም ዚሓትምን ምፍላጦም እውን ኣገሪምዎም እዩ። ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ንበጻሕቲ ኽፉት እዩ። እሞ ደኣ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ጨንፈር ንዑደት መዓስ ክፉት ምዃኑ ስለምንታይ ዘይትሓትት፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

መዐደሚ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ናብቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዝመጹ በጻሕቲ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሞኻለ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኤም.ኤ.ኤን. ሮላንድ ሊቶማን ዝዓይነታ ሓታሚት ማኪና

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

መጠረዚ መጻሕፍቲ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

መልኣኺ ጽሑፋት