ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት

ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት

ካብ የሱስ እንመሃሮ ትምህርቲ

ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት

የሱስ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ካብ ሞት ብምትንሳእ ንምዉታት ተስፋ ኸም ዘለዎም ኣርኣየ። (ሉቃስ 7:11-17፣ 8:49-56፣ ዮሃንስ 11:1-45) ተስፋ ምዉታት እንታይ ምዃኑ ንኽንርዳእ፡ ፈለማ ሞት ከመይ ኢሉ ኸም ዝመጸን ብኸመይ ከም ዝጀመረን ክንፈልጥ ኣሎና።

ስለምንታይ ኢና እንሓምምን እንመውትን፧

የሱስ ንሰባት ሓጢኣቶም ምስ ሓደገሎም፡ ካብ ሕማም ይሓውዩ ነበሩ። ንኣብነት፡ ሓደ መጻጕዕ ሰብኣይ ምስ ኣምጽኡሉ የሱስ ከምዚ በሎም፦ “ኣየናይ ይቐልል፤ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕ፤ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።” (ማቴ. 9:2-6) ስለዚ፡ ሕማምን ሞትን ብሰሪ ሓጢኣት እዩ መጺኡ። እቲ ዝወረስናዮ ዅነታት ሓጢኣት፡ ካብቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ማለት ካብ ኣዳም ዝመጸ እዩ።—ሉቃ. 3:38፣ ሮሜ 5:12

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ሓጢኣት ገይሩ ኣይፈልጥን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኪመውት ዚግብኦ ኣይነበረን። ኣብ ክንዳና ብሙማቱ ዓስቢ ሓጢኣትና ኸፈለ። ደሙ ‘ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ከም ዚፈስስ’ ከኣ ገለጸ።—ማቴ. 26:28

የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” እውን በለ። (ማቴ. 20:28) እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ንኻልኦት ሰባት ካብ ሞት ሓራ ዜውጽእ ስለ ዝዀነ፡ “በጃ” ኢሉ ሰመዮ። “ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 10:10) ምዉታት እንታይ ተስፋ ኸም ዘለዎም ኣጸቢቑ ምእንቲ ኺርድኣና፡ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዘለዉ ኽንፈልጥ የድልየና።

ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ይኸውን፧

እቲ ፈታው የሱስ ዝዀነ ኣልኣዛር ምስ ሞተ፡ የሱስ ሰብ ምስ ሞተ እንታይ ከም ዚኸውን ገለጸ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ [ናብ ቢታንያ] ክኸይድ እየ” በሎም። “ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። ሽዑ የሱስ ብግህዶ፤ ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ምዉታት ደቂሶም ምህላዎምን ገለ እኳ ዘይፈልጡ ምዃኖምን ኣነጸረ።—ዮሃንስ 11:1-14

የሱስ ንኣልኣዛር ፈታዊኡ ኸተንስኦ ኸሎ፡ ኣልኣዛር ካብ ዚመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ነበረ። ሞይቱ ኸሎ ዘሕለፎ ተመክሮ ብዚምልከት ዝሃቦ ሓሳብ ዜርኢ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመዝገቦ ነገር የልቦን። ኣልኣዛር ሞይቱ ኸሎ ገለ እኳ ኣይፈልጥን ነበረ።—መክብብ 9:5, 10፣ ዮሃንስ 11:17-44

ተስፋ ምዉታት እንታይ እዩ፧

ምዉታት ንዘለኣለም ንምንባር ህያዋን ኪዀኑ እዮም። የሱስ፡ “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ . . . ኺወጹ እዮም” ድማ በለ።—ዮሃንስ 5:28, 29

እዚ ተስፋ እዚ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። የሱስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ።—ዮሃንስ 3:16፣ ራእይ 21:4, 5

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 6 ርአ።*

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

* ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።