ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጥካ ብኸመይ ይጸልወካ፧

እቶም ገሃነም መሳቐዪ ቦታ ኸም ዝዀነ ዚምህሩ ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽን ንባህርያቱን የካፍእዎ እዮም ዘለዉ። ብርግጽ፡ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ከም ዜጥፍኦም መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እንተዀነ ግን፡ ጽድቃዊ ቝጥዓ ቐንዲ ባህርይ ኣምላኽ ኣይኰነን።

ኣምላኽ ክፍኣት የብሉን ወይ ቂም ኣይሕዝን። “ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፧” ኢሉ እውን ከይተረፈ ተዛሪቡ ኣሎ። (ህዝቅኤል 18:23) ኣምላኽ ብሞት ረሲእ ባህ ዘይብሎ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንዘለኣለም ኪሳቐዩ ኸለዉ ምርኣይሲ ኸመይ ገይሩ ኼሐጕሶ ይኽእል፧

ቀንዲ ባህርይ ኣምላኽ ፍቕሪ እያ። (1 ዮሃንስ 4:8) ብርግጽ፡ “እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፡ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።” (መዝሙር 145:9) ንሕና እውን ብግዴና ንዕኡ ልባዊ ፍቕሪ ንኸነማዕብል ይደልየና እዩ።—ማቴዎስ 22:35-38

ፍርሂ ገሃነም ድዩ ዚድርኸካ ወይስ ፍቕሪ ኣምላኽ፧

ነፍሲ ኣብ ገሃነም ከም እትሳቐ ዚገልጽ ትምህርቲ ንኣምላኽ ዘይጥዑይ ፍርሂ ኸም ዚህልወካ እዩ ዚገብር። ብኣንጻሩ ግን፡ ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ እተማህረን ንዕኡ ዜፍቅርን ሰብ፡ ጥዑይ ፍርሃት እዩ ዚሓድሮ። መዝሙር 111:10፡ “ፍርሃት እግዚኣብሄር መጀመርያ ጥበብ እዩ፡ ዚገብርዎ ዅሎም ሰናይ ልቦና አለዎም” ትብል። እዚ ፍርሃት ኣምላኽ እዚ፡ ዘይጥዑይ ፍርሂ ዘይኰነስ፡ ንፈጣሪ እተርእዮ ዓሚቝ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት እዩ ዜመልክት። ንዕኡ ንኸይነጕህዮ ጥዑይ ፍርሃት ከም ዚሓድረና ይገብር። 

እታ ሓሽሽ እትወስድ ዝነበረት ጓል 32 ዓመት ዝዀነት ካተሊን፡ ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጣ፡ ብኸመይ ከም ዝተንከፋ እስከ ንርአ። ኣብ ፓርቲ ትካፈል፡ ዓመጽ ዝመልኦን ዘይስነ-ምግባራውን ተግባራት ትገብር ከምኡውን ንርእሳ ትዅንን ነበረት። ብዛዕባ እቲ ዝነበረቶ ዅነታት ክትዛረብ ከላ፡ “ናብታ ጓል ሓደ ዓመት ጓለይ እናጠመትኩ፡ ‘ብኸመይ እየ ዘዕብያ ዘለኹ፧ ብሰንኪ እዚ ኣብ ገሃነም ክቃጸል እየ’ ኢለ እሓስብ ነበርኩ” በለት። ሓሽሽ ምውሳድ ከተቋርጽ እኳ እንተ ጸዓረት፡ ክትዕወት ግን ኣይከኣለትን። “ጥዕይቲ ሰብ ክኸውን እደሊ ነበርኩ፡ ኣብ ህይወተይን ኣብ ዓለምን ዚርእዮ ዝነበርኩ ዅሉ ነገር ግን ኣዝዩ ዜሕዝን እዩ ነይሩ። ጥዕይቲ ሰብ ክኸውን ዜድልየኒ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን” በለት።

ጸኒሓ ካትሊን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ከምዚ ድማ በለት፦ “ገሃነም እሳት ከም ዘየለ ፈለጥኩ። እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መርትዖ ብቐሊሉ እዩ ዚርድኣካ። ኣብ ገሃነም ከም ዘይቃጸል ምፍላጠይ ዓብዪ ዕረፍቲ እዩ ዀይኑኒ።” ደቂ ሰብ ኣብታ እከይ ዘይብላ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ መብጽዓ ኣምላኽ እውን ፈለጠት። (መዝሙር 37:10, 11, 29፣ ሉቃስ 23:43) ተሓጒሳ ኸኣ፡ “ሕጂ ናይ ሓቂ ተስፋ፡ ማለት ንዘለኣለም ኣብ ገነት ናይ ምንባር ተስፋ ኣሎኒ” በለት።

እሞኸ ካትሊን ኣብ ገሃነም እሳት ከም እትቃጸል ከይፈርሀት ክነሳ ሓሽሽ ካብ ምውሳድ ከተቋርጽ ክኢላዶ፧ ከምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ሓሽሽ ንኽወስድ ሓያል ባህጊ ኽሓድረኒ ኸሎ፡ የሆዋ ኣምላኽ ንኺሕግዘኒ ብጸሎት እልምኖ ነበርኩ። ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ልማዳት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ሓሰብኩሉ፡ ንዕኡ ኸጕሂ ድማ ኣይደለኹን። ንሱ እውን ንጸሎተይ መሊሱለይ እዩ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) ንኣምላኽ ምእንቲ ኸይተጕህዮ ኻብ ዝሓደራ ፍርሃት ተላዒላ ነቲ ዝነበራ ወልፍታት ከተቋርጾ ኽኢላ እያ።

እወ፡ ኣብ ገሃነም ከይንሳቐ ብእነሕድሮ ፍርሂ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ፍቕርን ጥዑይ ፍርሃትን ንኺህልወና ምጽዓርና፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ምእንቲ ኽንረክብ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ኪድርኸና ይኽእል እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር፡ “ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፡ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—መዝሙር 128:1

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ካብ ሲኦል ዚወጹ መን እዮም፧

ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ነታ ጊሂና እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ገሃነም፡” ነታ ሃይደስ እትብል ከኣ “ሲኦል” ኢሎም እዮም ተርጒሞምዋ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ጊሂና እትብል ቃል ተስፋ ትንሳኤ ንዘይብሉ ነባሪ ጥፍኣት እያ እተመልክት። ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም ኣብ ሃይደስ ወይ ሲኦል ዘለዉ ተስፋ ትንሳኤ ኣለዎም።

ስለዚ ኸኣ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ የሱስ ሞይቱ ምስ ተንስአ፡ ‘ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይተረፈት’ ንሰማዕቱ እተዛረበ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:27, 31, 32፣ መዝሙር 16:10) እታ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ “ሲኦል” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ሃይደስ እያ። የሱስ ናብ ዚቃጸል ቦታ ኣይኰነን ከይዱ። የግዳስ፡ ኣብ “ሲኦል፡” ማለት ኣብ መቓብር እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ንየሱስ ጥራይ ኣይኰነን ካብ ሲኦል ኣውጺእዎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንትንሳኤ ብዚምልከት፡ “ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ” ይብል። (ራእይ 20:13, 14) “ንሲኦል” ጥራዩ ምትራፍ ኪበሃል ከሎ፡ ኵሎም እቶም ኣምላኽ ንኺትንስኡ ዝፈረደሎም ሰባት ከም ዚተንስኡ የመልክት። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት፡ ካብ መቓብር ኪትንስኡ ኸለዉ ምርኣይሲ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ተስፋ መጻኢ ዀን እዩ! እቲ ነታ መዳርግቲ ዘይብላ ፍቕሪ ዜርኢ የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ኺገብሮ እዩ።