ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ትፈልጥዶ፧

ብግዜ የሱስ፡ ኣይሁድ ኣብ ኵሉ ቦታታት ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ እኩባት ሰባት ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ኺመጹ ኸም ዘይክእሉ ምስ ነገሮም፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም፡ “እዚ ናበይ ኪኸይድ ኰን ሐሊኑ እዩ፧ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ [“ግሪኽ፡” ትርጕም 1990] ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ኪኸይድ . . . ሐሲቡ ዀይኑ፧” ተበሃሃሉ። (ዮሃንስ 7:32-36) ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ክርስትያን ሚስዮናውያን ነቶም ኣብ ገማግም መዲተራነያን ፋሕ ኢሎም ዝነበሩ ኣይሁድ እቲ ብስራት ሰበኹሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 2:5-11፣ 9:2፣ 13:5, 13, 14፣ 14:1፣ 16:1-3፣ 17:1፣ 18:12, 19፣ 28:16, 17

ኣይሁድ ፋሕ ኪብሉ ዝኸኣሉ፡ እቶም ዝወረርዎም ህዝብታት ካብ ዓዶም ማሪኾም ስለ ዝወሰድዎም እዩ። ፈለማ ብ740 ቅ.ክ. ኣሶራውያን፡ ድሕርዚ ኸኣ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ማሪኾምዎም ነበሩ። እቶም ካብቲ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድ ጥራይ እዮም ናብ እስራኤል ተመሊሶም። (ኢሳይያስ 10:21, 22) እቶም ካልኦት ግን ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ቦታ ፋሕ ኢሎም ተረፉ።

ስለዚ፡ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ. ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣብተን ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ኣብ ዚግዝኣ 127 ሃገራት ሰፊሮም ነበሩ። (ኣስቴር 1:1፣ 3:8) ኣይሁድ ንሰባት ናብ ኣይሁድነት ንምቕያር ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ንኣይሁድ ዝሃቦም ሕግን እተወሰነ ፍልጠት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ። (ማቴዎስ 23:15) ካብ ብዙሓት ዓድታት ዝመጹ ኣይሁድ፡ ኣብቲ ብ33 ድ.ክ. ኣብ የሩሳሌም እተኸብረ በዓል ጴንጠቆስጠ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ የሱስ ብስራት ሰምዑ። ስለዚ፡ ኣይሁድ ኣብ ብምሉኡ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ፋሕ ምባሎም፡ ክርስትና ብቕልጡፍ ከም ዜስፋሕፍሕ ገይሩ እዩ።

ንጉስ ሰሎሞን ክንደይ ዚኣክል ወርቂ ይውንን ነበረ፧

ሒራም ንጉስ ጢሮስ 4 ቶን ወርቂ ንሰሎሞን ከም ዝለኣኸሉ፡ ንግስቲ ሳባ ድማ ክንድኡ ዚኣክል ወርቂ ኸም ዝሃበቶ፡ ከምኡውን መራኽብ ሰሎሞን 15 ቶን ወርቂ ኻብ ኦፊር ከም ዘምጸኣ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና። እቲ ጸብጻብ ከም ዚገልጾ፡ “ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዚአትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት” ወይ ልዕሊ 25 ቶን እዩ ነይሩ። (1 ነገስት 9:14, 28፣ 10:10, 14) እዝስ ዚእመን ድዩ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ነገስታት ክንደይ ዚኣክል ወርቂ ይእክቡ ነይሮም፧

ብምሁራት ሓቅነቱ እተረጋገጸ ጥንታዊ ጽሑፍ፡ ፈርኦን ግብጺ ዝነበረ ቱትሞሰ ሳልሳይ (ካልኣይ መዋእል ሽሕ ቅ.ክ.) ነቲ ኣብ ካርናክ ዚርከብ ቤተ-መቕደስ ኣሙን-ራ ኣስታት 13.5 ቶን ወርቂ ኸም ዝሃበ ይሕብር። ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ ኣሶር ዝነበረ ቲግላት-ጲሌሰር ሳልሳይ ካብ ጢሮስ ልዕሊ 4 ቶን ወርቂ ግብሪ ተቐበለ፡ ሳርጎን ዳግማይ ድማ ክንድኡ ዚኣክል ወርቂ ንኣማልኽቲ ባቢሎን መባእ ሃቦም። ፊሊጶስ ዳግማይ ንጉስ መቄዶንያ (359-336 ቅ.ክ.) ካብቲ ኣብ ትሬስ ዝነበረ ናይ ፓንጌዩም መዐደኒ ቦታታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 28 ቶን ወርቂ ይዕድን ከም ዝነበረ ጸብጻባት ይሕብር።

እቲ ንፊልጶስ ወዱ ዝዀነ እስክንድር እቲ ዓብዪ (336-323 ቅ.ክ.) ነታ ርእሲ ኸተማ ግዝኣት ፋርስ ዝነበረት ሱሳ (ሱሳን) ምስ ሓዛ፡ ኣስታት 1,180 ቶን ዚግመት ወርቂ ኸም ዝወሰደ፡ ዳርጋ 7,000 ቶን ዚኸውን ድማ ካብ ምሉእ ፋርስ ከም ዝወሰደ ይዝረበሉ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበሮ ወርቂ፡ ምስዚ ጸብጻባት ኪነጻጸር ከሎ እተጋነነ ኣይኰነን።