ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዳር ከም ዚፈርስ ይገብሩ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዳር ከም ዚፈርስ ይገብሩ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓዳር ከም ዚፈርስ ይገብሩ ድዮም፧

“ሓደ ኻብ መጻምድቲ ሃይማኖቱ ምስ ዚቕይር፡ እቲ ሓዳር ይፈርስ።” እዚ ብዙሓት ሰባት ዚብልዎ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጠንቀቕታ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኪኸውን ዝመረጸ መጻምድቲ ይቐርበሉ እዩ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን ኵሉ ግዜ ሓቂ ድዩ፧

ሓደ ብዓል ሓዳር፡ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ምስ ዜሕድር ወይ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝጸንሐ እምነት ምስ ዚቕይር፡ ንመጻምድቱ ዜሰምብድ ከም ዚኸውን ርዱእ እዩ። ጭንቀት፡ ጓሂ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ተስፋ ምቝራጽ ኪስምዖ ይኽእል።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እምነታ ኽትቅይር ከም ዘለዋ ዚስምዓ እታ ሰበይቲ እያ። ብዓልቲ ቤትካ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር እንተ ጀሚራ፡ እዚ ንሓዳርካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሓብሪ ዘለኺ ብዓልቲ ሓዳር እንተ ደኣ ዄንኪ፡ መጻምድትኺ ንዚስምዖ ሻቕሎት ከተቃልሊ እትኽእሊ ብኸመይ ኢኺ፧

ኣመለኻኽታ ሰብኣይ

ማርክ ዚበሃል ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ሰብኣይ፡ ብዓልቲ ቤቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ከላ፡ ኣብ ሓዳሮም 12 ዓመት ገይሮም ነበሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ሕጉስ ሓዳር ከምኡውን ዜዕግብ ስራሕ ነበረኒ። ህይወት ባህ ዜብል እዩ ነይሩ። ድሕርዚ፡ ብዓልቲ ቤተይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ወሰነት። ብሃንደበት ናብራ ህይወተይ እተናወጸ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ኣብ መጀመርታ፡ ብዓልቲ ቤተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓድሽ ተገዳስነት ምሕዳራ ቝሩብ ረቢሹኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኽትጥመቕ ምውሳና ምስ ነገረትኒ ግን ኣዝየ ተሻቐልኩ።”

ማርክ ብሰንኪ እቲ ሓድሽ እምነት ብዓልቲ ቤቱ ሓዳሩ ኺፈርስ እንተ ዀይኑ፡ ኪሓስብ ጀመረ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከይትገብርን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ይኹን ርክብ ከይህልዋን ኪኽልክላ ሓሲቡ ነበረ። ተሃዊኹ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳዱ ግን፡ እተወሰነ ግዜ ኸም ዚሓልፍ ገበረ። እሞኸ ሓዳሩ እንታይ ኰነ፧

ማርክ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዜሕጕስ፡ ሓዳርና ኻብቲ ዝነበሮ ብዝያዳ ደልዲሉ እዩ። ቅድሚ 15 ዓመት ብዓልቲ ቤተይ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ኻብ እትጥመቕ ኣትሒዙ፡ ሓዳርና እናተመሓየሸ እዩ ኸይዱ።” እቲ ሓዳር ዕዉት ንኪኸውን ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ “ንድሕሪት ምልስ ኢለ ኽሓስቦ ኸለኹ፡ ብዓልቲ ቤተይ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጽቡቕ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ብምውዓላ ምዃኑ እዝክር። ወትሩ ብኣኽብሮት ክትሕዘኒ እያ እትጽዕር” በለ።

ዕዉታት ኣንስቲ ሓዳር ዝሃባኦ ምኽሪ

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትሓብሪ ዘለኺ ብዓልቲ ሓዳር እንተ ደኣ ዄንኪ፡ መጻምድትኺ ዚስምዖ ሻቕሎት ንኸተቃልሊ እንታይ ክትገብሪ ወይ እንታይ ክትብሊ ትኽእሊ፧ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዚነብራ ሰብ ሓዳር ዝሃባኦ ርእይቶታት እስከ ንርአ።

ሳኪኮ ኻብ ጃፓን፦ “ካብ ዝምርዖ 31 ዓመት ዝገበርኩን ኣደ ሰለስተ ቘልዑን እየ። ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዝኸውን ድማ 22 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ምስቲ ኸም ናተይ ዝኣመሰለ እምነት ዘይብሉ ብዓል ቤት ምንባር ሓድሓደ ግዜ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዅራ ደንጓዪ’ ኽንከውን እተዋህበና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸውዕሎ ኣበርቲዐ እጽዕር እየ። (ያእቆብ 1:19) ንብዓል ቤተይ ሕያወይቲ ክኸውን፡ ከምኡውን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ዘይተጋጨወ፡ እቲ ዚደልዮ ነገራት ክገብረሉ እጽዕር እየ። እዚ ኸኣ ሓዳርና ዕዉት ንኪኸውን ሓጊዙ እዩ።”

ናደዥዳ ኻብ ሩስያ፦ “ካብ ዝምርዖ 28 ዓመት፡ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኻብ ዝጥመቕ ድማ 16 ዓመት ገይረ ኣለኹ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምጅማረይ፡ ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን ከም ዚግባእ ኣይሓስብን እየ ነይረ። ብርእሰይ ተመሪሐ ብዙሕ ውሳነታት እገብር ነበርኩ። ይኹን እምበር፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል፡ ቀስ ብቐስ ንሰላምን ሓጐስን ስድራ ቤትና ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ፈለጥኩ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ተገዛኢት ምዃን በብቝሩብ ቀሊል ኰነለይ፡ ብዓል ቤተይ ድማ ነቲ ዝገበርክዎ ለውጥታት ኣስተውዓሎ።”

ማርሊ ኻብ ብራዚል፦ “ኣደ ኽልተ ቘልዑ እየ፡ ካብ ዝምርዖ ድማ 21 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ እተጠመቕኩ፡ ቅድሚ 16 ዓመት እዩ። የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰብ ሓዳር ብሓንሳእ ኪነብሩ ደኣ እምበር ኪፈላለዩ ኸም ዘይደሊ ፈለጥኩ። ስለዚ፡ ብዘረባይ ኰነ ብግብረይ ንየሆዋን ንብዓል ቤተይን ዘሐጕስ ንፍዕቲ ሰበይቲ ክኸውን እጽዕር እየ።”

ላሪሳ ኻብ ሩስያ፦ “ቅድሚ 19 ዓመት ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ከለኹ፡ ኣብ ህይወተይ ለውጢ ምግባር፡ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ከም ዝዀነ ተገንዚበ ነይረ። መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓሽኩን መማሰዊትን ሰበይቲ ክኸውን ከም ዝሓገዘኒ፡ ብዓል ቤተይ ኬስተብህል ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቘልዓ ዘይምስምማዕ እኳ እንተ ነበረና፡ ነቲ ዝነበረና ፍልልያት ግን ፈቲሕናዮ ኢና። ብዓል ቤተይ፡ ደቅና ኣብቲ ኣነ ዝእከበሉ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት ንዕኦም ዚጠቅም ነገራት ጥራይ ከም ዚመሃሩ ስለ ዘስተውዓለ፡ ምሳይ ኪኸዱ ፈቐደሎም።”

ቫልኪሪያ ኻብ ብራዚል፦ “ሓደ ቘልዓ ኣለኒ፡ ካብ ዝምርዖ ድማ 19 ዓመት ገይረ ኣለኹ። ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀንኩ ቕድሚ 13 ዓመት እዩ። ፈለማ፡ ብዓል ቤተይ ኣብ ዕዮ ህዝባዊ ስብከት ክካፈል ኣይደልየንን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ነቲ ዜተሓሳስቦ ነገር ብልኡም ምላሽ ብኸመይ ከም ዝምልሰሉን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ባህርያተይ ዘሕደሮ ጽቡቕ ጽልዋ ንኺርኢ ብኸመይ ከም ዝሕግዞን ፈለጥኩ። ብዓል ቤተይ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ምክፋለይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ቐስ ብቐስ ተገንዘበ። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣብቲ ዝገብሮ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምሉእ ደገፍ ይገብረለይ እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኽመርሕ ናብ ከባቢ ገጠር እውን ከይተረፈ ብማኪናኡ ይወስደኒ፡ ክሳዕ ዝውድእ ድማ ኣብ ደገ ዀይኑ ብትዕግስቲ ይጽበየኒ።”

ጽቡቕ ጽልዋ ዜሕድር

መጻምድትኻ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሓብር እንተ ደኣ ዀይና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ሓዳርካ ኸም ዚፈርስ ስግኣት ኣይሕደርካ። ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዚነብሩ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ከም እተመከርዎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳር ጽቡቕ ጽልዋ እዩ ዜሕድር።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣይ፡ “ፈለማ፡ ብዓልቲ ቤተይ ናይ የሆዋ ምስክር ምስ ኰነት፡ ቍሩብ ጓሂ ተሰሚዑኒ ነበረ። ምትዕርራይ ምግባር ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ጽቡቕ ውጽኢት ግን ነይርዎ እዩ” ኢሉ ብግልጺ ተኣመነ። ካልእ ሰብኣይ ድማ ብዛዕባ ብዓልቲ ቤቱ ኸምዚ በለ፦ “ተኣማንነትን ቈራጽነትን ንጽህናን ብዓልቲ ቤተይ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣድንቖት ከም ዚህልወኒ ገይሩ እዩ። ሳላ እቲ ሃይማኖታዊ እምነታ፡ ኣብ ሓዳርና ብዙሕ ተጠቒምና ኢና። ንሓድሕድና ንተሓላለ ኢና፡ ንሓዳርና ድማ ኣብ ምሉእ ህይወትና ዚቕጽል ማእሰር ጌርና ኢና እንርእዮ።”

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓዳር ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዛዕባ ሓዳር ዚገልጾ ነገራት ከም ቁም ነገር እዮም ዚምልከትዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እንታይ ምላሽ ከም ዚህበሉ እስከ ንርአ፦

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓደ ዘይኣምን መጻምድቲ ዘለዎ ኣባሎም ካብ ሓዳሩ ንኺፈላለ ይደፋፍእዎ ድዮም፧ ኣይፋልን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ አለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:12, 13) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትእዛዝ እዚ እዮም ዚስዕቡ።

ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ብዓልቲ ቤት ንድሌት እቲ ዘይኣማኒ ብዓል ቤታ ዕሽሽ ክትብሎ ትተባባዕ ድያ፧ ኣይትተባባዕን። ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 3:1, 2

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሰብኣይ ደረት ዘይብሉ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሩ ድዮም፧ ኣይፋልን። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ አሎኹ” በለ። (1 ቈረንቶስ 11:3) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ንብዓል ቤታ ኸም ርእሲ ስድራ ቤት ገይራ ኸተኽብሮ ኣለዋ። ይኹን እምበር፡ ስልጣን ሰብኣይ ደረት ኣለዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ክርስቶስን ተሓታቲ እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ሰብኣይ ንብዓልቲ ቤቱ ሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ ነገር ክትገብር ምስ ዚእዝዛ፡ እታ ክርስትያን ሰበይቲ “ኻብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ” እያ እትመርጽ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ፍትሕ ክልኩል ከም ዝዀነ ድዮም ዚምህሩ፧ ከምኡ ኣይምህሩን እዮም። የሱስ፡ “ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት [ጾታዊ ርኽሰት] ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ” በለ። (ማቴዎስ 19:9) ስለዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ፡ ዝሙት ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ከም ዚኽእል ይኣምኑ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ሓዳር ብዘይረብሕ ምኽንያት ኪፈርስ ከም ዘይብሉ ብጽኑዕ ይኣምኑ እዮም። ነቶም ኣባላቶም፡ ነቲ፡ “ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ . . . ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ” ዚብል ቃላት የሱስ ኪስዕቡ እዮም ዜተባብዑ።—ማቴዎስ 19:5, 6