ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ጥራይ ከም ዚድሕኑ ድዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ጥራይ ከም ዚድሕኑ ድዮም ዚኣምኑ፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ንሳቶም ጥራይ ከም ዚድሕኑ ድዮም ዚኣምኑ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዝረኸቡ እዮም ዚኣምኑ። ከምኡ እንተ ዘይሓስቡ፡ እምነቶም ምቐየሩ ነይሮም። ልክዕ ከምቶም ሰዓብቲ ብዙሓት ሃይማኖታት፡ ኪድሕኑ ተስፋ ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ መን ከም ዚድሕን ምፍራድ ጕዳዮም ከም ዘይኰነ እውን ይኣምኑ እዮም። ብመሰረቱ፡ እቲ ዚፈርድ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ኸኣ እዩ ዚውስን።—ኢሳይያስ 33:22

ቃል ኣምላኽ እቶም ዚድሕኑ ሰባት ድሕነት ኪደልዩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ መድሓኒ እውን ኪተሓባበሩ ኸም ዘለዎም ይገልጸልና። ነዚ ንምብራህ፦ ሓደ ተጓዓዛይ ኣብ በረኻ ጠፊኡ ንበል። ነታ ቕንዕቲ መገዲ ንምርካብ ብዙሕ ጸዓረ። ነታ መገዲ ይረኽባዶ ወይስ ይጠፍእ ይኸውን፧ እቲ ውጽኢት፡ ንዚረኽቦ ሓገዝ ኣብ ዚህቦ ምላሽ እተመርኰሰ እዩ። ሓደ መድሓኒ ወይ መናገፊ ንዚህቦ ሓገዝ ብትዕቢት ይነጽግ ይኸውን። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ነቲ ዚወሃቦ ሓገዝ ብትሕትና ተቐቢሉ ብደሓን ኪበጽሕ ይኽእል።

ብተመሳሳሊ፡ እቶም ምስቲ መድሓኒ ደቂ ሰብ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ዚተሓባበሩ ሰባት እዮም ዚድሕኑ። ምድሓን ካብ ኣምላኽ እተረኽበ ውህበት እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ዚረኽብዎ ግን ኵሎም ሰባት ኣይኰኑን። እቲ ወዲ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ፡ “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን” በለ።—ማቴዎስ 7:21

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣምላኽ ነቶም ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ዚኣምኑን ንትምህርትታቱ ዚስዕቡን ሰባት ጥራይ ከም ዜድሕን እዮም ዚኣምኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:10-12) ንምድሓን ዜድሊ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሰለስተ ኣገደስቲ ብቕዓታት እስከ ንርአ።

(1) የሱስ ንብጾቱ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:35) የሱስ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ኻልኦት ብምሃብ ዝገደፎ ኣብነት፡ ኣገዳስነት ፍቕሪ የጕልሓልና። እቶም ንኻልኦት ዜፍቅሩ ሰባት፡ ነታ ንድሕነት ኣገዳሲት ዝዀነት ባህርይ እዮም ዜርእዩ።

(2) የሱስ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዝጸለዮ ጸሎት፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም አሎኹ” በለ። (ዮሃንስ 17:26) እቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ንኣቦኡ ማዕረ ኽንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ስም ኣቦኡ ‘ኪቕደስ’ ድማ ጸለየ። (ማቴዎስ 6:9) ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ፡ ነቲ ስም ምፍላጥን ከም ኣገዳስን ቅዱስን ጌርካ ምርኣይን የጠቓልል። እቶም ምድሓን ዚደልዩ ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ንስም ኣምላኽ ኪጥቀሙሉ ኣለዎም። ብዛዕባ ስም ኣምላኽን ባህርያቱን እውን ንኻልኦት ኪምህሩ የድልዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ብርግጽ፡ እቶም ንስም ኣምላኽ ዚጽውዑ ጥራይ እዮም ዚድሕኑ።—ሮሜ 10:13

(3) የሱስ ንጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ሎሚ፡ ኣብታ የሱስ ዝንጉሳ መንግስቲ ኣምላኽ እምነት ከም ዘለዎም ዜርእዩ ውሑዳት እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ሰብኣዊ ትካላት እዮም ዚውከሉ። ብኣንጻሩ፡ እቶም ዚድሕኑ ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ይድግፉ፡ ነቶም እሙናት ደቂ ሰብ ብኸመይ ሓራ ኸም እተውጽኦም ድማ ንኻልኦት ይምህሩ።—ማቴዎስ 4:17

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንምድሓን ዜድሊ እተወሰነ ብቕዓታት ድሕሪ ምፍላጦም፡ “መን ደኣ ዀን ኪድሕን ይኽእል፧” ኢሎም ሓተቱ። የሱስ ድማ፡ “እቲ ንሰብ ዘይከአሎ፡ ንኣምላኽ ይከአሎ እዩ” በሎም። (ሉቃስ 18:18-30) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ንምድሓን ዜድሊ ብቕዓታት ኬማልኡ ይጽዕሩ እዮም። ካልኦት ንኺድሕኑ ምእንቲ ኺሕግዝዎም እውን ኣበርቲዖም ይዓዩ እዮም።