ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት

ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት

ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እምነት

“ለይቲ ሃተፍተፍ ኢለ ኣብ ገሃነም እቃጸል ነበርኩ! ብሕልመይ ናብ ዚቃጸል ሓዊ እተደርበኹ ዀይኑ ይስምዓኒ፡ ብኣውያት ከኣ እበራበር ነበርኩ። ንኸይሓጥእ ብዙሕ እየ ጽዒረ።”—ኣርሊን

ገሃነም፡ ሓጥኣን ንኺቃጸልሉ እተሓዝአ ቦታ ኸም ዝዀነ ዲኻ እትኣምን፧ ብዙሓት ሰባት ከምኡ እዮም ዚኣምኑ። ንኣብነት፡ ብ2005 ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዚርከብ ዩኒቨርስቲ ሰይንት ኣንድሪውስ ዘለዉ ምሁራት ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ሲሶ ኻብ ኣቕሽሽቲ ስኮትላንድ፡ እቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ ሰባት “ኣብ ገሃነም ብኣእምሮኣዊ ስቓይ ንዘለኣለም” ከም ዚሳቐዩ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። እቶም ሓደ ሕምሲት ዝዀኑ ኸኣ ኣብ ገሃነም ዘለዉ ኣካላዊ ስቓይ ከም ዜጋጥሞም ይኣምኑ ነበሩ።

ገሃነም ከም ዘሎ ምእማን፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስፋሕፊሑ ይርከብ። ንኣብነት፡ ብ2007 ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ፍቕዲ ድምጺ ጋለፕ፡ ዳርጋ 70 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ገሃነም ከም ዘሎ ዚኣምኑ ምዃኖም ኣረጋገጸ። ሃይማኖታዊ ዝንባለ ኣብ ዘይብለን ሃገራት እውን ከይተረፈ፡ ብዙሓት ሰባት ገሃነም ከም ዘሎ ይኣምኑ እዮም። ብ2004 ኣብ ካናዳ እተገብረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ 42 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ገሃነም ከም ዘሎ ዚኣምኑ ምዃኖም ተፈሊጡ እዩ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ 32 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ገሃነም ከም ዘሎ ርግጸኛታት እዮም ነይሮም።

ኣቕሽሽቲ ዚምህርዎ

ብዙሓት ኣቕሽሽቲ፡ ገሃነም ቃል ብቓሉ መሳቐዪ ሓዊ ኸም ዝዀነ ምምሃር ገዲፎምዎ እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቲ ብ1994 እተሓትመ ካተኪዝም ኦቭ ዘ ካቶሊክ ቸርች ዚበሃል ጽሑፍ ዘሎ መግለጺ ዚመሳሰል ትምህርቲ እዮም ዚድግፉ። እቲ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ቀንዲ መቕጻዕቲ ገሃነም ካብ ኣምላኽ ንዘለኣለም ምርሓቕ እዩ” ኢሉ ይገልጽ።

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ግን፡ ገሃነም ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ስቓይ ዘለዎ ቦታ ኸም ዝዀነ እዮም ዚኣምኑ። ነዚ ሰረተ-እምነት እዚ ዚድግፉ ሰባት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኸም ዝዀነ እዮም ዚሓስቡ። ፕረዚደንት ሳውዘርን ባፕቲስት ቲኦሎጂካል ሰሚናሪ ዝዀነ ኣልበርት ሞለር፡ “እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሕፋት ዚርከብ ሓቂ እዩ” በለ።

እንታይ ከም እትኣምን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ገሃነም መቃጸሊ ቦታ እንተ ዀይኑ፡ ብርግጽ ክትፈርሆ ይግብኣካ። እዚ ትምህርቲ እዚ ሓቂ እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ነዚ ሰረተ-እምነት ዚምህሩ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ዚኣምንዎም ሰባት ዜደናግሩን ዘየድሊ ናይ ኣእምሮ ስቓይ ዚፈጥሩን እዮም ዚዀኑ። ንኣምላኽ እውን የካፍእዎ እዮም።

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ይብል፧ ኣብቲ ቐጺሉ ዘሎ ዓንቀጻት ብመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክንምልሶ ኢና፦ (1) ሰብ ምስ ሞተ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ (2) የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እንታይ እዩ ምሂሩ፧ (3) ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጥካ ኺትንክፈካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧