ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ሑጻ ዲኻ እትሃንጽ ዘለኻ ወይስ ኣብ ከውሒ፧

ኣብ ሑጻ ዲኻ እትሃንጽ ዘለኻ ወይስ ኣብ ከውሒ፧

ኣብ ሑጻ ዲኻ እትሃንጽ ዘለኻ ወይስ ኣብ ከውሒ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ባህ ይብለካዶ፧ ምስ ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንካ ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እተወሰነ ግዜ መዲብካዶ፧ ከምኡ እንተ ደኣ ጌርካ፡ ዓለም ስለምንታይ ብጸገማት መሊኣ ኸም ዘላ ብዝያዳ ንኽትርዳእ ከም ዝሓገዘካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ራእይ 12:9, 12) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዙሕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግዜ ጭንቀት መጸናንዒ ኸምኡውን ተስፋ ይህበካ እዩ።—መዝሙር 145:14፣ 147:3፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብ፡ ሓደ ኻብቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኪዀኑ ዚደልዩ ሰባት ኪወስድዎ ዘለዎም ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ። እዚ ስጕምቲ እዚ ጥራይ ድዮም ግን ኪወስዱ ዘለዎም፧ ኣይፋልን። ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብፍላይ እምነቱ ኣብ እትፍተነሉ እዋን ናይ ሓቂ ክርስትያን ኰይኑ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ካልእ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኺወስድ ይግባእ። እዚ ስጕምቲ እዚ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዚርከብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ኣሕጽር ኣቢልና እስከ ንመርምር።—ማቴዎስ 5:1, 2

ክልተ ኣባይቲ ተፈተና

ንትሕዝቶ እቲ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ትፈልጦዶ፧ እዚ ህቡብ ስብከት እዚ፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስን ወንጌል ሉቃስን ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (ማቴዎስ 5:1–7:29፣ ሉቃስ 6:20-49) ብምሉኡ እቲ እተዋህበ ስብከት ንኸተንብቦ 20 ደቒቕ ጥራይ እዩ ዚወስደልካ። ኰይኑ ግን፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 20 ጥቕሲ ዝሓዘ እዩ፡ ልዕሊ 50 ዚኸውን ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸኣ ኣለዎ። ብዛዕባ ምህናጽ ክልተ ኣባይቲ ዚገልጽ ምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ከም መደምደምታ እቲ ስብከቱ ገይሩ ስለ እተጠቕመሉ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ነታ ኣብ መደምደምታ ዝጠቐሳ ምሳሌ ዘለዋ ትርጕም እንተ ተረዲኡካ፡ እተፈላለየ ናይ እምነት ፈተና እናጋጠመካ ኽነሱ፡ ብኸመይ ጸኒዕካ ኽትቅጽል ከም እትኽእል ንኽትፈልጥ ኪሕግዘካ እዩ።

የሱስ ከምዚ በለ፦ “ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።”—ማቴዎስ 7:24-27

“ኣዕሚቑ ዝዀዐተ” ሰብኣይ

የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ኽልተ ሃነጽቲ እተዛረቦ ምሳሌ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ኣገዳሲ ሓቂ እዩ ዝመሃሮም፧ ብዛዕባ እዚ ንምፍላጥ፡ ነተን የሱስ እተዛረበን ቃላት ተጠንቂቕና ንመርምረን። ብዛዕባ እተን ክልተ ኣባይቲ እንታይ ኣስተብሂልካ፧ ንኽልቲአን ሕደ ሓደጋ እዩ ኣጋጢምወን። ኪረኣያ ኸለዋ ድማ ይመሳሰላ ነይረን ይዀና። ኣብ ሓደ ኸባቢ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጐድኒ ንጐድኒ እተሃንጻ ኪዀና ይኽእላ እየን። እንተዀነ ግን፡ እታ ሓንቲ ኣብ ሑጻ፡ እታ ኻልአይቲ ድማ ኣብ ከውሒ እየን ተሃኒጸን። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ይኽእል፧ ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ እተገልጸ፡ እቲ ብልሂ ሰብኣይ ቀጸላ ኸውሒ ምእንቲ ኺረክብ ‘ኣዕሚቑ እዩ ዅዒቱ።’ (ሉቃስ 6:48) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ቤት እቲ ብልሂ ሰብኣይ ዘይትነቓነቕ ኰነት።

የሱስ ኬጕልሖ ዝደለየ ነጥቢ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ነዚ ምሳሌ እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ ንትርኢት፡ ንኣቀማምጣ፡ ወይ ንድልዳለ እቲ እተሰርሓሉ ነገራት ዘይኰነስ፡ ንተግባር እቶም ሃነጽቲ እዩ ኼጕልሕ ደልዩ። እቲ ሓደ ሰብኣይ ኣዕሚቑ ዀዓተ፡ እቲ ኻልኣይ ግን ከምኡ ኣይገበረን። ከምቲ ብልሂ ሰብኣይ ክትከውንን ኣዕሚቝካ ኽትኵዕትን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ የሱስ ባዕሉ ንፍረ-ነገር እቲ ምሳሌ ጽሙቕ ኣቢሉ ኸምዚ በለ፦ “ስለምንታይ ደኣ፤ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ እቲ ናባይ ዚመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዚመስል ከርእየኩም እየ፤ . . . ኣዕሚቑ ዝዀዐተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዚመስል።”—ሉቃስ 6:46-48

ብርግጽ፡ ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስማዕ ወይ ኣብ ቤትካ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ጥራይ፡ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ሑጻ እተሰርሐት ቤት ኵዕታ ኣየድልዮን። ይኹን እምበር፡ ንትምህርትታት ክርስቶስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ብዙሕ ጻዕሪ ዚሓትት እዩ። ተሪር ከውሒ ኽሳዕ እትረክብ ኣዕሚቝካ ምዅዓት የጠቓልል።

ስለዚ፡ ከም ሰዓቢ ክርስቶስ ኴንካ ጸኒዕካ ምቕጻልካ፡ ነቲ ዝሰማዕካዮ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል እተመርኰሰ እዩ። ነቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተመሃርካዮ ነገራት፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ኣብ ግብሪ ተውዕሎ እንተ ደኣ ዄንካ፡ ከምቲ ኣዕሚቑ ዝዀዓተ ብልሂ ሰብኣይ ኢኻ። ስለዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ወሲዱ፡ ‘ሰማዒ ጥራይ ድየ ወይስ ዝሰማዕክዎ ዝገብር፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብን ዘጽንዕን ንማለቱ ድየ ወይስ ውሳነታት ክገብር ከለኹ እውን ትእዛዛት መጽሓፍ ቅዱስ እስዕብ እየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ኣለዎ።

ኣዕሚቝካ ብምዅዓት ዚርከብ ውጽኢት

ተመክሮ ሆሴ እስከ ንርአ። ወለዱ ንስነ-ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜኽብር ገይሮም እኳ እንተ ኣዕበይዎ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ናይ ርእሱ ገይሩ ፈጺሙ ኣየጽንዖን። ሆሴ ኸምዚ በለ፦ “ካብ ገዛ ኽወጽእ ከለኹ ጥዑይ ሰብ ክኸውን እጽዕር እኳ እንተ ነበርኩ፡ ምስ ዘይጥዑያት ኣዕሩኽ ግን እውዕል ነበርኩ። ሓሽሽ እወስድ፡ ርኹስ ጾታዊ ርክብ እፍጽም፡ ከምኡውን ወትሩ ምስ ካልኦት እበኣስ ነበርኩ።”

ኣብ መወዳእታ፡ ሆሴ ኣነባብራኡ ኺልውጥን ተገዲሱ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕን ወሰነ። ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓደ ኻብቲ ብሓቂ ኽልወጥ ዝደረኸኒ ነገራት፡ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ምንባበይን ምርዳአይን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ባህርያተይን ኣብ ኣነባብራይን ለውጢ ንኽገብር ግዜ ወሲዱለይ እዩ። ፈለማ፡ ‘ኣዕሩኸይ’ ብዛዕባይ እንታይ ኪሓስቡ ኸም ዚኽእሉ ኣፍሪሁኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ፍርሂ እዚ ግን ክዋጽኣሉ ኽኢለ እየ። ምሕሳውን ጽዩፍ ዘረባ ምዝራብን ገደፍክዎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብርዎ ኣኼባ ድማ ክካፈል ጀመርኩ። ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ቀሊል ናብራ ምንባርን ምኽርታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልን፡ ብሓቂ ነባሪ ሓጐስ ከም ዜምጽእ ፈለጥኩ።”—ማቴዎስ 5:3-12

ኣብ ከውሒ ንምህናጽ ኣዕሚቝካ ምዅዓትካ፡ ማለት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘንበብካዮ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ምጽዓርካ እንታይ ውጽኢት ኣለዎ፧ የሱስ፡ “ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰአነ” በለ። (ሉቃስ 6:48) ብርግጽ፡ ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ንቤትካ እንተ ደኣ ሃኒጽካያ፡ ከም ማዕበል ዝኣመሰለ ፈተናታት፡ ይትረፍዶ ኼዕንዋ ኼነቓንቓ እውን ኣይክእልን እዩ። እዝስ ከመይ ዝበለ ዜጸናንዕ ሓሳብ ኰን እዩ!

እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓዉ ዝዀነ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር፡ እቶም ኣብ ጽሑፍ ንዝሰፈረ ቓል ኣምላኽ ካብ ምስማዕ ሓሊፎም፡ ብሓቂ ዝገብርዎ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረኽብዎ ተወሳኺ በረኸት ጠቒሱ ኣሎ። ያእቆብ፡ “ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ . . . ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። . . . እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 1:22-25

ብርግጽ፡ እቶም ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ሰባት ብሓቂ ሕጉሳት እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ብግዲኡ፡ ነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘለዎም እምነትን ንኣምላኽ ዘለዎም ናይ ሓቂ ተወፋይነትን ዚፍትን ከም ማዕበል ዝኣመሰለ ፈተናታት ንኺዋጽእሉ ዜኽእሎም ብርታዐ ይህቦም።

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል ከለና ምርጫታት ክንገብር ከም ዘሎና ኣጕልሐ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ጥዕይቲ ዓይኒ ወይ ሕምምቲ ዓይኒ ኸም እትህልዎ፡ ንኣምላኽ ወይ ንገንዘብ ከም ዚግዛእ፡ በታ ቐጣን ወይ በታ ገፋሕ መገዲ ኸም ዚጐዓዝ መሃረ። (ማቴዎስ 6:22-24፣ 7:13, 14) ድሕርዚ፡ ብዛዕባ እቶም ክልተ ሃነጽቲ ዝሃቦ ምሳሌ ኺዛዝም ከሎ፡ ንሰዓብቱ ኸምቲ ብልሂ ሰብኣይ ወይ ከምቲ ዓሻ ሰብኣይ ኪዀኑ ተወሳኺ ምርጫ ኣቕረበሎም።

ነቲ ኻብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመሃሮ፡ ብምሉእ ልብኻ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንተ ቐጺልካ፡ ብምስትውዓል ኢኻ እትመላለስ ዘለኻ። እወ፡ ኣብ ከውሒ ንምህናጽ ኣዕሚቝካ ምዅዓትካ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ።—ምሳሌ 10:25

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ጸኒዕና ንኽንቅጽል ነቲ እተመሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኣሎና