ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘይተሓስበ ውጽኢት ዘምጽአ ውዲት ቅትለት!

ዘይተሓስበ ውጽኢት ዘምጽአ ውዲት ቅትለት!

ንመንእሰያትና

ዘይተሓስበ ውጽኢት ዘምጽአ ውዲት ቅትለት!

መምርሒታት፦ ነዚ መላመዲ ኣብ ጸጥ ዝበለ ቦታ ዄንካ ዕየዮ። ነቲ ጥቕስታት ከተንብቦ ኸለኻ ንርእስኻ ኣብቲ ፍጻመ እትውቲ ኸም ዝዀነት ጌርካ ሕሰብ። ነቲ ፍጻመ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ነቲ ድምጽታት ስምዓዮ። ስምዒታት እቶም ቀንዲ ገጸ-ባህርያት ይሰማዕካ። ነቲ ዛንታ ህያው ጌርካ ርኣዮ።

ነቲ ፍጻመ መርምሮ።ዳንኤል 6:1-28 ኣንብብ።

ዳርዮስ እንታይ ዓይነት ሰብ ይመስለካ፧ ኣካላዊ ትርኢቱ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ኸምቲ ዝሓሰብካዮ ጌርካ ግለጾ። ኪዛረብ ከሎ ኻብ ድምጹ እንታይ ዓይነት ቃና “ዚስማዕ” ይመስለካ፧ (ቍጽሪ 14, 16, 18-20 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

እቲ ጕድጓድ እንታይ ይመስል፧ ነቶም ኣናብስከ ብኸመይ ምገለጽካዮም፧

․․․․․

ዳንኤል ናብ ውሽጢ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርብዩ፡ እቲ ጕድጓድ ምስ ተዓጽወ ሒደት ደቓይቕ ጸኒሑ ብዛዕባ ዝነበረ ዅነታት ዝሓሰብካዮ ነገር ግለጽ።

․․․․․

ዝያዳ ምርምር ግበር።

ሰበ-ስልጣን ዳርዮስ ብዳንኤል ዝቐንኡ ስለምንታይ እዮም፧ (ቍጽሪ 3 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ዳንኤል ብሕቡእ ኪጽሊ እናኸኣለ፡ ብግልጺ ኺጽሊ ዝመረጸ ስለምንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 10, 11 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ዳርዮስ ንጸሎት ዚምልከት ሕጊ ኺወጽእ ዝቐረበሉ ሓሳብ እተቐበሎ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧ (ቍጽሪ 7 ደጊምካ ኣንብብ።)

․․․․․

ነቲ እተመሃርካዮ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ። ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ከም እተመሃርካ ጽሓፍ፦

ምጽራር እናጋጠመካ ተባዕ ምዃን።

․․․․․

ኣገዳስነት ጸሎት።

․․․․․

የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዚገብረሎም ሓልዮት።

․․․․․

ካብዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዝያዳ ዝተንከፈካ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧

․․․․․