ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እንታይ እዩ ምሂሩ፧

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እንታይ እዩ ምሂሩ፧

የሱስ ብዛዕባ ገሃነም እንታይ እዩ ምሂሩ፧

የሱስ፡ “ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ አልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቛር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ” በለ።—ማርቆስ 9:47, 48

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ የሱስ ብዛዕባ እዋን ፍርዲ ነቶም እኩያት ኪዛረቦም ከሎ፡ “ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ” በሎም። እዚኣቶም “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ወይ “ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት” (ትርጕም 1990) ከም ዚኸዱ እውን ተዛረበ።—ማቴዎስ 25:41, 46

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ የሱስ እተዛረበን ቃላት ብላዕለ ላዕሊ ኺረኣያ ኸለዋ ንትምህርቲ ገሃነም እሳት ዚድግፋ እየን ዚመስላ። የሱስ፡ ነቲ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢሉ ብንጹር ዚገልጽ ቃል ኣምላኽ፡ ዚጋጮ ሓሳብ ኪዛረብ ከም ዘይሓለነ ርዱእ እዩ።—መክብብ 9:5

እሞ ደኣ የሱስ ንሓደ ሰብ ናብ “ገሃነም” ብዛዕባ ምድርባይ ኪዛረብ ከሎ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ እቲ እተዛረቦ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ቓል ብቓሉ ድዩ ወይስ ምሳልያዊ፧ እኩያት “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ወይ “ቅጽዓት” ዝኸዱኸ ብኸመይ እዮም፧ ነዚ ሕቶታት እዚ በብሓደ እስከ ንመርምሮ።

የሱስ ንሓደ ሰብ ናብ “ገሃነም” ብዛዕባ ምድርባይ ኪዛረብ ከሎ እንታይ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ እታ ኣብ ማርቆስ 9:47 “ገሃነም” ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽ ቃል ጊሂና እትብል እያ። እዛ ቓል እዚኣ ኻብታ ገህ ሂኖም እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ዝመጸት ክትከውን ከላ፡ ትርጕማ ኸኣ “ለሰ ሂኖም” ማለት እዩ። ለሰ ሂኖም ኣብ ወሰናስን ጥንታዊት የሩሳሌም እዩ ዚርከብ። ኣብ ግዜ ነገስታት እስራኤል፡ ቈልዑ ንምስዋእ ይጥቀምሉ ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ዚዅንኖ ጽዩፍ ተግባር እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ነዞም ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዚፍጽሙ ሰባት ኬጥፍኦም ምዃኑ ተዛሪቡ ነበረ። ስለዚ፡ ለሰ ሂኖም፡ “ሬሳታት እዚ ህዝቢ” ዘይቅበረሉ “ለሰ ምሕራድ” ተባሂሉ ኺጽዋዕ ነበሮ። (ኤርምያስ 7:30-34) የሆዋ፡ ለሰ ሂኖም ብህይወት ዘለዉ ግዳያት ዚሳቐይሉ ቦታ ዘይኰነስ፡ ብዙሕ ሬሳታት ዚጐሓፈሉ ቦታ ኸም ዚኸውን ብትንቢት ተዛሪቡ ነበረ።

ብግዜ የሱስ፡ ነበርቲ የሩሳሌም ንለሰ ሂኖም ከም መደርበዪ ጐሓፍ ይጥቀምሉ ነበሩ። ንሬሳታት እቶም እኩያት ገበነኛታት ናብዚ መአከብ ጐሓፍ ይድርብይዎ ነበሩ፡ እቲ ጐሓፍን ሬሳታትን ምእንቲ ኺቃጸል ድማ እቲ ሓዊ ኸም ዘይጠፍእ ይግበር ነበረ።

የሱስ ብዛዕባ ዘይሞቱ ሓሰኻን ዘይጠፍእ ሓውን ኪዛረብ ከሎ ንኢሳይያስ 66:24 ይጠቅስ ምንባሩ ግልጺ እዩ። ኢሳይያስ ብዛዕባ “ሬሳታት እቶም [ካብ ኣምላኽ] ዝዐለዉ” ሰባት ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓሰኻኦም ኣይኪመውትን፡ ሓዎም ድማ ኣይኪጠፍእን እዩ” በለ። የሱስን ሰማዕቱን፡ እተን ኣብ ኢሳይያስ ዚርከባ ቓላት ብዛዕባ እቲ ኣብ ሬሳታት እቶም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘይግብኦም ዘበሉ ዚፍጸም ነገራት ዚገልጻ ምንባረን ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

ስለዚ፡ የሱስ ንለሰ ሂኖም ወይ ንገሃነም፡ ተስፋ ትንሳኤ ዘይብሉ ሞት ዜመልክት ብቑዕ ምሳሌ ገይሩ እዩ ተጠቒምሉ። ኣምላኽ “ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ” ምዃኑ ኺዛረብ ከሎ፡ የሱስ ነዚ ሓሳብ እዚ ንጹር ገይርዎ እዩ። (ማቴዎስ 10:28) ገሃነም ተምሳል ዘለኣለማዊ ሞት ደኣ እምበር፡ ተምሳል ዘለኣለማዊ ስቓይ ኣይኰነን።

እቲ የሱስ እተዛረበሉ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ” ቓል ብቓሉ ድዩ ወይስ ምሳልያዊ፧ እቲ የሱስ ዝጠቐሶ ኣብ ማቴዎስ 25:41 ተመዝጊቡ ዘሎ “ናይ ዘለኣለም ሓዊ፡” “ንሰይጣንን ንመላእኽቱን” እተዳለወ ምዃኑ ኣስተውዕል። ሓዊ፡ ቃል ብቓሉ ንመንፈሳውያን ፍጡራት ኬቃጽል ዚኽእልዶ ይመስለካ፧ ወይስ የሱስ እታ “ሓዊ” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ዚጥቀመላ ነይሩ፧ ኣብቲ ሽዑ ዚዛረቦ ዝነበረ ዝጠቐሰን “ኣባጊዕ” ከምኡውን “ኣጣል” ቃል ብቓሉ ዘይኰናስ፡ ንኽልተ ዓይነት ሰባት ዜመልክታ እየን ነይረን። (ማቴዎስ 25:32, 33) እቲ የሱስ እተዛረቦ ዘለኣለማዊ ሓዊ እውን፡ ብስእላዊ ኣዘራርባ ንእኩያት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ምቅጻል ማለት እዩ።

እቶም እኩያት “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ” ወይ “ናብ ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት” ዚኸዱ ብኸመይ እዮም፧ ብዙሕ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ማቴዎስ 25:46 “ስቓይ” ወይ “ቅጽዓት” እትብል ቃል እኳ እንተ ተጠቕመ፡ መሰረታዊ ትርጕም እታ ኮላሲን እትብሃል ናይ ግሪኽ ቃል ግን፡ “ዕቤት ኣእዋም ምቍጽጻር፡” ምጽልጻል፡ ነቲ ዘይድሊ ጨናፍር ምቝራጽ ማለት እዩ። ስለዚ፡ እቶም ብኣባጊዕ እተመሰሉ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸለዉ፡ እቶም ብኣጣል እተመሰሉ ዘይንስሑ ሰባት ግን፡ “ናይ ዘለዓለም ቅጽዓት” ኬጋጥሞም ወይ ንሓዋሩ ኻብ ህልውና ኺጠፍኡ እዮም።

እንታይ ይመስለካ፧

የሱስ፡ ሰባት ዘይትመውት ነፍሲ ኸም ዘላቶም ፈጺሙ ኣይመሃረን። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ይምህር ነበረ። (ሉቃስ 14:13, 14፣ ዮሃንስ 5:25-29፣ 11:25) ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ይኣምን እንተ ነይሩ፡ ስለምንታይ ደኣ እዩ እሞ ምዉታት ኪትንስኡ እዮም ዝበለ፧

ኣምላኽ ንእኩያት ብጭካነ ንዘለኣለም ከም ዜሳቕዮም፡ የሱስ ኣይመሃረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” በለ። (ዮሃንስ 3:16) እቶም ብእኡ ዘይኣመኑ ኸም ዚሞቱ ዝሓበረ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ብሓቂ ኣብ ገሃነም እሳት ንዘለኣለም እናተሳቐዩ ኺነብሩ ማለቱ እንተ ዚኸውን፡ ከምኡ ኢሉ ኣይምተዛረበንዶ፧

እቲ ገሃነም መሳቐዪ ቦታ ምዃኑ ዚገልጽ ሰረተ-እምነት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ትምህርቲ ክርስትና ኣምሲልካ ዝቐረበ እምነት ኣረማውያን እዩ። (ነታ  “ሓጺር ታሪኽ ገሃነም” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ርአ።) እምበኣርከስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም ፈጺሙ ኣየሳቕዮምን እዩ። ብዛዕባ ገሃነም እቲ ሓቂ ምፍላጥካ፡ ንኣምላኽ ዘሎካ ኣረኣእያ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

 ሓጺር ታሪኽ ገሃነም

ኣረማዊ እምነታት ዝመበቈሉ፦ ጥንታዎት ግብጻውያን ኣብ ገሃነም እሳት ይኣምኑ ነበሩ። እታ ብ1375 ቅ.ክ. እተጻሕፈት ዘ ቡክ ኣሙቶት እትበሃል መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቶም “ቍልቍል ርእሶም ናብ ጕድጓድ ሓዊ ዚድርበዩ” ዘበሉ ድሕሪ ምዝራባ፡ “ካብኡ ኣይኬምልጡን፡ . . . ካብቲ ሃልሃልታ እውን ኪሃድሙ ኣይክእሉን” ትብል። ፕሉታርች (46-120 ድ.ክ.) ዚበሃል ግሪኻዊ ፈላስፋ ብዛዕባ እቶም ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣለዉ ዚበሃሉ፡ “ዜፍርህ ስቓይ፡ ውርደት፡ ከምኡውን ዜስካሕክሕ መቕጻዕቲ ስለ ዜጋጥሞም፡ ብኣውያት እዮም ዚጭድሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ኣብ ኣንቈራታት ኣይሁድ ተዘርግሐ፦ ጆሰፈስ (37-100 ድ.ክ.) ዚበሃል ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝሓበሮ፡ ኢሰናውያን ዚበሃሉ ኣንቈራ ኣይሁድ፡ “ነፍሳት ከም ዘይሞታን ንዘለኣለም ከም ዚነብራን” ይኣምኑ ምንባሮም ሓቢሩ ኣሎ። ወሲኹ እውን፡ “እዚ ኸም ናይ ግሪኻውያን ኣተሓሳስባ እዩ። . . . እኩያት ነፍሳት ናብ ጸልማት፡ ኣዝዩ መፍርሂ፡ ዘየቋርጽ መቕጻዕቲ ዘለዎ ጕድጓድ ከም ዚድርበያ እዮም ዚሓስቡ” በለ።

ናብ “ክርስትና” ተኣታተወ፦ ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. እተጻሕፈ ኣፖካሊፕስ ኦቭ ፒተር ዚበሃል ኣቡኸሪፋዊ ወይ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ መጽሓፍ፡ ነቶም እኩያት “ዘይጠፍእ ሓዊ ተዳልዩሎም ኣሎ” ይብል። ብተወሳኺ እውን፡ “እዝራኤል እቲ መልኣኽ ቍጥዓ ንሰብኡትን ኣንስትን ፍርቂ ኣካላቶም ኣቃጺሉ ናብቲ ጸልማት ዝዀነ ገሃነመ ሰብኡት ይድርብዮም፡ መንፈስ ቍጥዓ ድማ የሳቕዮም” በለ። ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበረ ቴዎፍሎስ ብዓል ኣንጾክያ ዚበሃል ጸሓፊ፡ እታ ብዛዕባ እቶም እኩያት ዚወርዶም መቕጻዕቲ እትንበ ግሪኻዊት ጠንቋሊት፡ “ኣብ ልዕሌኹም ዚቃጸል ሓዊ ኺመጽእ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ድማ ኵሉ መዓልቲ ኽትነዱ ኢኹም” ከም ዝበለት ጠቐሰ። ቴዎፍሎስ ነዘን ቃላት እዚኣተን፡ ካብ መንጎ እተን “ሓቅን ጠቐምትን ልክዕን ንዅሎም ሰባት ዚረብሓን” ኢሉ ዝገለጸን እየን።

ገሃነም ነቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ዝነበረ ዓመጽ ከም መመኽነይታ ዀይኑ ኣገልገለ፦ እታ ንዳርጋ 300 ዝዀኑ ፕሮተስታንት ኣብ ዕንጨይቲ ሰቒላ ብምቅጻላ “ደማዊት ሜሪ” ተባሂላ እትፍለጥ ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረት ሜሪ ቐዳማዊት (1553-1558) ከምዚ በለት፦ “ነፍሳት መናፍቓን ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም ዚቃጸላ ኻብ ኰና፡ ነቲ መለኮታዊ ምፍዳይ ሕነ ምእንቲ ክቐድሖ ንዕኦም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ኻብ ምቅጻል ንላዕሊ ዝሓሸ መገዲ የለን።”

ናይ ቀረባ እዋን መብርሂ፦ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ገሊአን ሃይማኖታውያን ውድባት ነቲ ብዛዕባ ገሃነም ዚምህራኦ ትምህርቲ ኣመሓይሸናኦ እየን። ንኣብነት፡ ብ1995 ካብ ቤተ-ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ገሃነም ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘይኰነስ፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ ኣምላኽ ዚጻረር ኣነባብራ ብምምራጽካ ኣብ መወዳእታ ኻብ ህልውና እትጠፍኣሉ ዅነት እዩ።”

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ቀላይ ሓዊ” እንታይ እዩ፧

ራእይ 20:10 ድያብሎስ ናብ “ቀላይ ሓዊ” ኺድርበ ምዃኑ ‘ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ከም ዚሳቐ’ ትገልጽ። ድያብሎስ ንዘለኣለም ኪሳቐ እንተ ዀይኑ፡ ኣምላኽ ብህይወት ከም ዚጸንሕ ገይርዎ ማለት እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከም ‘ዚቕጥቀጥ’ ወይ ከም ዚጠፍእ እዩ ዚነግረና። (ሮሜ 16:20) እቲ ምሳልያዊ ቐላይ ሓዊ ነቲ “ኻልኣይ ሞት” እዩ ዜመልክት። (ራእይ 21:8) እዚ ሞት እዚ፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርያ ግዜ ተጠቒሱ ዚርከብ፡ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸን ትንሳኤ ኺርከበሉ ዚከኣልን ሞት ሕደ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 15:21, 22) ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ “ቐላይ ሓዊ” ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኸም ዚፍንዎም ኣይገልጽን እዩ፣ ስለዚ፡ እቲ “ኻልኣይ ሞት” ንኻልእ ዓይነት ሞት፡ ማለት ትንሳኤ ንዘይብሉ ሞት ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።

እቶም ኣብ ቀላይ ሓዊ ዘለዉ ንዘለኣለም ዚሳቐዩ ብኸመይ እዮም፧ ሓድሓደ ግዜ፡ “ምስቓይ” ንሓደ ሰብ “ምቕያድ” ዚብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ሓደ እዋን ንየሱስ ኣጋንንቲ ምስ ኣጓነፍዎ፡ እቶም ኣጋንንቲ፡ “ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ። (ማቴዎስ 8:29) ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ኣብ “ቀላይ ሓዊ” ዘለዉ ብናይ ዘለኣለም ቀይዲ “ኺሳቐዩ” ወይ “ኻልኣይ ሞት” ኪሞቱ እዮም።