ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈታው ፍትሒ

ፈታው ፍትሒ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ፈታው ፍትሒ

እብራውያን 10:26-31

ኣብ ልዕሌኻ ዘይፍትሓዊ ተግባር ወይ ጭካነ ፈጺሙ ኽነሱ ኸይተቐጽዐን በቲ ዝገበሮ ኸይተጣዕሰን ዝተረፈ ሰብ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ብፍላይ ከኣ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ በደል፡ ብሓደ ኼፍቅረካን ኪሓልየልካን እትጽበዮ ሰብ እተፈጸመ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንኽትጻወሮ ዝኸበደ እዩ። ‘ኣምላኽ ነዚ ነገራት እዚ ኼጋጥም ዘፍቀደ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። a የሆዋ ኣምላኽ ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ተግባራት ከም ዚጸልእ ዘይከሓድ እዩ። እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቶም ሓጢኣት ዜዘውትሩ ተሪር ዝልቦም ሰባት ካብ መለኮታዊ ፍርዲ ኸም ዘየምልጡ የረጋግጸልና። ነቲ ኣብ እብራውያን 10:26-31 ተመዝጊቡ ዘሎ ሃዋርያ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላት እስከ ንመርምሮ።

ጳውሎስ፡ “ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ . . . ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (ቍጽሪ 26) ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዚገብሩ ሰባት ኣዝዮም እኩያት እዮም። ስለምንታይ፧ ቀዳማይ፡ ከምቲ ዅላትና ብሰንኪ ዘይፍጽምናና እንጋገዮ፡ ኣብታ ዚደኽሙላ ህሞት ጥራይ ኣይኰኑን ሓጢኣት ዚገብሩ። ሓጢኣት ምግባር የዘውትሩ እዮም። ካልኣይ፡ ኮነ ኢሎም እዮም ሓጢኣት ዚገብሩ። ከምቲ ዘ ባይብል ኢን በይዚክ ኢንግሊሽ ዝገለጾ፡ ‘እከይ ዚገብሩ ብዕላማ እዮም።’ ልቦም ሱር ብዝሰደደ እኩይ ተግባራት ዝመልአ እዩ። ሳልሳይ፡ ሓጢኣት ዚገብሩ ኸይፈለጡ ኣይኰኑን። ብዛዕባ ፍቓድን መገድታትን ኣምላኽ፡ “ፍልጠት ሓቂ” ኣለዎም።

ኣምላኽ ነዞም ዘይንስሑን እኩያትን ዝዀኑ ሓጥኣን ብኸመይ ይርእዮም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን” በለ። እቲ ኻብ ኣምላኽ ንሰባት እተዋህበ ውህበት ዝዀነ መስዋእቲ ክርስቶስ፡ ነቲ ብሰንኪ ዘይፍጽምናና እንፍጽሞ ሓጢኣት ይሽፍኖ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ይኹን እምበር፡ እቶም ኣዘውቲሮም ሓጢኣት እናፈጸሙ ዘይንስሑ ሰባት፡ ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ግዲ ኸም ዘይብሎም እዮም ዜርእዩ። ብዓይኒ ኣምላኽ ድማ፡ ‘ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጹ፡ ነቲ የሱስ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሱ’ እዮም። (ቍጽሪ 29) በቲ ዝገብርዎ ተግባራት፡ ንየሱስ ይንዕቅዎ፡ ንደሙ ድማ ካብ ናይ ዘይፍጹማት ሰባት ዚሓይሽ ዋጋ ኸም ዘይብሉ “ሕሱር ነገር” ገይሮም ይርእይዎ። (ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ዘየማስዉ ሰባት ካብ መስዋእቲ ክርስቶስ ኣይጥቀሙን።

እቶም እኩያት እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ኣምላኽ ፍትሒ፡ “ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ” ኢሉ ተመባጺዑ እዩ። (ቍጽሪ 30) ኵሎም እቶም ንኻልኦት ብምጕዳእ ሓጢኣት ዜዘውትሩ ሰባት፡ ጻድቕ ሕግታት ኣምላኽ ጥሒሶም ከይተቐጽዑ ኸም ዘይተርፉ ኺፈልጡ ኣለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ እኩይ ተግባሮም ይስዕቦም እዩ። (ገላትያ 6:7) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ እዋን ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ካብ ምድሪ ንኼወግድ ኪመጽእ ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኪብሉ እዮም። (ምሳሌ 2:21, 22) ጳውሎስ፡ “ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዜሰክሕ እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—ቍጽሪ 31

የሆዋ ኣምላኽ ደይ መደይ ኢልካ ንዚግበር ሓጢኣት ሸለል ከም ዘይብሎ ምፍላጥ፡ ብፍላይ ነቶም ብገበርቲ እከይ እተጐድኡ ሰባት ዜጸናንዕ እዩ። እምበኣርከስ፡ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ኢድ እቲ ንዅሉ ምጕዳል ፍትሒ ዚጸልእ ኣምላኽ፡ ምሉእ ብምሉእ ተኣማሚንና ኽንገድፎ ንኽእል ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ መብርሂ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 106-114 ተወከስ።