ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ህዝቢ ማያ ዝረኸብዎ ናይ ሓቂ ናጽነት

ህዝቢ ማያ ዝረኸብዎ ናይ ሓቂ ናጽነት

ህዝቢ ማያ ዝረኸብዎ ናይ ሓቂ ናጽነት

ብዛዕባ ህዝቢ ማያ ዘይሰምዐ መን ኣሎ፧ ኣብ ዓዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ በጻሕቲ ናብቲ ኣብ መክሲኮ ዚርከብ ዩከታን ዚበሃል ሓውሲ ደሴት ይውሕዙ እዮም፣ ኣብዚ ሓውሲ ደሴት እዚ ኸኣ ኣብ ከም እኒ ቺቸን ኢትሳ ኸምኡውን ኮባ ዚበሃል ቦታ ዜደንቕ ፒራሚዳት ኣሎ። ህዝቢ ማያ ብናይ ምህንድስና ኽእለቶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ጽሕፈትን ሕሳብን ስነ-ኰዀብን ብዝፈጸምዎ ዕማም እውን ይፍለጡ እዮም። እተሓላለኸ ሃይረግሊፋዊ ወይ ስእላዊ ጽሑፋት፡ ብዛዕባ ዜሮ ዚገልጽ ኣምር፡ ከምኡውን 365 መዓልቲ ዘለዎ ዓውደ-ኣዋርሕ ምስ መአረምታታቱ መሃዙ።

ብሃይማኖት ዝመጸ ግን፡ ህዝቢ ማያ እተፈልዩ እዮም ነይሮም። ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ፡ ገለ ኻባታቶም ከኣ ኣምላኽ ጸሓይን ወርሕን እኽልን እዮም። ካህናቶም ድማ ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ እዮም ነይሮም። ኣምልኾኦም ዕጣንን ምስልታትን ምጥቃም፣ ነብስኻ ምጕዳእ፣ ደም ናይ ምፍሳስ ጽምብል፣ ንእሱራትን ባሮትን፡ ብሕልፊ ኸኣ ንቘልዑ መስዋእቲ ጌርካ ምቕራብ ዜጠቓልል ነበረ።

ምምጻእ ስጳኛውያን

ኣብ መጀመርታ መበል 16 ዘመን፡ ስጳኛውያን ናብዚ ቦታ እዚ ኺመጹ ኸለው፡ እተሓላለኸ ስልጣነ እዩ ኣጋጢምዎም። እቶም ስጳኛውያን ወረርቲ ኽልተ ዕላማ እዩ ነይርዎም፣ እዚ ድማ ቀዳማይ ንመሬትን ሃብትን እቲ ዓዲ ኣብ ኢዶም ምእታው፡ ካልኣይ ንህዝቢ ማያ ኻብቲ ድሑር ዝዀነ ኣረማዊ ተግባራት ናጻ ኣውጺእካ ናብ እምነት ካቶሊክ ምቕያር እዩ ነይሩ። እሞኸ እዚ ነገራት እዚ ንህዝቢ ማያ ብሃይማኖት ይኹን ብኻልእ መዳያት ናይ ሓቂ ናጽነት ኣምጺኡሎምዶ፧

ስጳኛውያን፡ እንተላይ ካህናት ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ፡ ነቲ ህዝቢ ማያ ንነዊሕ ግዜያት ለቢዶም፡ ማለት ቈጥቊጦምን ኣቃጺሎምን፡ ኪሓርስዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ናይ ሓባር መሬት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሮም ኣእተውዎ። እዚ ኸኣ ብዙሕ ጸገምን ጽልእን ኣፍረየ። እቶም ወረርቲ ነቲ በይኑ ምንጪ ማይ ሓውሲ ደሴት ዩከታን ዝዀነ ዓሚቝ ቦታታት ተቘጻጸርዎ። እዚ ኸይኣክል ከኣ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ርእሲ እቲ ንመንግስቲ ዚኽፈል ግብሪ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኣብ ዓመት 12 1⁄2 ረያል a፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኸኣ 9 ረያል ግብሪ ኪኸፍሉ ንህዝቢ ማያ ኣገደድዎም። ወነንቲ መሬት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ብምጥቃም፡ ፈለማ ነቲ እቶም ህዝቢ ንቤተ-ክርስትያን ኪኸፍልዎ ዘለዎም ግብሪ ይኸፍሉሎም እሞ፡ ድሕሪኡ ዕዳኦም ክሳዕ ዚኸፍሉ ኸም ባሮት ገይሮም የስርሕዎም ነበሩ።

እቶም ካህናት ንኸም ጥምቀት፡ መርዓ፡ ቀብሪ ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት እውን የኽፍሉ ነበሩ። እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ መሬት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽራ ብምእታው፡ ግብሪ ብምእካብ፡ ከምኡውን ክፍሊት ብምቕባል ንርእሳ ኣሀብተመት፣ እቶም ህዝቢ ግን ኣዝዮም ተጐድኡ። እቶም ገባሮ፡ ሰዓብቲ ማሪትን መሃይምን ከም ዝዀኑ ጌርካ ይርኣዩ ነበሩ። እቶም ካህናትን ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ኻልኦትን ከኣ ንህዝቢ ማያ ስነ-ስርዓት ንምምሃርን ነቲ ማሪታዊ እምነቶም ከም ዚሓድጉ ንምግባርን ብሓለንጊ ይገርፍዎም ነበሩ።

ውግእ ቀጸላ

ህዝቢ ማያ ኣብ ፈለማ፡ ግብሪ ቤተ-ክርስትያን ምኽፋል ብምእባይ፡ ንደቆም ካብቲ ብቤተ-ክርስትያን ዚመሓደር ቤት ትምህርቲ ብምውጻእ፡ ናብቲ ትምህርትታት ሃይማኖት ዚወሃበሉ ቦታ ብዘይምኻድ፡ ከምኡውን ስራሕ ብዘይምስራሕ፡ ሕነ ኺፈድዩ ፈተኑ። እዚ ግን ዝያዳ ናይ ጭከና ተግባር ኣስዓበሎም። ን300 ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ስጳኛውያን ድሕሪ ምጽናሕ፡ እቲ ዅነታት ኣብ 1847 ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጽሐ። ህዝቢ ማያ ኣንጻር እቶም “ጸዓዱ” ተላዕሉ፡ እዚ ኸኣ ውግእ ቀጸላ ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ።

መራሕቲ እቶም ዓለወኛታት፡ ዚዛረብ መስቀል ዚበሃል ሃይማኖታዊ ትእምርቲ ይጥቀሙ ነበሩ፣ ሓደ ኽኢላ ተዛራቢ ኻብቲ መስቀል ብዝመንጨወ ድምጺ ኣምሲሉ፡ ህዝቢ ማያ ኽሳዕ ሞት ኪዋግኡ ኸም ዘለዎም ገይሩ ይነግሮም ነበረ። እዚ ውግእ እዚ ንህዝቢ ማያ ዓብዪ ጕድኣት እዩ ኣስዒብሎም። ብ1853 ብወግዒ ኣብ እተዛዘመሉ እዋን፡ ካብቶም ኣብ ዩከታን ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ማያ፡ 40 ሚእታዊት ተቐትሉ። ኰይኑ ግን፡ ን55 ዓመት ሓሓሊፉ ውግእ ይካየድ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ማያ ኻብ ኣርዑት ስጳኛውያን ናጻ ወጹ፡ እቲ መሬት ድማ ብማዕረ ኺምቀል ተጀመረ። ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት ግን እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

ናይ ሓቂ ናጽነት ኣይረኸቡን

ስጳኛውያን ሒዞምዎ ዝመጹ እምነት ካቶሊክ ይኹን ውግእ ቀጸላ ንህዝቢ ማያ ናይ ሓቂ ናጽነት ኣየምጽኣሎምን። ሎሚ ነቲ ቕድሚ ስጳኛውያን ምምጽኦም ዝነበረ ልምድታትን ናይ ሮማ ካቶሊክ ባህልታትን ሓናፊጹ ዝሓዘ ሃይማኖት እዩ ዘሎ።

እታ ዘ ማያስ—3000 ይርስ ኦቭ ሲቪላይዘሽን ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ህዝቢ ማያ ብዚምልከት፡ “ህዝቢ ማያ ንናይ ተፈጥሮ ኣማልኽቶምን ኣቦሓጎታቶምን፡ ኣብ ግራውቶምን ኣብ በዓትን ኣብ ኣኽራንን ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎም . . . ኣብ ቤተ-ክርስትያን ድማ ንቕዱሳን የምልኹ” በለት። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ነቲ ካትሳልኩዋትል ወይ ኩኩልካን ዚበሃል ኣምላኽ ምስ የሱስ፡ ነታ ኣምላኽ ወርሒ ድማ ምስ ድንግል ማርያም ማዕረ ገይሮም ዚርእይዋ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኸም ቅዱስ ገይሮም ዚርእይዎ ሴባ ዚበሃል ገረብ ብመስቀል ተክእዎ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ህያው ገረብ ገይሮም ስለ ዚርእይዎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ማይ የስትይዎ ኣለው። ንምስሊ የሱስ ኣብ ክንዲ ዚጥቀሙ ድማ ንመስቀል ብዕምባባታት ተኽሊ ሴባ የጸባብቕዎ።

ኣብ መወዳእታ እተረኽበ ናይ ሓቂ ናጽነት

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ መክሲኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህዝቢ ማያ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃር ዓብዪ ወፈራ ገይሮም እዮም። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ምርዳእ ምእንቲ ኺህልዎም፡ ከምዛ መጽሔት እዚኣ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ብቛንቋ ኣዲኦም ተዳልዩሎም እዩ። እንታይ ፍረኸ ተረኽበ፧ ኣብ 241 ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚርከቡ 6,600 ዝዀኑ ቛንቋ ማያ ዚዛረቡ ኣወጅቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉ። ህዝቢ ማያ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኪቕበሉ ኢሎም ነቲ ባህላዊ እምነታቶም ኪሓድጉ ኸቢድዎምዶ፧

ብዙሓት ቅኑዓት ደቂ ማያ፡ ከምዚ ምግባር ከቢድዎም እዩ። ማርሰለኖን ሰበይቱ ማርጋሪታን ቀናኣት ካቶሊክ እዮም ነይሮም። ንመስቀል ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም፡ ዓመት ንዓመት ካብ ቤተ-ክርስትያን ክሳዕ ቤቶም ይሽከምዎ ነበሩ፡ ኣብ ቤቶም ምስ በጽሑ ኸኣ መስዋእቲ እንስሳ የቕርቡ፡ ነዚ መስዋእቲ ድማ ምስ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ኰይኖም ይበልዕዎ። ድሕርዚ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሕዎም ምስ መጹ፡ ምስዞም ሰብኣይን ሰበይትን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመሩ። ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ኪዝክሩ ኸለዉ፡ “እቲ እንመሃሮ ዝነበርና ትምህርቲ፡ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ነበርና። ነቲ ናይ ቀደም እምነትና እንተ ሓዲግና፡ መናፍስቲ ኸየጥቅዑና ግን ፈሪህና ኔርና” በሉ። ይኹን እምበር፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባሮም ቀጸሉ። ማርሰለኖ ኸምዚ በለ፦ “ቀስ ብቐስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ልብና ሰረጸ። እዚ ኸኣ ንስድራ ቤትናን ንፈተውትናን ብዛዕባ እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እንመሃሮ ዝነበርና ንኽንነግሮም ትብዓት ሃበና። ሕጂ ኻብቲ ባሮቱ ገይሩና ዝነበረ ማሪታዊ እምነታት ናጻ ስለ ዝዀንና፡ ሕጉሳት ኢና። ነዚ ኣቐዲምና ዘይምጅማርና ጥራይ እዩ ዜጣዕሰና። ነቲ ዘጥፋእናዮ ግዜ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜደንቕ ሓቅታት ብምንጋር ክንሽፍኖ ንደሊ ኢና።”

ወዲ 73 ዓመት ኣልፎንሶ እውን ውፉይ ካቶሊክ እዩ ነይሩ። ኣብታ ዚነብረላ ኸተማ፡ ከም ቍርባንን ሳዕስዒትን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ በዓላት ኣብ ምድላው ይካፈል ነበረ፡ ነቶም ኣብኡ ዚመጹ ኸኣ ምግብን መስተን ይቐርበሎም ነበረ። ምስ ኣርሓታት ዚግበር ቃልሲ እውን ይካየድ ነበረ። ኣልፎንሶ፡ “እዚ በዓላት ብስኽራንን ባእስን እዩ ዚዛዘም ነይሩ። ነቲ በዓላት እፈትዎ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣብ ሃይማኖተይ ገለ ነገር ዝጐደለ ዀይኑ ግን ይስምዓኒ ነበረ” በለ። ድሕሪኡ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣልፎንሶ ሰበኹሉ፡ ንሱ ኸኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኺገብር ተሰማምዐ። ጥዕና ይስእን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኪካፈል ጀመረ። ሕጂ ንዅሉ እቲ ናይ ቀደም ሃይማኖታዊ ልምድታቱ ሓዲጉ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዚረኽባ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ነቶም ኪበጽሕዎ ኢሎም ዚመጹ ሰባት ብዛዕባ እቲ ሓድሽ እምነቱ ይነግሮም ኣሎ።

እዚ ተመክሮታት እዚ፡ ነቲ ቕኑዓት ደቂ ማያ ዚረኽብዎ ዘለዉ ናይ ሓቂ ሃይማኖታዊ ናጽነት ዜርኢ ሒደት ኣብነታት እዩ። እወ፡ ዘርኢ እቶም ኣብ ዩከታን ዚርከብ ዜደንቕ ፒራሚዳት ዝሃነጹ ሰባት፡ ሕጂ እውን ኣለዉ። ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ዚዝረብ ዝነበረ ቛንቋ ይዛረቡ ኣለዉ። ሓያሎ ሰባት ልክዕ ከም ኣቦሓጎታቶም ውሽጡ ብጭቃ ኣብ እተለበጠን ናሕሱ ብጨናፍር ስየ ኣብ እተሸፈነን ገዛ ይነብሩ ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ቐደም ዚግበር ዝነበረ፡ ንጫካ ለቢዶም እዮም ዕፉኖምን ጡጦምን ዚዘርኡ። ኣብዚ እዋን እዚ ግን፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንብዙሓት ደቂ ማያ ኻብ ባርነት ሃይማኖታዊ ሓሶትን ማሪትን ናጻ የውጽኦም ኣሎ። ነተን የሱስ እተዛረበን፡ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዚብላ ሓያል መልእኽቲ ዘለወን ቃላት ምሉእ ብምሉእ ይርድእወን ኣለዉ።—ዮሃንስ 8:32

[እግረ-ጽሑፍ]

a ረያል፡ ቀደም ኣብ ስጳኛ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ገንዘብ እዩ።

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኣብ ቺቸን ኢትሳ ዚርከብ ዑናታት ማያ

ወሽመጥ መክሲኮ

መክሲኮ

ሓውሲ ደሴት ዩከታን

ቺቸን ኢትሳ

ኮባ

በሊዝ

ጓተማላ

ሆንዱራስ

ኤል ሳልቫዶር

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ጥንታዊት ማያ ዝነበረ ኸባቢ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ማርሰለኖን ሰበይቱ ማርጋሪታን ኣብ ዩከታን ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ኸለዉ