ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ዚግበር ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ’ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ሎሚ ዚግበር ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ’ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ሎሚ ዚግበር ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ’ ካብ ኣምላኽ ድዩ፧

ኣብ ገሊአን ሃገራት፡ ነጋድያን ናብቲ ብዙሓት ሰባት ካብቲ “ዘይሓዊ” ሕማሞም ሓዊናሉ ዚብልዎ ቕዱስ ቦታታት ኪኸዱ ምርኣይ ልሙድ እዩ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ከኣ፡ ፈወስቲ ብልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ ገይሮም ከም ዘሕወዩ ይዛረቡ እዮም። ኣብ ካልእ ቦታታት ኣብ ዚግበር ስምዒታዊ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት፡ ሕሙማት ሓዊና ኢሎም ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ዘሊሎም ኪትንስኡ ወይ ምርኵሶም ኪድርብይዎ ይረኣዩ እዮም።

እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕዋይ ዚገብሩ፡ እተፈላለየ ሃይማኖት እዩ ዘለዎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ሓደ ነቲ ኻልእ፡ ከሓዲ፡ ናይ ሓሶት፡ ወይ ኣረማዊ ኸም ዝዀነ እዩ ዚኸሶ። እምበኣር፡ ‘ኣምላኽ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓድሕዱ ብዚጋጮ እተፈላለየ መትረባት ኣቢሉ ተኣምራት ይገብር ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” እዩ ዚብል። (1 ቈረንቶስ 14:33) እሞኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ‘ተኣምራዊ ምሕዋይ’ ብሓቂዶ ኻብ ኣምላኽ እዩ፧ ገሊኦም ፈወስቲ ብሓይሊ የሱስ ከም ዜሕውዩ ይዛረቡ እዮም። የሱስ ብኸመይ የሕዊ ኸም ዝነበረ እስከ ንርአ።

የሱስ ንሰባት ብኸመይ የሕዊ ኸም ዝነበረ

የሱስ ካብዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ፈወስቲ ኣመና ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዜሕዊ ነይሩ። ንኣብነት፡ ናብኡ ንዚመጹ ዅሎም ሰባት ይሕግዞም ነይሩ እዩ። ንእተወሰኑ ፈልዩ ኣሕውዩ፡ ንዝተረፉ ኸየሕወየ ኣይሰዶምን እዩ ነይሩ። ኬሕዊ ኸሎ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ እዩ ዜሕዊ ነይሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እውን ብቕጽበት እዩ ዜሕውዮም ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ህዝቢ ኸኣ ኵላቶም ኪትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዮም” ይብል።—ሉቃስ 6:19

የሱስ ከምቶም ብእምነት ነሕዊ ኢና ዚብሉ ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ዘመናውያን ፈወስቲ፡ ሕሙማት ከይሓወዩ ምስ ተረፉ፡ ‘እምነት ጐዲላትካ’ ኢሉ ኣይነቕፎምን እዩ ነይሩ፡ የግዳስ ገና ኣብኡ እምነት ንዘየሕደሩ ሰባት እውን የሕውዮም ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ግዜ የሱስ ናብ ሓደ ዕዉር ሰብኣይ ባዕሉ ቐሪቡ ኣሕወዮ። ጸኒሑ፡ “ብወዲ ኣምላኽዶ ትአምን ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ብእኡ ኽአምንሲ መን እዩ ንሱ፧” ኢሉ መለሰ። የሱስ ከኣ፡ “እዚ ምሳኻ ዚዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ” በሎ።—ዮሃንስ 9:1-7, 35-38

‘የሱስ ንኼሕዊ እምነት ከም ቅድመ-ዅነት ዘይሓትት እንተ ነይሩ፡ ብዙሕ ግዜ ነቶም ዘሕወዮም፡ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡” ወይ “እምነትካ ኣሕወየትካ” ዚብሎም ዝነበረ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። (ሉቃስ 8:48፣ 17:19፣ 18:42) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ እቶም ብእምነት ተደሪኾም ዘናደይዎ ሰባት ኪሓውዩ ኸለዉ፡ እቶም ናብኡ ዘይቀረቡ ግን እቲ ኣጋጣሚ ኸም ዘምለጦም እዩ ዚሕብር ነይሩ። እቶም ዝሓወዩ፡ ብእምነቶም ኣይኰኑን ሓውዮም፣ የግዳስ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዮም ሓውዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ፡ “ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዐሮም ኵሎም ከኣ ከም ዘሕወየ” ይብል።—ግብሪ ሃዋርያት 10:38

ኣብዚ ሎሚ ተገይሩ ዚበሃል ምሕዋይ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘብ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ብእምነት ዜሕውዩ ዚበሃሉ ፈወስቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚእክቡ ይፍለጥ እዩ። ሓደ ኻብዞም ፈወስቲ ብዓለምለኻዊ ስራሓቱ ኣቢሉ ኣብ ሓደ ዓመት 89 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ኸም ዝኣከበ እዩ ዚንገር። ኣብያተ-ክርስትያን እውን ካብቶም ኪፍወሱ ተስፋ ገይሮም ናብ ቅዱስ ቦታታት ዚኸዱ ነጋድያን መኽሰብ ይረኽባ እየን። ብኣንጻሩ ግን፡ የሱስ ካብቶም ዘሕወዮም ሰባት ፈጺሙ ገንዘብ ኣይኣከበን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እሞ ኸኣ፡ ንሱ እዩ ንዓታቶም ምግቢ ሂብዎም። (ማቴዎስ 15:30-38) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኺሰብኩ ኺልእኮም ከሎ፡ “ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ” በሎም። (ማቴዎስ 10:8) ኣብዚ ግዜና ዚግበር ምሕዋይ፡ ካብቲ ብግዜ የሱስ ዚግበር ዝነበረ ኣመና እተፈልየ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ “ምሕዋይ” ካበየናይ ምንጪ እዩ፧

ገሊኦም ኣብ ዓውዲ ሕክምና እተጸምዱ ሰባት፡ ንሓያሎ ዓመታት ነዚ ተገይሩ ዚበሃል ሃይማኖታዊ ምሕዋይ ኪምርምርዎ ጸኒሖም እዮም። እሞኸ እንታይ ረኸቡ፧ ብመሰረት እታ ኣብ ለንደን እትሕተም ደይሊ ቴለግራፍ፡ ሓደ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ሓኪም ን20 ዓመት ነዚ ጕዳይ እዚ ድሕሪ ምምርማሩ፡ “ዜስደምም ጸብጻባት ተኣምራዊ ምሕዋይ ብዋላ ሓደ ሕክምናዊ መርትዖ ኣይተደገፈን” በለ። ኰይኑ ግን፡ ብዙሓት ሰባት ብሓይሊ ቕዱስ ዚበሃል ነገራት ወይ ቦታታት፡ ወይ ብሃይማኖታውያን ፈወስቲ ኸም ዝሓወዩ ኻብ ልቦም ይኣምኑ እዮም። እሞኸ ተታሊሎም ደዀን ኪዀኑ ይኽእሉ፧

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ውሩይ ስብከቱ፡ መታለልቲ ሃይማኖታውያን፡ “ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ . . . ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧” ከም ዚብልዎ ጠቒሱ ነይሩ። ንሱ ግን፡ “ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ” ኺብሎም እዩ። (ማቴዎስ 7:22, 23) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሓይሊ ዚረኽቡሉ ምንጪ፡ “ናይቲ ሕጊ ዘይብሉ ምምጻእ በቲ ሰይጣን ዚዓዮ ዅሉ ናይ ኃይልን ሓሳዊ ትእምርትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ኪኸውን እዩ። ከምኡውን ነቶም ዚጠፍኡ ዜስሕተሉ ዅሉ ተንኰልን ክፍኣትን ኣለዎ” ኢሉ ኣጠንቀቐ።—2 ተሰሎንቄ 2:9, 10 ትርጕም 1990

ብተወሳኺ፡ ምስ ቅዱስ ዚበሃል ነገራትን ጣኦታትን ምስልታትን ዚተሓሓዝ “ምሕዋይ፡” ካብ ኣምላኽ ኪምንጭው ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቓል ኣምላኽ፡ “ካብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ፡” ከምኡውን “ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ብንጹር ይእዝዝ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:14፣ 1 ዮሃንስ 5:21) ከምዚ ዝኣመሰለ “ምሕዋይ፡” ሓደ ኻብቲ ድያብሎስ ንሰባት ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምርሓቕ ዚጥቀመሉ ምድንጋር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ” ይብል።—2 ቈረንቶስ 11:14

የሱስን ሃዋርያትን ንሰባት ዘሕወዩሉ ምኽንያት

እቲ ኣብቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ዚበሃል ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተመዝጊቡ ዘሎ ተኣምራዊ ምሕዋይ፡ የሱስን ሃዋርያትን ካብ ኣምላኽ ከም እተላእኩ ብንጹር ዜርኢ ነበረ። (ዮሃንስ 3:2፣ እብራውያን 2:3, 4) የሱስ ዝገበሮ ተኣምራዊ ምሕዋይ፡ ነቲ ዚሰብኮ መልእኽቲ ዚድግፍ ነበረ። “የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ።” (ማቴዎስ 4:23) እቲ ንሕሙማት ምሕዋይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንብዙሓት ምምጋብን ንባህርያዊ ሓይልታት ምቍጽጻርን ንምዉታት ምትንሳእን ዜጠቓልል የሱስ ዝገበሮ ግብርታት ሓይሊ፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ዚገብረሎም ነገራት ዜርኢ እዩ ነይሩ። እዚ ብሓቂ ወንጌል ወይ ብስራት እዩ!

የሱስን ሃዋርያትን እቶም ካባታቶም ነዚ ውህበት እዚ እተቐበሉ ሰባትን ምስ ሞቱ፡ እዚ ግብርታት ሓይሊ ወይ ውህበት መንፈስ ኣቋሪጹ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዐር፡ [ተኣምራዊ] ምዝራብ ቋንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ [ብመለኮታዊ መገዲ ዚግለጽ] ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኺሰዐር እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 13:8) ስለምንታይ፧ እቲ ግብርታት ሓይሊ ዚግበረሉ ዝነበረ ዕላማ ስለ ዝወቕዐ፡ ማለት የሱስ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑን ክርስትያናዊት ጉባኤ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝረኸበትን ስለ ዝነጸረ፡ እዚ ንምሕዋይ እውን ዜጠቓልል ግብርታት ሓይሊ ድሕሪኡ ኣየድለየን፣ ስለዚ ድማ ‘ተሳዕረ።’

ኰይኑ ግን፡ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ንዓና ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣለዎ። ነቲ የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ እንተ ኣቕሊብናሉን ኣብኡ እንተ ኣሚንናን፡ እቲ ብመሪሕነት መንፈስ እተጻሕፈ፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ” ዚብል ትንቢት ብመንፈሳውን ብስጋውን መገዲ ዚፍጸመሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኽንጽበ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990፣ 35:5, 6፣ ራእይ 21:4