ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብሉይ ኪዳን ይቕበልዎ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብሉይ ኪዳን ይቕበልዎ ድዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብሉይ ኪዳን ይቕበልዎ ድዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ይርእይዎ፡ ንብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ድማ ከም ኣገዳሲ ኽፋሉ ገይሮም ይቕበልዎ እዮም። ይኹን እምበር፡ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ፈለማ ኺጸሓፍ ከሎ ዝነበረ ቐንዲ ቛንቋ እብራይስጥን ግሪኽን ስለ ዝዀነ፡ “ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ” ኸምኡውን “ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ” ዚብል ዝያዳ ዚሰማማዕ ስማት ኪጥቀሙ እዮም ዚመርጹ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ገሊኦም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ሰባት፡ ንብሉይ ኪዳን ንምቕባል የድሐርሕሩ እዮም። ኣምላኽ ንውግእ፡ ንቕትለት፡ ከምኡውን ምስቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም ፈቃርን ስነ-ምግባራውን ኣምላኽ ተገይሩ ተገሊጹሉ ዘሎ መገዲ ንዘይሰማማዕ ተግባራት ዚፈቅድ ቍጡዕ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ጌርካ ተገሊጹ ምህላዉ ይዛረቡ እዮም። ብሉይ ኪዳን ብቐንዱ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣይሁድ ዚገልጽ ስለ ዝዀነ፡ ንክርስትያናት ኣገዳሲ ኣይኰነን ዚብል ምኽንያት እውን የቕርቡ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ዘዳግም 12:32 ዚርከብ ኣብ ቃሉ ኺውሰኽ ወይ ኪንከ ኸም ዘይብሉ ዚገልጽ ትእዛዝ ኣምላኽ ኪርአ ኸሎ፡ ነቲ ሰለስተ ርብዒ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ምንጻግሲ ርትዓዊ ድዩ፧

ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ግሪኽ ኣብ ከተማ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ነበርቲ ኺበጽሖም ከሎ፡ “ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፤ ንክርስቶስ ኪስቀን ካብ ምዉታት ኪትንስእን ከም ዚግብኦ፡ . . . እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:1-3) ጸኒሑ ጳውሎስ ገሊኦም ሰማዕቱ ክርስትያናት ምስ ኰኑ፡ ‘ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ኣይተቐበልኩምዎን’ ኢሉ ነኣዶም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ኣብቲ ምብጻሕ ዝገበረሉ እዋን፡ ካብተን 27 መጻሕፍቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ ወንጌል ማቴዎስ ጥራይ እያ ተጻሒፋ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ። ስለዚ፡ እቲ ጳውሎስ ‘ንምትርጓም’ ይጥቀመሉ ወይ ይውከሶ ዝነበረ “ጽሑፋት” ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተወስደ ምዃኑ ግልጺ እዩ።

ብርግጽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 320 ግዜ ብቐጥታ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ድማ ብተዘዋዋሪ ይጠቅስ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ “ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓሳብ፡ እቶም ሎሚ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚቕበሉ ሰባት ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዚረኽቡ ይሕብረና።

እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝመሰረቱ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብሳላ እቲ ቐስ ብቐስ እናተጋህደ ዝመጸ ዕላማ ኣምላኽ እተረኽበ ቓል ኣምላኽ እዩ። ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘለዎ ዋጋ ድማ ፈጺሙ ኣይነከዮን። ኣብ ካምብሪጅ ዩኒቨርስቲ ፕሮፌሰር ስነ-ሃይማኖት ዝዀነ ሀርበርት ኤች. ፋርመር፡ ወንጌላት “ካብቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዚርከብ ጸብጻብ ታሪኽ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኺዳን ዝነበሩ ህዝቢ ነጺልካ ኺርአ ኸሎ፡ ክትርድኦ ኣይከኣልን እዩ” በለ።

ቃል ኣምላኽ ኪመሓየሽ ኣየድልዮን። ምኽንያቱ፡ “መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።” (ምሳሌ 4:18) ኣምላኽ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘለዎ ዋጋ ኸይነከየ፡ ኣብ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ ንናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ብምውሳኽ፡ ብዛዕባ እቲ ዕላማኡ ዚፍጸመሉ መገዲ ተወሳኺ ብርሃን ኣብሪሁ እዩ። እዚ ዅሉ፡ ክፋል እቲ “ቓል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር” እተባህለሉ እዩ።—1 ጴጥሮስ 1:24, 25