ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት

ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት

ኣብ ናይ ግሪኽ ዓለም ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንምስባኽ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቛንቋ፡ ግሪኽኛ እዩ ነይሩ። ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ መልእኽቶም ንምድጋፍ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ ቕዱሳት ጽሑፋት ብግሪኽኛ እዩ ዚዳሎ ነይሩ። ጸሓፍቲ ነቲ ብልምዲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ንምጽሓፍ ብመንፈስ ቅዱስ ኪድረኹ ኸለዉ፡ መብዛሕትኦም ብግሪኽኛ እዮም ዚጽሕፉ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ነቶም ንባህሊ ግሪኻውያን ዚፈልጡ ሰባት ዚርድኦም ኣገላልጻን ምሳሌን ዝሓዘ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሱስን ሃዋርያቱን ጸሓፍቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን፡ ግሪኻውያን ኣይነበሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኵሎም ኣይሁድ እዮም ነይሮም።—ሮሜ 3:1, 2

ግሪኽኛ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ክርስትና ኽንድዚ ኣገዳስነት ኪህልዎ ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያን ጸሓፍትን ሚስዮናውያንን፡ ነቶም ቋንቋ ግሪኽ ዚዛረቡ ሰማዕቶም ብዚርድኦም መገዲ ንመልእኽቶም ዜቕርቡ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧ እዚ ጥንታዊ ታሪኽ ዜገድሰናኸ ስለምንታይ እዩ፧

ምዝርጋሕ ባህሊ ግሪኽ

ኣብ ራብዓይ ዘመን ቅ.ክ. እስክንድር እቲ ዓብዪ ንሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ስዒሩ ደው ከይበለ፡ ናብ ካልእ ኽፋል ዓለም እውን ቀጸለ። ነዚ ሳላ ዓወቱ ዚረኽቦ ዝነበረ ሰፊሕ ቦታታት ኣብ ሓደ ንምሕባር፡ ንሱን እቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ነገስታትን፡ ቋንቋን ባህልን ግሪኽ ኬተኣታትዉ ጀመሩ።

ሮሜ ጸኒሓ ንግሪኽ ስዒራ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን እኳ እንተ መንዝዓታ፡ ባህሊ ግሪኽ ግን ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበሩ ሰባት ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ዘመን ቅ.ክ. ሰበ-ስልጣን ሮሜ ነቲ ብግሪኽ ዚግበር ዝነበረ ስነ-ጥበብ፡ ስነ-ህንጻ፡ ስነ-ጽሑፍ፡ ፍልስፍና ኺንእድዎ ጀመሩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ እቲ ገጣሚ ዝነበረ ሆረስ፡ “እታ እተማረኸት ግሪኽ፡ ነቶም ጨካናት ወረርታ ማረኸቶም” ዝበለ።

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮሜ፡ ኣብ ብምሉኡ ንእሽቶ እስያን ሶርያን ግብጽን ኣብ ዝነበራ ኣገደስቲ ኸተማታት፡ ማእከል ባህሊ ግሪኽ እናበዝሐ ኸደ። እዚ ኸኣ ካብ መንግስታዊ ትካላትን ሕግን ኣትሒዝካ ኽሳዕ ንግድን ኢንዱስትርን ፋሽንን ዘሎ ዓውድታት፡ ንመዓልታዊ መዳያት ህይወት ዚትንክፍ ኰነ። ኣብ መብዛሕትአን ከተማታት ግሪኽ፡ መንእሰያት ዚስልጥኑሉ ጂምናዝዩም ነበረ፣ ኣብ ትያትራት ከኣ ድራማታት ግሪኽ ይቐርብ ነበረ።

ኤሚል ሹረር ዝስሙ ጸሓፍ ታሪኽ፡ “ኣይሁድ እውን ቀስ እናበሉን እናተጠራጠሩን፡ ግናኸ ኸይፈተዉ ናብዚ ግሪኻዊ ባህሊ እዚ ተሳሒቦም እዮም” በለ። ኣብ ፈለማ፡ እቲ ኣይሁድ ንሃይማኖቶም ዝነበሮም ቅንኣት ነቲ ምስ ባህሊ ግሪኽ ዚመጽእ ኣረማዊ ነገራት ከም ዚነጽግዎ ገበሮም፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሓያሎ መዳይ ህይወቶም ተተንከፈ። ከመይሲ፡ ከምቲ ሹረር ዝገለጾ፡ “እታ ኣይሁድ ዚነብሩላ ዝነበሩ ንእሽቶ ኽሊ፡ ብዅሉ ሸነኻታ ባህሊ ግሪኻውያን ብዚስዕባ ሃገራት እተኸበት እያ ነይራ፣ ንግዲ ንምፍጻም ከኣ ተደጋጋሚ ምስዚኣተን ክትራኸብ ነበራ።”

ሰፕቱጀንት ዝነበሮ ተራ

ብዙሓት ኣይሁድ ናብ ከባቢ መዲተራነያን ግዒዞም ኣብኡ ምስ ሰፈሩ፡ ኣብተን ባህሊ ግሪኽ ዚስዕባን ግሪኽኛ ዚዛረባን ከተማታት ኪነብሩ ጀመሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ንሃይማኖቶም ኣይሓደግዎን፡ ዓመታዊ በዓላት ኣይሁድ ኬብዕሉ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ድሕሪ ግዜ ግን፡ ብዙሓት ካባታቶም ቋንቋ እብራይስጢ ኺጠፍኦም ጀመረ። a ስለዚ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብቲ ብዙሓት ሰባት ዚጥቀሙሉ ግሪኽኛ ኺትርጐም ኣድለየ። ምናልባት ኣብታ ኣገዳሲት ማእከል ባህሊ ግሪኽ ዝዀነት እስክንድርያ፡ ግብጺ ዚነብሩ ምሁራት ኣይሁድ ብ280 ቅ.ክ. ነዚ ዕዮ እዚ ጀመርዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ሰፕቱጀንት ተዳለወ።

ሰፕቱጀንት፡ ፈላም ሓድሽ መዋእል ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ። ከመይሲ፡ ነቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዘሎ መዝገብ ንምዕራባዊ ስልጣነ ዝኸፈተ መፍትሕ እዩ። ብዘይ ብእኡ፡ ኣምላኽ ምስ እስራኤላውያን ዝነበሮ ርክብ ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ኪርድኦ ዘይክእል ቋንቋ ተሓጺሩ ምተረፈ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ዓለምለኻዊ ወንጌላውነት ኣብ ምዝርጋሕ ብዙሕ እጃም ኣይመበርከተን። ሰፕቱጀንት ነቶም እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንኺፈልጡ ዜኽእሎም ድሕረ-ባይታን ኣረኣእያን ቋንቋን ዝሓዘ እዩ። ግሪኽኛ ብሰፊሑ ይፍለጥ ስለ ዝነበረ፡ ቅዱስ ሓቅታት ንምዝርጋሕ ዜኽእል መወዳድርቲ ዘይብሉ ቛንቋ ዀነ።

ጵሮሴሊትን ንኣምላኽ ዚፈርሁን

ኣብ ካልኣይ ዘመን ቅ.ክ. ኣይሁድ ንመብዛሕትኡ ጽሑፋቶም ናብ ግሪኽኛ ተርጐምዎ፡ ንሓደስቲ ጽሑፋት ከኣ ብቐጥታ በቲ ቛንቋ እቲ የዳልውዎ ነበሩ። እዚ ኸኣ ኣህዛብ ታሪኽን ሃይማኖትን እስራኤል ንኺፈልጡ ዓብዪ ግደ ነበሮ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ከም ዚገልጽዎ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ብዙሓት ኣህዛብ “ንርእሶም ምስ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣቀራረብዋ፡ ኣብ ኣምልኾ ኣይሁድ ተኻፈሉ፡ ንሕግታት ኣይሁድ ድማ ከከም ዝጠዓሞም የኽብሩ ነበሩ።”—ዘ ሂስትሪ ኦቭ ጂዊሽ ፒፕል ኢን ዘ ኤጅ ኦቭ ጂሰስ ክራይስት

ገሊኦም ኣህዛብ ንኣይሁድነትን ግዝረትን ተቐቢሎም ጵሮሴሊት ኰኑ። ገሊኦም ድማ ንእተወሰነ ኽፋል ኣይሁድነት ተቐበሉ፣ ኰይኑ ግን፡ ኣይተቐየሩን። እዚኣቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ጽሑፋት ግሪኽ፡ “ንኣምላኽ ዚፈርሁ” ተባሂሎም ተጠቒሶም ኣለዉ። ቆርኔሌዎስ፡ “ጻድቕ፡ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዚፈርህ” ተባሂሉ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቶም ኣብ ንእሽቶ እስያ ምስ ኣይሁድ ዚተሓባበሩ ዝነበሩ ብዙሓት ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ተራኺቡ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ኣንጾክያ ናይ ጵሲድያ ነቶም ኣብ ቤት ጸሎት ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት፡ “ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን” በሎም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:2፣ 13:16, 26፣ 17:4፣ 18:4

ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ነቶም ስግር ይሁዳ ዝነበሩ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ነቲ ብስራት ኪሰብኩሎም ከለዉ፡ ነዚ ዝሰምዑ ብዙሓት ሰባት፡ ግሪኻውያን እዮም ነይሮም። ክርስትና ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ብቐሊሉ ኺዝርጋሕ ይኽእል ነበረ። ኣምላኽ ንኣህዛብ እውን እንተ ዀነ ተስፋ ምድሓን ይህቦም ከም ዘሎ ንጹር ምስ ኰነ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ “ኣይሁዳዊ ወይ ግሪኻዊ” ከም ዘየልቦ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተገንዘቡ።—ገላትያ 3:28 ትርጕም 1990

ንግሪኻውያን ምስባኽ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ፡ ነቲ ሃይማኖታውን ስነ-ምግባራውን መለክዒታት ኣህዛብ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ፈለማ ሓደስቲ ክርስትያናት ዝዀኑ ኣህዛብ ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምቕባል ከቢድዎም ነበረ። ስለዚ፡ ኣምላኽ ንኣህዛብ ከም እተቐበሎም ንጹር ምስ ኰነ፡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ነቶም ሓደስቲ ክርስትያናት ካብ ደምን ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን ኪርሕቁ ነገርዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:29) እዚ ነቶም ብባህሊ ግሪኽ ዚመላለሱ ዝነበሩ ኣገዳሲ ነበረ፣ ከመይሲ፡ ሕብረተሰብ ግሪኽን ሮሜን ብ“ዜነውር ፍትወት” ከምኡውን ብግብረ-ሶዶም እተፈልጠ እዩ ነይሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ከኣ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዋላ ሓንቲ ቦታ የብሉን።—ሮሜ 1:26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10

ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንግሪኻውያን ዚሰብኩ ዝነበሩ ክርስትያን ሚስዮናውያን፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን እንተዀነ፡ ናብ ኣቴና፡ ግሪኽ ዚጐዓዙ ሰባት፡ ነቲ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ዝሃቦ ህቡብ መደረኡ ንምዝካር ተባሂሉ እተሰርሐ ጽላት ብሮንዞ ኣብታ ኸተማ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጸብጻብ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 17 ይርከብ። እተን መደረኡ ኺጅምር ከሎ እተዛረበን “ኣቱም ሰብ ኣቴና” ዚብላ ቓላት፡ ዝዀነ ይኹን ተዛራቢ ዚጅምረለን ቃላት እየ ነይረን፣ እዚ ኸኣ ነቶም ሰማዕቱ፡ እንተላይ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ፈላስፋታት ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ፍዅስ ከም ዚብሎም ገበረ። ብእምነት ሰማዕቱ ኣብ ክንዲ ዚሓርቕ ወይ ዚወቕሶም፡ ሃይማኖተኛታት ምዃኖም ብምጥቃስ ምሳታቶም ጽቡቕ ርክብ መስረተ። ብዛዕባ እቲ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዚብል ጽሕፈት ዘለዎ መሰውኢ ተዛረበ፡ ብዛዕባ እዚ ኣምላኽ እዚ ኺዛረብ ከም ዝደለየ ብምግላጽ ድማ ሓባራዊ ዜገድሶም ነገር ጠቐሰ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:16-23

ጳውሎስ፡ ሰማዕቱ ኪቕበልዎ ዚኽእሉ ሓሳባት ብምጥቃስ ሰበኸሎም። ሰዓብቲ እስጦይኮስ፡ ኣምላኽ ምንጪ ሰብኣዊ ህይወት ምዃኑ፡ ኵሎም ሰባት ካብ ሓደ ዓሌት ከም ዝመጹ፡ ኣምላኽ ካባና ኣዝዩ ዝረሓቐ ዘይምዃኑ፡ ሰብኣዊት ህይወት ኣብ ኣምላኽ ከም እትምርኰስ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ምስኡ ኺሰማምዑ ኸኣሉ። ነዛ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ንምድጋፍ፡ ንግጥምታት እቶም ሰዓብቲ እስጦይኮስ ዝነበሩ ኣራጠስን (ፌኖመና) ቅሊንጠስን (ሂም ቱ ዙስ) ጠቐሰ። ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስ እውን ምስ ጳውሎስ ዜመሳስሎም ነጥብታት ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ህያውን ኪፍለጥ ዚከኣልን ምዃኑ፡ ሓገዝ ዘየድልዮ ምዃኑ፡ ካብ ሰባት ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይደሊ፡ ከምኡውን ብኢድ ሰባት ኣብ እተሰርሐ ኣብያተ-መቓድስ ከም ዘይነብር ይኣምኑ ነበሩ።

ሰማዕቲ ጳውሎስ ነቲ ዚጥቀመሉ ዝነበረ መግለጺታት ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ከመይሲ፡ ሓደ ምንጪ ኸም ዝጠቐሶ፡ እቲ “ዓለም (ኮስሞስ)፡” “ዓሌት፡” ከምኡውን “ኣምላኽ” ዚብል ቃላት፡ ፈላስፋታት ግሪኽ ብተደጋጋሚ ዚጥቀሙሉ ዝነበሩ መግለጺታት እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-29) ጳውሎስ ንዓታቶም ኬእምን ኢሉ ንሓቂ የለሳልሳ ኣይኰነን ነይሩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ትንሳኤን ፍርድን እተዛረቦ ዘረባ ምስ እምነታቶም ዚጋጮ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ ንመልእኽቱ ብኽእለት ምስቲ ዅነታት ከም ዚሰማማዕ ገይሩ ኣቕረቦ፡ እዚ ኸኣ ነቶም ፈላስፋታት ዝዀኑ ሰማዕቱ ሰሓቦም።

መብዛሕትአን እተን ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት፡ ናብተን ኣብ ከተማታት ግሪኽ ዝነበራ ወይ ከኣ ናብተን ባህሊ ግሪኽ እተቐበላ ግዝኣታት ሮሜ እየን ተላኢኸን። እዘን ብንጹርን ሓያልን ግሪኽኛ እተጻሕፋ መልእኽትታት፡ ነቲ ልሙድ ኰይኑ ዝነበረ ሓሳባትን ኣብነታትን ባህሊ ግሪኽ ብጽቡቕ እየን ተጠቒመናሉ። ጳውሎስ ንጸወታታት ኣትለቲክስ፡ ነቲ ዚሰዓረ ሰብ ዚረኽቦ ሽልማት፡ ንቘልዓ ናብ ቤት ትምህርቲ ንዜሰንዮ ሓላዊ፡ ከምኡውን ካልእ ካብ ህይወት ግሪኻውያን እተወስደ ኣብነታት ጠቐሰ። (1 ቈረንቶስ 9:24-27፣ ገላትያ 3:24, 25 ትርጕም 1990) ንሓድሓደ መግለጺታት ግሪኽኛ እኳ እንተ ተጠቕመ፡ ንስነ-ምግባርን ሃይማኖታዊ ሓሳባትን ግሪኽ ግን ነጺግዎ እዩ።

ንዅላቶም ኵሉ ምዃን

ሃዋርያ ጳውሎስ ንኻልኦት ነቲ ብስራት ኬካፍሎም እንተ ዀይኑ፡ ‘ንዅላቶም ኵሉ ኪኸውን’ ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ። “እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ” ኢሉ ጸሓፈ፣ ነቶም ግሪኻውያን ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ ንኺፈልጡ ኺሕግዞም ኢሉ ድማ፡ ምስቶም ግሪኻውያን ከም ግሪኻዊ ዀነ። ኣብታ ንባህሊ ግሪኽ እተቐበለት ከተማ እተወልደ ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ከምዚ ንምግባር ብቑዕ እዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ዅሎም ክርስትያናት እውን፡ ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም።—1 ቈረንቶስ 9:20-23

ሎሚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ይግዕዙ እዮም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ሓደ ባህሊ ናብ ካልእ ባህሊ ይኸዱ። ክርስትያናት ነቲ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዚብል የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ንምፍጻም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰብኩ ስለ ዚጽዕሩ፡ እዚ ዓብዪ ብድሆ እዩ ዚዀኖም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19) ሰባት ነቲ ብስራት ብቛንቋ ኣዲኦም ኪሰምዕዎ ኸለዉ ልቦም ከም ዚትንከፍን ጽቡቕ ምላሽ ከም ዚህቡን ብተደጋጋሚ ኣስተውዒሎም እዮም።

በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ እዛ መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ እትበሃል መጽሔት ወርሓዊ ብ169 ቋንቋታት፡ እታ ብጸይታ ዝዀነት ንቕሑ! እትበሃል መጽሔት ከኣ ብ81 ቋንቋታት እትሕተም። ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ናብ ከባቢኦም ዝመጹ ሰባት ብዛዕባ እቲ ብስራት ንምንጋር፡ ከም ሩስያኛ፡ ቻይንኛ፡ ዓረብኛ ዝኣመሰለ ኸቢድ ቋንቋ ኺመሃሩ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም። ዕላማኦም ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ ዚመሳሰል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዅሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዅላቶም ኵሉ ዀንኩ” ብምባል ነዚ ብጽቡቕ መገዲ ገሊጽዎ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 9:22

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ብዙሓት ኣይሁድ፡ ግሪኽኛ ይዛረቡ ነበሩ። ንኣብነት፡ ግሪኽኛ ዚዛረቡ “ሊቤርጢኖን ካብ እትብሀል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስክንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን” ዝመጹ ሰባት ነይሮም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1, 9

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሮሜ

ግሪኽ

ኣቴና

እስያ

ኣንጾክያ (ናይ ጵሲድያ)

ቂልቅያ

ሶርያ

ይሁዳ

የሩሳሌም

ግብጺ

እስክንድርያ

ቄሬኔ

ባሕሪ መዲተራነያን

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

“ሰፕቱጀንት” ፍልጠት የሆዋ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንኺዝርጋሕ ሓገዘ

[ምንጪ ስእሊ]

Israel Antiquities Authority

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንመዘከርታ መደረ ጳውሎስ ተባሂሉ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ዚርከብ ጽላት