ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ውዳሰና ዚግብኦ ፈጣሪ

ውዳሰና ዚግብኦ ፈጣሪ

ንኣምላኽ ቅረቦ

ውዳሰና ዚግብኦ ፈጣሪ

ራእይ 4:11

‘ትርጕም ህይወት እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እቶም ህይወት ብዘይ ገለ ሓሳብ ብፍልቀት ከም ዝመጸ ዚኣምኑ ሰባት፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኺረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። እቶም የሆዋ ኣምላኽ ምንጪ ህይወት ምዃኑ ዚገልጽ ጽኑዕ ዝመሰረቱ ሓቂ ዚቕበሉ ሰባት ግን ከምኡ ኣይኰኑን። (መዝሙር 36:9) ኪፈጥረና ኸሎ ዕላማ ኸም ዝነበሮ ይፈልጡ እዮም። እዚ ዕላማ እዚ ኣብ ራእይ 4:11 ተገሊጹ ኣሎ። እተን ብሃዋርያ ዮሃንስ እተጻሕፋ ቓላት፡ ብዛዕባ እቲ ብህይወት ዘለናሉ ምኽንያት ዚገልጻኦ ነገራት እስከ ንርአ።

ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዚውድስ፡ “ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ” ዚብል ናይ ሓባር ሰማያዊ መዝሙር ከም ዝሰምዐ ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኽብሪ ዚግብኦ የሆዋ ጥራይ እዩ። ስለምንታይ፧ ‘ንብዘሎ ንሱ ስለ ዝፈጠሮ’ እዩ። እሞኸ እቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ እንታይ ንኺገብሩ እዮም ዚድረኹ፧

የሆዋ፡ ክብርን ስብሓትን ስልጣንን “ንምውሳድ” ዚበቅዕ ከም ዝዀነ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኽብ ዝበለን ዝኸበረን ዝሓየለን ምዃኑ ዜተሓታትት ኣይኰነን። መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ግን፡ ፈጣሪ ዅሉ ነገር ከም ዝዀነ ብሓቂ ኣፍልጦ ኣይህብሉን እዮም። ኰይኑ ግን፡ በቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት፡ ነቲ “ዘይርኤ ባህርዩ” ብንጹር ዚርእዩ ሰባት ኣለዉ። (ሮሜ 1:20) ካብ ልቢ ብዝነቐለ ሞሳ ተለዓዒሎም ንየሆዋ ኽብርን ስብሓትን ይህብዎ እዮም። የሆዋ ንዅሉ ነገራት ብዜገርም መገዲ ስለ ዝፈጠረ፡ ኣኽብሮት ዚግብኦ ምዃኑ ዚገልጽ ዜደንቕ መርትዖ፡ ንዅሎም ሰባት ይእውጁ እዮም።—መዝሙር 19:1, 2፣ 139:14

የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ ስልጣን ወይ ሓይሊ ዚቕበል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ብርግጽ፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ፈጣሪ ሓይሊ ኺህቦ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ፍጥረት የለን። (ኢሳይያስ 40:25, 26) እንተዀነ ግን፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጠርና፡ ከም ሓይሊ ዝኣመሰለ ባህርያት ኣምላኽ ብመጠኑ ተዋሂቡና እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ነቲ ፈጣሪና ዝገበረልና ነገራት ሞሳ እነርኢ እንተ ደኣ ዄንና፡ ሓይልናን ክእለትናን ንዕኡ ኽብ ንምባልን ንምኽባርን ክንጥቀመሉ ኺድርኸና እዩ። ሓይልና ብሕታዊ ጥቕምና ንምድንፋዕ ጥራይ ኣብ ክንዲ እንጥቀመሉ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግሎ ኸለና ምሉእ ሓይልና ኪቕበል ዚግብኦ ኸም ዝዀነ ኺስምዓና ኣለዎ።—ማርቆስ 12:30

ብህይወት ዘለና ደኣ እሞ ስለምንታይ ኢና፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ መወዳእታ ኽፋል ራእይ 4:11 ንረኽቦ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ስለ ፍቓድካውን [ብዘሎ ፍጥረት] ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ” ትብል። ናብ ህልውና ዝመጻእና ባዕልና ኣይኰንናን። ብህይወት ዘለና ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጥቕሚ ርእስና ብምድላይ ጥራይ እንነብሮ ዓይነት ህይወት፡ ባዶን ትርጕም ዘይብሉን እዩ። ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ርውየትን ንምርካብ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንነብርን ኣሎና። ከምዚ እንተ ጌርና ድማ ኢና፡ ነቲ እተፈጠርናሉን ብህይወት ዘለናሉን ዕላማ ኽንፈልጦ እንኽእል።—መዝሙር 40:8

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

NASA, ESA, and A. Nota (STScI)