ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሱስ ኪሰዓብ ዘለዎ ፍጹም ኣርኣያ

የሱስ ኪሰዓብ ዘለዎ ፍጹም ኣርኣያ

የሱስ ኪሰዓብ ዘለዎ ፍጹም ኣርኣያ

ዝሓሽካን ዝያዳ ሕጉስን ክትከውን ትደሊዶ፧ ከመይ ጌርና ኸምኡ ኽንከውን ከም እንኽእል፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ጴጥሮስ 2:21) እወ፡ የሱስ ክርስቶስ ፍልይ ዝበለ ህይወት ስለ ዝመርሐ፡ ካብኡ ብዙሕ እንመሃሮ ነገር ኣሎ። ብዛዕባ የሱስ ብምፍላጥን ኣርኣያኡ ብምስዓብን፡ ዝሓሽናን ዝያዳ ሕጉሳትን ክንከውን ንኽእል ኢና። ንገለ ኻብቲ እዚ ዓብዪ ሰብኣይ ዝነበሮ ባህርያት ንመርምር፡ ካብ ኣብነቱ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ከኣ ንርአ።

የሱስ ሚዛናዊ ነበረ። ሽሕኳ የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ፡ “ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” እንተ በለ፡ ንሱ ግን መናኒ ኣይነበረን፡ ወይ ከምኡ ዓይነት ህይወት ኣየተባብዐን። (ማቴዎስ 8:20) ናብ ድግስ ይኸይድ ነበረ። (ሉቃስ 5:29) እቲ የሱስ ኣብ ሓደ መርዓ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ንሱ ዝፈጸሞ ናይ መጀመርያ ተኣምር፡ ጸረ-ሕብረተሰብ ወይ መናኒ ዘይምንባሩ እዩ ዚሕብር። (ዮሃንስ 2:1-11) ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢሩ ዚርእዮ እንታይ ምዃኑ ግን ብንጹር ገሊጹ እዩ። “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ።—ዮሃንስ 4:34

ኣብ መንጎ ስጋውን መንፈሳውን ሸቶታትካ ብኸመይ ሚዛንካ ኽትሕሉ ኸም እትኽእል ንምስትውዓል፡ ንናብራ ህይወትካ መርሚርካዶ፧

የሱስ ተቐራቢ ነበረ። የሱስ ፈቃርን ፍሽሑውን ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ሰባት ጸገማቶም ወይ ዜጨንቖም ሕቶታት ሒዞም ኪቐርብዎ ኸለዉ፡ ቅጭ ኣይመጾን እዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ብዙሓት ሰባት ከቢቦምዎ ኸለዉ፡ ሓንቲ ን12 ዓመት ዝሓመመት ሰበይቲ ኽትሓዊ ተስፋ ብምግባር ክዳኑ ተንከየቶ። ከም እተዳፈረት ገይሩ ኣይገንሓን፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሕያውነት፡ “ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሐነትኪ” በላ። (ማርቆስ 5:25-34) ቈልዑ እውን እንተ ዀኑ፡ ከይተሰከፉ ይቐርብዎ ነበሩ። (ማርቆስ 10:13-16) ምስ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽን ባህ ዜብልን ዝርርብ ይገብር ነበረ። ንሳቶም ድማ ናብኡ ምቕራብ ኣይከብዶምን ነበረ።—ማርቆስ 6:30-32

ሰባት ክሳዕ ክንደይ እዮም ከይተሰከፉ ዚቐርቡኻ፧

ደንጋጽን ርሕሩሕን ነበረ። ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝነበሮ ብሉጽ ባህርያት፡ ስምዒታት ሰባት ንኺርዳእን ኣድላዪ ሓገዝ ንኺህብን ኢሉ ንርእሱ ኣብ ቦታ ኻልኦት ዚገብር ምንባሩ እዩ። የሱስ ንማርያም ብምኽንያት ሞት ኣልኣዛር ሓዋ ኽትበኪ ኸላ ምስ ረኣያ፡ ‘ብመንፈሱ ተኪዙ ኸም ዘሕነቕነቐን ከም ዝነብዐን፡’ ሃዋርያ ዮሃንስ ገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት፡ የሱስ ነዛ ስድራ ቤት ዝነበሮ ፍቕሪ ብቐሊሉ ኺርእዩ ኽኢሎም እዮም፣ ነዚ ፍቕሩ ብንጹር ምግላጽ ከኣ ኣየሕፈሮን። ኣስዒቡ ንፈታዊኡ ብምትንሳእ ከመይ ዝበለ ርሕራሐ ዀን እዩ ዘርኣየ!—ዮሃንስ 11:33-44

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ለምጻም ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” ኢሉ ለመኖ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብሰንኪ እቲ ዜስካሕክሕ ሕማም ካብ ሰብ ተፈልዩ ይነብር ነበረ። የሱስ ዝሃቦ ምላሽ ብሓቂ ልቢ ዚትንክፍ እዩ ነይሩ፣ “ኢዱ ዘርጊሑ፤ ፈትየ አሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ።” (ማቴዎስ 8:2, 3) ትንቢት ንምፍጻም ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን ንሰባት ዜሕዊ ነይሩ። ንብዓቶም ኪደርዘሎም ይፈቱ ነይሩ እዩ። ኵሉ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት ብሓደ ኻብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዚዝከር፡ “ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም” ኢሉ እተዛረቦ ሓሳባት እዩ ዚምራሕ ነይሩ።—ሉቃስ 6:31

ንሰባት ከም እትርሕርሓሎም ብተግባራትካ ተርኢ ዲኻ፧

የሱስ ንሰባት ዚርድኣሎምን መስተውዓልን ነበረ። የሱስ ተጋግዩ ዘይፈልጥ ክነሱ፡ ካብ ሰባት ፍጽምና ኣይተጸበየን፡ ወይ ንርእሱ ኻብ ካልኦት ክብ ኣየበለን፣ ብሃወኽ ዝወሰዶ ስጕምቲ እውን የለን። ሓደ እዋን፡ ‘ኣብ ሓደ ዓዲ’ እትነብር “ሓጢኣተኛ ሰበይቲ፡” ንእግሪ የሱስ ብንብዓታ ብምሕጻብ፡ እምነታን ሞሳኣን ገለጸት። የሱስ ከምኡ ኽትገብር ፈቐደላ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ብትሪ ዝፈረዳ ንየሱስ ዝዓደሞ ሰብኣይ ኣገረሞ። የሱስ ነታ ሰበይቲ፡ ቅንዕናኣ ስለ እተረድኣላ፡ ብሓጢኣታ ኣይኰነናን። የግዳስ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ” በላ። ሳላ እቲ የሱስ ዝሃባ ፍቕራዊ ምላሽ፡ ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኣ ሓዲጋቶ ኽትከውን ኣለዋ።—ሉቃስ 7:37-50

ንምንኣድ ቅልጡፍ፡ ንምዅናን ድማ ደንጓዪ ብምዃን ዲኻ እትፍለጥ፧

ዘየዳሉን ንሰባት ዜኽብርን ነበረ። ምናልባት ባህርያት የሱስን እቲ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ ዮሃንስን ስለ ዚመሳሰል፡ ኣዝማድ እውን ነይሮም ኪዀኑ ስለ ዚኽእሉ፡ የሱስ ነቲ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ ዮሃንስ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። a ኰይኑ ግን፡ ኣድልዎ ኣይገበረን፡ ወይ ከኣ ንዮሃንስ ካብቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኣብሊጹ ኣይርእዮን እዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 13:23) አረ ዮሃንስን ያእቆብ ሓዉን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ብሉጽ ቦታ ኺህቦም ምስ ሓተትዎስ፡ “ኣብ የማነይን ኣብ ጸጋመይን ምቕማጥ . . . ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” ኢሉ እዩ መሊሱሎም።—ማርቆስ 10:35-40

የሱስ ወትሩ ንሰባት የኽብር ነበረ። ከምቲ ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ዚገብርዎ ዝነበሩ ንኻልኦት ኣቐዲሙ ኣይፈርድን እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ደቂ ኣንስትዮ ኻብ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሒትካ እየን ዝረኣያ ነይረን። እንተዀነ ግን፡ የሱስ ንደቂ ኣንስትዮ ኽብረተን ይሕልወለን ነበረ። ንፈለማ ግዜ መሲሕ ምዃኑ ኣግሂዱ ዝገለጸ፡ ንኣይሁዳዊት ዘይኰነስ፡ ንሓንቲ ሳምራዊት እዩ፣ ኣይሁድ ብሓፈሻ ንሳምራውያን ይትረፍዶ ሰላም ኪብልዎምሲ ብንዕቀት እዮም ዚርእይዎም ነይሮም። (ዮሃንስ 4:7-26) የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ቐዳሞት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኪዀና ፍሉይ መሰል ዝሃበን እውን ንኣንስቲ እዩ።—ማቴዎስ 28:9, 10

ካብ ናትካ እተፈልየ ዓሌት፡ ጾታ፡ ቋንቋ፡ ወይ ዜግነት ምስ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዘሎካ ርክብ፡ ፍትሒ ተርኢ ዲኻ፧

ሓላፍነት ዚስምዖ ወድን ሓውን ነበረ። የሱስ ገና መንእሰይ ከሎ፡ እቲ ዘዕበዮ ኣቦኡ ዮሴፍ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ከም ጸራቢ ዀይኑ ብምስራሕ፡ ንኣዲኡን ንምንኣሱ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ይሕግዞም ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 6:3) ቀቅድሚ ሙማቱ፡ ነቲ ወደ መዝሙሩ ዝነበረ ዮሃንስ፡ ንኣዲኡ ኺከናኸነሉ ሕድሪ ሃቦ።—ዮሃንስ 19:26, 27

ከምቲ የሱስ ዝገበሮ ጌርካ፡ ኣብ ስድራ ቤትካ ዘሎካ ሓላፍነታት ብምስካም፡ ንየሱስ ክትመስሎ ትኽእልዶ፧

የሱስ ናይ ሓቂ ዓርኪ ነበረ። የሱስ ሓለፍ ዝበለ ዓርኪ ነበረ። ብኸመይ፧ ዋላ እውን ኣዕሩኹ ብተደጋጋሚ እንተ ተጋገዩ፡ ኣየርሓቖምን። ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ ሳዕ ከምቲ ንሱ ዚደልዮ ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። ይኹን እምበር፡ ሕማቕ ድራኸ ኸም ዘለዎም ኣብ ክንዲ ዚሓስብ፡ ኣብቲ ዝነበሮም ጽቡቕ ባህርያት ብምትኳር፡ ዓርኮም ምዃኑ ኣርኣየ። (ማርቆስ 9:33-35፣ ሉቃስ 22:24-27) ንኣረኣእያኡ ኪቕበሉ ኣየገደዶምን፣ የግዳስ፡ ሓሳባቶም ከይተሰከፉ ኺገልጹ ይሓቶም ነበረ።—ማቴዎስ 16:13-15

ልዕሊ ዅሉ፡ የሱስ ንኣዕሩኹ የፍቅሮም ነበረ። (ዮሃንስ 13:1) ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜፍቅሮም ነይሩ፧ “ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ፡ ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 15:13) ሓደ ሰብ ንኣዕሩኹ ህይወቱ ኻብ ምሃብ ንላዕሊ እሞ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

ሰባት ኬሕርቑኻ ወይ ኬጕህዩኻ ኸለዉ እውን ከይተረፈ፡ ዕርክነትካ ሒዝካ ትቕጽል ዲኻ፧

ተባዕ ሰብኣይ ነበረ። የሱስ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ስእልታት ዚርአ ድኹምን መስኪንን ኣይኰነን ነይሩ። ወንጌላት ከም ብርቱዕን ሓያልን ሰብኣይ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። የሱስ ክልተ ሳዕ ንነጋዶ ምስ ኣቕሑኦም ካብ ቤተ መቕደስ ሰጒጕዎም እዩ። (ማርቆስ 11:15-17፣ ዮሃንስ 2:14-17) ጭፍራ ሰባት “ንየሱስ ናዝሬታዊ” ኺሕዝዎ ምስ መጹ፡ ብትብዓት መንነቱ ነገሮም፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ካብቲ ዚመጽእ ዝነበረ ሓደጋ ኣዕቈቦም፣ ነቶም ጭፍራ ኸኣ፡ “ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ አሊኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም” በሎም። (ዮሃንስ 18:4-9) የሱስ ኪተሓዝ ከሎን ኪግፋዕ ከሎን እውን እንተ ዀነ፡ ትብዓት ስለ ዘርኣየ እዩ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ “እንሆ እቲ ሰብኣይ” ዝበለ።—ዮሃንስ 19:4, 5

እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ምስ ፈለጥካ፡ ብቘራጽነትን ብትብዓትን ስጕምቲ ትወስድ ዲኻ፧

እዝን ካልእ ሓለፍ ዝበለ ባህርያትን፡ የሱስ ኪሰዓብ ዚግብኦ ኣርኣያ ምዃኑ ዚሕብር እዩ። ኣካይዳኡ ኺጸልወና ፍቓደኛታት እንተ ዄንና፡ ዝሓሽናን ዝያዳ ሕጉሳትን ክንከውን ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንክርስትያናት ኣስኣሰር የሱስ ኪስዕቡ እተማሕጸኖም። ኣስኣሰር የሱስ ክትስዕብ ትጽዕር ዲኻ፧

ኪሰዓብ ዘለዎ ኣርኣያ ጥራይ ኣይኰነን

ይኹን እምበር፡ የሱስ ኪሰዓብ ዘለዎ ኣርኣያ ጥራይ ኣይኰነን። ንሱ ባዕሉ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” በለ። (ዮሃንስ 14:6) ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ፡ ብእኡ ኣቢሉ ኸኣ ሰባት ናብ ኣምላኽ ዚቐርቡሉ መገዲ ኣብ ልዕሊ ምኽፋቱ፡ እሙናት ሰባት ህይወት ዚረኽቡሉ ኣጋጣሚ ኣቕረበሎም።—ዮሃንስ 3:16

የሱስ ብዛዕባ እቲ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ፡ “ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” በለ። (ማቴዎስ 20:28) ህይወቱ ኸም መስዋእቲ ገይሩ ብምኽፋል፡ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ መሰረት ኣንበረ። ካብዚ መሰናድዎ እዚ ንኽንጥቀም ብውልቅና እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧ የሱስ ነዚ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ።—ዮሃንስ 17:3

እወ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክንረክብ እንተ ዄንና፡ ንየሱስ ክንፈልጦን ንኣነባብራኡ ኽንቀድሕን ኣብቲ መስዋእታዊ ሞቱ ኽንኣምንን ኣሎና። ነቲ ምንጪ እዚ ፍልጠት እዚ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጽንዕ ግዜ ኽትምደብ፡ ከም የሱስ ድማ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ነገራት ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ኽትጽዕር ንዕድመካ። b

ኣብነታዊ ህይወት የሱስ፡ ከመይ ዓይነት ሰባት ክንከውን ከም ዘሎና ይምህረና። መስዋእታዊ ሞቱ ድማ ካብ ሓጢኣትን ካብቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ሓራ የውጽኣና። (ሮሜ 6:23) ሓያል ጽልዋ የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይህሉ ነይሩስ፡ ኵነታትና ኽሳዕ ክንደይ ኰን ምተበላሸወ! ኣቓልቦና ዚሰርቕ ነገራትን ኣብ ናብራ ህይወትና ዜጋጥመና ጭንቀትን ነቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝሓደጎ ኣብነት ንኸይትምርምርን ንኸይትስዕብን ኪዓግተካ ኣይተፍቅደሉ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሰሎሜ ኣደ ዮሃንስ፡ ሓብቲ ማርያም ኣደ የሱስ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ማቴዎስ 27:55, 56 ምስ ማርቆስ 15:40 ከምኡውን ዮሃንስ 19:25 ኣረኣኢ።

b ብዛዕባ ምድራዊ ህይወት የሱስ ዝርዝር ጸብጻብ እንተ ደሊኻ፡ ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣስኣሰር የሱስ ክትስዕብ ትጽዕር ዲኻ፧

◼ የሱስ ዘየዳሉን ንዅሉ ዜኽብርን ነበረ

◼ ክሳዕ መወዳእታ ናይ ሓቂ ዓርኪ ነበረ

◼ ተባዕ ነበረ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ሚዛናዊ . . .

ተቐራቢ . . .

ርሕሩሕ ነበረ