ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንደቅኻ ምሃሮም

ዳዊት ዘይፈርሃሉ ምኽንያት

ዳዊት ዘይፈርሃሉ ምኽንያት

ፈሪህካዶ ትፈልጥ፧— a መብዛሕትና ሓድሓደ እዋን ንፈርህ ኢና። ክትፈርህ ከለኻ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧— ካባኻ ናብ ዚዓብን ዚሕይልን ሰብ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ኣቦኻ ወይ ኣዴኻ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ሓገዝ ንምርካብ ናብ መን ክንከይድ ከም ዘሎና ኻብ ዳዊት ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ንሱ ንኣምላኽ፡ “ኣባኻ እውከል . . . ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን” ኢሉ ዘመረሉ።—መዝሙር 56:3, 4

ዳዊት ዘይምፍራህ እተማህረ ኻብ መን ይመስለካ፧ ካብ ወለዱዶ ይኸውን፧— ካባታቶም ከም እተማህረ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣቦኡ እሴይ፡ እሙን ኣቦሓጎ እቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 9:6፣ 11:1-3, 10) ኣቦ እሰይን ኣቦሓጎ ዳዊትን ድማ እዮቤድ እዩ ነይሩ። ሓደ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብስም ኣደ እዮቤድ እዩ ዚጽዋዕ። ስማ ትፈልጦዶ፧— ሩት ትበሃል፣ ብዓል ቤታ ቦኣዝ ዚበሃል ኰይኑ፡ ንሳ ኸኣ እምንቲ ሰበይቲ እያ ነይራ።—ሩት 4:21, 22

ልክዕ እዩ፡ ሩትን ቦኣዝን፡ ቅድሚ እቲ ዳዊት እተወልደሉ እዋን ነዊሕ ዓመታት ኣቐዲሞም እዮም ሞይቶም። ኣደ ቦኣዝን ንዳዊት ናይ እኖሓጎኡ እኖሓጎን፡ ስማ መን ምዃኑ ትፈልጦ ትኸውን። ኣብ ያሪኮ ትነብር ነበረት፡ ገለ እስራኤላውያን ሰለይቲ ንኺድሕኑ ድማ ሓገዘቶም። ቀጽሪ ያሪኮ ኺወድቕ ከሎ፡ ኣብ መስኰታ ቐይሕ ገመድ ብምንጥልጣላ ንስድራ ቤታ ኸተዕቍብ ከኣለት። ስማ መን እዩ፧— ረሃብ ትበሃል። ንየሆዋ እተምልኽን ክርስትያናት ኪመስልዋ ዘለዎም ኣብነት ትብዓትን ኰነት።—እያሱ 2:1-21፣ 6:22-25፣ እብራውያን 11:30, 31

ወለዲ ንደቆም ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ኪምህርዎም ተኣዚዞም ስለ ዝነበሩ፡ ዳዊት ካብ ኣቦኡን ኣዴኡን ኵሉ እቲ ብዛዕባ እቶም እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዚምልከት ነገራት ከም እተነግሮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዘዳግም 6:4-9) እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ሳሙኤል፡ ነቲ ኻብ ደቂ እሴይ ዝነኣሰ ዳዊት፡ ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ንኪኸውን ዝሓርየሉ ግዜ ኣኸለ።—1 ሳሙኤል 16:4-13

ሓደ መዓልቲ፡ እሴይ ንዳዊት፡ ነቶም ጸላእቲ ኣምላኽ ዝዀኑ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ንዝነበሩ ሰለስተ ዓበይቲ ኣሕዋቱ፡ ምግቢ ኺወስደሎም ለኣኾ። ዳዊት ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ናብቲ ውግእ ዚግበረሉ ቦታ ጐየየ፡ እቲ ዓርሞሸሽ ዝነበረ ጐልያድ “ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ” ኬባጭወሎም ከሎ ድማ ሰምዐ። ነቲ ጐልያድ ንኺገጥምዎ ዘቕረበሎም ሕቶ ንምቕባል ኵሎም ፈርሁ። ንጉስ ሳኦል፡ ዳዊት ኪዋጋእ ፍቓደኛ ኸም ዝዀነ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ጸውዖ። ሳኦል ንዳዊት ምስ ረኣዮ ግን፡ “ንስኻ ቘልዓ ኢኻ” በሎ።

ዳዊት ድማ፡ ኣባጊዕ ስድራ ቤቱ ኺበልዑ ንዝፈተኑ ኣንበሳን ድብን ከም ዝቐተለ ንሳኦል ገለጸሉ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ጐልያድ “ከም ሓደ ኻባታቶም ኪኸውን እዩ” በለ። ሳኦል፡ “ኪድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን” በሎ። ዳዊት ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቝርባበሻኡ ኣቐመጦ፣ ወንጭፉ ሒዙ ድማ ነቲ ዓርሞሸሽ ኪገጥሞ ኸደ። ጐልያድ ንእሽቶ ቘልዓ ኺመጾ ኸሎ ምስ ረኣየ፡ “ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ . . . ክህቦም እየ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ኣነ . . . ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት . . . እመጸካ አሎኹ፡” “ኣነ ኸኣ ክቐትለካ . . . እየ” ኢሉ መለሰሉ።

ድሕርዚ፡ ዳዊት እናጐየየ ናብ ጐልያድ ከደ፡ ካብቲ ቝርባበሻኡ እምኒ ወሲዱ ኣብ ወንጭፉ ገበሮ፡ ወንጪፉ ኸኣ ንጐልያድ ኣብ ግምባሩ ወቕዖ። ፍልስጥኤማውያን እቲ ዓርሞሸሽ ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ኣዝዮም ስለ ዝፈርሁ ሃደሙ። እስራኤላውያን እግሪ እግሮም ሰዓብዎም፡ ኣብቲ ውግእ ድማ ሰዓርዎም። በጃኻ ነቲ ኣብ 1 ሳሙኤል 17:12-54 ዚርከብ ዛንታ፡ ብምሉኡ ምስ ስድራ ቤትካ ዄንካ ኣንብቦ።

ቈልዓ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ሓድሓደ ግዜ ንትእዛዛት ኣምላኽ ምስዓብ የፍርሃካ ይኸውን። ኤርምያስ ቈልዓ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መጀመርታ ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ግን፡ ‘ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ’ በሎ። ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገይሩ ብትብዓት ሰበኸ። ንስኻ እውን ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልካ፡ ከም ዳዊትን ኤርምያስ ኣይክትፈርህን ኢኻ።—ኤርምያስ 1:6-8

a ነዚ ጽሑፍ እዚ እተንብቦ ዘለኻ ምስ ቈልዑ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እዚ ፈላዪ ሕንጻጽ እዚ ሓንሳእ ብምዕራፍ፡ ነቶም ቈልዑ ኽትሓቶም ከም ዘሎካ ዜዘኻኽር እዩ።