ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጌጋታት ክረክብ ክብል፡ ሓቂ ረኸብኩ

ጌጋታት ክረክብ ክብል፡ ሓቂ ረኸብኩ

ጌጋታት ክረክብ ክብል፡ ሓቂ ረኸብኩ

ሩዶልፍ ስቱዋርት ማርሻል ዘዘንተዎ

ኣባል ካቶሊክ ዝዀነ የሱሳዊ ኻህን፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነዘራርብን ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚጥቀሙ” በለኒ። ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ምዃኑ ንሰበይተይ ንኼርእያ ስለ ዝሓተትክዎ፡ እቲ መልሱ ገረመኒ። ባዕለይ ነዚ ምእንቲ ኸርእያ፡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ከም ዘሎኒ ወሰንኩ።

ኣብቲ ወዲ 43 ዓመት ዝነበርኩሉ እዋን እየ ብስነ-መጎታውን ስነ-ሃይማኖታውን ፍልጠተይ ገይረ፡ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ምዃኑ ኸረጋግጽ እተለዓልኩ። ካብ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኣትሒዘ ኽሳዕ ኮለጅ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካቶሊክ እየ ተማሂረ። ብ1969 ብስነ-ቝጠባ ብቢ.ኤ. ዲግሪ እተመረቕኩ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ጐድኒ ጐድኑ ድማ ፍልስፍናን ስነ-ሃይማኖትን እኳ እንተ ተመሃርኩ፡ እቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካቶሊክ ዝረኸብክዎ ትምህርቲ ግን ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጠቓልል ኣይነበረን።

ድሕሪ ኮለጅ፡ ፓትሪሻ ማክጊን ንእትበሃል ሰዓቢት እምነት ካቶሊክ ተመርዓኹዋ። ክልቴና ኻብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዶክተርነት ዲግሪ ረኸብና። ስቱዋርት ወድና ብ1977 ተወልደ፡ ኣብ ሳክራመንቶ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕ.መ.ኣ. ድማ ክንቅመጥ ጀመርና። ኣብ ዚቕጽል 23 ዓመት፡ ብመንግስቲ ካሊፎርንያ ተቘጺረ፡ ባጀት ትምህርቲ ዘለዎ ገንዘባዊ ጽልዋ እትንትን ነበርኩ። ብትግሃት እዓይን ጽቡቕ ህይወት እነብርን ነበርኩ። ወድና እናዓበየ ምስ ከደ፡ ንፉዕ ኣቦ ዀንክዎ። ፍቕርቲ ብዓልቲ ቤተይ እምንቲ ደጋፊተይ ነበረት፡ ኣነ እውን ከምኡ።

ናይ 25 ሳንቲም መልሲ

ወድና ወዲ ኽልተ ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፓትሪሻ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተቐበለት፡ ምሳታቶም እውን ከተጽንዕ ጀመረት። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ተጠምቀት። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ በዓላትን ምምሕልላፍ ደምን ዘለዎም ኣረኣእያ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዀይኑ ይስምዓኒ ነበረ፣ ኰይኑ ግን ኣብ ገሊኡ ጕዳያት ዜቕርብዎ መረዳእታታት ዜእምን ኰይኑ ረኸብክዎ። ብ1987 ኣብ ቅድሚ ኣባላት ኮሚተታት ትምህርቲ ሰነትን ባይቶን ቀሪበ፡ ብዛዕባ እቲ ንሓጋጊ ኣካል እቲ መንግስቲ ዘቕረብክዎ ሓሳባት ክገልጽ ከለኹ፡ ነዚ ስምዒታተይ እዚ ብጋህዲ ኣውጻእክዎ።

ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ምስ ካልኦት መንግስትታት ተወዳዲሩ ኻብ ፈደራል ዚወሃብ ናይ ሽዱሽተ ቢልዮን ባጀት ኪዕወት ደልዩ ነበረ። እቲ ፕሮጀክት፡ ኣዝዩ ዓብዪ ስነ-ፍልጠታዊ መሳርሒ ምስራሕ ነበረ። ኣብ ቍጠባ እቲ መንግስቲ ብዙሕ ጽልዋ ኸም ዘይህልዎ ብምግላጽ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ገንዘብ ከይምወል ሓሳብ ኣቕረብኩ። እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጋጊ ኣካል፡ ክልተ ተዓወትቲ ሽልማት ኖበል ብምቕራብ ገንዘብ ኪምወል ተማጐተ። ክልቲኦም ድማ እቲ ፕሮጀክት ኬምጽኦ ዚኽእል ፍልጠት ገለጹ። እቲ ሓደ፡ ብዛዕባ መበቈል ዩኒቨርስ ዘሎና ሕቶታት ኪምለስ ከም ዚኽእል ሓበረ። እቲ ኻልኣዩ ኸኣ፡ ኣብ ፕላነትና ህይወት ብኸመይ ከም ዝጀመረ ኺፍለጥ ከም ዚኽእል ተዛረበ።

ኣቦ መንበር እቲ ኮሚተ ናባይ ቍሊሕ ኢሉ፡

“ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር በዚሕዎዶ ትብል፧” ኢሉ ሓተተኒ።

“እዚ ኣገዳሲ ሕቶታት ምዃኑ እሰማምዓሉ እየ። እንተዀነ ግን፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀዳም ንግሆ ናብ ቤተይ መጺኦም ብ25 ሳንቲም ወፈያ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽረኽበላ ዚኽእል መጽሔት ኣቕሪቦምለይ። እቲ ናይ 25 ሳንቲም መልሶም ከኣ ካብዚ በዚ ፕሮጀክት ኣቢልና እንረኽቦ ናይ ሽዱሽተ ቢልዮን ዶላር መልሲ ዝሓሸ ኸይከውን የጠራጥረኒ እዩ” ኢለ መለስኩሉ።

ኣብታ ኽፍሊ ዝነበሩ ዅሎም ሰባት፡ እንተላይ እቶም ተዓወትቲ ሽልማት ኖበል ካዕካዕ ኢሎም ሰሓቑ። እቲ ሓጋጊ ኣካል ነቲ ፕሮጀክት ዚኸውን ገንዘብ ኪምወል እኳ እንተ ፈቐደ፡ ነቲ ዘቕረብክዎ ነጥቢ ኣሉ ዝበለ ግን ኣይነበረን።

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣብ ቤተይ ዚምዕብል ዝነበረ ዅነታት ኣትኵሮ ኽገብረሉ ኸም ዘሎኒ ተረድኣኒ። ምስ ፓትሪሻ ንሽዱሽተ ዓመት ዚኣክል ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ድሕሪ ምምይያጥና፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍ ምስ ደለየት፡ በቲ ውሳነኣ ጐሃኹ። እዚ ኸኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እትዓዮ ዕዮ ምንካይ ዚሓትት ነበረ። ሓንቲ ብስነ-መጎታዊ ኣተሓሳስባ እትምራሕ ሰብ ከመይ ገይራ ኸምኡ ዓይነት ሸቶ ኸተውጽእ ከም እትኽእል ኣበሳጨወኒ፡ ዝብሎ ወይ ዝገብሮ ነገር እውን ኣተሓሳስባኣ ኬቐይራ ዚኽእል ኣይነበረን።

ካብ ሓደ ኣብ መንጎ ትምህርትታት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን መጽሓፍ ቅዱስን ዘይምስምማዕ ከም ዘሎ ብቐሊሉ ኺሕብር ዚኽእል፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካባይ ንላዕሊ ፍልጠት ዘለዎ ኽኢላ ሓገዝ ደለኹ። ሓደ ኻብ ትምህርትታቶም ጥራይ ጌጋ ምዃኑ መረጋገጺ እንተ ተረኺቡ፡ ንዝተረፈ ትምህርትታቶም ኣብ ሕቶ መእተዎ። ነታ ቐመር እትፈቱ ሰበይተይ፡ እዚ ጥራይ እኹል እዩ ነይሩ። ምስ ሓደ ኣነን ፓትሪሻን ኣቐዲምና ኣብ እንኸደሉ ዝነበርና ቤተ-ክርስትያን ዜገልግል የሱሳዊ ኻህን ተራኸብኩ። እቲ ዝርርብና በቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ዝገለጽክዎ መገዲ ተዛዘመ። እቲ ኻህን ንሰበይተይ ምዝርራብ ምስ ኣበየ፡ ግዜ እኳ እንተ ወሰደለይ ባዕለይ ጌጋታት ረኺበ ንፓትሪሻ ኸርእያ ኸም ዘሎኒ ፈለጥኩ።

ጌጋታት ንምርካብ ዝገበርክዎ ጻዕሪ

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ልዕሊ ዅሉ ዝመሰጠኒ ነገር፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኣወዳድቓ ባቢሎን ዚገልጽ ዝርዝር ነጥብታት፡ ንኣብነት እቲ ንባቢሎን ዚስዕራ ቂሮስ ዝስሙ ምዃኑን ንምስዓራ ንፈለግ ኤፍራጥስ ናብ ካልእ ብምጥዋይ ዚጥቀመሉ ስልትን፡ ዳርጋ 200 ዓመት ኣቐዲሙ ነብዪ ኢሳይያስ ከም እተነበዮ ኣንበብኩ። (ኢሳይያስ 44:27–45:4) ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት፡ ብዛዕባ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ኣብ ዚወሃብ ትምህርቲ፡ ብዛዕባ ውድቀት ባቢሎን ኣጽኒዐ ነይረ። ነብዪ ዳንኤል እውን 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ብዛዕባ እቲ ሓያል ንጉስ ግሪኽን ንሱ ምስ ሞተ መንግስቱ ኣብ ኣርባዕተ ኻብኡ ዝደኸማ መንግስትታት ከም እትመቓቐልን ተነብዩ ምንባሩ ፈለጥኩ። (ዳንኤል 8:21, 22) ኣብቲ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ፡ ነቲ ብዛዕባ እስክንድር እቲ ዓብዪ ዚገልጽ ሓቅታት ዘከርክዎ። ብብሕተይ ኣብ መወከሲ ጽሑፋት ብዝገበርክዎ ምርምር ኣቢለ ኸኣ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መጻሕፍቲ ቕድሚ እቲ ብትንቢት እተነግረ ነገር ምፍጻሙ ኸም እተጻሕፈ መርትዖ ረኸብኩ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ መጽናዕቲ እናገበርኩ ብዝኸድኩ መጠን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ብዝያዳ ኽኣምን ጀመርኩ፣ ንዓመታት ዝገበርክዎ መጽናዕቲ ስነ-ሃይማኖት ካቶሊክ ግን ከምኡ ኼእምነኒ ኣይከኣለን ነይሩ። እሞኸ ነዚ ፍልጠተይ እንታይ እየ ኽገብረሉ፧ ህይወተይ ንየሆዋ ወፍየ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ወሰንኩ። (ኢሳይያስ 43:10) ምስቲ ኻህን ካብ ዝዘራረብ ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ብ1991 ተጠመቕኩ። ወድና ኸኣ ኣብታ እትቕጽል ዓመት ተጠምቀ።

ኣብ ህይወትና ሓድሽ እነተኵረሉ ነገር ብምርካብና፡ ናይ ስድራ ቤትና ሸቶታት ተቐየረ። ድሕሪ ጥምቀት ዝገበርክዎ ቐዳማይ ነገር፡ ሰበይተይ ጓል 50 ቕድሚ ምዃና ኻብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ እትህቦ ዝነበረት ትምህርቲ ብብቝሩብ እትወጸሉ ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ኣዳለኹ። ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ትደሊ ነበረት፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ፈላሚ ምዃን ከኣ ንኻልኦት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምምሃር ኣብ ዓመት 1,000 ሰዓት፡ ወይ ኣብ ወርሒ ዳርጋ 83 ሰዓት ምውፋይ የጠቓልል ነበረ። ብ1994 ስርሓ ስለ ዝነከየቶ፡ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት። ኣብ ፈለማ ኻብ ዘውጻእክዎ ሸቶታት፡ ኣገልግሎተይ ምምሕያሽ፡ ኣብ ጉባኤ ዓቕመይ ብዚፈቕደለይ ምሕጋዝ፡ ኣብ ከባቢና ንዚግበር ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብወለንታ ናይ ሕሳብ ዕዮ ምዕያይ ነበረ። 

ሓደ እዋን፡ ኣብ ስራሐይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽመያየጥ ኣጋጣሚ ተኸፍተለይ። ኣብ ስራሕና ኽትዓዪ እተመደበት ሓዳስ ተንታኒት ባጀት፡ ንዝኣመነትሉ ብንጥፈት ምዕያይ ዘቋረጸት ናይ የሆዋ ምስክር ኰይና ረኸብክዋ። ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓደራ ጥርጣረ ንእምነታ ኣዳኺምዎ ነይሩ። ነዛ ሰብ እዚኣ መንፈሳውነታ ንኸተደልድል ብምሕጋዘይ ሓጐስ ረኺበ እየ። ንሳ እውን ናብቲ ዝዓበየትሉ ኸባቢ ተመሊሳ፡ ፈላሚት ኰይና ኸተገልግል ጀመረት።

ብ1995 ኮሚተ ትምህርቲ ባይቶን ሰነትን ብዛዕባ ፈደራላዊ ምርምር ኣብ ዘቘሞ ፍሉይ ኣኼባ ተኣኪበ ነይረ። ኣቦ መንበር እቲ ኮሚተ ንተወካሊ ፈደራል ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ዓብዪ ስነ-ፍልጠታዊ መሳርሒ ንምስራሕ ተታሒዙ ዝነበረ ፕሮጀክት ሓተቶ። እቲ ኻብ ፈደራል ዝመጸ ብዓል ስልጣን ከኣ፡ እቲ ፕሮጀክት ንመንግስቲ ቴክሳስ ከም እተዋህበ፡ ብሰለስተ ምኽንያታት ግን ፈጺሙ ኸም ዘይተዛዘመ ገለጸ። ቀዳማይ፡ ነቲ ፕሮጀክት ንምውዳእ ዜድሊ ወጻኢ፡ ገና እቲ ፕሮጀክት ከይተጀመረ ኸሎ፡ ካብ ሽዱሽተ ቢልዮን ናብ ትሽዓተ ቢልዮን ክብ በለ። ካልኣይ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ነቲ ገንዘብ ኣብ ካልእ መዓላ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ብ1991 እተገብረ ውግእ ዒራቕ ኬውዕሎ ደለየ። ሳልሳይ፡ ንህይወት ዚምልከት ሕቶታት ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብ25 ሳንቲም መልሲ ኺረኽቡሉ ኸም ዚኽእሉ ተረድኡ። እቲ እተዛረብክዎ ነገር ብኻልኦት ኣቢሉ ዘይሩ ናብቲ ኣኼባ መጺኡ ኪኸውን ኣለዎ።

ኵሎም ኪስሕቁ ኸለዉ፡ ገሊኦም ኣባላት እቲ ኮሚተ ንዓይ ጠመቱኒ። ኣነ ድማ፡ ኵሎም እቶም ኣብኡ ዘለዉ ነቲ ንጽሑፋትና ዚምልከት እተገብረ ለውጥታት ምእንቲ ኺፈልጥዎ ኢለ፡ “ሕጂ ነቲ ጽሑፋት ጥራይ እንተ ኣንቢብኩም፡ ብናጻ መልስታት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም” በልክዎም።

ዜዕግብን ትርጕም ዘለዎን ህይወት

ሰበይተይ ጡረታ ምስ ወጸት፡ ንዓይ እውን ናይ ሓሙሽተ ዓመት መደብ ኣውጻእና። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ንምምሃር ዝያዳ ግዜ ኸሕልፍ ስለ ዝደለኹ፡ ቀስ ኢለ ኣብ ካልእ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ከናዲ ጀመርኩ። ከይተጸበኽዎ ግን እቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት ዝወሓደ ሰዓታት ክዓየሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ ኸፈተለይ። ስለዚ፡ ብ1998 ኣነ እውን ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ሓደ ንግሆ ኣነን ሰበይተይን ናብ ኣገልግሎት ክንከይድ ክንዳሎ ኸለና፡ ካብቲ ኣብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሌፎን ተደወለለይ። እቲ ደዋሊ ኣብ ብሩክሊን ኣብ ዚግበር ፕሮጀክት ክካፈል ዝደሊ እንተ ዀይነ ሕቶ ኣቕረበለይ። ኣነ ድማ ኣጸቢቐ ኸም ዝደሊ መለስኩሉ። ድሕሪኡ፡ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ከነገልግል ከኣልና። ነቲ ፕሮጀክት ምእንቲ ኽውድኦ፡ ዕድመይ ቅድሚ ምእካሉ ኻብ መንግስቲ ካሊፎርንያ ጡረታ ወጻእኩ። ድሕሪኡ፡ ኣብ ፈይርፊልድ፡ ካሊፎርንያ ኣብ እተገብረ ህንጸት ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለንተኛታት ኴንና ኣገልገልና። ኣብ ሳክራመንቶ እትርከብ ቤትና ሼጥና፡ ኣብ ፓሎ ኣልቶ ናብ እትርከብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ገዓዝና። ዕድመይ ቅድሚ ምእካሉ ጡረታ ምውጻአይ፡ ተወሳኺ በረኸት ኣምጸኣለይ። ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ናይጀርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካናዳ፡ ብሪጣንያ፡ ጀርመን ኣብ እተገብረ ፕሮጀክትታት ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዓዪና ኢና።

ከምቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዓና ዝሓገዙና፡ ኣነን ሰበይተይን እውን ብተራና ንኻልኦት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፈልጡ ብምሕጋዝ ሓጐስ ረኺብና ኢና። የሆዋ ዚህበና ትምህርቲ፡ ካብ ኵሉ ዝለዓለ ትምህርትታት ዚበልጽ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ እዩ ዚስምዓኒ። ብስፍሓቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መደብ ትምህርቲ ይበልጽ። የሆዋ ንመሰኻኽሩ ኣእምሮን ልብን ብዚጸሉ መገዲ፡ ሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምህሩ ኣሰልጢንዎም እዩ። ብሕጂ እውን ንኽመሃር ዚድርኸኒ ድማ እዚ እዩ። ኣነን ሰበይተይን ነዚ ሕጂ ዘሎና ህይወት ኰነ ነቲ ትምህርትና ንልዑላዊ ጐይታና የሆዋ ኣምላኽ ንኸነገልግለሉ ረኺብናዮ ዘሎና ፍሉይ ኣጋጣሚ ነመስግነሉ ኢና።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ምስ ጀመርኩ፡ ልዕሊ ዅሉ ዝመሰጠኒ ነገር ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ መዓልቲ መርዓና ምስ ፓትሪሻ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንኻልኦት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺፈልጡ ምሕጋዝ የሐጕሰና