ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸሊም ቅናት እተፈትሓሉ መዓልቲ

ጸሊም ቅናት እተፈትሓሉ መዓልቲ

ካብ ጋና እተላእከት ደብዳበ

ጸሊም ቅናት እተፈትሓሉ መዓልቲ

ከምቲ ገሚተዮ ዝነበርኩ ዀይኑ ኣይጸንሓንን። ካብ ጡጥ እተሰርሐ ጻዕዳ ኽዳን ተኸዲኑ፡ ኣብ ከባቢ ቐጢን መዓንጣኡ ሓሙሽተ ሰንቲ ሜተር ስፍሓት ዘለዎ ጸሊም ቅናት ተቐኒቱ፡ ንኺቃለስ እተዳለወ ብዚመስል ኣቋውማ ኣእዳዉ ኣዳልዩ፡ ነተን ሳእኒ ዘይወደያ ኣእጋሩ ፍንትት ኣቢሉ ነበረ። ገጹ ብዜፍርህ ኵነታት ተጸዊጉ ነበረ። ኣዒንቱ ድማ ርሕራሐ ብዘይብሉ መገዲ ኣተኲረን ይጥምታ ነበራ።

ሃንደበት፡ ብዓውታ “ያት!” ኢሉ እናጨደረ ተንቀሳቐሰ። ኣእዳዉ ነቲ ኣየር እናቐዘፋ ብቕጽበት ተወሳወሳ። ንሓደ ልሙጽ ዕንጨይቲ ድማ ብኣእዳው ኣብ ክልተ ጨደዶ። ንዝሰምበደ መጋጥምቱ ዚወቅዕ ዘሎ ብዚመስል ኵነታት፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣብ ኣየር ኣንሳፊፉ ዘለለ። እዝስ ብሓቂ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃር ዝሓተተ ሰብ ኪኸውንዶ ይኽእል፧

ሰላም ንኺብሎ ኢደይ ዘርጊሐ ንቕድሚት ገጸይ ሰጐምኩ። “ኮጆ ኢኻ ሓቀይዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከም ዝደለኻ ሰሚዐ እየ” በልክዎ። ንሱ ድማ ኣእዳወይ ጨቢጡ ብፍሽኽታ ሰላም በለኒ፡ ገጹ እውን ፍሽሑውን ምቕሉልን ነበረ። ሕጂ ኣዒንቱ ዜፍርሃ ዘይኰናስ፡ ንምፍላጥ ሃንቀው ዝበላ እየን። “እወ፡ ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብለኒ፡ መዓስ ኢና ኽንጅምር፧” በለኒ።

ኣብቲ በራንዳ፡ መጽሓፍ ቅዱስን መምሃሪ መጻሕፍትን ሒዝና ኾፍ በልና። እቲ ቦታ ዛሕሊ ዘለዎ፡ ጸጥ ዝበለ፡ ከምኡውን ብሕትው እዩ። ሰለስቴና ማለት ኮጆን ኣነን ንእሽቶ ወዓጉን ጥራይ ነበርና። እቲ 35 ሰንቲ ሜተር ዝቝመቱ ንእሽቶ ወዓግ፡ ኣብ ርእሱ ቐይሕ ጸጉሪ፡ ኣብ መንከሱ ድማ ዕታሮ ዝዀና ጻዕዳ ጭሕሚ ነበራኦ፣ እዚ ድማ መስሓቕን መትከኽን ከም ዚመስል ገበሮ። በሊሕን ተጻዋትን ጦብላቕን እዩ፣ ናብ ዝደለዮ እናተንቀሳቐሰ ኸኣ ንወረቓቕትና ይረጋግጽ፡ ብርዕና ይምንጥል፡ እተን ንእሽቶ ኣእዳዉ ናብ ጁባ ካምቻና ብምእታው ይፈታትሽ ነበረ። ከምቲ ወለዲ ንኣሽቱ ደቆም ኪርብሹ ኸለዉ ዕሽሽ ዚብልዎም፡ ኮጆ እውን እቲ ወዓግ ብዚገብሮ ምንቅስቓስ ኣቓልቦኡ ኸይተሰርቀ ኣብቲ ትምህርቲ ኣተኰረ። ብዙሕ ሕቶታት ይሓትት ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ኸም ዜስተውዕልን ንኺፈልጥ ሃንቀውታ ኸም ዘለዎን ተገንዘብኩ። ምናልባት ካራተ ትኩርን ጥንቁቕን ንኪኸውን ኣኽኢልዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ፡ እንተ ዘይኣሚንሉን ካብ ቅዱሳት ጹሑፋት መርትዖ እንተ ዘይቀሪብሉን ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣይቅበልን እዩ።

መጽናዕትና ብጽቡቕ ቀጸለ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግን፡ ምስ ውሽጣዊ ስምዒቱ ይቃለስ ከም ዘሎ ተገንዘብኩ። “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝፈትዎ ነገር እንተሎ፡ ማርሻል ኣርት ጥራይ እዩ” ኢሉ ነገረኒ። ነቲ ድሕሪ ብዙሕ ምምሕያሽ ዘጥረዮ ኽእለት ቃልሲ፡ ውፉይ ከም ዝነበረ ኽርኢ እኽእል ነበርኩ። ኣብ 26 ዕድሜኡ ካራተ ይፈቱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ክእለት ስለ ዝነበሮ፡ እተወሰኑ ሰባት ጥራይ ኪበጽሕዎ ዚኽእሉ መዓርግ ጸሊም ቅናት ነበሮ።

ኮጆ፡ ካራተ ኺሓድጎ ምዃኑን ዘይምዃኑን ርግጸኛ ኣይነበርኩን። ከም ተቓላሳይ ካራተ ዄንካ ብኢድካን ብእግርኻን ንኻልኦት ምጕዳእ፡ ምስቲ መለለዪ ፍቕሪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነ ርሕራሐን ለውሃትን ሓልዮትን ዘይቃዶ ምዃኑ ኸም እተገንዘበ ኣስተውዓልኩ። እንተዀነ ግን፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፡ ተሪር ንዝልቦም ሰባት ከም ዜረስርስ እፈልጥ እየ። ኮጆ እውን ቅኑዕ ልቢ እንተ ኣልይዎ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ቀስ ብቐስ ርሕሩሕን ሕያዋይን ኪኸውን እዩ። ክዕገስ ግን ኣሎኒ።

ሓያል ሃሩር ኣብ ዝነበሮ ሓደ ድሕሪ ቐትሪ መጽናዕትና ንኽንውድእ ቅሩብ ኪተርፈና ኸሎ፡ ንኮጆ ልክዕ ብመጋጥምቱ ሓያል ውቅዒት ከም እተወቕዐ ዀይኑ ንኺስምዖ ዝገበረት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንበብና። ነታ ጥቕሲ ባዕሉ፡ “እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፡ ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ኢሉ ኣንበባ። (መዝሙር 11:5) ነታ “ፈታው ግፍዒ” እትብል ሓሳብ ብትሑት ድምጺ ደገማ። እተን ኣብ ሓደ እዋን ተረርትን ዘይድፈራን ዝነበራ ኣዒንቱ ርሕራሐ ኼርእያ ጀመራ። ዓይኒ ዓይነይ እናጠመተ ፍሽኽ በለኒ። “ወሲነ እየ” ድማ በለ።

ሎሚ፡ ኣነን ኮጆን ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እንፈትዎ ዕዮ ንዓዪ፡ ማለት ከም ወለንተኛታት መምህራን ኴንና ነቶም ዚሰምዑ ሰባት ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ንምህሮም ኣሎና። ሓደ ንጉሆ፡ ሉቃስ ንዝስሙ መንእሰይ ክንበጽሖ ቘጸራ ነበረና።

ብጸቢብን ሰብ ብዚበዝሖን መገዲ ዕዳጋ ኣቢልና ኢና ናብ ገዛኡ ኼድና። እተዀመረ ጉዕ በርበረ፡ ኣብ ዘንቢል እተቐመጠ ዝበሰለ ኮሚደረ፡ እተዀመረ ባምያ፡ ረድዮታት፡ ጽላላት፡ ሳሙናታት፡ ኣርተፍሻል ጸጉሪ፡ ድስቲ ዅስኵስቲ፡ እተደርደረ ልባስ ክዳውንትን ሳእንን ዝኣመሰለ ሸቐጣት ዝሓዙ ሸቃጦ ኣብ መገዲ እቲ ዕዳጋ ነበሩ። ኣዋልድ፡ ቀመም ዘለዎ ምግቢ ዝሓዘ ኻብ ኣሉሚነም እተሰርሐ ገፊሕ ሸሓኒ ኣብ ርእሰን ተሰኪመን እናዞራ ይሸጣ ነበራ። ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ብብልሓት እናተዳፍኣ ኺሓልፋ ኸለዋ፡ እቲ ዝሓዛኦ ምቁር መረቕ፡ ተጠቢሱ ሕርር ዝበለ ዓሳ፡ ዕንቅርቢት ባሕሪ፡ ዓረነ፡ ዝጠመዩ ዓማዊል ንኺዕድጉ እዩ ዚገብር። ብጥቓ እግርና ኣኽላባት፡ ኣጣል፡ ቋቝ ዚብላ ደራሁ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ረድዮታት ዓዕ ኪብላ፡ ማካይን ቢብ ኪብላ፡ ሰባት ድማ ጫውጫው ኪብሉ ይስማዕ ነበረ።

ካብቲ ዕግርግር ዝበዝሖ ኸተማ፡ በቲ ዘይጥጡሕ መገዲ ጌርና ኣብቲ “ስፍራ ነዊሕ ጕዕዞ” ዚብል ቀለሙ ዝለቐቐ ምልክት እተለጠፎ ዝኣረገ ህንጻ በጻሕና። ሉቃስ ዚበሃል ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሜኡ ዚርከብ መንእሰይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ነበረ፡ ኣብ ጽላል ንኸነዕርፍ ከኣ ጸውዓና። ኣብቲ ቦታኡ፡ ንብረት እታ ባህላዊ ሓኪም ዝዀነት ሓትኖኡ ዝነበረ ዝደረቐ ተኽልታትን ሰራውርን ዝሓዘ ሳንጣታትን ሰናዱቕን፡ ብልሕጺ እተኣስረ ኣቝጽልቲ፡ እተቖራረጸ ቕላጣት ኦም መሊኡ ነበረ። ካብ ዝሓለፈ ወለዶታታ፡ ኣቝጽልቲ ጀፊዕካን ቀጥቂጥካን ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ዚፍውስ መድሃኒት ናይ ምስራሕ ፍልጠት ወሪሳ ነበረት። ሉቃስ ይጽበየና እዩ ነይሩ። ነቲ ጋሕመጥመጥ ዝበለ ምድሪ ቤት ኮሳቲሩ ሰለስተ ዱኳታት ኣዳለወ። ተጸጋጊዕና ኾፍ ብምባል ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትና ጀመርና።

ንሉቃስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኮጆ እዩ። ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢለ፡ እዞም ክልተ መንእሰያት ኣብ ምድሪ መከራ ብዛዕባ ዝበዝሓሉ ምኽንያት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጡ ኸለዉ ሰማዕክዎም። ኮጆ፡ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ኬውጽእ ንሉቃስ ኪሕግዞ ኸሎ፡ እተን ድልዱላት ኣእዳዉ ብህድኣት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ገጻት ኪግንጽላ ተዓዘብኩ። ቅድሚ ሓጺር እዋናት፡ እዘን ኣእዳው እዚኣተን ኣእዳው ተቓላሳይ ከም ዝነበራ ዘከርኩ። ቃል ኣምላኽ ነቲ ኣብዛ ስርዓት ዘይብላ ዓለም ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ባህርያት ዝነበሮ ሰብ ለዊጡ፡ ከም ርሕራሐን ፍቕርን ዝኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ዜንጸባርቕ ሰብ ንኪኸውን ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዎ። ካብዚ ዝበለጸ ዓወት ዚርከብ ኣይመስለንን።

ናብ ቤትና ኽንምለስ ከለና፡ ምስ ሓደ ኣብ ጽላል ተኽሊ ማንጉስ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሰብ ተዘራረብና። ኮጆ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺሉ ጥቕሲ ኼንብበሉ ኸሎ ጽን ኢሉ ሰምዐ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ምስ ፈለጠ ግን፡ ካብቲ ኾፍ ኢልዎ ዝነበረ ሃንደበት ብድድ ብምባል፡ “ኣይደልየኩምን እየ!” ኢሉ ብቝጥዓ ጨደረ። ኮጆ ሃንደበት ገጹ ተቐያየረ። ድሕሪኡ ግን ህድእ በለ። ገዲፍናዮ ድማ መገድና ቐጸልና።

ኣብ መገዲ ኽንከይድ ከለና ኮጆ ናባይ ጽግዕ ኢሉ፡ “ከምኡ ኺብለና ኸሎ ልበይ ትሃርም እያ ነይራ። ነቲ ሰብኣይ እንታይ ክገብሮ እኽእል ከም ዝነበርኩ ትፈልጥዶ፧” ኢሉ ሕሹኽ በለኒ። ብፍሽኽታ፡ “እወ፡ እፈልጥ እየ” በልክዎ። ንሱ እውን ፍሽኽ በለኒ፡ መገድና ድማ ቀጸልና።