ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም ምስሊ ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም ምስሊ ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ሕቶታት ኣንበብትና

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣምልኾኦም ምስሊ ዘይጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧

ኣብ መላእ ዓለም፡ ሰዓብቲ እምነት ሂንዱነት፡ ቡድህና፡ ካቶሊክ፡ ከምኡውን ኣባላት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን፡ ጣኦታት፡ ስእልታት፡ ወይ ምስልታት ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾኦም ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣምላኽ ወይ መንፈስ ኣምላኽ ኣለዎ ኢሎም ንዚሓስብዎ ኻብ ዕንጨይቲ ወይ እምኒ እተሰርሕ ቕርጽታት፡ ኣብ ኣምልኾኦም ይጥቀሙ እዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ዝዀነ ይኹን ጣኦት ወይ ምስሊ ኣብ ኣምልኾኦም ኣይጥቀሙን እዮም። ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ መአከቢኦም እንተ ደኣ ኼድካ፡ ስእሊ “ቕዱሳን” ኰነ ምስሊ የሱስ ወይ ማርያም ኣይትረክብን ኢኻ። * ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብል ርአ።

ኣምላኽ ካብ እስራኤላውያን እንታይ ብቕዓት እዩ ዚደሊ ነይሩ፧

የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም፡ ብኸመይ ኪምለኽ ከም ዚደሊ ንጹር መምርሒ ሃቦም። ካብተን ዓሰርተ ትእዛዛት እታ ኻልአይቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ።”—ዘጸኣት 20:4, 5

ኣምላኽ ነዚ ትእዛዛት እዚ ንሙሴ ኺህቦ ኸሎ፡ እስራኤላውያን ምራኽ ወርቂ ይሰርሑ ነበሩ፣ እዚ ድማ ነቲ ግብጻውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣምልኾ እንስሳታት ብምቕዳሕ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ነቲ ምስሊ ብስም ኣምላኽ ግብጻውያን ኣይሰመይዎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ኣምልኾ የሆዋ እዮም ኣተሓሒዞምዎ። (ዘጸኣት 32:5, 6) ኣምላኽከ እንታይ ምላሽ ሃበ፧ ኣብቶም ነቲ ጣኦት ዜምልኽዎ ዝነበሩ ሰባት ኵራኡ ነደደ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ምራኽ ወርቂ ኣንደዶ።—ዘጸኣት 32:9, 10, 19, 20

ድሕርዚ፡ የሆዋ ኣምላኽ ነታ ኻልአይቲ ትእዛዝ መብርሂ ሃበላ። ብሙሴ ኣቢሉ ንእስራኤላውያን፡ “ዝዀነ ምስሊ፡ [መልክዕ] ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ . . . ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዅሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡ ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ፡ ምስሊ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዅሉ ዓሳ” ኸይገብሩ ኣዘኻኸሮም። (ዘዳግም 4:15-18) ስለዚ፡ እስራኤላውያን ንኣምላኽ ኣብ ዜቕርብዎ ኣምልኾ፡ ዝዀነ ይኹን ቅርጺ ዘለዎ ጣኦት ኪገብሩ ኸም ዘይነበሮም ንጹር እዩ።

ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ጸኒሖም ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ወደቑ። የሆዋ ንኺእርሞም ኢሉ፡ ብሰንኪ እቲ ዝገበርዎ ኣምልኾ ጣኦት መቕጻዕቲ ኺወርዶም ምዃኑ ዜጠንቅቑ ነብያት ለኣኸሎም። (ኤርምያስ 19:3-5፣ ኣሞጽ 2:8) እስራኤላውያን ብደረጃ ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መጠንቀቕታታት ነጸግዎ። ስለዚ፡ የሆዋ፡ ብ607 ቅ.ክ. ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኬጥፍእዋ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኪማርኽዎም ፈቐደ።—2 ዜና መዋእል 36:20, 21፣ ኤርምያስ 25:11, 12

እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እንታይ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰባት ናብ ክርስትና ምስ ተቐየሩ፡ ንኣምላኽ ኣብ ዜቕርብዎ ኣምልኾ፡ ምስሊ ኣይጥቀሙን እዮም ነይሮም። ሓደ ድሜጥሮስ ዝስሙ ኣብ ኤፌሶን ዚነብር ጣኦት ዚሰርሕ ኣንጠረኛ፡ ብዛዕባ ስብከት ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም። እዚ ጳውሎስ፤ እዞም ብኢድ ዚግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኵላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዔን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን አሎኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 19:25, 26

ጳውሎስ እውን ነዚ ድሜጥሮስ እተዛረቦ ዜራጕድ ሓሳብ ሂቡ ነይሩ እዩ። ነቶም ኣብ ኣቴና ዝነበሩ ግሪኻውያን ኪዛረቦም ከሎ፡ “ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል፡ ክንሐስቦ ኣይግብኣናን እዩ። ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቍርና ኣሕሊፉ፡ . . . ሕጂ ኣብ ኵሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:29, 30) ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት እውን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ጸሓፈሎም፣ ‘ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ተመለስኩም’ ኢሉ ኸኣ ነኣዶም።—1 ተሰሎንቄ 1:9

ጳውሎስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ብዛዕባ ምጥቃም ንክርስትያናት ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን፡ “ካብ ጣኦታት ተሐለዉ” ኢሉ ብንጹር ነገሮም።—1 ዮሃንስ 5:21

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ንኣምላኽ ኬምልኹ ኸለው ዝዀነ ይኹን ምስሊ ኸይጥቀሙ ዚኽልክል ንጹር መምርሒኡ ይእዘዙ እዮም። ነቲ የሆዋ ኣምላኽ እተዛረቦ፡ “ኣነ [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ” ዚብል ቃላት ይኣምኑሉ እዮም።—ኢሳይያስ 42:8

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 4 ኣብ ገሊኡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ዝነበሩ ሰባት ስእሊ ይስቀል እዩ። እንተዀነ ግን፡ እዚ ስእልታት እዚ ኸም ስልማት ደኣ እዩ ዚቝጸር እምበር፡ ከም ሃይማኖታዊ ስእሊ ጌርካ ኣይምለኽን እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብዚ ስእልታት እዚ ኣይጽልዩን እዮም፡ ኣይሰግዱሉን እውን እዮም።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ኣነ [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ።”—ኢሳይያስ 42:8