ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ”

“ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ”

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ”

ዘጸኣት 3:1-10

“ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ።” (ኢሳይያስ 6:3 NW) እዘን መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እዚኣተን፡ የሆዋ ኣምላኽ ብንጽህናኡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ምዃኑ ይሕብራ። ‘ቅድስናኡ ብኻልኦት ዘይግደስን ዘይቅረብን ድዩ ዚገብሮ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ኣምላኽ ብሓቂዶ ንዓይ ንሓጥእን ንዘይፍጹምን ሰብ ይሓልየለይ እዩ፧’ ነቲ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ኣብ ዘጸኣት 3:1-10 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት እስከ ንመርምሮ።

ሙሴ ሓደ መዓልቲ ኣባጊዕ እናሓለወ ኸሎ ዘይልሙድ ትርኢት ረኣየ፡ ቈጥቋጥ ሓዊ ትነድድ ነበረት፡ ግን “ኣይተበልዔትን።” (ቍጽሪ 2) እንታይ ምዃኑ ኺፈልጥ ስለ እተሃንጠየ ኸኣ ኬጻሪ ቐረበ። የሆዋ ንሙሴ ብመልኣኹ ኣቢሉ ኻብ ማእከል እቲ ቘጥቋጥ፡ “ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ” በሎ። (ቍጽሪ 5) እቲ ቕዱስ ኣምላኽ በቲ ዚነድድ ዝነበረ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ተወኪሉ ስለ ዝነበረ፡ እታ ምድሪ ንባዕላ ከም እተቐደሰት ኣስተውዕል!

እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ንሙሴ ኼዘራርቦ ምኽንያት ነበሮ። ኣምላኽ፡ “ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዜእውይዎ ኸኣ ሰሚዔ አሎኹ” በለ። (ቍጽሪ 7) የሆዋ ንመከራኦም ርእዩ ኸም ዘይረአየ ኣይኰነን፡ ንጥርዓኖም እውን ጸማም እዝኒ ኣይሃቦን። የግዳስ፡ ስቓዮም ተሰመዖ። ኣምላኽ፡ “ስቓዮም ኣጸቢቐ ርኤኹ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ብዛዕባ እተን “ኣጸቢቐ ርኤኹ” ዚብላ ቓላት፡ “ብሕታዊ ስምዒትን ለውሃትን ርሕራሐን የመልክታ” በለ። እቲ የሆዋ ንሙሴ እተዛረቦ ቓላት፡ ኣጸቢቑ ዚግደስን ዚሓልን ምዃኑ እዩ ዜርኢ።

እሞ ደኣ ኣምላኽ እንታይ ገበረ፧ ብድንጋጽ ርእዩ ወይ ብርሕራሐ ሰሚዑ ጥራይ ስቕ ኣይበለን። የግዳስ፡ ስጕምቲ ኺወስድ ተደረኸ። ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ኣውጺኡ ናብታ “ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ” ኼእትዎም ወሰነ። (ቍጽሪ 8) ከምዚ ንምግባር ድማ ‘ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ንኼውጽኦም’ ንሙሴ መዘዞ። (ቍጽሪ 10) ሙሴ ነቲ እተዋህቦ መዝነት ብተኣማንነት ብምፍጻም፡ ብ1513 ቅ.ክ. ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ መሪሑ ኣውጸኦም።

የሆዋ ኣይተቐየረን። ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቱ ጸገማቶም ከም ዚርእን ኣውያቶም ከም ዚሰምዕን ርግጸኛታት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዜሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ለዋህ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ነቶም ውፉያት ኣገልገልቱ ይርሕርሓሎም ኪበሃል ከሎ ንስምዒቱ ጥራይ ኣይኰነን ዜመልክት። ኣብ ክንዳኡስ ‘ስለ ዚሓልየሎም’ ስጕምቲ ንኺወስድ ከም ዚድረኽ እውን የመልክት እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ርሕራሐ ኣምላኽ፡ ተስፋ ንኽንገብር ምኽንያት ይዀነና እዩ። ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት በቲ ንሱ ዚህበና ሓገዝ፡ ብቕድስና ኽንመላለስን ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ክንረክብን ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ሓንቲ ብመንፈስ ጭንቀትን ብተስፋ ምቝራጽን እትሳቐ ክርስትያን፡ በቲ ሙሴ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዘሕለፎ ተመክሮ ዚገልጽ ጸብጻብ ምጽንናዕ ረኸበት። “የሆዋ ንሓመድ እኳ ቕዱስ ኪገብሮ ኻብ ከኣለ፡ ንዓይ እሞ ኸኣ ንእሽቶ ተስፋ ኺህልወኒ ይኽእል እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ኣጸቢቑ እዩ ሓጊዙኒ” ድማ በለት።

ብዛዕባ እቲ ቕዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝያዳ ኽትፈልጥ ተደሪኽካዶ፧ ምስኡ ጥብቂ ርክብ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ፣ ከመይሲ፡ የሆዋ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።”—መዝሙር 103:14